" ናይ ብፁእ ኣቦና ኤልያስ ምምጽእ ናብ ሃገር ስብከትና ክንርኢ ንግሆ ንግሆ ዓይንና ሓሲና፡ ገጽ ንገጽ ክንራኸብ ንጽበ ነይራ። ምሳዛ ክብርቲ መዓልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀልጢፉ ከራኽበና፡ ካብ ጸሎት ኣዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ነዛ መዓልቲ ካብ ርሑቅ ኣማዓሚድና ንርእያ ነይርና። ትመጸና ከም ዘነበረት ኣይዘንጋዕናን። ኣቦና ክህልወና ቢሂግና፡ ናፍቆት ኣቦነት ንልብና ስዒርዎ። ናይቲ ዝጓስየና ኣቦ ገጹ ክንርኢ፡ ኣብ ትሕቲ […]
ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ብብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ብሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ቀሲስ በረከት ኪዳነን ተሰንዮም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ብሰላም በጺሖም። ኣብ ዋሽንተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከቡ ካህናትን መእምናን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም […]
ኣብ ቤተ-ክርስቲያና ድሕሪ ቅዳሴ ምውድኡ ክርስቶስ “ተንሣአ እሙታን“ ኢሉ ምስ ተኣወጀ ንቤተ-ክርስቲያን ሞባእን ገጸ በረኸትን ዝሃቡ ኣሕዋትና ስሞም እናተረቁሐ ይትወከፍ ተበሃለሎ። ምእመንናን በቲ ዝተገበረ ሞባእ ታሕጓሶም ንምግላጽ ዕልልታ ደርጉሕዎ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ መስዋዕቲ ጽድቆም ክቅበለሎምውን ጸሎት ተግብረሎም። ማክዳ፡ እዛ ሥዕሊ ናይ ቅድስት ሥላሴ መን ስኢልዋ፧ ሽም ናይቲ ዝሰኣላ ወይ ዘወፈያ ኣይሰማዕክዋን ብጣዕሚ ጽብቅቲ፡ […]
ስለምንታይ ኣብ ግዜ ሕማማት ብዘይካ ኣብ ኃሙስ ጽግቦ(ምሴታ ሓሙስ) ዝግበር ቅዳሴ ፡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ጸሎትን ካብ ወሽጢ ቤተ መቅደስ ወጻኢ ይካየድ፧ ኣብ ዘመነ ኣሪት ናይ ሓጥያት መስዋዕቲ ከቀርቡ ከሎ እቲ ዝተዳለወ መሥዋዕቲ ኃጥያት ካብ ቤት- መቅደስ ወጻኢ ኣብ ኣፍደገ እቲ መቅደስ ይሕርርዎ ነይሮም። ምኽንያቱ እቲ ዝሓርር መሥዋዕትን ሽትኡን ከይትንክዮም እሞ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን። እዛ ሰንበት መዓልቲ ስየ፡ ሥጋና ለቢሱ ንዓና ክድኅነና ዝመጸ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንግስነቱ ዝተገልጹ መዓልቲ እዮ። ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ኣድጊ ተወጢሑ ክመጽእ ከሎ እቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሕዝቢ ክብሩን ንግስነቱ ንኽገልጹ ስየን ክዳውንቶም ኣንጺፎም መድኃኔ-ዓለም ብምዃኑ ብምምስካር ጐይትነቱ ተቀቢሎም። ንሕናውን ካብዛ ቅድስቲ መዓልቲ ሆሳዕና መድኃኔ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ቃል ኣምላኽ ከም ዝነግረና ጸርፊ ኃጢኣት ኢዩ፡ ንገሃነመ እሳትውን የውርድ ኢዩ። [ማቴ 5፥22] ኣሽንኳይ ወዲ ሰብ እቶም ሰፈሮም ዝኃደጉ መላእኽቲ ብዝገበርዎ ዓመጽን ክሕደትን፡ ጸርፍን ጥልመትን ዓስቢ ክፍኣቶም ምእንቲ ክረኽቡ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ ኣዳልይሎም ኣሎ። [ይሁ ቁ 6] እቶም ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ፡ ብሕልሚ ተገሊጽልና ኢዩ እናበሉ ንሰብነቶም ዘርክሱ፡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ነቢይ ማለት "ናቪ" ካብ ዝብል ቋንቋ እብራይስጥ ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጕሙ ኸኣ ምጽዋዕ፡ ምብሳር፡ ምንጋር ማለት ዩ። እቶም ንብሉይ ኪዳን ናብ ቋንቋ ግሪክ ዝተርጐምዎ ሊቃውንት ነዚ ቃል'ዚ ክትርጒምዎ ከለው "ፕሮፌቴስ" ዝብል ትርጕም ኢዮም ሂቦሞ። ነዚ ነገር'ዚ በብሓደ ክንርእዮ እንተድኣ ፈቲና፡ "ፕሮ" ማለት ንቅድሚት ዝኸውን ወይ ንመጻኢ ዝፍጸም ክኸውን […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ካብ ኅዳር 6 - ታኅሣሥ 6 ዘሎ 31 መዓልታት ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ኣስተምህሮ ማለት ኸኣ 'ይቕሬታ ወይ ምሕረት' ማለት 'ዩ። - ኣብ ውሽጢ ዘመነ ኣስተምህሮ 4 ወይ 5 ሰናብት ይርከባ። ንሳተን ከኣ ፦ ሀ. ካብ 13 - 19 ኅዳር 'ቅድስት' ፡ ለ. ካብ 20 - 26 ኅዳር' ምኵራብ' […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። አዘክሪ ድንግል... ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት 26 መስከረም ክሳብ 5 ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን ንሓደ ክርስቲያን፤ ሃይማኖት ዘየብሉ ጎረቤት ነበሮ። ንሱ ድማ ንግሆ ንጉሆ እናጸረገ ጐሓፍ ደምበኡ ናብ ገዝኡ ይድርብየሉ ነበረ። ነዚ ክፉእ ተግባር ከኣ ሥርሐይ ኢሉ ተተኃኃዞ። እቲ ክርስቲያን'ውን ኣይሓመቐን እቲ ተጸሚምካ ምኻድን ሕነ ክትፈዲ ሃሰውሰው ዘይምባልን ናተይ ቢሉ ተተኃኃዞ። ነቲ ናቱን ናይ ጎረቤቱን ድማ ብሓባር ናብ ወጻኢ ይጉሕፎ […]