ሓዳር አብ ስደት ታሽዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።

ዳናይት ቐጠልያ ሻሂ እናሰተየት መጽሐፍ ተንብብ ኣላ። እታ መጽሐፍ ኣመና ስለ ዝመሰጠታ ኣብታ መጽሐፍ ክትኣኡ ኣይጸልአትን። እቲ መጽሐፍ ኣብ ጥቃ ገጻ ኣቅሪባ ተንብቦ ኣላ። ንስምዒታ ብሓጎስ ዝትንክፍ ክፋል ናይቲ መጽሐፍ ስለ ዘንበብት፡ ጻዕዳ በረት ኣስናና ተኸፊቱ ንገጻ ብብርሃን ኮልዖ። ምስ ሰብ ተዕልል ከም ዘላ ሰሓቀ ። ኣብ ካልእ ሰምዒት ዓለም ተጸሚዳ ከላ፡ ዮኤል ሰዲያ ስሒቡ ኣብ ቅድሚኣ ኮፍ በለ። ዘዕግብ ሰላምታ ከምቲ ናይ ቀደማ ኣይሃበቶን። ሓንሳብ ዮኤለይ እዛ ገጻ ከንብባ ብምባል ንሓደ ሓሙሽተ ደቂቅ ዕላላ ምስታ መጽሐፍ ቀጸለት። ዮኤል ተሌፎን ይጠዋውቕ።

 
ሰላምታ ኣየቀደመትን፡ እቲ ጨካን ንክርስቲያን ዝቐትል ሰብ፡ ብንስሓ ተመሊሱ። ኩሉ ንብረቱን ሃብትን ሸይጡ ንድኻታት ሂቡ። ኵሉ ኃጢያቱ ንድሕሪት ገዲፉ፡ ናብ ዓለም ከይጠመተ ናብ ገዳም ተንጸንቢሩ። ኣብቲ ገዳም ንነዊሕ ዓመታት ብመንፈሳዊት ሕይወት በሲሉ። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ናይ ቀደም ዓርኩ ናብቲ ገዳሙ መጸ። እቲ ዓርኩ በቲ ኵሉ ዘርኣዮ ነገር ድንጽው በሎ። ብዓይኑ ዝርኣዮ፡ ክኣመን ኣይከኣለን። እዚ መነኰስ ዓርኩ፡ ብዝርኣዮ ነገራት ቀልጢፉ ናይ ምስሓብን ናይ ምርባሽን መንፈስ ከም ዝነበሮ ዘኪሩ፡ ንዓመታት ዝኣክል ካብ ሰብን ዓለም ተፊልዩ ኣብ ገዳም ምንባሩ፡ ተኣምር ኰኖ። “ይገርምካ’ዩ ኣብ ገዳም ክሳብ ሎሚ ትጸንዕ ኣይመሰለንን” ኣብ ግዜ ጸሎት ከመይ ጌይርካ ብደገ ዝመጸካ ሰሓቢ ነገር ከይተረበሽካ፡ ሓሳባትካ ከተሰርቀ ኣብ ጸሎት ተተኺልካ፡ እዚ ኹሉ ዓመታት ኢሉ ” ብምባል ሓቶቶ።” እዚ ቀሊል ነገር’ዩ። ንትኹረተይ ዝሰርቅ ሓሳባትን ነገራትን ከም ስፕም ኤመይል ሒዘ ሸለል ይብሎ። ንዑኡ ሸለል ኢለ ናብቲ ኣገዳሲ ናይ ሰማይ መልእኽቲ ይኸየድ። ስፓም ኤመይ ቫይረስ፡ ርሳሕ ዝኾነ መልእኽቲ ከም ዝሕዝ ስለ ዝፈልጥ ዋላ ንኽርእዮውን ኣይከፍቶን እየ። ዝጠቅም መልእኽቲ የብሉን፡ ናይ ሓሶትን ናይ ምትላልን መልእኽቲ ጥራይ ሒዙ’ዩ ዝመጸካ።

 
ሓቂ እንድዮ ደአ ገጽኪ ፍስሃ ክዓስሎ። ብጣዕሚ ዝሕጎስ ነገር’ዩ። ኣብ ምድሪ ብዝንሳሕ ሰብ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስን ደስታን’ዩ ዝኸውን። መልኣኽቲ ሰማይ ይሕጎሱ፡ ፈጣሪና’ውን ባህ ይብሎ። ኣብዛ ሰዓት እዚ ሰብ ዘይርድኦ ሓጎስ ካብዛ ዓለም ዘይኮነ ባህታ ኣብ ልብኺ ተወሊዑ።  ከመይ ቀኒኺ ዳኑ ሓፍተይ፧ ዮኤልይ ”ኣምላኽ ይመስገን”። ሰላም እባ ኣይበልኩኻን። ይቅሬታ እዛ መጽሐፍ ናብ ካልእ ሃገርን ሕዝብን ወሲዳትኒ ጸኒሓ። እሱ ጥራይ ብዙሕ  ነገራትኪ ተቐይርክኒ ኣለኺ። ኣብ ገጽኪ ደቢኑ ዘነበረ ሕራቃን፡ በኒኑ ከም ጸሐይ ንግሆ በሪህኪ ይርኢ ኣለኹ። ኣከዳድናኽ’ውን ተቀያይሩ’ዶ ሓቀይ።

 
ካብ ዘይንራኸብ ሠለስተ ሰሙን ኮይኑ መስለኒ። ተመሰገን ፈጣሪ ኩሉ ዓለም። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሓዳረይ ጸግኡ ኣብዚሕለይ። ምስ ዲን. ዮናስ  እቲ ዘየራዳድእና ነጥብታት ዓቢስናዮ። ኵሉ ኣብ ወሽጥና ዝተቐብረ ሓቅታት ሓደ ብሓደ ተዛሪብናሉ። ኣብቲ ድኹም ጎንና ብሓደ ሓቢርና ንምዕራይ ክንዓይ ተሰማሚዕና። ምስ ኣበ-ነፍስና ተማኺርና።  ቀዳምነት ኣብ ሕይወትና መንፈሳውን ሓሳብ፡ ንኣምለከ ኵሉ ፍጥረት ከነቐድም ተረዳዲኢና። ኣብዚ ጉዳይ ንስኻ ዓቢ ተራ ተጻዊትካ ኢኻ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣዒዚዙ በረኸቱ የብዝሓልካ ዩኤል ሓወይ። ንሕና’ውን ንሕና ንኽእሎ ፈተና ይሃበና እምበር እዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ዳርጋ ጨርቀይ ደርቢየ ነይረ። ምስ ዓርክኻ ንቅጽል ኮይኑ ኣይስመዓንን ነይሩ።

 
ዋላ ሓንቲ ዝተዋሳእክዋ ተራ የለን። ከምዚ ኢልኪ ልብኺ ብሓጎስ ክመልእ፡ ናይ ትማሊ በርሁ ገጽኪ፡ ተኾሊዑ  ክርእየኪ ከለኹ ደስ ይብለኒ ዳኑ። ሕይወት ብፈተና ዝተኸበበት ጽቡቅቲ ዕንበባ ፍዮሪ እያ። ጉዳይ ኣከዳድና ግና ኣይገለጽለይን።

 
ክክክ . . . . . .  እንታይ ፈሊጠሉ ኢላክኒ ኢኻ። ትዝክሮ’ዶ ሓደ መዓልቲ ኣከዳድናይን መልክዓይን ምንጪ ሓጎሰይ ምዃኑ ጠቂሰልካ ነይረ። ተጸባቢቀ ክርአ ከለኹ ዕግበት ይስመዓኒ ነይሩ። ግና እቲ ዕግበት ካብ ሰባት ብዝረኽቦ ናእዳን ግብረ መልስን እምበር እቲ ክዳውንቲ ከመይ ዘይፍጥረልይ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ቀስ ብቀስ ካብ እምነት ዝርከብ ዕግበት እቲ ሓቅኛ ሓጎስን ደስታን  ምዃኑ ክርደኣኒ ጀሚሩ። ገንዘብ ከይህለኽካ፡ መጸባበቂ ንብረትን ከተጠቀምካ፡ ልብኻ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ብምሃብ ዝርከብ ሰላምን ደስታን ከስተማቅር ጀሚረ። እቲ ካብ ክርስቶስ ዝረኽቦ ዕግበትን እቲ ተጸባቢቀ ዝረኽቦ ደስታን ፍልልዮ ኣብ ልበይ ተዓዚበዮ። ሓቀኛ ዕግበትን ታሕጓስን ካብ ውሽጢ ልብኻ ብዝፍልፍል ዕምቀት እምነት ዘብረቅርቅ ምዃኑ በሪህለይ። ደስታን ሓጎስን ባህታን ካብ ቤዛ-ዓለም ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝርከብ በሪህለይ። ስለዚ ካብ ኣብ ክዳውንትን ጨርቅን ኣብቲ ወሃቢ ሰላምን ሓጎስን ዝኾነ ክርስቶስ፡ኵሉ ግዜይን ሕይወትን ከወፊ ወሲነ። ኣምላኽ ይመስገን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣስተማቂረዮ ዘይፈልጥን መቀረት የኾምስዕ ኣለኹ።

ክገርምኪ እቲ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጉዳይ ክዳንን መልክዕ ትዛረብዮ ዝነበርኪ ኣርእስቲ ሓደ መዓልቲ ክንዝትየሉ ይሓስብ ነይረ። ግና ቀዲምክኒ። ካብ ብቃል ብግብሪ ኣርኢኽኒ።፡ “ ስሕበት መታለሊ እዮ። ጽባቐ ድማ ሓላፊ እዮ። ንእግዚአብሔር ኣምላኽ እትፈርሕ ሰበይቲ ግና ክትምስገን እያ።” ምሳ.31:30 ይብል።

 
ቐልጢፍካ እባ ናብ ምንኣድ ኣይትጉየይ ዮኤል ክክ.... ። መወዳእታይ ከጸብቀለይ ኣብ ጸሎትካ ዘክረኒ። ምኽርኻን ሕውነታዊ ደገፍካን ኣይፈለየኒ። ዮሐንስ ኣፈወርቅ  "ሓቀኛ ጽባቐ ነፍሲ፡ እቲ እትመርሖ ሠናይ ሕይወት እዩ። ንሱ እዩ እቲ ኵሉ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ጽባቐ" ኢሉ። ደጋዊ ጽባቐ ምድላይ ምስቲ ነባሪ ጽባቐ፡ ጽቡቕ  ክነጻጸር ከሎ ከንቱ  ጻዕሪ ምዃኑ ክግንዘብ ጀሚረ። ካብ ናይ ኣካላተይ ጽበቀ፡ ኣብ ጽባቀ መንፈሳዊ ሕይወት ዝያዳ ግዜ ምስ ኣጥፋእኩ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልበይ ተወሊዑ ዘይፈልጥ ምስጉን ሕይወት ይሕልፍ ኣለኹ።

"ስለምንታይከ ብዛዕባ ክዳን ትጭነቑ፧ ንዕምባባታር መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዮ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እካ በቲ ኹሉ ኽቡሩ ከም ሓደ ካብኣታቶም ከም ዘይተኽደነ፡ እብለኩም ኣለኹ ።” ማቴ6:28። እዚ ክፍሊ እዚ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ኣብቲ ቀሊልን ዘይተሰለመን ኩነታቱ፡ ኪኖ ሃብቲ ሰሎሞን ጽባቐ ከም ዝሕዝ የዘኻኽረና። እዚ ምስ ትዝክር ብሓድሽ ርድኢት ብምሓዝ በብቑሩብ ነቲ ምስ ግዳማዊ ጽባቐ ዘለካ ምትእስሳር ይዝሕል። ግዜኻን ጉልበትካን ኣብ ተግባራዊ መንፈሳዊ ሕይወት፡ ርህራሄ፡ ንኻልኦት ሰባት ኣገልግሎትን ከተውፍር ትጅምር።  ከምቲ  ቅዱስ ጊዮርጊስ  ዘኒሳ "ንሕና ናይ ጐይቶት ህያብ ዘይኮነስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ  ክንከውን ኢና ዝተጸዋዕና።" ዝብል ቃል ተመሪሕካ ኣብ ምስትምቃር መንፈሳዊ ሕይወት ግዜኻ ተህልኾ።

ኣማን ብኣምን ይሰማማዕ ምስ ሓሳብካ። እቲ ነባሪ ሓጎስ ዘምጽእ፡ ሓቀኛ ጽባቐ ምስ ክርስቶስ ኣምላኽ ዘለና ርክብን ኣብቲ ናቱ እንካፈሎ ፍቕርን’ዩ ክምርኮስ ዘለዎ። ውሽጣዊ ጽባቐ ናይ ሓደ ሰብ ፡ ትሕትና፡ ለውሃት እዮ ። ርእሰ ፍትወት ዘይብሉ ፍቕሪ እቶም ቅዱሳን ናይ እምነት ሓርበኛታት ዝኾኑ ኦርቶዶክሳዊ ኣቦታትና ምሂሮሙና እዮም። እሞ እምነት ኣቦታትና ክንወርስን እቲ ተግባራዊ መንፈሳዊ ሕይወት ክንመላለስን እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽላሉ ይዘርግሓልና።

 ተፈጸመ

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

ሰሱና

Comments are closed.