ሓደስቲ ጽሑፋት
ቅዱስ ቴዎድሮስ ዘሮም
Posted on ሚያዝያ 24, 2024ዳዊቶም ኣንቢቦም ምስ ወድኡ ተሳሊሞም ኣምላከ ዳዊት ይሓልወና ኢሎም አቡነ ዘበሰማያት እንዳኣብጽሑ እየ ኣፈ ልዳቶም ኣንካሕኪሐ ዝእተኹ። አባ ይፍቲ ኢለ ኣብ ኩሊ ጊዜ ኮፍ ዝብላ ኩርሰይ ኮፍ በል ዘማርያም ወደይ በሉኒ። ናንኦም ኣቅርብ ኣቢለ ኮፍ ምስ በለኩ ። ከመይ ዊዒልካ ዘማርያም ወደይ ። እግዚአብሔር ይመስገን ኣቦ ኢለ ዓይኒ ዓይኖም እንዳጠምአትኩ...
ሓዳር አብ ስደት ታሽዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል
Posted on ታሕሳስ 16, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን። ዳናይት ቐጠልያ ሻሂ እናሰተየት መጽሐፍ ተንብብ ኣላ። እታ መጽሐፍ ኣመና ስለ ዝመሰጠታ ኣብታ መጽሐፍ ክትኣኡ ኣይጸልአትን። እቲ መጽሐፍ ኣብ ጥቃ ገጻ ኣቅሪባ ተንብቦ ኣላ። ንስምዒታ ብሓጎስ ዝትንክፍ ክፋል ናይቲ መጽሐፍ ስለ ዘንበብት፡ ጻዕዳ በረት ኣስናና ተኸፊቱ ንገጻ ብብርሃን ኮልዖ። ምስ ሰብ ተዕልል...
ሓዳር-አብ-ስደት ሻምናይ ክፋል
Posted on ሕዳር 9, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ወርቃዊ ጩራ ጸሓይ ናብ ኣድማስ ገጹ እናወረደ ከሎ፡ ዳናይት ኣብቲ ርጉእ ጀርዲኖም መጽሐፍ ጸሎት ሒዛ ተንበርኪኻ ኣላ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኣብ ልባ ዝኸበደ ጾር ክትስከሞ ከም ዘይትኽእል፡ ኣስተንተነት። ካብቲ ክትኣምኖ ትፍቅሮን በዓል ቤታ ንላዕሊ ነቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዲ. ዮናስ ዩኤል ምስጢሩ ምክፋላ ዮኤል...
ሓዳር-ኣብ-ስደት ሻብዓይ ክፋል
Posted on ጥቅምቲ 29, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ:: ዲ.ዮናስ ምስ ዮኤል ኣስቤዛ ክገዝኡ ኣብ...
ሓዳር ስደት ሻድሻይ ክፋል
Posted on ጥቅምቲ 14, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ:: ዳናይት መኪና እናዘወረት ንገዝኣ ክትከይድ ትኸየድ ኣላ። ኣብ ሕይወታ ዝገበረቶ ቅኑዕ ዘይኮነ ውሳነ ክትወቅሳ ጀመረት። እዚ ኩሉ ዘየድሊ ምፍጣጥ ኣብ ሓዳረይ ተፈጢሩ ዘሎ መስጣ ዮኤል’ዶ ይኸውን። ዮኤል ደጋጊሙ ክሓተኒ፡ ከሎ ብጥዑም ድምጺ ዜማን ስብከትን ዲ.ዮናስ ተማሪኸ ንዯኤል ኣይፋል ክብል ኣይነበረንን። ጥዑም ዜማ፡ ንምምስጋን...
ክፍሊት (Pay Online)
ሓገዝ (ወፈያ) ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ንክትገብሩ፤ መብጽዓኹም ክትከፍሉ ምስ እትደልዩ ወይ እውን ናይ ኣባልነት ወርሓዊ ክፍሊት ንኽትከፍሉ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ምርጫታት ብምጥዋቅ ነቲ ዝደለኹሞ ዓይነት ክፍሊት ፈጽሙ።
4ይ ሰንበት ድህሪ ትንሳኤ
ጠቀምቲ ገጻት (Links)
ዜና ቤተክርስቲያን
ሕቶን መልስን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን::
መልሲ፡
ሀ.- ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ካህናት ኣቦታትና መስቀል ኣይሕዙን፡ ንሕና'ውን መስቀል ኣይንሳለምን፡፡ እዚ ድማ ኃይሊ ክብሪ መስቀል ዝተገልጸ መስቀል ትርጓሜ ሊቃውንት
መ= መከራ ፡
ስ=ስቅለት ፡
ቀ= ቀራንዮ ፡
ል= ልደት ፡ መስቀል መድኃኒት ነፍስና ዝኾነ ድኅሪ ሥቅለት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፥ እዞም ዅሎም ዚመፁ ድማ ድኅሪ ሥቅለት እዩ፡፡ ከምኡ ድማ እዛ ሰሙን ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌ እየን፡ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ኣገልግሎት መስቀል ኣይተጀመረን፡ ከም ናይ መወዳእታ ፍርዲ መቅጻዕቲ ደኣ ይጥቀምሉ ነበሩ።
ለ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ንስሓ ኣይወሃብን፡ ዝተወልደ ሕፃን ክርስትና ኣይለዓልን ማለት ጥምቀት ኣይጥመቅን፡ዝሞተ ሰብ ዋላ ጸሎተ ፍትሓት ኣይግበረሉን፡ ጸሎተ ፍትሓት ኣብ ሆሳእና ሰንበት ዝተገብረ ንሰሙን ምሉእ የገልግል፡ ስለዚ ኣብ ሕማማት ጊዜ ፍትሓት ኣይግበርን።
ሐ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንጽልዮም ጸሎታት ነብጽሖም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ውዳሴ ማርያም፡መዝሙረ ዳዊት፡ሕማማተ መስቀል፡ድርሳነ ማኅየዊ፡ መልክዐ ሕማማት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እምበር ካልኦት ድርሳናት ገድልታት መልክዐ መልክዕ ኣይድገምን፡፡ ጸሎተ ሃይማኖት ከማን ክንጽልይ ከለና ጸሎተ ሃይማኖት ኢልና ጀሚርና "በመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጤናዌ ሐመ" ኢልና ነቋርጽ፡ ዓርቢ ምሸት ድማ "ወሞተ ወተቀብረ" ኢልና ነቋርጽ፡ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ንደሓር ክሳዕ ፍጻሜ ንደግሞ።
መ. -ኣብ ጊዜ ሕማማት ሙሉእ ሰሙን ብዘይካ ኃሙስ ጽግቦ ስጋብ ሕጽበተ እግሪ ይስገድ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያና ኣብ ዝመጸት ወርኂ ዘይስገደለን በዓላት ኣለዋ ንሳተን ድማ፥
1.ቀዳመ
2.ሰንበት
3.ብ12 ዕለት ቅዱስ ሚካኤል፡
4.ብ21 በዓለ ማርያም
5፡ ብ 29 በዓለ እግዚአብሔር እየን፡ ኣጋጣሚ ኣብዘን በዓላት ሕማማት እንተበዓለ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ይስገድ እዩ፡ ከመይ ምስ ንብል ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ዝመጽእ ካብ ሰሙነ ሕማማት ዝዓቢ ነገር ድማ የለን፡፡ ከም መቐጻልታ እዚ’ውንውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብዕለት 9 ጥቅምት 2008 (20 ጥቅምቲ 2015 ፈረንጂ) ዓ.ም. ደጊምውን ብ24-25 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ( 1- 2 ሰነ 2016 ፈረንጂ) ዝተቓንዐ ምልኣተ ኣባላት ዝነበሮ ጉባኤ፡ ብጉባኤ ሊቃውንት ንዝቐረበሉ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ሾብዓተ ኣርእስቲ መርሚሩን ኣመኃይሹን ብምጻድቕ ነቶም ኣንቀጻት ብዝግባእ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ክትግበር ውሳኔኡ ሂቡ ኔሩ። እቶም ኣንቀጻት ድማ፥ 1. ሥርዓተ ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት፡ 2. መንጦላዕት ቤተ መቅደስ ዝምልከት፡ 3. ኣልባሳትን ኣለባብሳን ውሉደ ክህነት ዝምልከት፡ 4. ኣቃውማ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝምልከት፡ 5. ኣፈጻጽማ ቃል ኪዳን መርዓውቲ ዝምልከት፡ 6. ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዘሎ ምንባባትን ግእዛዊ ኣገልግሎትን ዝምልከት፡ 7. በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘተኮሩ ነበሩ፡፡ በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝብል ኣንቀጽ ዝሃቦ ውሳኔ ድማ፡ "በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት፦ኣብ ውሽጢ ሰሙነ ሕማማት ከም በዓለ መድኃኔ ዓለም፣ በዓለ እግዚአብሔር፣ በዓለ ማርያም፣ በዓለ ቅዱስ ሚካኤል . . . ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዝውዕሉሉ ኵሉ ሳዕ ኪስገድ ከምዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔኡ ሂቡ ኣሎ።" መደምደምታ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እዚ መምርሒ’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ሕዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ዓበይቲ በዓላትን ክንበብን ብመምህራን ዝግባእ ኣስተምህሮ ክወሃብ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ንትግባረኡ ብጽኑዕ ክቈጻጸራን ለበዋኡ ኣመኃላሊፉ።
ሠ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ምስዕዓም ኣይፍቐድን፡፡ እዚ ድማ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንክርስቶስ ከትሕዞ ከሎ እንዳሰዓመ ስለዘትሓዞ ንሕና ድማ ኣብ ናይ ይሁዳ ኅብረት ኣይንኃብር ክንብል ኣይንሰዓዓምን ኢና። ከምኡ ድማ ብትእምርተ መስቀል ኣይነማዕትብን ኢና።
ረ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣዕዚዝና ንጸውም ካብቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ኣዕዚዝና ንጸውም ኣዕዚዝና ንጽሊ ስግደት ኣዕዚዝና ንሰግድ ንጽሊ።
ሰ. -ናይ ሰሙነ ሕማማት ሥርዓት ጾም ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ጾም 40 ሰሙናት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ክሳብ ከዋኽብቲ ሰማይ ዝመልኡ (7:00 ናይ ምሸት) ንጸውም። እቶም ዝኸኣሉ ግና ኣብ መበል 2ይ መዓልቲ መግቢ ይምገቡ። እዚ ማለት ድማ ሰኑይ እንተ ዘይጠዓሙ ሰሉስ ምሸት 7፡00 ሰዓት ይምገቡ። ሰሉስ ዝበልዑ ድማ ክሳብ ምሸት ሓሙስ ብምጻም ይምገቡ። ካብ ሓሙስ ድማ ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ኣኽፍሎት ብምግባር (ምጥላቅ) በዓል ትንሣኤ የኽብሩ ። ኣኽፍሎት/ምጥላቅ ማለት ድማ ካብ ኃሙስ ምሸት (ንዘይከኣሉ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት) ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ብጾም ምጽናሕ ማለት ይኸውን። ነዚ ዝጀመሩ ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ዮሓንስን፣ ቅዱስ ያዕቆብን "ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ክሳብ ዝትንሥእ እኽሊ ኣይንጥዕምን!" ኢሎም ስለ ዝጾሙ እዩ።
ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ እዚ ይመስል ዝጐደለ ዝነጠበ ብኢድ ትጉኃን መላእኽቲ ይኣርመልና ኣሜን፡ ሠናይ ናይ ሰሙነ ሕማማት ጊዜ ይግበረልና።
* ዲን. ዳንኤል ኣብርኃም
* ዲን. ማቴዎስ ክንፉ
matikinfu@gmail.com
ዘሰሙነ ኒቆዲሞስ!
፴ መጋቢት ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት ( 8 ሚያዝያ 2018 ፈረንጂ)
" ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ። " ዕብ ፲፫፥፯/13፥7
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥ አሜን።
"ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ።" ማቴ. ፳፭፥፲፬-፵፮/ 25፥14-46
እዞም ኃሙሽተ፡ ክልተን ሓደን መክሊታት እንታይ እዮም ትርጓሜ ምልክቶም፧
መልሲ፡
ꗺ ነዚኦም ብሠለስተ ኣንድም ወይ ድማ ትርጓሜን ክንርእዮም ኢና፡፡
1. ቀዳማይ አንድም ፡ መዓርገ ክህነት የመልክት።
ꗺ ሀ. እቲ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ሊቀ ጳጳስ እዩ ፥
1. አንብሮተ እድ ላዕለ ጳጳስ ፡ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ኢድ ምንባር
2. ሰይሜ ቀሲስ ፡ ካህን ምሻም
3. ሰይሜ ዲያቆን ፡ ዲያቆን ምሻም
4. ምሥጢረ ጥምቀት
5. ምሥጢረ ቍርባን ኸኣ ይፍጽም።
ꗺ ለ. እቲ በዓል ክልተ መክሊት ካህን እዩ።
1. ምሥጢረ ጥምቀት
2. ምሥጢረ ቍርባን ኸኣ ይፍጽም፡፡
ꗺ ሐ. እቲ በዓል ሠለስተ መክሊት ኸኣ ዲያቆን እዩ፥
1. ኣገልጋሊ፡ ተለኣኺ፡ ሓጋዚ ምሥጢራት ፈጻሚ ድማ እዩ፡፡
2. ካልኣይ አንድም፡
ꗺ ሀ. ኃሙሽተ መክሊት፡
1. አሚን ፡ ሃይማኖት ፡ እምነት
2. ፍሥሐ ፡ ሓጐስ ፡ ፍሥሓ
3. ምሕረት
4. ትዕግስት ፡ ትዕግስቲ
5. ተስፋ ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ለ. ክልተ መክሊት፡
1. አሚን (ሃይማኖት፡ እምነት)
2. ፍሥሐ (ፍሥሓ) ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ሐ. ሓደ መክሊት፡
1. እምነት ዝኃዘ/ት፡፡
3. ሣልሳይ አንድም፡
ꗺ ሀ. ኃሙሽተ መክሊት
1. ጥምቀት
2. ተአምኆ ኃጣውእ / ኃጢኣትካ ተኣሚኒካ/ኪ ምንሳሕን ምንባዕን/
3. ከዊነ ሰማዕት /ዅሉ ጊዜ እትገብሮ ብሰማእትነት ምሕላፍ /
4. ተባሕትዎ / ብሕትውና /
5. ምንኵስና ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ለ. ክልተ መክሊት፡
1. ጥምቀት
2. ተአምኆ ኃጣውእ / ኃጢኣትካ ተኣሚኒካ/ኪ ምንሳሕን ምንባዕን/ ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ሐ. ሓደ መክሊት
1. ጥምቀት ዝኃዘ/ት፡፡
"መኑ ውእቱ ገብርኄር?……… እቲ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ መን እዩ?" ቅዱስ ያሬድ!
"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ ፲፫፥፯/13፥7
* ዲን. ማቴዎስ ክንፉ
matikinfu@gmail.com
፪ ሚያዝያ ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት ( 10 ሚያዝያ 2018 ፈረንጂ)
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
- ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም። ሉቃ.23:34።
- ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ (ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ?)። ማቴ,27:46።
- ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ሉቃ.23:43።
- ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ፥እንሃ ኣዴኻ። ዮሓ.19:26-27።
- ጸማእኩ። ዮሓ.19:28።
- ተፈጸመ ። ዮሓ.19:30።
- ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቍባ ኣለኹ። ሉቃ.23:46።
እዞም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዮም፥ ንዓና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዮም። 1ይቆሮ.1:18። ሓደ’ውን፥ “ ክርስቶስ ኣብ ዕጽ ሕይወት መስቀል ተሰቂሉ ኣድኂኑና እትብል እምነትናን ቃል ትምህርትናን ነቶም ዚጠፍኡ ዘይኣምኑ ዕሽነት እዩ፥ንዓና ነቶም ዝደሓና ግና ሓይልና ክብርና እዩ።” 1ይቆሮ.1:21-23።