ወላዲተ ኣምላክ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ምዕራፍ  ፩
ማርያም ዝብል ቃል ብዕብራይስጥ ማሪሃም ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ኸኣ እመ ብዙኃን (ኣደ ብዙሓት) ማለት እዩ፥ ኣብርሃም ኣበ ብዙኃን (ኣቦ ብዙሓት) ዝብል ትርጉም ከምዝህብ ማለት እዩ ዘፍ. 17፥5። ንምዃኑ ማርያም ማለት ምስጢራዊ ትርጉሙ እንታይ ማለት እዩ፧ መንፈሳውያን ኣበው ንስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም (እመቤትና) ብኸምዚ ዝስዕብ ኣመሥጢሮም ተርጒሞም እዮም፥ እዚ ከኣ ጸጋ ስለዝተዋህቦም እዩ እምበር ብኻልእ ኣይኮነን። ክንፈልጦ ዘይክኣልና ንሕና ሥጋውያን ኢና እምበር እቲ ወሃቢ ጸጋስ ይፈልጦ እዩ። እግዚኣብሔር ዘይከኣሎ ነገር ከምዘሎ ጌርና ኣይንጠራጠርን። ጐይታና ግን  "እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዝገብር ካብኡ ዚዓቢ`ውን ከም ዚገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ" ኢሉ ንሰዓብቱ ተዛሪብዎም`ዩ ዮሓ. 14፥12። ኣምላኽና ይትረፍ ነዲኡ ንሰዓብቱ እውን ዘይጠፍእ ስምን ናይ ዘለዓለም መዘከርታን ኣብ ቤቱን ኣብ ውሽጢ ደምበኡን ሂብዎም`ዩ ኢሳ. 56፥5።
ሀ/ ማርያም ማለት መርሕ ለመንግሥተ ሰማይ፥ ናብ መንግስተ ሰማያት መሪሓ እተእቱ ማለት`ዩ።
ካብ ክብሩ ዝተዋረደ፡ ካብ ማኀበረ መላእክት ዝተፈልየ፡ ምስ ኣምላኹ ዝተበኣሰ፡ ንግዝያዊ ድልየቱ ክብል ውሉድነት ስላሴ ዝሰኣነ ኣዳም ምስ ዘርኡ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ንኽምለስ ምኽንያት ዝኾነቶ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና ዝተዓጽወ ናይ ገነት ማዕጾ ዝተኸፈተ ብኣኣ ምዃኑን መርሓዊት ጽድቂ ስለዝኾነትን ናብ መንግስተ ሰማያት መሪሓ እተእቱ ትበሃል። በዚ ምኽንያት ከኣ ናታ ኣደነትን ኣማላድነትን ጸግዒ ከይገበረ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው ዝከኣሎ የሎን። ንናይ እግዚኣብሔር ናይ ድሕነት ስራሕ ክንዛረብ ከሎና ንድንግል ማርያም ክንርስዕ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ንጐይታ ዝወለደት፥ ሓዚላ ዝተሰደት፥ ኣብ ዝመሃረሉ እዋን`ውን ምስኡ ከርተት ዝበለት እያ። ኣብ ዝተሰቕለሉ እዋን`ውን ካብ እግሪ መስቀሉ ኣይተፈልየትን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንክርስቶስ ጐይታ መንግሥተ ሰማያት ኣዲኡ እያ።
ለ/ ማርያም ማለት ጸጋን ሃብትን ማለት እዩ።
ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ኣብ ሉቃ. 1፥28 << ኣቲ ምልእቲ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ እሞ ባህ ይበልኪ>> ብምባል ምሉእ ዝኾነ ጸጋን ሃብትን ከምዝተዋህባ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ዝውለድ ናይ ሃብታት ኩሉ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኩልሳዕ ምስኣ ከምዝኾነ መስኪሩ`ዩ። እቲ ምስክርነቱ ኸኣ ሓቂ እዩ። ንእግዚኣብሔር ይኣምኖ`የ እንዳበለ ናይ ዝኸበረት ኣዲኡ ኣማላድነት ዘይቅበልን ዘየፍቅራን ሰብ ካብቲ ጸግኡን ካብ መንፈሳዊ ሃብትን ንርእሱ ድኻ ከም ዝገበረ ክፈልጥ ኣለዎ። ንዝተዋህባ ኣምላኻዊ ውህበት ምንዓቕን ከም ዘይጠቅም ጌርካ ምዝራብን ነቲ ጐይታ ውህበት ንዝኾነ እግዚኣብሔር ምንዓቅ እዩ። ነቲ ዝጠቅም ጸጋ`ውን ከንቱ ምግባር እዩ።

እግዚኣብሔር ንዝመረጻ፥ ንዘኽበራ፥ ንዝፈትዋን መሕደሪኡ (ኣዲኡ) ጌሩ ንዝፈለያ፥ ዝኹንን፥ ዘነኣእስን ዘዋርድን ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝወሃብን ካብ ዝርከብን ጸጋን ሃብትን ዝዓረቐ (ዝተፈለየ) እዩ። ስለዚ ንሕና ክንገብሮ ዝግባእ እግዚኣብሔር ፈትዩ ጸግኡን ሃብቱን ብዝዓደላ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ብምእማን ናይቲ ጸጋ ተሳተፍቲ ምዃን እዩ። ንዓኣ ንፈቱን ነኽብርን ኹልና ነዚ መዓርግን ክብርን ንዝመረጻ እግዚኣብሔር ንፈትዎን ነኽብሮን። ንዓኣ`ውን ክትፍቶ፥ ክትክበርን ክትምስገንን ዝገበረ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ እዩ። ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድኃኔዓለም ንኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ስለዝመለሶ ኣዳም ስኢንዎ ንዝነበረ መንፈሳዊ ሃብትን ናይ ውሉድነት ጸጋን ረኺቡ`ዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም (እመቤትና) እውን ጸጋን ሃብትን ዝተረኽበላ እያ።

ሐ/ ማርያም ማለት ብሥጋን ብነፍስን ፍጽምቲ ማለት እዩ።
እግዚኣብሔር ንጹሓ ባሕርይ፥ ቅዱስን ፍጹምን ክኸውን ከሎ ነቲ ድኹም ዝኾነ ናይ ኣዳም ሥጋ ተዋሂዱ ንናይ ደቂ ሰባት ዘርኢ ካብ ባርነት ናጻ ምእንቲ ከውጽእ መሕደሪ ዝኾኖ ይደሊ ነበረ። ብምዃኑ`ውን ነቲ ንጹሕ ባሕርይ ዝኾነ እሳተ መለኮት ክትጸውር ዝመረጻ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ቅድመ ዓለም ብኣምላኽ ሕልና ተሓሲባ ዝነበረት፥ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይሓለፋ (ዘይተንከፋ)፡ ንጽሕተ ንጹሓን፡ ቅድስተ ቅዱሳን ብምዃና ብስጋን ብነፍስን ፍጽምቲ ትበሃል። ፍጽምቲ ማለት መንቅብን ጉድለትን ዘይብላ ማለት`ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዕብ. 5፡14 <<ጸባ ዝቕለብ ዘበለ ኹሉ፡ ሕጻን ስለዝኾነ ንናይ ጽድቂ ቃል ኣይፈልጥን`ዩ እሞ ዕጹብ ምግቢ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ምፍላይ ብስርሖም ዝለመደ ልቦና ንዘለዎም ንፍጹማን ሰባት እዩ>> ብምባል ብዛዕባ ፍጹማን ተዛሪቡ`ዩ። ቅዱስ ያዕቆብ`ውን ኣብ ምዕ. 1፡4 << ትዕግስትን ከምኡ`ውን ብሓንቲ እኳ ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ክትኮኑ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ>> ኢሉ`ዩ። ኖኅ ብትውልዱ ጻድቕ ፍጹም ሰብ`ውን ኔሩ ዘፍ. 6፡9። ኢዮብ ፍጹምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሔር`ውን ዝፈርህ ካብ ክፍኣት`ውን ዝረሓቐ`ዩ ኔሩ ኢዮ. 1፡1። ይትረፍ`ዶ ኣደ ኣምላኽ ብእምነትን ኣካይዳን ዝበሰሉ፡ ዝዓበዩን ዝጸንዑን ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ፍጹማን ተባሂሎም`ዮም። ብምዃኑ`ውን ብናይ ኣዴና ፍጽምቲ ምዃና ክንጠራጠር ኣይግባእን። ንሳ ካብዞም ኩሎም ትበልጽ እያ እሞ፡ እዚ ከምዚ እንተኾይኑ ጥርጥር ቦታ ኣይክህልዎን`ዩ።

መ/ ማርያም ማለት መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ፡ ካብ ፍጡራን ንላዕሊ ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ዘላ ማለት እዩ

ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ናይ ኢየሱስ ኣደ ብምዃና ኩልሳዕ ብምፍራህን ብምንቅጥቃጥን ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እንዳበሉ ካብ ዘመስግንዎ መላእኽቲ`ኳ ዝበለጸ ክብሪ ኣለዋ። ኣብ ኢሳ. 6፡2 ሱራፌል (መላእኽቲ) ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚኣብሔር ዝፋን ደው ኢሎም ኣብ ዘመስግኑሉ እዋን ብኽልተ ኣኽናፎም ንገጾም ይሽፍኑ፡ ብኽልተ ኣኽናፎም ከኣ ንእግሮም ይሽፍኑ። ብክልተ ኣኽናፎም ከኣ ይነፍሩ። መዓልትን ለይትን ከኣ ከየዕረፉ የመስግንዎ ራዕ. 4፡7-9። እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ኣብ ዝፋኑ ንዘሎ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቖም ካብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለዓለም ብህይወት ንዝነብር እንዳሰገዱ ክብሪ ምስጋና ሓይሊ ክትቅበል ይግበኣካ እዩ ይብልዎ ራዕ. 4፡11። ንሳ ግን ኣብ ማኅፀና ተሰኪማቶ፡ ጡባ`ውን ኣጥቢያቶ፣ ኣብ ዝባና ሓዚላቶ፡ ሓቚፋቶ። ሄሮድስ ከይቀትሎ`ውን ሒዛቶ ተሰዲዳ፡ ኣብ በረኻ`ውን ነበረት። ከምዚ እንዳበለት ኣብ መስቀል ክሳዕ ዝስቀል ኣይተፈልየቶን። መላእኽቲ ይትረፍ`ዶ ክትንክፍዎ፣ ክርእይዎ ንዘይከኣሎም ባህርየ መለኮት ኣብ ማኅፀና ተሰኪማቶ እያ እሞ ካብ ፍጡራን ኹሉ ንላዕሊ ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ብዃና ዝተኣመነ እዩ። እቲ ዓቢ ናይ ቤተ ክርስትያና ኣቦ ቅዱስ ያሬድ`ውን << ኣቲ ምልእቲ ጸጋን ምንጪ ሓጐስን ዝኾንኪ . . . ግርማኺ ኣዒንቶም ብዙሕ ካብ ዝኾኑ ካብ ሲሩቤልን ኣኽናፎም ሽድሽተ ካብ ዝኾኑ ሱራፌልን ዝበለጸን ዝተፈተወን እዩ። ካብ መለኮታዊ ኃይሊ ካብ ዝወጽእ ሓዊ ምእንቲ ክድሕኑ ንሳቶም ገጾም ይሽፍኑ። ንስኺ ግና ንመለኮት መሕደሪ ኮንኪ። ናይ መለኮት ባሕርይ`ውን ኣየቃጸለክን። ናይ ሓዊ ነበልባል`ውን ተሰከምኪ>> ኢልዋ`ዩ። እምበኣር እምነት ካብ ምስማዕ እዩ። ምስማዕ ከኣ ካብ ቃል እግዚኣብሔር ብምዃኑ ንእመን። ኣይንጠራጠር ሮሜ 10፡16። ኣዴና ልዕልቲ እያ እሞ ብኣኣ ንመካሕ። ጐይታ ዝሃበና ትምክሕትና ስለዝኾነት።

ሰ/ ማርያም ማለት እግዝእተ ብዙኃን (ናይ ብዙሓት እመቤት) ማለት እዩ።
ብምኽንያት ናይ ኣዲኦም ሔዋን ስሕተትን ሞተ ነፍስን ኣደ ስኢኖም ሕዙናት ኮይኖም ዝነበሩ ደቂ ሰባት ኩሎም ብኣዲኦም ኣቢሉ ንዝመጾምን ንዝተፈርዶምን ሞት ንሱ ኸኣ ብምኽንያት ኃጢኣት ካብ ዝመጸ መግዛእቲ (ባርነት) ዲያብሎስ ናጻ ንዘውጽኦም ኣምላኽ ዝወለደትሎም፡ ምንጪ ሓጎሶም ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃና ንሳ ንዝኣመንዋ ኩሎም ኣደ እያ እሞ ናይ ብዙሓት እመቤትን ኣደን ትበሃል። ኣደ ጐይታ እመቤት እያ። ሔዋን ናይ ሕያዋን ኩሉ ኣደ ተባሂላ ኔራ ዘፍ. 3፡20። እመቤት ማለት ኣብ ሓደ ስድራ ኣመሓዳሪትን ኃላፊትን ዝኾነት ዝኸበረት ኣደ ማለት እዩ። እምበኣር ክርስቲያናት ኩሉ ብክርስቶስ ሓደ ስድራ ብምዃንና ኣዲኡ ድንግል ማርያም ንዓና ኣዴና (እመቤትና) እያ።
ረ/ ማርያም ማለት ኣብ ምድሪ <<ማር>> ኣብ ሰማይ <<ያም>> ዝብሉ ቃላት ተራኺቦም ዝተረኸበ ስም እዩ።
ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ብጣዕሙ ዝወዳደሮ ዘይርከብ ምግቢ <<ማር>> (መዓር) እዩ። ከምኡ`ውን ኣብ ገነት ቅዱሳን ዝምገብዎ ኣብ ብሔር ሕያዋንን ኣብ ብሔረ ብፁዓንን ንዝነብሩ ቅዱሳን ጥራይ ዝኾነ ኣዝዩ ጥዑም <<ያም>> ዝበሃል ምግቢ ኣሎ። ኣዴና ድንግል ማርያም ርኅራኄኣን ፍቕራን ኣብ ምድሪ ኣብ ዘለዉን ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነብሩን ኩሉ ኣዝዩ ጥዑም ብምዃኑ <<ማር-ያም>> ተባሂላ`ያ። ጣዕማን ፍቕራን ዘይጽገብ እዩ እሞ፣ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮሓ. 3፡12 <<ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተነገርኩኹም ግዳ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ>> ከምዝበለ ሎሚ`ውን ኣብ ምድሪ ብዘሎ ብክብሪ ሥዕላ፣ ብናይ ጸበላ ፈውሲ ዘይኣምኑ ሰባት ኣብ ላዕሊ ንዝተጠቕሰ ነገር ምቕባል ይሽገሩ ይኾኑ። ዋላ`ዃ እንተተሸገሩ እቲ ሓቂ ግና ንሱ`ዩ።
ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተገልጸ ብተወሳኺ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ስማ ኣርባዕተ ፊደላት ቀጺሉ ብዝቐረበ መልክዕ`ውን ምስጢሩ ተተርጕሙ ይርከብ። እዚ ኸኣ ኣቦታትና ንዓኣ ዘለዎም ፍቅሪ ዝገልጽ እዩ። በዚ መሠረት፦
<<ማ>> ማኅደረ መለኮት (ናይ መለኮት መሕደሪ) ምዃና ይገልጽ። ንኩሉ ዓለም ኣብ ኢዱ ንዝጨበጠ፣ ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ የሎን ንዘይበሃል፣ ክጽወር ንዘይከኣል ነቲ ረቂቕ ባህርየ መለኮት ኣብ ማኅፀና ዝተሰከመት ናይ መለኮት መኅደሪ ትበሃል። ኣባ ሕርያቆስ <<ኩሉ እኁዘ ውስተ እዴሁ በከመ አርአዮ ለጴጥሮስ>> መለኮት ንጴጥሮስ ከምዘርኣዮ ኩሉ ኣብ ኢዱ ትሑዝ እዩ ኢሉ እዩ። መለኮት ከኣ ሥጋን ነፍስን ወሲዱ ንሰብ ከድሕን ኣብ ድንግል ማርያም እዩ ሓዲሩ፡
<<ር>> ርግብየ ይቤላ (ሰሎሞን ርግበይ ይብላ)። ንጉሥ ሰሎሞን <<ርግበይ ፍጽምተይ`ሲ ሓንቲ እያ፣ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ። ኣዋልድ ርእየን ኣመስገንኣ። ንግሥታትን ዕቁባትን ድማ ኣመስገንኣ። እዛ ከም ወገግታ እትረአ፣ ከም ወርሒ ጽብቅቲ፣ ከም ፀሓይ ድምቕቲ፣ ከም ሠራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ፧>> ኢልዋ`ዩ መኃ. 6፡9። እምበኣር ናይ ጸጋ ደቃ ኢና`ሞ፣ ንሕና`ውን ነታ ሓንትን ዝተመርጸትን ርግቢት ንድንግል ማርያም ብፍቕሪ ንርኣያ፡ ነመስግና`ውን። ድሕሪ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ናይ ጸልማት ዘመናት ዝተረኽበት ናይ ወጋሕታ ብርሃን ብምዃና ምእንቲ ክንርእያ ናብኣ ንቕረብ። ብዝጸበቐት ወርሒ ተመሲላ እያ`ሞ ጽባቐኣ ማለት ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ነድንቕ። ከም ፀሓይ ዝደመቐት ተባሂላ እያ`ሞ ምስ ኣደ ኣምላኽነታ መንቅብ ዘይብላ ብሥጋን ብነፍስን ፍጽምቲ ምዃና ንእመን። ክብርቲ ስለዝኾነት ንዓኣ ካብ ምድፋር ናብ ምፍራህን ምኽባርን ንመለስ። ምስ እግዚኣብሔር ተባኢሱ ሰላም ስኢኑ ዝነበረ ወዲ ሰብ ሰላም ዝረኸበላ ናይ ሰላም ትእምርቲ ብምዃና ርግቢት ትበሃል። ምእንቲ ደቂ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ብኣማላድነት ትለኣኽ ናይ ሰላም ልእኽቲ፣ ብስራት ነጋሪት እያ እሞ ርግቢት ንብላ። ናይ ማይ ኣይኂ ናይ ምጉዳል ብስራት ንኖኅ ዘበሰረት ርግቢት እያ ዘፍ. 8፡8-12። ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ደቁን ተኣዚዙ ንዝነበረ ጥፍኣትን መከራ ሲኦልን ናይ ምብቃዕ ትእምርቲ ዝኾነት ርግቢት ድንግል ማርያም እያ። ርግቢት ማይ ለውሃት ኣብነት እያ ማቴ. 10፡16። ኣዴና ለዋህ ርግቢት ትብሃል። እምበኣር ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝተፈለናያ ንሳ ቂም በቐል ዘይትፈልጥ ለዋህ ርግቢት ስለ ዝኾነት ብፍጹም ትሕትና ናብኣ ንመለስ። ምኽንያቱ ጐይታ ምስኣ ስለዝኮነ ሉቃ. 1፡28።
<<ያ>> ያንቀዐዱ ኃቤኪ ኩሉ ፍጥረት (ፍጥረታት ኩሎም ለምንልና እንዳበሉ ናባኺ የንቃዕርሩ) ማለት እዩ። ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር ተተዓርቕ፣ ኣብ መንጐ ሰብን ፈጣሪን እትርከብ፣ ናይ ፍጥረት ኩሉ ኣማላዲት ብምዃና ኩሉ ፍጥረት ኣማልድልና እንዳበሉ ናብኣ የንቃዕርሩ። ካብ ፈጣሪ ምሕረትን ይቕሬታን ተውህብ እያ እሞ። ቀደም እውን እንተኾነ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዝተዓረቐ ኣብ ልዕሊ መስቀል ኣብ ዝተፈጸመ ቤዛነት (በጃ ምዃን) እዩ። ነዚ ናይ ክርስቶስ በጃ ምዃን ብዕምቈት እንተርኢናዮ ብዙሕ ዝምህረና ነገር ኣሎ። ዓለም ዝደሓነ፣ ምስ ፈጣሪኡ`ውን ዘተዓረቐ፡ ክርስቶስ ሥግኡ ስለጽቆረሰሉ፡ ደሙ ስለዘፍሰሰሉን ነፍሱ ኣሕሊፉ ስለዝሃበሉን እዩ። እዚኦም ኩሎም ዝተረኽቡ ኸኣ ብምኽንያት ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። በዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር ከተተዓርቕ ዝተመርጸት ምዃና ነስተውዕል። እምበኣር ነዚ ምስጢር ብምርዳእ ንዓኣ ዕረቕና ናብ ምባል ሕጂ ክንምለስ ይግባእ። ቆልዓ ክጠምዮ ከሎ ናብ ኣዲኡ ከምዘንቃዕርር ማለት እዩ። ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ናብ ዘሎ ከንቃዕርር ዝተለምደ እዩ። ድንግል ማርያም`ውን ካባና ንላዕሊ ኢያ። ስለዚ ናብኣ ነንቃዕርር። ኣብ ግብ. ሐዋ. 3፡1-10 ከምዝተገለጸ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይኑ ጠመቶ እሞ ናባና ጠምት በሎ፥ ንሱ ኸኣ ካብኣቶም ገለ ዝረክብ ተኲሩ ጠመቶም ንሳቶም ደው ኢሎም ንሱ ኮፍ ኢሉ ስለዝነበረ ኣንቃዕረረ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና <<ወርቅን ብሩርን የብለይን ነቲ ዘሎኒ ግና እህበካ>> ኢሉ የማናይ ኢዱ ሒዙ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተንስኦ። እቲ ሰብ`ውን ሓውዩ ንእግዚኣብሔር እንዳመስገነ ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ።

ሎሚ`ውን እንተኾነ ብጽድቂ ክንስጉም ዘይከኣልና ኩልና ስንኩላን ኢና። እቲ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ሓደ ነገር ክቅበል ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ከም ዘንቃዕረረ ንሕና`ውን ናብ ቅድስት ድንግል ማርያምን ናብ ቅዱሳንን ነንቃዕርር። ብዝበለጸ እውን ንምልእቲ ጸጋ ኣዴና ድንግል ማርያም ንልምና፡ ኩሉ ስለእትህበና ኸኣ ናብኣ ነንቃዕርር። ይትረፍ`ዶ ኣደ ጐይታ እቶም ናይ ጐይታ ደቂ መዛሙርት እኳ ዘለዎም ሂቦም`ዮም። ንሳ ኸኣ የማናይ ኢድና ሒዛ ብመንፈሳዊ ህይወት ብክልተ እግርና ደው ከምእንብል ትገብረና። ሽዑ ጉዕዞና ንእግዚኣብሔር እናመስገንና ናብቲ ሰመያዊ መቕደስ ይኸውን። ብኻልእ ወገን ሓዋርያዊት ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ወርቅን ብሩርን የብላን፣ ዘለዋ ጸገ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ።

<<ም>> ምስጋድ ወምስአል ወመስተሥራየ ኃጢኣተ (መስገዲ፡ መለመኒ፡ ናይ ኃጢኣት መስተሥረዪ) ማለት እዩ። ዝስገድ ኣብ ዝተቐደሰ ስፍራ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓደረሉ፣ ጸግኡን መንፈሱን ኣብ ዝሓድረሉ ቦታ እዩ። ኣምላኽ ዝልመነና (ዝሰምዓና) እውን ብንጹሕ ልቦናን ብቕድስናን ብምዃን እዩ። እዚ ዝኣመሰለ ስግደትን ልመናን ጸሎትን ንሓጢኣት የስተሥርዮ እዩ 2ይ ዜና. 7፡11-18። በዚ ዓይነት ክንርእዮ ከለና እግዚኣብሔር ዝሓደረላ፣ ብቅዱስ መንፈሱ ዝረኣያ፣ በቲ ንሱ ዝልመነሉ ንጹሕን ቅዱስን ስፍራ ትምሰል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኸኣ መስገድን መለመንን ናይ ኃጢኣት መስተሥርዪ ትበሃል። ኢየሱስ ክርስቶስ ንናይ ዓለም ኃጢኣት ዘስተስርየ (ዝደምሰሰ) ካብኣ ንዝወሰዶ ስጋ ብምቑራስ፣ ደሙ ብምፍሳስ፡ ንነፍሱ ኣሕሊፉ ብምሃብ እዩ። ብምዃኑ`ውን ብኣማላድነታ ንኃጢኣንና ከተስተሥርየልና <<ኦ ቅድስት ለምንልና>> ንበላ።

ብኣጠቓላሊ ማርያም ማለት ኣብ መንጐ ሰብን እግዚኣብሔርን ብፍጹም ፍቕርን ለውሃትን ምእንቲ ድኅነት ሰባት ብኣማላድነታ እትለኣኣኽን ተራኽብን መሳልል ማለት እዩ። እስራኤል ንኤርምያስ ከምዝለመንዎ ናብ እግዚኣብሔር ከምዝለኣኽዎን ንድንግል ማርያም ንልምናን ንልእኻን ኤር. 42፡2። እስራኤል ንኤርምያስ ምልኣኾም ጠቒምዎም እዩ፣ ንሕና`ውን ብናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ንጥቀም እምበር ኣይንጉዳእን ኢና። እምበኣር ኣብ ዝቕጽል ምዕራፋት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም (እመቤትና) ብምስላ፣ ብትንቢትን ብግብርን፡ ብምስጢርን ብግህዶን ተጻሒፉ ንረክብ።

ምንጪ
ወላዲተ ኣምላክ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን
ብቤት ትምህርቲ ሰንበት መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተክርስቲያን ዝተዳለወ።
መስከረም 2003