ሓደስቲ ጽሑፋት
ሓዳር ኣብ ስደት
Posted on መስከረም 16, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ:: ሣልሳይ ክፋል ዳናይት፡ ሓሳበይ ኣስፍሕ ኣቤለ ክገለጽ ጸን ኢልኪ ስምዓኒ። Don’t get me wrong ንዓርክኻ ብጣዕሚ’የ ዘፍቅሮ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሣልሳይ ዓይኒ ክኾነኒ ዝሃበኒ በረኸት’የ ምኻኑ ይፈልጥ እየ። እቲ ኣነ ዘይርእዮ ድኻመይ ንሱ ብሌን ዓይኒ ኮይኑ ይርእየለይ። ድኻመይ ንኽለሊ ይሕግዘኒ። ነቲ ዝደቀቀ ጽድቀይ ኣግዚፉ...
ሓዲሽ ዓመት ዓመተ ሰላምን ጥዕናን ሓጎስን ንስሓን ንኽኾነልና ምእንቲ
Posted on መስከረም 12, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላከ አሜን። ምስባክ ፦ መዝ 64 ÷ 11-13 ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ። ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ። ወይረውዩ አድባረ በድው ። አውደ ኣመት አሐዱ ኢልና ብግብሪ ኃጥያት ዘይኮነ ብግብሪ ጽድቂ ብስኽራን ብጓይላ ፣ዘይኮነ ብንስሓ ብዝማሬ ፣ ብስስዐ...
ሓዳር ኣብ ስደት ካልኣይ ክፋል
Posted on መስከረም 9, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ካልኣይ ክፋል ሓዳር ኣብ ስደት ዳናይት፡ በተን ንብዓት ዝቋጸራ ዝመስላ ፍሩያት ዓይና ኣትኪራ ገጸይ እናጠመተት Wait ዮኤል ቅድሚ ብዛዕባ ዕላማ ሓዳር ምዝርራብና ጽባቐ ሰበይትኻ ምግላጽ፡ ንበዓልቲ ቤትካ ምንኣድ ኣበሳ(ሓጢያት) ኣለዎ ድዩ፧ ዮኤል፡ ዳኑ ብኣንጻር እዚ ትብልዮ ዘለኺ እዮ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ...
ሓዳር-ስደት
Posted on መስከረም 2, 2023በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን። ዳናይት " ተሰምዓኒ ኣለኻ ዮኤል፡ " ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣብ መንገዲ ሰባት ተጠውዮም ኢዮም ዝርእዮኒ። ኩርዕትን ሕብንትን እየ ፍጥር ክብል። የምስገን ፈጣሪ፡ ብኹሉ ነገር’ውን ምልእት’የ። ብመንፈሳውን፡ ዓለማውን። እንኽስሕቅ ብጻባቐ ጸባ ፈስስ ኣስናነይ ሰባት ይዘራረቡ። ዝምስገን ጨጉሪ ርእሲውን ኣለኒ። ብንውሓትን፡ ልማሸን ጮግረይ ኩለን ቆነንቲየን...
ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥
Posted on ነሓሰ 21, 2023ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት...
ክፍሊት (Pay Online)
ሓገዝ (ወፈያ) ንቤት ትምህርቲ ሰንበት ንክትገብሩ፤ መብጽዓኹም ክትከፍሉ ምስ እትደልዩ ወይ እውን ናይ ኣባልነት ወርሓዊ ክፍሊት ንኽትከፍሉ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ምርጫታት ብምጥዋቅ ነቲ ዝደለኹሞ ዓይነት ክፍሊት ፈጽሙ።
4ይ ሰንበት ድህሪ ትንሳኤ
ጠቀምቲ ገጻት (Links)
ዜና ቤተክርስቲያን
ሕቶን መልስን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን::
መልሲ፡
ሀ.- ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ካህናት ኣቦታትና መስቀል ኣይሕዙን፡ ንሕና'ውን መስቀል ኣይንሳለምን፡፡ እዚ ድማ ኃይሊ ክብሪ መስቀል ዝተገልጸ መስቀል ትርጓሜ ሊቃውንት
መ= መከራ ፡
ስ=ስቅለት ፡
ቀ= ቀራንዮ ፡
ል= ልደት ፡ መስቀል መድኃኒት ነፍስና ዝኾነ ድኅሪ ሥቅለት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፥ እዞም ዅሎም ዚመፁ ድማ ድኅሪ ሥቅለት እዩ፡፡ ከምኡ ድማ እዛ ሰሙን ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌ እየን፡ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ኣገልግሎት መስቀል ኣይተጀመረን፡ ከም ናይ መወዳእታ ፍርዲ መቅጻዕቲ ደኣ ይጥቀምሉ ነበሩ።
ለ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ንስሓ ኣይወሃብን፡ ዝተወልደ ሕፃን ክርስትና ኣይለዓልን ማለት ጥምቀት ኣይጥመቅን፡ዝሞተ ሰብ ዋላ ጸሎተ ፍትሓት ኣይግበረሉን፡ ጸሎተ ፍትሓት ኣብ ሆሳእና ሰንበት ዝተገብረ ንሰሙን ምሉእ የገልግል፡ ስለዚ ኣብ ሕማማት ጊዜ ፍትሓት ኣይግበርን።
ሐ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንጽልዮም ጸሎታት ነብጽሖም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ውዳሴ ማርያም፡መዝሙረ ዳዊት፡ሕማማተ መስቀል፡ድርሳነ ማኅየዊ፡ መልክዐ ሕማማት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እምበር ካልኦት ድርሳናት ገድልታት መልክዐ መልክዕ ኣይድገምን፡፡ ጸሎተ ሃይማኖት ከማን ክንጽልይ ከለና ጸሎተ ሃይማኖት ኢልና ጀሚርና "በመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጤናዌ ሐመ" ኢልና ነቋርጽ፡ ዓርቢ ምሸት ድማ "ወሞተ ወተቀብረ" ኢልና ነቋርጽ፡ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ንደሓር ክሳዕ ፍጻሜ ንደግሞ።
መ. -ኣብ ጊዜ ሕማማት ሙሉእ ሰሙን ብዘይካ ኃሙስ ጽግቦ ስጋብ ሕጽበተ እግሪ ይስገድ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያና ኣብ ዝመጸት ወርኂ ዘይስገደለን በዓላት ኣለዋ ንሳተን ድማ፥
1.ቀዳመ
2.ሰንበት
3.ብ12 ዕለት ቅዱስ ሚካኤል፡
4.ብ21 በዓለ ማርያም
5፡ ብ 29 በዓለ እግዚአብሔር እየን፡ ኣጋጣሚ ኣብዘን በዓላት ሕማማት እንተበዓለ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ይስገድ እዩ፡ ከመይ ምስ ንብል ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ዝመጽእ ካብ ሰሙነ ሕማማት ዝዓቢ ነገር ድማ የለን፡፡ ከም መቐጻልታ እዚ’ውንውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብዕለት 9 ጥቅምት 2008 (20 ጥቅምቲ 2015 ፈረንጂ) ዓ.ም. ደጊምውን ብ24-25 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ( 1- 2 ሰነ 2016 ፈረንጂ) ዝተቓንዐ ምልኣተ ኣባላት ዝነበሮ ጉባኤ፡ ብጉባኤ ሊቃውንት ንዝቐረበሉ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ሾብዓተ ኣርእስቲ መርሚሩን ኣመኃይሹን ብምጻድቕ ነቶም ኣንቀጻት ብዝግባእ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ክትግበር ውሳኔኡ ሂቡ ኔሩ። እቶም ኣንቀጻት ድማ፥ 1. ሥርዓተ ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት፡ 2. መንጦላዕት ቤተ መቅደስ ዝምልከት፡ 3. ኣልባሳትን ኣለባብሳን ውሉደ ክህነት ዝምልከት፡ 4. ኣቃውማ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝምልከት፡ 5. ኣፈጻጽማ ቃል ኪዳን መርዓውቲ ዝምልከት፡ 6. ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዘሎ ምንባባትን ግእዛዊ ኣገልግሎትን ዝምልከት፡ 7. በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘተኮሩ ነበሩ፡፡ በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝብል ኣንቀጽ ዝሃቦ ውሳኔ ድማ፡ "በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት፦ኣብ ውሽጢ ሰሙነ ሕማማት ከም በዓለ መድኃኔ ዓለም፣ በዓለ እግዚአብሔር፣ በዓለ ማርያም፣ በዓለ ቅዱስ ሚካኤል . . . ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዝውዕሉሉ ኵሉ ሳዕ ኪስገድ ከምዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔኡ ሂቡ ኣሎ።" መደምደምታ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እዚ መምርሒ’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ሕዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ዓበይቲ በዓላትን ክንበብን ብመምህራን ዝግባእ ኣስተምህሮ ክወሃብ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ንትግባረኡ ብጽኑዕ ክቈጻጸራን ለበዋኡ ኣመኃላሊፉ።
ሠ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ምስዕዓም ኣይፍቐድን፡፡ እዚ ድማ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንክርስቶስ ከትሕዞ ከሎ እንዳሰዓመ ስለዘትሓዞ ንሕና ድማ ኣብ ናይ ይሁዳ ኅብረት ኣይንኃብር ክንብል ኣይንሰዓዓምን ኢና። ከምኡ ድማ ብትእምርተ መስቀል ኣይነማዕትብን ኢና።
ረ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣዕዚዝና ንጸውም ካብቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ኣዕዚዝና ንጸውም ኣዕዚዝና ንጽሊ ስግደት ኣዕዚዝና ንሰግድ ንጽሊ።
ሰ. -ናይ ሰሙነ ሕማማት ሥርዓት ጾም ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ጾም 40 ሰሙናት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ክሳብ ከዋኽብቲ ሰማይ ዝመልኡ (7:00 ናይ ምሸት) ንጸውም። እቶም ዝኸኣሉ ግና ኣብ መበል 2ይ መዓልቲ መግቢ ይምገቡ። እዚ ማለት ድማ ሰኑይ እንተ ዘይጠዓሙ ሰሉስ ምሸት 7፡00 ሰዓት ይምገቡ። ሰሉስ ዝበልዑ ድማ ክሳብ ምሸት ሓሙስ ብምጻም ይምገቡ። ካብ ሓሙስ ድማ ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ኣኽፍሎት ብምግባር (ምጥላቅ) በዓል ትንሣኤ የኽብሩ ። ኣኽፍሎት/ምጥላቅ ማለት ድማ ካብ ኃሙስ ምሸት (ንዘይከኣሉ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት) ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ብጾም ምጽናሕ ማለት ይኸውን። ነዚ ዝጀመሩ ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ዮሓንስን፣ ቅዱስ ያዕቆብን "ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ክሳብ ዝትንሥእ እኽሊ ኣይንጥዕምን!" ኢሎም ስለ ዝጾሙ እዩ።
ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ እዚ ይመስል ዝጐደለ ዝነጠበ ብኢድ ትጉኃን መላእኽቲ ይኣርመልና ኣሜን፡ ሠናይ ናይ ሰሙነ ሕማማት ጊዜ ይግበረልና።
* ዲን. ዳንኤል ኣብርኃም
* ዲን. ማቴዎስ ክንፉ
matikinfu@gmail.com
ዘሰሙነ ኒቆዲሞስ!
፴ መጋቢት ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት ( 8 ሚያዝያ 2018 ፈረንጂ)
" ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ። " ዕብ ፲፫፥፯/13፥7
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥ አሜን።
"ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ።" ማቴ. ፳፭፥፲፬-፵፮/ 25፥14-46
እዞም ኃሙሽተ፡ ክልተን ሓደን መክሊታት እንታይ እዮም ትርጓሜ ምልክቶም፧
መልሲ፡
ꗺ ነዚኦም ብሠለስተ ኣንድም ወይ ድማ ትርጓሜን ክንርእዮም ኢና፡፡
1. ቀዳማይ አንድም ፡ መዓርገ ክህነት የመልክት።
ꗺ ሀ. እቲ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ሊቀ ጳጳስ እዩ ፥
1. አንብሮተ እድ ላዕለ ጳጳስ ፡ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ኢድ ምንባር
2. ሰይሜ ቀሲስ ፡ ካህን ምሻም
3. ሰይሜ ዲያቆን ፡ ዲያቆን ምሻም
4. ምሥጢረ ጥምቀት
5. ምሥጢረ ቍርባን ኸኣ ይፍጽም።
ꗺ ለ. እቲ በዓል ክልተ መክሊት ካህን እዩ።
1. ምሥጢረ ጥምቀት
2. ምሥጢረ ቍርባን ኸኣ ይፍጽም፡፡
ꗺ ሐ. እቲ በዓል ሠለስተ መክሊት ኸኣ ዲያቆን እዩ፥
1. ኣገልጋሊ፡ ተለኣኺ፡ ሓጋዚ ምሥጢራት ፈጻሚ ድማ እዩ፡፡
2. ካልኣይ አንድም፡
ꗺ ሀ. ኃሙሽተ መክሊት፡
1. አሚን ፡ ሃይማኖት ፡ እምነት
2. ፍሥሐ ፡ ሓጐስ ፡ ፍሥሓ
3. ምሕረት
4. ትዕግስት ፡ ትዕግስቲ
5. ተስፋ ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ለ. ክልተ መክሊት፡
1. አሚን (ሃይማኖት፡ እምነት)
2. ፍሥሐ (ፍሥሓ) ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ሐ. ሓደ መክሊት፡
1. እምነት ዝኃዘ/ት፡፡
3. ሣልሳይ አንድም፡
ꗺ ሀ. ኃሙሽተ መክሊት
1. ጥምቀት
2. ተአምኆ ኃጣውእ / ኃጢኣትካ ተኣሚኒካ/ኪ ምንሳሕን ምንባዕን/
3. ከዊነ ሰማዕት /ዅሉ ጊዜ እትገብሮ ብሰማእትነት ምሕላፍ /
4. ተባሕትዎ / ብሕትውና /
5. ምንኵስና ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ለ. ክልተ መክሊት፡
1. ጥምቀት
2. ተአምኆ ኃጣውእ / ኃጢኣትካ ተኣሚኒካ/ኪ ምንሳሕን ምንባዕን/ ዝኃዘ/ት፡፡
ꗺ ሐ. ሓደ መክሊት
1. ጥምቀት ዝኃዘ/ት፡፡
"መኑ ውእቱ ገብርኄር?……… እቲ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ መን እዩ?" ቅዱስ ያሬድ!
"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ ፲፫፥፯/13፥7
* ዲን. ማቴዎስ ክንፉ
matikinfu@gmail.com
፪ ሚያዝያ ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት ( 10 ሚያዝያ 2018 ፈረንጂ)
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
- ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም። ሉቃ.23:34።
- ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ (ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ?)። ማቴ,27:46።
- ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ሉቃ.23:43።
- ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ፥እንሃ ኣዴኻ። ዮሓ.19:26-27።
- ጸማእኩ። ዮሓ.19:28።
- ተፈጸመ ። ዮሓ.19:30።
- ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቍባ ኣለኹ። ሉቃ.23:46።
እዞም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዮም፥ ንዓና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዮም። 1ይቆሮ.1:18። ሓደ’ውን፥ “ ክርስቶስ ኣብ ዕጽ ሕይወት መስቀል ተሰቂሉ ኣድኂኑና እትብል እምነትናን ቃል ትምህርትናን ነቶም ዚጠፍኡ ዘይኣምኑ ዕሽነት እዩ፥ንዓና ነቶም ዝደሓና ግና ሓይልና ክብርና እዩ።” 1ይቆሮ.1:21-23።