ኣብ ቀረባ እዋን ዝህሉ በዓል/መደብ
መዓልቲ
ሰዓት
ደቂቅ
ካልኢት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ምስባክ ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት ወእምእትንስፋሰ አፋሁ ኵሉ ኃይሎሙ።               መዝ.32-5።  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ዝብል ጸሎት ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ተግባሩ መጀመርያ (መቅድሙ) እዩ። እዚ ናይ ጸሎት ንባብ ክፍሊ ምስ ትርጓሜኡ ኹሉ ክርስቲያን ክምሃሮ...

ምሉእ ትሕዝቶ

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ

በብምዕራፉ ንነዊሕ እዋን ብመንገዲ ሥምረት ገዳማትን ጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያሪክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዕርቀ ሰላም ከምዝተፈጸመ፤ ልሳን ተዋሕዶ ብሓሙስ ሓምለ ፮ ግዕዝ (12/07/2017 ፈረንጂ) ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ተገሊጹ። በዚ ኣጋጣሚ ስለ ኩሉ ውዕለቱ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ እንዳ በልና፤ ንኹሎም ምእመናንን ፈተውቲ ቤተክርስቲያንን እንቋዕ ሓጎሰና...

ምሉእ ትሕዝቶ

አባ ጳኩሚስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መጽሓፈ ስንክሳር ኣብ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ ዘስፈሮ ታሪኽ ሊጰ ጳጳሳት ኣትናቴዎስ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ኣብ ዝደየበሉ እዋን ነዚ ቅዱስ ኣቦ ቅስና ክሽሞ ከምዝደለየ ይነግረና። አባ ጳኩሚስ ግና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ክህቦ ንዝሓሰቦ ሥልጣነ ክህነት ስለዘይደለየ ሃደመ። ኣብቲ እዋን መህደሚኡ ዝተረደኣሉ ቅዱስ ኣትናቴዎስ...

ምሉእ ትሕዝቶ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: ምስባክ አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣ ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።  መዝ.18-4 (19-4) 2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20። ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ...

ምሉእ ትሕዝቶ

ኣንጢላርዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ኣንጢላርዮስ ንድኻ ዘይፈቱ፣ ንጽጉም ንሽጉር ዘይሓዝን ዘይርህርህ፣ ንዝጠመየ ዘይዕንግል በቃቕ ሃብታም ሰብ እዩ ኔሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነዳያን (ለማኖ) ተኣኪቦም ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም እንዳለመኑ ከለዉ ንኣንጢላርዮስ ኽሓልፍ ከሎ ረኣይዎ፣ << እዚ ጨካን ሰብኣይ ከኣ ሃብታም ክነሱ ንድኻ ዘይርህርህ >> ብምባል...

ምሉእ ትሕዝቶ

ሓገዝ ንገዳማት

ኩሎም ጽሑፋት

ቅጥዒ(Form)

 ቅጥዒ ኣባልነት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንምምላእ ኣብዚ ጠውቁ።

ሕቶን መልስን

  1. ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም። ሉቃ.23:34።
  2. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ (ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ?)። ማቴ,27:46።
  3. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ሉቃ.23:43።
  4. ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ፥እንሃ ኣዴኻ። ዮሓ.19:26-27።
  5. ጸማእኩ። ዮሓ.19:28።
  6. ተፈጸመ ። ዮሓ.19:30።
  7. ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቍባ ኣለኹ። ሉቃ.23:46።

እዞም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዮም፥ ንዓና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዮም። 1ቆሮ.1:18። ሓደ’ውን፥ “ ክርስቶስ ኣብ ዕጽ ሕይወት መስቀል ተሰቂሉ ኣድኂኑና እትብል እምነትናን ቃል ትምህርትናን ነቶም ዚጠፍኡ ዘይኣምኑ ዕሽነት እዩ፥ንዓና ነቶም ዝደሓና ግና ሓይልና ክብርና እዩ።” 1ይቆሮ.1:21-23።


51 people found this faq useful.

ጸሓይ ከይትኸይድ ኣዚዙ ጠጠው ዘበለ ኣቦ፥ ኣቦና ኢያሱ እዩ። እቲ ንጸሓይ ጠጠው ዘበለሉ ቦታ ከኣ <ጊብዖን>ይበሃል። ኢያ.10:12። ተመልከት።

ድኂሩ ኻልኦት ቅዱሳን፥ እኒ አቡነ ኣሮን፥ ቅዱስ ነኣኵቶ ለኣብ፡ አባ በርሶማ፡ አቡነ ዜና ማርቆስን ካልኦትን እውን ንጸሓይ ኣዚዞም እዮም ።


49 people found this faq useful.

ናይ ጾም ኣዋጅ ጀማሪኡ ባዕሉ ልዑለ ባህሪይ እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምስሉን መልክዑን ገይሩ ሰብ ምስ ፈጠረ ንዕኡ ንወዲ ሰብ ዝሃባን ዝኣወጃን ናይ መጀመርታ ሕጊ እያ፡፡ እዚውን እግዚአብሔር ኣምላኽ በታ ሻድሻይቲ መዓልቲ ካብ ኣርባዕተ ባህሪየ ሥጋን ካብ ሓሙሻይ ባህሪየ ነፍስን ወሲዱ ብሸውዓተ ባህሪያት ህያው እስትንፋስ ዘለዎ ሰብ ምስ ፈጠረ፥ ውሉድነት ሂቡ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣቀመጦ። ኣብዚ ብኸምኡ ስቅ ኢሉ ኣይሓደጎን እንታይ ደኣ፡ሕጊ ሠርዓሉ።እቲ ሕጊ÷ “ ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ። ” ትብል ነበረት። ዘፍ.2:16-17። እዛ ትእዛዝ ንግዜኡ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚአብሔር ምልክት ነበረት። ንሱ ከኣ ናይ ፈጣርን ፍጡርን፥ ናይ ገዛእን ተገዛእን እተፍልጥ፥ንኣምላኹ ዝዝክረላ፥ ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ እታ ከይበልዓ ዝተነግረቶ ፍረ ኦም ካብቲ ካልእ ኣብ ገነት ዘሎ ኣእዋም ኩሉ ኣብ ብርኽ ዝበለ ልዑል ቦታ እያ ዝነበረት እሞ፥ በዚ’ውን ልዑል ንዝኾነ ባህረይን ክብረይን ኣይትመነ ክብሎ እዩ። ፍጻሜኡ ግና ካብ ኩሉ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ፍረ ኦም ግና ኣይትብላዕ ማለቱ፥ነፊግሉ ኣ ይኮነን፥ ንጾም ምእዋጁን ምስትምሃሩን ዘመልክት እዩ። ስለዚ ጾም ብባዕሉ ብናይ እግዚአብሔር ኣዋጅ ንደቂ ሰባት ዝተነግረትን ዝተሠርዐትን ናይ መጀመርታ ሕጊ እያ። ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ኣብ ሓድሽ ኪዳን፥ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቃዱን ብስምረት አብን መንፈስን ንዓና ንምድኃን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ’ውን መጀመርታ ዝሠርዓን ዝኣወጃን ሕጊ ንጾም እዩ ኔሩ። ከመይሲ ከምቲ መብልዕ ንኃጢኣት መገዲን መጀመርታን ዝኾነ ሓቀኛ ጾም ድማ ንጽድቂ ከሉ መጀመርታ መገዲ እዩ።


65 people found this faq useful.

እወ፥ እግዚአብሔር ወልድ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ካብ ኣቦ ብዘይ ኣዶ ካብ ናይ ባህሪይ ኣብኡ ካብ እግዚአብሔር ኣብ ዝተወልዶ ልደት፥ ዳሕራይ ንዓና ንምድኃን ናብዛ ዓለም መጺኡ ድማ ካብ ኣደ ብዘይ ኣቦ ዘርኢ ምኽንያት ከይኮኖ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ካብታ ኩሉ ግዜ ድንግል ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝተወልዶ ልደት፥ ክልተ ልደት ንኣምን።

እቲ ቀዳማይ ልደት መጀመርታን መወዳእታን የብሉን። ምኽንያቱ ብባህሪኡ ወልድ ስለዝኾነ። ስለዚ ካበይ ጀሚርና

ቀዳማይ ልደቱ ከነብዕል᎒ ከመይሲ ቀዳማይ ልደቱ ዝፈለጥና ብካልኣይ ልደት በቲ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተወልዶ ካልኣይ ልደት እዩ እምበር ቅድሚኡ ብሰብ ወገን ዝተፈልጠ ኣይነበረን።፥ <ልደት ቀዳማዊ ተዐውቀ በዳኅራዊ> ከምዝበሎ። እቲ ካልኣይ ልደቱ ግና መወዳእታ ደኣ ኣይሃልዎ እምበር በቲ ዘመን ዝቁጸረሉ ዝተወሃሃዶ ሥጋስ መጀመርታ ኔርዎ እዩ። ስለዝኾነ ብኻልኣይ ልደቱ ሓደ በዓል ነብዕል።

እግዚኣብሔር ወልድ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብዝተፈልየ ኣካሉ ናብዛ ዓለም መጺኡ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣቀዲሙ ክልተ ኣካል ክልተ ባህሪይ ዝነበረ፥እዚውን ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ከሎ ኮይኑ ኣካለ መለኮት ኣካለ ሥጋ፥ ባህሪየ መለኮት ባህሪየ ሥጋ እዩ። እዚ ሰብ ድሕሪ ምዃኑ ብተዓቅቦ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪይ ኮነ፥ ክልተ ልደት እውን ኢልና ኔርና። እዚ’ውን እቲ ቀዳማውነቱ ከይለቀቀ፥ እቲውን ዳኅርነቱ ከይለቀቀ ብተዓቅቦ ሓደ ኮይኑ እዩ። ናይ ቅድስት ቤተ  ክርስትያና እምነትን ትምህርትን÷ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፥ሰብ ኣምላኽ ኮነ፥ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪይ ኮነ፥ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ክልተ ልደቱ ብተዋህዶ ከበረ፥ ብተዋህዶ ንአብ ናይ ባህሪይ ወዱ ኮነ ዝብል ቅዱስ ምስክርነት እዩ። ምእንቲ’ዚ ቀዳማዊን ዳኅራዊን ልደት ብተዋህዶ ዝኸበረ ሓደ እዩ እሞ ሓደ ጌርና ነብዕሎ።

ኣብዚ ብዝኾነ መለክዒ ምብልላጽ የልቦን ሓደ እዩ። ከምቲ እግዚአብሔር ወልድ ብሥጋ ወዲ ኣዳም፡ ብመለኮቱ ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፥ ነቲ ሓደ እንሰግደሉ ነቲ ሓደ ዘይንሰግደሉ ዘይኮነስ፡ ሓደ ስግደት እንሰግደሉ፥ እዚ ናይ ልደት ነገር እውን ተመሳሳሊ ከምኡ (ሃይ•ኣቦው ምዕ23:3)። ሓደ በዓል ስለዝገበርና እዚ ናይቲ ቀዳማይ እዚ ናይቲ ካልኣይ ልደት እዩ ኢልካ ዝፍለ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብ ነገረ ተዋህዶ ተፋልሶ ስለዘምጽእ። ንዓና ንምድኃን ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር፥ ኣካሉ፡ ባህሪኡ፡ ልደቱ ብተዋህዶ ሓደ እዩ። እወ እቲ “ ብሥጋ ሰብ ተገልጸ፥ ብመንፈስ ጸደቀ፥ ብመላእኽቲ ተራእየ፥ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ተሰብከ፥ ኣብ ዓለም ተኣመነ፥ ብኽብሪ ዓረገ። ”ዚብል ናይ እምነትና ምሥጢር ብርግጽ ዓቢዪ እዩ። 1ጢሞ.3:16።


44 people found this faq useful.

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዓመት ዘለዋ ኩለን በዓላት ብድምር 33 ኢየን። ተኣምረ ማርያም ከምዝሕብሮ  ዕለት ፳፩(21) ወርሓዊ በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢዩ። ኣብ ዓመት ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ኣለዋ። በብወርሑ ዕለት ፳፩(21) በዓለ ማርያም ይኽበር። ኣብዘን ፲፪(12) ወርሒ ፲፪(12) ወርሓዊ በዓላት ኣለዋ።

፯(7) ነሓሰ ዝተጸንሰትሉ

፲፮(16) ነሓሰ ፍልሰታ /ፍልሰተ ሥጋሃ። እዚ ካብ ፲፮-፳፩(16-21) ከም ትንሳኤ ወዳ የክብርዎ ኢሉ ይእዝዝ። (5 መዓልቲ)

፲(10) መስከረም በኣተ ሥዕላ

፮(6) ሕዳር ናብ ደብረ ቁስቋም ዝተወትሉ

፳፩(21) ሕዳር ዘካርያስ ዝተተኽለ ብርሃን ዝረኣየሉ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)

፫(3) ታሕሣሥ ናብ ቤት መቕደስ ዝኣተወትሉ

፳፩(21)ን ፳፪(22) ታሕሣሥ ደቅስዮስ ኤጲስ ቆጶስ በዓል ዝገበረሉ ( 1 መዓልቲ)

፳፰(28) በዓለ ጌና

፳፱(29) ታሕሣሥ ንጎይታ ዝወለድትሉ

፳፩(21) ጥሪ ዕረፍታ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)

፲፮(16) የካቲት ቃልኪዳን ዝተቐበለትሉ

፳፱(29) መጋቢት ንጎይታ ዝፀነሰትሉ

፩(1) ግንቦት ልደታ

፳፩(21) ግንቦት ደብረ ምጥማቅ (ካብ ፳፩-፳፭(21-25) ግንቦት) (4 መዓልቲ)

፰(8) ሰነ ወዳ ንድዉያት ፈውሲ ዝኸውን ካብ ከውሒ ማይ ዘፈልፈለሉ

፳(20) ሰነ ህንጸተ ቤታ

፳፩(21) ቅዳሴ ቤታ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)


62 people found this faq useful.

© 2017 ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን. All Rights Reserved