ሓፂር ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን

ብዛዕባ ሓፂር ዛንታ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ምርኣይና፡ ቤተ ክርስቲያን ዚብል ስም ካበይ ከም ዝተወርሰን ትርጉሙን ክንርኢ ይግባእ። ብብሉይ ኪዳን እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ ዚገልጸሉ ዝተፈልየ ስማት ነበረ። ንኣብነት ኣብ ዘዳግም 9:10 ከም ዝተገልጸ፤ በዓላት እግዚኣብሔር ንምኽባር ዚእከቡ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል “ካሃል ወይ ኤክሌስያ” ይበሃሉ ነበሩ። ከመይ ብ284 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብሉይ ኪዳን ካብ ዕብራይስጢ ናብ ጽርኢ ዝተርጐሙ ሰብዓ ሊቃናት፤ “ካሃል” ንዚብል ቃል ዕብራይስጢ “ኤክሌስያ” ኢሎም ተርጒሞምዎ ኣለዉ። እዚ ቓልዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን 96 ጊዜ ተጻሒፉ ከም ዘሎ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን የረድእ። ቀንዲ ትርጉሙ ኸኣ ብብሉይ ኪዳን ጉባኤ ሕሩያት እግዚኣብሔር ዝኾኑ ሕዝቢ እስራኤል ማለት ኢዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳንዉን “ጽዉዓት፤ ሕሩያት” ማለት ኢዩ። እዚ ስምዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን 144 ጊዜ “ቤተ ክርስቲያን” ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ቤተ ክርስቲያን ማለት ንሰማያዊ ክብሪ ዝተጸዉዑን ዝተሓርዩን ጉባኤ ማሕበር ምእመናን ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ ርእሲ ክርስቶስ ዝኾነት ሓንቲ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ማለት ኢዩ፤ ቤተ ክርስቲያን ማለት፥ ማሕበረ ምእመናን ምዃኑ ከረድኡና ዝኽእሉ ጥቅስታት፤ “ጴጥሮስ ንስኻ ከዉሒ ኢኻ፤ ንቤተ ክርስቲያነይ ከኣ ኣብዛ ከዉሒ እዚኣ ክሃንፃ ኢየ።” ማቴ 16:18-19። “ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ናይ ጐይታ ቤተ ክርስቲያን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ጌሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሓልዉ፤” ግብሓዋ 20:28። 1ይ ቆሮ 16:19-20። የረድኣና። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ድማ ቤተ ክርስቲያን ዚብል ቃል፡ “ጉባኤ ምእመናን” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ከኣ ብሓደ ጐይታን ብሓንቲ እምነትን ንሓንቲ ጥምቀትን እትኣምን(ኤፌ 4:5)ሓዋርያዊት ኣጽናፋዊት ቅድስቲ ስለ ዝኾነት ኢዩ።

ሓንቲ ዝተባህለትሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዓለምና ብኽርስቶስ እትኣምን ሓንቲ ቤት ክርስቲያን ጥራይ ብምዃና ኢዩ፡ ሓዋርያዊት ዝተባህለትሉ ምኽንያት ድማ ሓዋርያት ኣብ ዓለም ከም እትዝርጋሕ፡ ጸኒዓ ከም እትነብርን ስለ ዝገበርዋ ኢዩ። ኣጽናፋዊት ዝተባህለትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ዓለም ተዘርጊሓ ስለ እትርከብ ኢዩ። ቅድስት ዝተባህለትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ክርስቶስ ብደሙ ስለ ዝቐደሳን ጉባኤ ቊስጥንጥንያ ድማ “ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን፡” ኢሉ ብዉሳኔ ስለ ዝሰመያ እዩ።

ህላዌ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ መወዳእታ ንስጥሮስ ፍርዲ ከይጐድሎ ብማለት እቶም ብዛዕባ ሃይማኖት ዝተጻሕፉ ናይ ሊቃዉንቲ መልእኽታት ኣኪቦም ኣመሳኺሮም፡ ሕጂዉን ናይ ንስጥሮስ ክሕደት ዝሰለቦ ስለ ዘይተረኽበ ንስጥሮስ ተስሓሒቱ ተጋግዩ ኢዩ፡ ብምባል ካብ ስሕተቱ ኣይምለስን እንድሕሪ ኢሉ፡ ንሱን ትምህርቱን ካብ ናይ ሓዋርያት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልዩ ኢዮም፡ ኪብሉ ኣፍለጡ፡ ናይቲ ጉባኤ ሊቀ መንበር ዝነበረ ቅዱስ ቄርሎስ ኢዩ፡ ናይ ጉባኤ ርእይቶኡ ንስጥሮስ ካብ ስሕተቱ እንተ ተመሊሱ ነገሩ ከም ዚዝሕል ተገልጸሉ፡ ንስጥሮስ ግን ናይ ህልኽን ትዕቢትን ፍናን ሓዲርዎ ኣይምለስን ብምባሉ እቲ ጉባኤ ዘተሓላለፎ ዉግዘት ኣብ ልዕሊኡ ተፈጸመ፡ ብቅዱስ ቄርሎስ ዝተመርሐ ናይ 200 ሊቃዉንት ጉባኤ ኤፌሶን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ነዚ ሠለስተ ጉባኤ ጥራይ ኢዩ እትቕበል።

ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ብምሥጢር ኣምላኽ ክርአ ከሎ፡ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል። እታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዓለም መላኽቲ ዝነበረት ሓድነት ኢያ። እታ ኻልኣይቲ ድማ ካብ ዕድመ ኣቤል ጀሚራ፡(ማቴ 23:35)(ዕብ 11:4)ክሳዕ ዘመነ ሓድሽ ዝነበረት፡ ሓድነት ቅኑዓት ሰባት ኢያ። እቲ ሣልሰይትን ናይ መወዳእታን ግና፡ ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣማናዊት ሓድነት ክርስቲያን ኢያ። ንሳ ኸኣ ምንጪ ጸጋን ጽድቅን ኢያ። እምበኣርከስ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ስም ቤተ ክርስቲያንን ትርጉምን ህልዉና ቤተ ክርስቲያንን ብሓጺሩ ተመልኪትና ኣሎና። ካብዚ ቐጺልና እንርእዮ ኸኣ ብዛዕባ ዛንታ ኣመሠራርታ ቤት ክርስቲያን ይኸዉን።

ብዛዕባ ዛንታ ኣመሠራርታ ቤተ ክርስቲያን ክንሓስብ ከሎና ግና ብቐዳምነት ጦብላሕ ኪብለና ዝኽእል፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ኢዩ። “እግዚኣብሔር ንኣዳም ብመልክዑን በርኣያኡን ምስ ፈጠሮ ባረኾ፡ ንዂሉ፡ ኪገዝእ ከኣ ሥልጣን ሃቦ።” ዘፍ 1:27-30። ኣዳም ግና ብግጉይ ምኽሪ ተመሪሑ ትእዛዝ ፈጣሪኡ ጠሓሰ፡ ብበደሉ ድማ ሞት ተፈርዶ። ዘፍ 3:6-19። እቲ ፍርዲ ሞት ከኣ ኣብ በይኑ ተወሲኑ ኣይተረፈን፡ ናብ ደቁን ደቂ ደቁን ተመሓላለፈ። ሮሜ 5:12-14። እቲ ምጥሓስ ትእዛዝ እግዚኣብሔር’ዉን ናብ ደቁን ናብ ደቂ ደቁን ተወራረሰ።

ሰባት ነቲ ዝፈጠሮም እግዚኣብሔር ሓዲጎም ብሠራዊት ሰማይ፡ ማለት ብፀሓይ፡ ብወርሒ፡ ብኸዋኽብቲ፡ ብሓዊ፡ ብማይ ብኣራዊት፡ ብእንስሳ፡ ብገረብን ብኰረቢትን ወዘተ ኬምልኹ ጀመሩ። ዘዳ 4:19:: ሮሜ 1:23-25። እቲ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ዝነበረ ፍልልይ ከኣ ኣዝዩ እናገፍሐ ከደ።

ሕያዉነት እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ግና ደቂ ሰብ እኳ እንተ በደሉ፡ ንዘርኢ ሰብ ፈጺሙ ከጥፍኦ ኣይደለየን። ብኣንጻር ክሕደት ብዙሓት ሰባት፡ ብሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ዚኣምኑ ዉሑዳት የተንሥእ ነበረ። ንኣብነት እኒ ሄኖክ፤ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ፡ 12 ነገደ እስራኤል፡ ብእግዚኣብሔር ይኣምኑን ንዕኡ የምልኹን ነበሩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኸኣ እዚኣቶም ኩሎም ምስ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ርክብ ዝነበሮምን ንህላዌ እግዚኣብሔርን ሓያልነቱን ፈጣሪነቱን፡ ከሃሊነቱን ዘንጸባርቑ ነበሩ። ኣብ ርእሲዚ ዝተገልጸ፡ ምሳሌ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኸኣ ኣሎ ኣቐዲምና ኣብ ህልዉና ቤተ ክርስቲያን ዝረኣናዮ፡ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተገልጹ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣለዉና።

ሊቃዉንቲ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን፡ ንቤተ ክርስቲያን፡ ስፍሕ ብዝበለ ምሥጢራዊ ምሳሌታት ገሊጾምዎ ኣለዉ። ንኣብነት ካብ ኣቶም ምሳሌ ቤተ ክርስቲያን፡ መርከብ ኖህ ኢያ፡ ከመይ፡ ንኹሎም ኣብ ዉሽጣ ዝኣተዉ፡ ካብ ማይ ኣይሂ (ካብ ጥፍኣት) ከም ዘድሕነቶም፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዚጥመቑ፡ ብትምህርቲ ወንጌል ኣእሚና ተድሕኖም ኢያ። ካልኣይ፡ ሰብን እግዚኣብሔርን ዚራኸቡላ፡ ጸሎትን መሥዋዕትን ዜዕርጉላ፡ ሕድገት ሓጢኣት ዚረኸቡላ፤ ምሳሌ ሰማያዊት መቕደስ ዝኾነት ድንኳን ምርኻብ፡ ንሙሴ ተዋሂባ ነበረት። ዘፀ 24:9::  25:8::  33:7።

እዛ ድንኳን እዚኣ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ብዘመነ ሰሎሞን፡ ቤተ መቕደስ ኮይና ተሓንጸት። እግዚኣብሔር ነዛ ቦታ’ዚኣ ቤተ መሥዋዕቲ ንኽትከዉን ሓርየያ ኣሎኹ፡ ኣብዛ ቦ’ዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዕይንተይ ኪኸፈታ፡ ኣእዛነይ’ዉን ጽን ክብላ እየን፡ ስመይ ድማ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸዉን፡ ኣዕንተይን ልበይን ከኣ ኩሉ ጊዜ ኣብኣ ክኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ፡ በለ። 2ይ ዜና 7:11-16። እዚ ኸኣ ናይዛ ሕዝብን ኣሕዛብን ብደም ክርስቶስ ሓደ ዝኾኑላ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ኮይኑ የገልግል ነበረ እምበር፡ (ሮሜ 9:24-27) በዚ መሥዋዕቲ’ዚ በዚ መቕደስ’ዚ ሕድገት ሓጢኣትን ፍጹም ድሕነትን ኪርከብ ኣይተኻእለን። ዕብ 8:8። 10:1-5። ስለዚ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ፍጹም ድሕነት ዚህብ ክርስቶስ ኪመጽእ ከም ዘለዎ እዚ ዚስዕብ ትንቢት ተነግረ።
“ከማኻ ዝበለ ነቢይ ካብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንሥኣሎም እየ ንእኡ ስምዕዎ።” ዘዳ 18:15-19። ዮሓ 5:46። “ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና ኢዩሞ እቲ ግዝኣት ኸኣ ኣብ መን ኩሉ ኢዩ ስሙዉን ግሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኽ ኣቦ ዘለዓለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ ኢዩ።” ኢሳ 9:6። “ግናኸ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤተ ልሔም ኤፍራታ እቲ ምዉጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘልዓለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝኸዉን ካባኺ ኪወጸለይ ኢዩ፡” ሚክ 5:2። ማቴ 2:1። በዚ ዝተነግረ ትንቢታት ምልኣተ ዘመን ምስ ኣኸለ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። ገላ 4:4። ሉቃ 2:4-15።

ከም ኣተዓብባያ ደቂ ሰብ ዓበየ። ሉቃ 2:52። ኣብ ሠላሳ ዓመቱ ተጠምቀ። ሉቃ 3:23። ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾመ። ማቴ 4:1። ዓሠርተ ክልተ ሓዋርያት ሓረየ። ማቴ 10:1-5። ኣብ ምድሪ እስራኤል ወንጌል መሃረ። ማቴ 4:23። ሥርዓተ ቁርባን ሠርዐ። ማቴ 26:26። ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። ዮሓ 19:17:: 15:37-44። ሞተ ተቐብረ ኣብ መበል ሥልሳይ መዓልቱ ተንሥአ። 1 ቆሮ 15:3-4። ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ሰማይ ዓረገ። ሉቃ 24:50-53። ግብ ሓዋ 1:2-8። ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጽርሓ ጽዮን፡ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ሰደደሎም። ግብ ሓዋ 2:1-5።
ክርስቶስ በዚ ኣገባብዚ ቤተ ክርስቲያን መሥረተ። “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ወንጌል ስበኹሉ፡” ማር 16:15። “ስለዚ ኪዱ ንኩሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኪሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎ። እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እየ።” ማቴ 28:19-20። ኢሉ ብዝኣዘዞም መሠረት ናብ ስብከት ወንጌል ተዋፈሩ። ክርስትና ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርግሐ፡ በዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ዓበየትን ጸንዐትን። ግብ ሓዋ 12:12። “ብድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ከባቢታት ዮርዳኖስን ኣንጾኪያን ፋሕ ኢሎም ቃል ወንጌል ይሰብኩን ይምህሩን ነበሩ። ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተሰምዩ።” ግብ ሓዋ 11:26። ብድሕሪ ዘመነ ሓዋርያት 100-160 ዓ.ም ዘሎ ዘመን ምስፍሕፋሕ ቤተ ክርስቲያን ብሕጊ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚጐዓዘሉ ዝነበረ እዋን ኮይኑ መሰጋገሪ ዘመን ይብሃል።

ቤተ ክርስቲያን ብዘመነ ሰማዕታት

ካብ 160-313 ዓ.ም. ዘሎ ኽፍለ ዘመን፤ ዘመነ ሰማዕታት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ክፍሊ ጊዜዚ ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበለቶ ሥቓይ፡ ስደት መሥዋዕቲ ንሕሊና ዘሰቕቕ መጠንን ግምትን ዘይብሉ ኮይኑ ገለ ሰማዕታት ንጥሙያት ኣራዊት ኮኾኑ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ወረጃ ገበር ሓዊ ተጠቢሶም ሓረሩ። ገለ ሰማዕታት ብቕጥራንን ስምዕን ተለኽዮም ሓዊ ክነዱ ኸለዉ፡ ገለ ድማ ብሰይፊ ተኸሊሎም ተሰዉኡ፡ እቶም ዝተረፋ ክርስቲያን ድማ ኣብ ካታኮምብ ብ… ግበበ ምድርን በዓትን ፍሉይ ኣባይትን ኮይኖም ብዘይ ምቁራጽ ይጽልዩን ይምህሩ ይሰብኩን መሥዋዕቲ የዕርጉን ነበሩ።

እቲ ዝኸፍአ ስደት፡ ብኔሮን ቄሣር ዝተዋህበ ትእዛዝ ካብ 54-68 ዓ.ም. ጴጥሮስን ጳዉሎስን ብሰማዕትነት ዝዓረፉሉ ነበረ። ብዶሚትያኖስ ትእዛዝ ዝተላዕለ ስደት፡ ካብ 81-96 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝበጽሐ ሥቓይን መከራን ስደትን ሞትን ከምቲ ኣብ ጊዜ ኔሮን ቄሣር ዝተፈጸመ ይመስል ነበረ። ብትራኦይኖ ዝተላዕለ ስደት፡ 96-117 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዚርከቡ ገዛእቲ ኣዉራጃታት ትእዛዝ ብምትሕልላፍ ኩሎም ክርስቲያን ንጣዖት ኪስዉዑን ኪሰግዱን ከምልኹን፡ እምቢ እንተ በሉ ብሞት ኪቕጽዑ፡ ዚብል ኮይኑ ካብቶም ብሞት ዝተቐጺዑ ብዙሓት፡ ዉሑዳት ንጠቅስ ድሕሪ ሞት ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነበረ ስምዖን ዝተባህለ ጳጳስ ብስቕላት ሞተ። ናይ ኣንጾኪያ ጳጳስ ኣባ ኣግናጥዮስ ሮም ተወሲዱ ንኣናብስቲ ተዋሂቡ ተሠዉዐ።

ብናይ ማርቆስ ኣዉሪልያኖስ ትእዛዝ ዝተላዕለ ስደት፡ ካብ 117-180 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ከቢድ መከራን ስደትን ወረደ፡ ብኣጋጣሚዉን ኣብቲ ጊዜቲ ጥሜትን ሕማምን ኮነ። እቶም መምለኽቲ ጣዖት፡ እዚ መከራዚ ክርስቲያን ንጣዖታትና ስለ ዘየምለኹን ስለ ዘይሰገዱን ጣዓታትና ተቘጢዖም ዘዉርዱልና ዘለዉ መዓት ኢዩ ብዚብል ምኽንያት ክርስቲያን ዘበለ ተታሒዙ ሥጋኡ ክሳዕ ዝበጣጠሰ ከም ዚረግፍ ተገብረ። በቲ ጊዜቲ ካብ ማእከል እቶም ዝተቐትሉ ሰማዕታት ንጠቅስ፡ ሰማዕት ፓራስኪ ትበሃል ብዛዕባ እምነት ክርስትናኣ ፍሉይ ሥቓይ እናተቐበለት ክሳዳ ብስይፊ ተቘሪጻ ብሰማዕትነት ዓረፈት። ከምኡዉን ኣብደቡብ ፈረንሳ፡ ጳጳስ ኣብ ፎቲኑስ ዝተባህለ ብሰማዕትነት ዝዓረፈሉ እዋን ነበረ። ብናይ ሴፕቲሚዮስ ሴቪሩስ ትእዛዝ ዝተላዕለ ስደት :ካብ 211-215 ዓ.ም፡ ብናይ ዲዮቅልጥያኖስ ትእዛዝ ዝተላዕለ ስደት፡ ካብ 215-305 ዓ.ም፡ ኣብዚ ዘመንዚ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ዕንወትን ሰማዕትነትን በጺሕዋን ተቐቢላን ኢያ። ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳትን መጻሕፍትን ቅርሳ ቅርሰን ብሓዊ ነደደ። ንብረትን ሃብትን ተሃገረ። እቶም ዉሩያት ሰማዕታት እኒ ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ መርቆሬዎስ፡ ገላዉዴዎስ፡ ሚናስ፡ ቂርቆስ ኣዲኡ ኢዮሉጣን ካልኦትን እዮም። ንቤተ ክርስቲያን ከኣ ድሙቕ መብራህቲ ኮይኖም ኣለዉ። ቤት ክርስቲያን ኣብ ዓዓመት በዓሎም ተኸብር ኣላ። ስለዚ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕርገት ክሳዕ ሞት ዮሓንስ ወንጌላዊ ዚርከብ 70 ዓመት ዘመነ ሓዋርያት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ቤተ ክርስቲያን ብዘመነ ሊቃዉንቲ

ካብ ዘመነ ሓዋርያት ክሳብ 160 ዓመት ናይ መሰጋገሪ ዘመን ይበሃል፡ ካብ 160-312 ዓ.ም. ከኣ ዘመነ ሰማዕታት ይበሃል፡ ካብ 313 ዓ.ም. ዘመነ ቈስጠንጢኖስ ግና ቤተ ክርስቲያን ዕረፍቲ ረኺባ ናይ ገዛእ ርእሳ መራሕቲ ብምሻም ቤተ ክርስቲያን እትምርሓሉ ሕጊ ሓንጺጻ ክትጐዓዝ ጀመረት። እቲ ዝነበረ ሥቓይን መከራን ሓሊፋስ ክርስቲያን ብሕጊ ሓቲቶም ንብረቶምን ሃብቶምን ከምልሱ ከኣሉ።

ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ

ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ብ313 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ዝኣወጆ ኣዋጅ ንቤተ ክርስቲያን ምሉእ ዕረፍቲ ሃባ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሰላ ተሓልዩ ክትሰብክ ክትምህር ስለ ዝተፈቕደላ ኣብያተ ጣዖታት ተዓጽየን ኣብያተ ክርስቲያናት ተኸፍታ። እዚ ክፍለ ጊዜዚ ድማ ዘመነ ሊቃዉንት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብ325 ዓ.ም. ኣርዮስ ዝተባህለ፡ ዓሌቱ ግሪኻዊ ዓዱ ሊብያ ብትምህርቲ መንፈሳዊ ኮለጅ ኣብ ግብጽን ኣንጾኪያን ትምህርቱ ዝፈጸመ፡ ብመዓርገ ክህነት ዝተመረቐ ኣብ ክፍሊ ስብከት ተዋፊሩ ኪሰብኽ ከሎ፡ ወልድ ፍጡር ብመለኮቱ ዚብል ናይ ክሕደት ቃል ኪምህር ተረኽበ፡ መሠረት መበገሢኡ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ 8:22 ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ፡ መቅድመ ኩሉ ተግባሩ፡ ብዚብል ሓረግ ቃል ክሕደቱ ምስ ኣስፍሕፍሐ፡ እቶም ናይ ቀረባ ኣዕርኽቱን መራሕቱን ምኽርን ተግሣዕን እኳ እንተ ኣቕረብሉ፡ ኣብ ክሕደቱ ስለ ዝጸንዐ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዝኾኑ 318 ሊቃዉንት ኣብ ከተማ ኒቅያ ጉባኤ ሠረዖም ብኣቦ መንበር ፖትርያርክ እለ እስክንድሮስ፡ ኣፈ ጉባኤ ሊቀ ዲያቆን ኣትናቴዎስ ብምዃን ብዝተዛረቦ ቓል ክሕደት ረቲዖም ካብ ቤተ ክርስቲያን ብዉግዘት ፈለይዎ።

ካልኣይ ጉባኤ ቊስጥንጥንያ

ቱርኪ ኣብ ዚበሃል ሃገር እትርከብ፡ ቀደም ቊስጥንጥንያ እትበሃል ዝነበረት፡ ሎሚ እስጣምቡል ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ፡ ከተማ ብ381 ዓ.ም. ጉባኤ ሊቃዉንት ቤተ ክርስቲያን ተገብረ።

ናይዚ ጉባኤዚ ምኽንያት ቀዳማይ፡ ናይ ቊስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ መቅደንዮስ ዝተባህለ፡ መንፈስ ቅዱስ (ህጹጽ) ኢዩ ማለት ምስ ኣብን ወልድን ማዕረ ኣይኮነን፡ ናይ ኣብን ወልድን ልኡኽ ኢዩ፡ ኢሉ ስለ ዝመሃረ።

ካልኣይ፡ ናይ ሎዶቅያ ኤጲስ ቆጶስ ዝነበረ ኣቡሊናርዮስ ዝተባህለ፡ ወልድ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ኢዩ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ኣእምሮን ዘይብሉ ሥጋ ለበሰ፡ ነቲ ዝለበሶ ሥጋ ግና መለኮት ነፍስን ኣእምሮን ኮኖ፡ ዚብል ናይ ክሕደት ትምህርቲ ስለ ዝመሃር፡ በዚ ምኽንያት ብዘመን መንግሥቲ ቀዳማይ ቴዎዶስዮስ 150 ሊቃዉንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቊስጥንጥንያ ተኣከቡ።

ናይቲ ጉባኤ ኣቦ መንበር፡ ናይ እስክንድያ ሊቀ ጳጳሳት ቀዳማይ ጢሞቴዎስ ነበረ። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መረዳእታ እናቕረቡ፡ ነቶም ክልተ መናፍቃን ዝተኸራኸርዎም ድማ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙን፡ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስን ነበሩ። ብድሕሪዚ ናይቲ ጉባኤ ኣባላት ናይ ክልቲኦም መናፍቃን ትምህርቲ፡ ክሕደት ምዃኑ ርእዮም ንመቅደንዮስን ንኣቡሊናርዮስን ብዉግዘት ፈለይዎም ኣስዒቦም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣብን ወልድን ማዕረ ምዃኑ ዝገልጽ ጽሑፍ፡ ኣብ ልዕሊቲ ብጉባኤ ኒቅያ ዝተወሰነ ጸሎት ሃይማኖት፡ ወነኣምን በመንፈስ ቅዱስ፡ እግዚእ ማሕየዊ ዘሠረጸ እም ኣብ፡ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ ኣብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት፡ ወነኣምን በኣሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ሓጢኣት፡ ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን፡ ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም። ዝብል ቅኑዕ ትምህርቲ ወሰኹሉ።

ሣልሳይ ጉባኤ ኤፌሶን

ናይ ቊስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበረ ንስጥሮስ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ናብዚ ኣለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከይተወልደ ከሎ፡ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብ ስለ ዝኾነ ምስ ኣቦኡ ማዕረ ኢዩ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተወልደ ግና ኣካሉ ክልተ ኢዩ፡ እቲ ሓደ ወዲ እግዚኣብሔር፡ እቲ ሓደ ድማ ወዲ ማርያም ኢዩ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ኪዉለድ ስለ ዘይከኣል፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ደኣምበር ኣምላኽ ኣይትወልድን፡ ዚብል ትምህርቲ ክሕደት መሃረ። በዚ ምኽንያት ብዘመን መንግሥቲ ዳግማዊ ቴዎዶስዮስ ብ431 ዓም ኣብ ኤፌሶን 200 ሊቃዉንቲ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ገበሩ፡ ኣብዚ ጉባኤዚ ክርስቶስ ምስ ኣብን ምስ መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ምዃኑን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ፡ ወላዲተ ኣምላኽ ምዃናን ኣረጋዚጾም፡ ንንስጥሮስ ምስናይ ትምህርቱ ኣዉጊዞም ፈለይዎ። ኣብ ቅድሚቲ ዝተገብረ ጉባኤ፡ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናጠቐሰ መረጋገጺ እናቕረበ ንንስጥሮስ ተኸራኺሩ ዝረትዖ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ዝነበረ ቀዳማይ ቄርሎስ ኢዩ። ኣስተዉዕል ናይ ተዋህዶ (ኦሬንታል) ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን ዝቕበላኦ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ ሠለስተ ጉባኤታት ጥራይ ኢዩ። ብ፬፫፩ ዓም ኣብ ኤፌሶን ዝተባህለ ቦታ ብ200 ሊቃዉንቲ ቤተ ክርስቲያን ተኻይዱ፡ ምኽንያት እቲ ጉባኤ ድማ ግርኻዊ መነኰስ ዝኾነ ንስጥሮስ ዝተባህለ መናፍቕ ኣብ ገዳም ኣንጾኪያ ዲቁናን ቅስናን ዝተሸመ ነበረ፡ እዚ ሰብዚ ድምዑ ጥዑም፡ ከኣሊ ዘረባ ከም ዝነበረ ይንገረሉ ኢዩ። ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ዘጠናቕቕ ኣብ ኣንጾኪያ ዝተማህረ ናይ ክልተ ባህርይ ትምህርቲ ኣብ ቊስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ድሕሪ ምዃኑ ኢዩ፡ ንስጥሮስ ናይ ሕድረት ትምህርትን ምስፍሕፋሕ ዝሓይሽ መሲሉ ዝተራእዮ በዚ ሥልጣንዚ ጊዜኡ ስለ ዝነበረ ኢዩ።

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቡነ ቀሲስ ኣንስጣልዮስ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ክልተ ባህርይ ትምህርትን ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ኣይትበሃልን፡ ኢሉ ገሊጹ ምስ ተዛረበ፡ ሰማዕቲ ምእመናን በዚ ኣዝዮም ሰምበዱ፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣብ ሊቀ ጳጳስ ንስጥሮስ ቀሪቦም፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ተነጊሩና፡ ኢሎም ኣብየት በሉ። ንሱ ግን ነዚ ነገርዚ ዋናኡ ስለ ዝኾነ ነቲ ጥርዓን ሕዝቢ ገዲፋ ብግልጺ ብምምሃር፡ ካብ ማርያም ዝተወልደ፡ ኣምላኽነት ዘይብሉ ኢዩ፡ በለ። ቃል ኣብ ዮርዳኖስ ብጥምቀት ክሳዕ ዝሓድሮ፡ ወልደ ማርያም ናይ ቃል ማሕደር ኮይኑ ተወልደ፡ ማለት ወሶበ ተራከቦ ወልደ እግዚኣብሔር ለወልደ ማርያም በዮርዳኖስ ረስዮ ኣምላከ በጸጋ። ማይ ቡምባ ከም ዚሓልፍ፡ ቃል ድማ ብማሕፀን ማርያም ሓለፈ፡ ማርያም ወላዲተ ሰብእ እምበር ወላዲተ ኣምላክ ኣይትበሃልን ኢዩ፡ እናበለ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ምምሃር ጀመረ። ሓሳቡ ንምድጋፍ ኢሉ ሓደ ሓደ ምስላታት ዘቕረቦም ድማ ከምዚ ይብል። ሓደ ንጉሥ ርእሱ ንምሕባእ ካብ ወተሃደራቱ ክዳን ከም ዝኸደን፡ ክርስቶስዉን በዚ ዓይነት ምስ ተሓብአ ብጻዩ ኾይኑ ከዘራርቦ ዚኽእል ቃልዉን ኣብ ሥጋ ሓዲሩ ተራእየ፡ እዚዉን ብድልየቱ ንሓደ ወተሃደር ንምምሳል ዝደለየ ንጉሥ ምንም እኳ ንጉስ እንተኾነ ንኣታቶም ዝመሰለ ናታቶም ስርዓት ምምላእ ኣለዎ፤ ቃል ኮይኑ ሕጊ ኦሪት ብምፍጻም። ካብዚ ዝተላዕለ ነዚ ናይ ንስጥሮስ ትምህርቲ ክሕደት ብመጀመርታ ዝተቓወመት ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ነበረት፡ በቲ ግዜቲ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳ ዝነበረ ቅዱስ ቄርሎስ ነዚ ጉዳይዚ ብዙሕ ተጋዲሉ ካብ 412 ዓም ጀሚሩ ክሳዕ 444ዓም ብተቓዉሞ ኣሕሊፍዎ ኢዩ።

ምንጪ
ፍካሬ ኢየሱስን ሓጺር ዛንታ ቤተክርስቲያንን
ኣሰናዳኢ - ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ
ኣሥመራ 1999 (፲፱፻፺፩)