እግዚኣብሔር ዘይምርመር ረቂቕ ኣብዚ ተረኺቡ ዘይበሃል ቀዳማዊ በዚ ጊዜ ይሓልፍ ዘይበሃል ዳሕራዊ ነዛ ዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ዝፈጠረ ዳግማይውን ንዓለም ካብ ምንባር ናብ ዘይምንባር ኣሕሊፉዋ ዝገዝእ ጎይታ እዩ።

ሃልዎተ እግዚኣብሔር

ሃልዎተ ሃለወ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ኸኣ ምንባር /ምህላው/ ማለት እዩ ። ስለዚ ሃልዎተ እግዚኣብሔር ማለት ናይ እግዚኣብሔር ምህላው /ምንባር/ ንርድኣሉ ትምህርቲ እዩ።

ሰብ ብተፈጥሮ ብዝተዋህቦ ኣእምሮ ኣድቂቑ ናይ ምፍላጥን ናይ ምእማንን ድሌት ዋላ እንተሃለዎ ናይ ሰብ ፍጥረት ብጣዕሚ ውሱን ብምዃኑ እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ንገዛእ ርእሱ እንተዘይገልጽ ኔሩ ተማራሚሩ ክፈልጦ ኣይምኸኣለን ኔሩ። ህልውና እግዚኣብሔር ንፈልጠሉ ነገራት ወይ መረዳእታ እዞም ዝስዕቡ ዕዮም።

1. ናይ ፍጥረታቱ ስነ-ስርዓት ኣሰራርሓ
2. ናይ ሕልና ምስክርነት
3. ናይ ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥሮ ድሌት
4. ቃል እግዚኣብሔር ናይ ታሪኽ ምስክርነት

1. ናይ ፍጥረታት ስነ-ስርዓት ኣሰራርሓ

ክረምትን ሓጋይን፥ መዓልቲን ለይትን፥ ብርሃንን ጽልማትን፥ ናይ ሙቐትን (ዋዕን) ቁርን፥ ዝናብ ደበና፥ ልምላሜን ድርቀትን ዘርኢ ተዘሪኡ ስጋብ ዝሕፈስ ኩሎም ጊዝያቶም ሓልዮም ዝጓዓዙ ምዃኖም ዘርእየና ሓደ ላዕላዋይ ሓላውን ተቖጻጻርን ምህላው እዩ። ከምኡውን ናይ ወዲሰብ ኣፈጣጥራ ኣወላልድኡ ኣተዓባብያኡ ናይ ሰብነቱ ክፍልታት ስንስርዓት፥ ማለት ብእግሩ ምኻድ፥ ብኢዱ ምድህሳስን ምሓዝን ምስርሑን፥ ብዓይኑ ምርኣዩ፥ ብእዝኑ ምስምዑ፥ ብልሳኑ ምዝራቡን ምጥዓሙ፥ ብኣፉ ምብልዑ ምስታዩ፥ ብስኑን ኩሩምቱን ምሕያኹ፥ ብኣፍንጭኡ ምሽታቱን፥ እዞም ኩሎም ምፍጣሩ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ኣፈጣጥራ ስነስርዓት የርእየና።

ብዙሕ ሕብረ ቀለም ዘለዎም ፍጥረታት ረቀቕትን ግዙፋትን ፍጥረታት ማራኺ መልክዕ ዘለዎም ዓይኒ ሕልና ዝምስጡ ምልኩዓት ፍጥረታት ኩሎም ፈጣሪ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ምህላዉ የረድኣና።

"ሰማያት ክብሪ ኣምላክ የዘንትዉ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳው የውሪ።" መዝ ዳዊት 19፡1 ብምባል ኽብሪ እግዚኣብሔር ብኣድናቖት ይገልጽ፡ ኸምኡ ኸኣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ "እቲ ካብ ፍጥረታት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይረአ ባሕርይ እዚ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ሓይሉን መለኮቱን (ኣምላኽነቱ) እሱ ብዝፈጠሮም ነገራት ግልጺ ኾይኑ ኣጸቢቑ ይረአ፡ ሮሜ 1፡20 ብምባል ፍጥረታቱ ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ መረዳእታ ምዃኑ ይገልጽ። እዮብ 12፡7-10 , ግ.ሓዋርያት 14፡1-7

2. ናይ ሕልና ምስክርነት

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንፈሳዊ ሕጊ (ሕልና) ኣለዎ እዚ ሕልና ከኣ ክፉእን ጽቡቕ ተግባራት ናይ ምፍላይ ክእለት ኣለዎ። ስለዚ ሰብ ካብ ሕልንኡ ብምብጋስ ጽቡቕ ይሰርሕ ካብ ክፉእ ተግባራትውን ይርሕቕ ናይ ሕልንኡ ምኽሪ ነጺጉ ክፉእ ነገር እንተ ጌሩ ግና ብሕልንኡ ኩሉ ጊዜ እንዳተፈረደ ወይ እንዳተጣዕሰ ይነብር፡ ሕልንኡ ይወቕሶ ማለት እዩ። ካብዚ ንርዳእ ንጽቡቕ ኮነ ንኽፉእ ከከም ስርሑ ዋጋ ዝኸፍል ከየዳለወ ዝፈርድ ልዕሊ ኹሉ ዝኹነ ሓደ ኣምላኽ ምህላው እዩ። ሮሜ 2፡14-15 "እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ ሕልናኦም እንዳመስከረሎም ሓሳቦምውን ነንሕድሕዱ እንዳተኻሰሰ ወይስ እንዳተኸላኸለ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ ይርእዩ ኣለዉ እሞ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተረዲኦም ካብ ዝገበርዎስ ንሳቶም ሕጊ እንተዝይብሎም እዃ ንርእሶም ሕጊ እዮም።"

3. ናይ ደቂ ሰባት ናይ ተፈጥሮ ድሌት

ኣብ ዝተፈላዩ ናይ ዓለም ክፍልታት ዝርከብ ሰብ ኩሉ ዋላ እኳ ናይ እግዚኣብሔር ስርዓቱ ይፈላለ እምበር ሓደ ኣምላኽ ምህላው ይኣምን እዮም። ስለዚ ሰብ እግዚኣብሔር ምህላዉ (ህልውና) ዝኣምን ናይ ሃይማኖት መጽሓፍቲ ኣንቢቡ ጥራሕ ዘይኮነ ብተፈጥሮ ሰሚዑ ድሌቱ ወይ ዝንባሌኡ ስለዝደፋፈኦን'ውን እዩ። ግ.ሓዋርያት 17፡22-34

4. ቃል እግዚኣብሔር ናይ ታሪኽ ምስክርነት

ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ትንቢታት ተነጊሮም እዮም። እዞም ዝተነገሩ ትንቢታት ውን በብጊዜኡ ዝተፈጸሙ ምዃኖም ብታሪኽ ዝተረጋገጸ እዩ። ንመጻኢ'ውን ዝበጽሕ ኩነታት ኣቐዲሞም ክዛረቡ ብዝተፈላለዩ መገዲ ንነብያት ዝግለጸሎም እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ዝነበረ ዘሎን ዝንብርን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ህልውና ዘረጋግጹ ገለ ጥቕስታት ንምጥቃስ መዝ.ዳዊት 10፡4 መዝ.ዳዊት 14፡1 "ዓሻ ብልቡ አምላኸ የልቦን ይብል"

ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ (ጠባያት)

ባህርይ ማለት ናይ ሓደ ነገር መንነት ዝገልጽ ቃል እዩ፥ ናይ እግዚኣብሔር ጠባይ ክበሃል ከሎ ድማ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ ውሽጢ ዝግለጹ ኩነታት ዘመልክት እዩ። እግዚኣብሔር ረቒቕ ኣምላኽ እዩ፥ ሰብ'ውን እግዚኣብሔር ጠባይ ንምፍላጥ ዘለዎ ክእለት ብጣዕሚ ውሱን እዩ ብናትና ውሱን ኣተሓሳስባ ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ ምምርማር ኣይከኣልን። 1ይ ቆሮንቶስ 13፡1።

ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ /ጠባያት/ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ተኸፊሉ ክንርእዮ ንኽእል።

1. ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ናይ እግዚኣብሔር ህልውና ዘመልክቱ እዮም፥ ኣብ ትሕቲ'ዚ ኣርእስቲ ዝጠቓለሉ ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ /ጠባያት/ ሰብኣዊ ፍጡር ክህልዎ ወይ ክንገረሉ ዘይክእል ናይ ባህርይ ገንዘቡ ጥራሕ እዮም ንሳቶም ከኣ፡-

1.1 እግዚኣብሔር ውሱንነት የብሉን፥-

ንእግዚኣብሔር ዋላሓደ ነገር ዝውስኖ የለን፥ ንሱ ካብ ውሱንነትን ህጸጽን ዝርሓቐ እዩ፥ ብዘይ ሓደ ዕቑባን ውሱንነትን ፍጹምነትን ናቱ እዩ፡ ብባህርይ ውሱንነት የብሉን፡ ኢዮብ 36፡26 "ንዕቤት ኣምላኽ ክንርደኦ ኣይንኽእልን ኢና፥ ንቁጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ክንጽብጽቦ ኣይንኽእልን ኢና" መዝ 145፡3 145፡5 ት.ኢሳያስ 40፡17

1.2 እግዚኣብሔር ብገዛእ ርእሱ ዝነብር እዩ

እግዚኣብሔር ብገዛእ ርእሱ ዝነብር ኮይኑ ፍጥረታቱ ግና ብእግዚኣብሔር ኣቢሎም እንተዘይኮይኖም ብገዛእ ርእሶም ክነብሩ ኣይክእሉን፥ እግዚኣብሔር ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ዘሎን ዝነብርን እዩ፥ ወ.ዮሃንስ 5፡26 "ከምቲ ነቦ ናይ ባዕሉ ሂወት ዘለዎ ወልድውን ናይ ባዕሉ ሂወት ክህልዎ ሃቦ"

1.3 እግዚኣብሔር ናይ ማንም ረድኤት ወይ ሓገዝ ዘድልዮ ኣይኮነን

እግዚኣብሔር ናይ ማንም ሓገዝ ረድኤት ዘየድልዮ ኣምላክ እዩ፥ 2ይ መቃብያ 14፡35 መዝ.50፡12 ት.ኢሳያስ 40፡13-14 ግ.ሓዋርያት 17፡25 ሮሜ.11፡34 መዝ.113፡4-8 ት.ኢሳያስ 57፡15

1.4 እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ እዩ

እግዚኣብሔር ብዘመናት ዝቑጸር መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ዘልኣለማዊ እዩ፡ ናይ ግዜን ናይ ዘመናትን ፈጣሪ ንሱ እዩ፥ ናይ ግዜን ናይ ዘመናትን ንሱ እዩ፥ መዝ.90፡2 መዝ.90፡4 መዝ.102፡12 መዝ.102፡25-27 መዝ.145፡12 ት.ኢሳያስ 44፡6፣ 1ይ ጢሞቴዮስ1፡17 2ይ ጴጥሮስ 3፡8 ራዕይ ዮሃንስ1፡8

1.5 እግዚኣብሔር ኣይልወጥን እዩ

እግዚኣብሔር ብውሳኔ ዝጸንዕ፥ ዝበሎ ዝገብር፥ ብውሳኔኡ ከም ሰብ ዘይጠዓስ ኣምላክ እዩ፥ ቃል ኪዳኑ ዝሕሉ ጻድቕ ናይ ባህርይ ኣምላክ እዩ፥ ት.ሚልኪያስ 3፡6 ወ.ማቴዎስ 24፡35 ሮሜ.5፡8 ሮሜ.11፡29 መልእኽቲ ያዕቆብ1፡17 ኦ.ዘኁልቁ 23፡19

1.6 እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ እዩ /ምሉእ በኩለሄ/

እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ዓለም ምሉእ እዩ፥ ኣብዚ ኣሎ ኣብዚ የለን ወይ ኣብቲ ኣሎ ኣብቲ የለን ኣይበሃልን፥ ኣብ ሰማይ ይነበር ምባልና ስለክብሩ ስለ ልዕልንኡ እምበር ፥ ንሱ ብቦታ ኣይውሰንን እዩ፥ 1ይ መ.ነገስት 8፡27 መዝ.139፡7-10 ት.ኢሳያስ 66፡1 ት.ኤርምያስ 23፥23-24

1.7 ንእግዚኣብሔር ምሉእ ብምሉእ ምፍላጥን ምርኣይን ኣይከኣልን

እግዚኣብሔር ምሉእ ናይ ባህርይ መንፈስ ስለዘለዎ ክራኣይ ወይ ምሉዕ ብሙሉእ ክፈልጥ ኣይከኣልን፡ ንእግዚኣብሔር ዝመስል ከቶ ምንም ነገር የለን፡

እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ምዃኑ እኳ እንተኣመና እዚ ናይ እግዚኣብሔር ኣካል ግን እዚ ይመስል እዚ ይኣክል፡ ወይ ከምዚ ዝበለ እዩ ንምባል ኣይንኽእልን ንምግማት እኳ እንተፈተንና ንምርኣይ ግን ኣይከኣልን፡ ንእግዚኣብሔር ክርኢ ዝደሊ ሰብ ክረአ ዘይከአል ንምርኣይ ምድላይ ናይ እግዚኣብሔር ጠባይ ዘይምፍላጥ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዋላሓደ ዝርአዮ ሰብ ከምዘየለ ጉይታና ኣምላኽና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋጊጹልና እዩ፡ "ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ ብዘይ ወድን ውዲ ኸኣ ክግለጽሉ ዝፈተወን እምበር ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን" ወ.ሉቃስ 10፡22

ኣብ ውሽጢ ቅዱሳት ምጽሓፍቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝተራእዮም ወይ ዝተገለጸሎም ተባሂሎም ካብ ዝተጠቅሱ ቅዱሳን ሰባት ኩሎም ብመለኮታዊ ኣካሉ ኮይኑ ዝረኣዮ ዋላሓደ የለን፡ኮይኑ ግን ኣብ ዝተፋላለየ ኩነታት ምሳሌነቱ ርእዮም እዮም፡ንምጥቃስ ዝከኣል፡-

  • ንኣብርሃም ከም ሰብ ኮይኑ ተራእይዎ ዘፍ 18
  • ንሙሴ ብሓዊ ነበልባል መልክዕ ዘጸ 3
  • ንኢሳያስ ት.ኢሳ 6
  • ንዳንኤል ብራእይ ብሽማግለ ሰብ ት.ዳን 7፡13-14

ምስ ፍጥረቱ ዘለዎ ርክብ ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ /ጠባያት/

ናይ እግዚኣብሔር ግርማን ልዕልናን ብስርሑ ይግለጹ፡

1. እግዚኣብሔር ኩሉ ይፈልጥ እዩ፥

እግዚኣብሔር ንኹሉ ሰለዝፈልጥ ካብኡ ዝተሰወረ ነገር የልቦን፡ ዝሓለፈን ዝኾነን ዝመጽእን፡ ዘይተነገሩ ሓሳባተን ቃላትን ተግባራትን ቅድሚ ምዃኖም ኣቐዲሙ ይፈልጥ እዩ።

2. እግዚኣብሔር ጥበበኛ እዩ፡

ናይ እግዚኣብሔር ጥበበኛነቱ ንኩሉ ነገር ምስ ምፍላጡ ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ንሱ ንርእሱ ጥበብን ዓዳሊ ጥበብን እዩ፡ መዝ.104፡24 ምሳ.2፡6 ት.ዳን 2፡21 ሮሜ.16፡27 ኤፌ.3፡10 ያዕ.1፡5

3. እግዚኣብሔር ኩሉ ይካኣሎ እዩ

እግዚኣብሔር ኩሉ ዝከአሎ ኣምላኽ ስለዝኾነ ዝሰኣኖ ነገር የልቦን፡ ናይ እግዚኣብሔር ኩሉ ከኣሊነት ከኣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር እዩ፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ምድሪ ንሱ ዝደለዮ ንኽገብር ዝእግዶ ዋላ ሓደ ነገር የለን፡ ዘፍ.18፡14 መዝ.135፡6 ት.ኤር 32፡17 ወ.ሉቃ.1፡37 ኤፌ.3፡20

4. እግዚኣብሔር ቀዱስ እዩ፡

እግዚኣብሔር ቅዱስ ስለዝኾነ ኣብ ስርሑ ኩሉ ክፍኣተን ርኽሰትን የብሉን፡ንጹሕን ፍጹምን ለዋህን እዩ፡ ዘዳ.3፡4-5 ዘዳ፡15-11 ዘሌ. 19፡2 ዘጸ.7፡6 1ይ ነገ.9፡3 መዝ.99፡5 ወ ዮሓ.17፡19 1ይ ጴጥ.1፡16

5. እግዚኣብሔር ጻድቕን ፍርዱ ቀኑዕን እዩ፡

ቅኑዕ ፍርዲ ዝህብ ጻድቕ ይበሃል፡ እግዚኣብሔር ከኣ ጻድቕን ፍርዱ ቅኑዕን እዩ፡ መዝ.7፡11 መዝ፡9፡8 መዝ፡93፡13 መዝ፡145፡17 ሮሜ.11፡33 2ይ ቆሮ.5፡10 2ይ ጢሞ.4፡8 1ይ ጴጥ.1፡17

6. እግዚኣብሔር ፍጹም ለዋህ እዩ

ናይ እግዚኣብሔር ለውሃቱ፡ቅዱስነቱ፡ፍቕሩ፡ርህራሄኡ፡ሓቀኛ ፍርዲ ጸግኡን ከምኡ ኸኣ ንፍጥረቱ ብዝገበሮ ሓለዋ እዩ። ነዚ መግለጺ ኸኣ ዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ዝፈጠረ ካብ ለውሃቱ ዝተላዕለ እዩ፡ ብፍላይ ንወዲ ሰብ ብኣርኣይኡን ብኣምሳሌኡን ፈጢሩ ፍጹም ነጻነት ዘለዋ፡ለባዊነት፡ነባቢት ነፍሲ ብምሃብ ጽግኡ ዓዲሉና፡ ዳግማይ'ውን ፍጥረት ሰብ ካብቲ ዝወደቐሉ ናይ ሞትን መርገምን ፍርዲ ብናይ ወዱ መስዋእቲ ኣወጊዱ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ምምሳሉ ናይ እግዚኣብሔር ለውሃት የርእየና፡ መዝ.31፡19 33፡5 34፡8 104፡27 108፡4 118፡1 33፡11 ሲራ.5፡4 ዮሓ.3፡16 1ይ ጢሞ 2፡4 2ይ ጴጥ3፡9

7. እግዚኣብሔር ተኣማንን ሓቀኛን እዩ፡

እግዚኣብሔር ሓቀኛ ዘብሎ ዘይጠልም እሙን ኣምላኽ እዩ፡ ዮሓ.3፡3 መዝ.25፡10 ዘፍ.23፡19 1ይ ዮሓ.11፡29 2ይ ጢሞ.21፡13 ቲቶ.1፡2 እብ.6፡16-18

8. ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ሓለዋ፡

ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ብዘይ ናቱ ፍቓድ ብዘይ ናቱ ሓለዋ ወይ ብዘይ ናቱ ትእዛዝ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ፍጻሜ ኣይትትግበረን እያ፡ ብናቱ ጥበብ ኩሉ ይኸውን ይግበር፡ ብአጋጣሚ ወይ ሃንደበት ብዕድል ብስምምዕ ወይ ግዴታ ዝኸውን ነገር የለን፡ ማቴ.10፡30 መዝ.135፡6 ኢሳ.45፡7 ዳኒ.4፡35 ኣሞ.3፡6 ግሓ.17፡26 ሮሜ.11፡36

9. እግዚኣብሔር መንፈስ እዩ፡

እግዚኣብሔር መንፈስ እዩ ክንብል ከለና ዝርው ዝተበተነ ማለት ኣይኮነን፡ ረቒቕ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ኣካላዊ እዩ፡ ንግዙፍ ኣካል መስፈርቲ ዝኾንዎ ዓቐን፡ ግዝፈት፡ ክብደት፡ ዝኣምሰሉ ንእግዚኣብሔር ዘይንገረሉ ረቂቕ ኣምላክ እዩ፡ ዮሓ.4፡24 2ይ ቆሮ.3፡17

ናይ እግዚኣብሔር ኣስማት

ብግእዝ ናይ ፈጣሪ ስሙ እግዚኣብሔር እዩ፡ ትርጉሙ ከኣ አብ ክልተ ይኽፈል፡

1. እግዚኣ፡ ማለት ጎይታ ክኸውን ከሎ
ብሔር፡ ማለት ድማ ግዝኣት ወይ ዓለም ማለት እዩ፡ ናይ ክልቲኡ ቃላት ትርጉም ክጠቓለል ከሎ ናይ ዓለም ወይ ግዝኣት ጎይታ፡ ገዛኢ ወይ ኣመሓዳሪ ማለት ይኸውን፡ እዚ ኣበሃህላ ግና ጽብብ ብዝበለ መልክዕ ዝረኣ ዘይኮነ ዝራኣይን ዘይራኣይን ዓለም ዘጠቓልልን ንኹሉ ፍጥረት ዝሓዘን ንኩሉ ገዛእን ፈጣርን ካብ ምኻኑ ዝተዋህበ ትርጉም እዩ እብ.11፡1-3

2. እግዚ፥- ማለት ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ።
ኣብ፥- ማለት ኣግዚኣብሔር /ኣብ/ ኣቦ።
ሔር፡- ማለት ድማ ንደቂ ሰባት ጸጋ ዝዕድል መንፈስ ቅዱስ ኢዩ።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር! ኣሜን።