ሓዳር-አብ-ስደት ሻምናይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ

 

ወርቃዊ ጩራ ጸሓይ ናብ ኣድማስ ገጹ እናወረደ ከሎ፡ ዳናይት ኣብቲ ርጉእ ጀርዲኖም መጽሐፍ ጸሎት ሒዛ ተንበርኪኻ ኣላ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኣብ ልባ ዝኸበደ ጾር ክትስከሞ ከም ዘይትኽእል፡ ኣስተንተነት። ካብቲ ክትኣምኖ ትፍቅሮን በዓል ቤታ  ንላዕሊ ነቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ ዲ. ዮናስ ዩኤል  ምስጢሩ ምክፋላ  ዮኤል ኣብ ገለ ክፋል ልባ ቦታ ከም ዝሓዝኣትሉ ተረደኣ። ብዛዕባ እምነትን መንፈሳውነትን  ብሕቡእ  ርክባት ዝገብርዎ ዲ. ዮናስ  ስምረት ካብ ሓደ መዘምራን ናይቲ ቤተ-ክርስቲያን ሰምዓት።  ዲ. ዮናስ ካብኣ ተሓቢኡ ዝዕልሎ  ዕላላት ኣብ ሕልናኣ ዝኸበደ ምስጢራዊ ግድላት ስለ ዝኾና ብእህታ ከምዚ እናበለት ክትጽሊ ጀመረት።

 ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ብሕማም ሓሳብ ማሲነ ደኺመ ኣለኹ። እዚ ናይ ሓዳር ነገር ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ንጹህ እምነተይ፡ ዝኾነ ውጽኢት ኣይረኸብኩሉን። እቲ ዘፍቅሮ ናብ ቅኑዕ ሕይወት ክመርሓኒ ዝተመርዓኽዎ፡ ተመሊሱ ንሱ መንድዓት ኮይኑኒ።  ነብሰ ቅትለት ኣማራጺ ስለዘይኮነ ንመንሽሮ እየ ዝጽሊ ዘለኹ። እዚ  ጸሎተይ ምናልባት ክትኣምኖ ዘስካሕክሕ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ምናልባት ድማ ነቶም ብሕማም መንሽሮ ዝሳቐዩ ሰባት ኣዝዩ ዘሕርቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ልበይ ይቕሬታ ይሓትት ብሓቂ።

ሕይወተይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ከፊእዋን መሪርንን  ኩሉ ነገር ኣስልቺኒ። ሕይወተይ ተስፋ ዘይብላ ስለ ዝኾነት፡ ብሓቂ ሓንጎለይ ክዓርፍ  ሕማመይ እንተ ዝፈልጥ፡ ዋላ  መንሽሮ እንተ ዝበሃል  በረኸት ምመሰለኒ። እንተ ወሓደ እንታይ ክጽበ ከም ዘለኒን ብኸመይ ከም ዝገጥሞን ምፈለጥኩ። ኣብኡ ገለ ቁሩብ ሰላም ክረክብ ይኽእል። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ኩነታት ሕይወተይ ግን ኣዝዩ ዘሕዝን ጭካነ ዝመልኦ ቃንዛ የሕልፍ ኣለኹ። በዓል ቤተይ ሽጉሩ እንታይ’ዩ ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ካብ ፍትሕ ሓሲበ፡ ቃል-ኪዳን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኣተኽዎ ዝበትኽ፡  ኣብዛ ሰዓት እዚኣ  መንሽሮ ጩራ ተስፋ‘ዩ ንዓይ።

ስለዚ ጐይታ ወይ ቅተለኒ ወይ ምስ በዓል በተይ ሰላምን ቅሳነትን ፍጠረለይ ። በቲ ኣብ ልዕለይ ትውስኖ ውሳነ  ክፈትወካን ክውድሰካን እየ ንልዑል ሽምካ ። ብሞት ይኹን ሰላም ንምሕረት ናብኻ’የ  ዝጭድር ዘለኹ። ጐይታ ነዚ ስቓይ ክሳብ ክንደይ ክጻወሮ ከም ዝኽእል ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን።” ከም ያቆብ ምሕኹልተይ ስበር፡ በጃኻ ግን በረኸት ተስፋ ሃበኒ። ክሳብ መልሲ ትህበኒ ብጽሎት ኣጽዒቀ ክልምነካ እየ።”

ኣብቲ ድኹም ብርሃን ዝነበሮ ሳሎን፡ ዲ. ዮናስ ኣብ ሓሳብ ጠፊኡ ቡኑ እናሰተየ ጸንሓ። ንሱ ምስታ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ተፈታዊት ዝኾነት ስምረት   ሕቡእ ዕርክነት ፈጢሩ  ኣሎ። ድሕሪ ናይ ሰንበት ኣገልግሎት ትምህርቲ ሰንበት ዘካይድዎ ናይ ሓባር ሕሹኽታታትን ሕቡእ ርክባትን ምሥጢሮም ክኽወል ኣብ  ዘይክእሉ ምትእስሳር ደረጃ በጽሑ ኣሎ። ንዳናይት ግን ብኸፍሊ ተሓቢእዋ ኣሎ።

ዳናይት፥

 ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ጸሎታ  ብዙሑል ድምጺ ክትዛረብ ከላ፡ ንፋስ ምሸት ንዕምባባታት ናይቲ ጀርዲን ነዝነዝ ይብሎም ነበረ ።"ዲ.ዮናስ  ካባኻ ክሓብኦ ዝጸናሕኩ ነገር ኣሎ" ኣዒንታ ብጣዕሳ እናነብዓት ዘረባ  ጀመረት። "ምስ ዮኤል ዓርክኻ ብዛዕባ እምነት ክርስትናን ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓዳርና ዘሎ ጸገማት ካይሓባእኩ  ከም ዝዕለልኩ ክሕበርካ ኣለኒ። ገሊኡ እካ ምሥጢር ኣይኮነን ትፈልጦ ኢኻ። ኣብዛ ሰዓት እዚ ግና ልዕሌኻ ንዮኤል ኣብ ዝኣምነሉ ደረጃ በጺሐ ኣለኹ።

ዲ. ዮናስ

 ክብደት ናይቲ ናቱ ምሥጢር ስለ ዝጸቀጦ ኣዕሚቑ ከተንፋስ ጀመረ። "ዳኑ ሓፍተይ  ኣነ'ውን ዝናዘዞ ነገር ኣሎ። ካብታ ምስኺ ዘርባን ክትዕን ዝጀመርናሉ ግዜ  ንስምረት  ቀሪበያ ኣለኹ። ብምባል እቲ ሓቂ ኩሉ ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ ነገራ"

እቲ ሕቡእ በደላቶም ሕጂ ኣብ መንጎኦም ተሰቒሉ ብኑዛዜኦም ተጋሂዱ። እታ ስቕ ዝበለት ወርሒ ምስ ከዋኽብቲ ደቃ ፡ ነቲ ናይ ሓባር ቅንዕናኦም፡ምትሕውዋስ እፎይታን በደልን  ዝነበሮ ህሞት ትከታተሎ ነበረት። እምነት ክልቲኦም ስለ ዝጎደለ፡ ፍቅሮም ስለ ዝገሸ ሓዘኖም ኣብቲ  ንብዓቶም ይንጸባረቕ ነበረ። እቲ ኣብ ሓደ እዋን ከም ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝርእይዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ክርስትና ፡ ዕቤት  እምነት ተዓንቂፉ ፡ ፈተና ኣሕሚቅዎ ስለ ዝተሓንቀ ኣሕዘኖም ።

ኣብ ማእከል ኑዛዜ ዳናይት ኣዕሚቓ ኣስተንፈሰት ንጥበብ ትምህርቲ ቤተ-ክርስቲያን እናጸወዐት ክትዛረብ ጀመረት። "ሊቅ፡ ሓደ ካብቲ ጽቡቕ ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ  እዝክር። ንሱ ድማ 'ኣብ ሓዳር፡ ሰብኣይን ሰበይትን ከም መጋቢ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ንሓድሕዶም ንምድሓን ሓላፍነት ዝስከሙ ሓድሽ ተራ ይጻወቱ' ኢሉ።" እምነትና ብሓባር ክንሕብሕብ ኣለና፡ መንፈሳዊ ጉዕዞና ከም ሓደ ኣካል  ክንካፈል ይግባእ። እቲ ጾር ሓዳርና ኣብኻ ጥራይ ኣይገድፎን ድሕሪ ሕጂ”።

ዲያቆን .ዮናስ ንብዓት ኣብ ኣዒንቱ እናፈሰሰ ርእሱ ኣቕኒዑ። ንዘረባኣ ብኽፉት ልቢ፡  ኣፍልጦ ሃባ። "ሓቅኺ ኢኺ ዳናይት። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ 'ብኹሉ ነገር ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃንና ነረጋግጽ' ኢሉ ኣዘኻኺሩና።" ናይ ጥዕና ዘይኮነ  ስቕታና  ብኃይሊ ኣምላኽ ሴሪናዮ ኣለና።  ብሓባር  ኣገልገልትን ተልኣኽትን ቤተ-ክርስትያን   ክንከውን ንኽእል ኢና።"

በቲ ሓባራዊ ርድኢት ድማ ካብቲ ዝፈትውዎ ካህኖም ኣቦና ሚካኤል መምርሒ ክደልዩ ወሰኑ። ኣብቲ ኑዛዜ፡ነቲ ሃልሃልታ እምነቶም ዳግማይ ከበራብሩን ነቲ ዝሰኣንዎ እምነት ዳግማይ ክሃንጹን ምኽሪ እናደለዩ ነፍሶም ኣቃሊዖም። ምስ ግዜ ክፉት ልብን ዝተሓደሰ ተወፋይነትን ዳናይትን ዲ. ዮናስ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ብሓባር ናብ ቤተክርስቲያን ክኸዱ ጀመሩ። ከም ስሙር ግንባር ናይ እምነት መንፈሳዊ ፈተናታ ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣምላኽ  እናገጠሙ ምስ ከዱ ዝምድናኦም እናጠንከረ ከደ። እቲ ሓድሽ ዝረኸብዎ ቅንዕናን ሓድነቶምን ነቲ ናይ ሓባር ጉዕዞኦም ኣደልደሎ።  ኣብ ነንሕድሕዶም ዝነበሮም ፍቕርን ተወፋይነትን  ዳግማይ ተበራቢሩ።

ጉዕዞኦም ድሕሪ ደጊም ብሕትውና  ናብ ምብራቅን ምዕራብን  ዘይኮነስ ናይ ሓባር። ተወፋይነቶም ድሕሪ ደጊም ተሓቢኡዝኽወል  ዘይኮነስ ብሓባራዊ እምነቶምን ተወፋይነቶምን ዝበርህ ኮነ። ኣብ ቅዱስ ደረት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብጥበብን ብጸጋን  እምነቶምን ኣብ ነንሕድሕዶምን ምጽንናዕን ኃይልን ረኸቡ። በዚ መንገዲ እዚ ብሓባር እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ ብፍቕሪ፡ ብቕንዕናን ብሓድነትን ሓቀኛ ኣመንቲ ከም ዝኾኑ ፈሊጦም። ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ንዘለዓለም ይ ክነብር ምስ ኣዕሩኹቶም ምስ ቤተ-ሰቦምን ቃል ኣምላኽ እናተኻፉሉ ይነብሩ ኣለዎ። ።

 

ታሽዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል  ኣብ ቀረባ ግዜ ክትቀርብ እያ።

ሰሱና

 

Comments are closed.