ሓዳር ስደት ሻድሻይ ክፋል

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ::

ዳናይት መኪና እናዘወረት ንገዝኣ ክትከይድ ትኸየድ ኣላ። ኣብ ሕይወታ ዝገበረቶ ቅኑዕ ዘይኮነ ውሳነ ክትወቅሳ ጀመረት። እዚ ኩሉ ዘየድሊ ምፍጣጥ ኣብ ሓዳረይ ተፈጢሩ ዘሎ መስጣ ዮኤል’ዶ ይኸውን። ዮኤል ደጋጊሙ ክሓተኒ፡ ከሎ  ብጥዑም ድምጺ ዜማን ስብከትን ዲ.ዮናስ ተማሪኸ ንዯኤል ኣይፋል ክብል ኣይነበረንን። ጥዑም ዜማ፡ ንምምስጋን እምበር ኣብ ሓዳር ዝህልው ተራ ኣልቦ ምዃኑ መዓስ ተረዲእኒ።

ኣብ ሓዳር እቲ ዝዓብየ ትዕድልቲ፡ ምስ ሰብኣይካ መሥዋዕቲ ስምዒት ካልኣይካ  ከይከፍልካ ክትረዳዳእ ከለኻ እዮ ንሓዳር ዘጥዕሞ። ከምዚ ናይ ዮኤል። ከይሓተትክዎ፡ ድሌታትይ ኣንቢቡ ቀሊጢፉ፡ ድምጺ ትርግታ ሓሳበይ ይርድኣለይ። ክዛረብ ከለኹ ብዘይ ምቁራጽን ብዘይ ምንቃፍን እዝኑ ጸልዮ ብዘይ ምውቃስ ሓሳባተይ ይቅበለኒ። ኣብ ኣከዳድናይ፡ ዘረባይ፡ ኣሉታዊ ርኢቶ ዝበሃል የብሉን። ከምታ ዝኾንክዋ ይቅበለኒ። በዓል-ቤተይ  ዲ.ዮናስ ግና ኩሉ ነገራት ይቅበለኒ ዘይኮነንስ፡ ነቲ ጌጋይ ዝመስሎ ሸለል እናበለ ይጽመመኒ። ከምታ ዝኸንክዋ ክቀበልኒ እምበር ከምቲ ንዕኡ ባህ ዘብሎ ሰበይቲ ክሰርሓኒ ኣይደልን።

ሓዳር በትሓሳስባ ዲ.ዮናስ መጽማም ምዕጋስ እዮ። ብዓይኒ ዮኤል ግና ሓዳር ምቅባል’ዩ። ምቅባል እንተ ሃልዮ ምጽማም ምዕጋስ ኣገዳሲ  ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ዝዕገስ፡ መሥዋዕቲ ኣብ ሓዳር ዝኸፍል እቲ ካልኣይ በዳሊ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እዮ። ሓደ ሰብ ዝጽመም፡ እቲ ሓደ ሰብ ምስ ዝጉዳእ’ዩ። ስለዚ ብዓይኒ ዲ.ዮናስ ሓዳር ምጽማም፡ ምዕጋስ እንተ ኾይኑ ኣነ ሰበይቱ ክሳብ ዝዀንኩ ይብድሎ ወይ ኣብ ልዕሊኡ ገበን ይፍጽም ኣለኹ ማለት’ዩ።

 እዚ ዘይከውን’ዩ። ኣነ ዲ.ዮናስ ሓንቲ መዓልቲ ክብድሎ ኣይኮነን ክሓርቀኒ ወይ ክቁጥዕኒ ኣይደልን። ኣነስ ንበዓል ቤተይ ዘሕርቅ ነገራት ክፍጽም ኣይኮነን፡ ክሓስቦ ኣይክእልን።  ዳናይት ምስ ነፍሳ እናተዛራረበት ከይተደአ ገዝኣ በጽሐት።

ዲ.ዮናስ ፡

 ዳናይት ካበይ ምርሓቅ ተብዚሒ ኣለኺ። ኣነ ዝተመርዓኩኺ መጸግዒ እምባ ክኾነኪ እምበር ክትርሕቅኒ ኣይኮነን። ስለምንታይ ከምኡ ትኾኒ ኣለኺ ይርደኣኒ የለን። ኩሉ ነገራትኪ ንኽርድኦ የሸግረኒ ኣሎ። ጥዑም ሓዳር ተስተማቅር እናተጸመምካ፡ ትዕግስቲ እናገበርካ’ዩ ዝንደቅ።

ዳናይት፦

 ኣነ እውን ከምኡ ኣስተብሂለ ዲያቆን ሓወይ። ሰላምካ ዝዘርገልካ ዘለኹ ተሰሚዕኒ፡ ርሓቅለይ ትብለኒ ዘለኻ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። ሕጂ ግና ምስ ዓርክኻ ዮኤል’የ ጸኒሐ። ጽቡቕ ግዜ ድማ ኣሕሊፍና። ግን ቃል ይኣትወልካ፡ ምስ ዓርክኻ ካብ ሕውነት ወጻኢ ካልእ ርክብ የብለይን።

ዲ.ዮናስ ፡

ዳናይት ፡ ቅንዕናኺ ኣድኒቐዮ እየ፡ ሓሲኺ ምስ መሓዘይ ጸኒሐ ስለ ዘይበልክኒ። ግን ከኣ ካባይ ወጻኢ ምስ ዝኾነ ሰብ ርክብ ክትምስርቲ ከለኺ፡ ርክብና እናተበታተነ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጾታዊ ርኽሰት ክንርሕቕ ጥራይ ዘይኮነስ "ካብ ኩሉ ዓይነት ክፉእ ክንርሕቕ" ይምህረና (1ይተሰ 5፡22)። ካብ ሓዳርና ወጻኢ ዝህሉ ስምዒታዊ ምትእስሳር፡ ጌጋ ምርጫታት ንምግባር መንሸራተቲ ቁልቁለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ክሊ ዕድመ ናትና ምስ ዘሎ ርክባት ምፍጣር ንሓዳርካ ፈተና’ዩ  ዘስዕበሉ።

ዳናይት፡

 ዲያቆን ሓወይ፡ ስክፍታኻ ይርድኣኒ እዩ። ምስ ዮኤል ዘይብተኽ ሕውነታዊ ምትእስሳር ከም ዘለኒ ትፈልጥ ኢኻ። እዚ ምስ ዮኤል ዘለኒ ሕውነት ብምንም ተኣምር  ከም ዘየቋርጽ ግን ክትፈልጥ ይግባእ። ንዮኤል ጥዑይ ሰብ ምዃኑ ልዕለይ ንስኻ ትፈልጦ። ንሱ  እሙን ሰብ'ዩ። ኣነ ንዩኤል ልዕሊ ሓወይ’የ ዝቆጽሮ። ሕውነትና  ብኻልእ ዓይኒ  ጠሚትካ ኣብ ጥርጣረ ቀላይ ክትጥሕል ኣይደልን። ኣብ ሕይወትና ክንከስሮ ዘይብልና ሰብ ዮኤል ጥራይ’ዩ።

ዲ.ዮናስ ፡

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማቴዎስ 19፡6 "እግዚአብሔር ዘጣመሮ ሓደ እኳ ኣይፍለዮ።" ክብል የዘኻኽረና። ሓዳርና መለኮታዊ ሕብረት ስለ ዝዀነ፡ ካብ ስምዒታዊ ዘይእሙንነት ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትው ርክባት ክትእለይ ኣለኪ። ንሓዳርና ንከላኸለሉን ንሕልዎን ባዕልና ኢና። ሓወይ ሓወይ እናበልካ ኣብ ሓዊ ኣይእቶን እዮ። ዓቆኑ ዝሓልፎ ርክብ ካብ ሰብኣይካ ወጻኢ ቅቡል ኣይኮነን።

ዳናይት፣

 ዘረባ ሰብኣያ ክወሓጠላ ኣይከኣለን። ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ጥቅሲ ጠቂሱ፡ ንስኺ በደለኛ ኢኺ ዝብላ ዘሎ ኮይኑ ስለ ዝተሰመዓ ብውሽጣ ከም ዝነድድ ዘሎ ዕንጨይቲ ተቃጸለት። ግና ከኣ ስምዒታታ ንውሽጢ ውሒጣ ከምዚ ክትብል መለሰት።  ይሰምዓካ ኣለኹ ዲያቆን  ሕማቅ ነገር ክሳብ ዘይፈጸምኩ፡ በደለኛ ክቆጸር የብለይን ። ብቅንዕናይን ንጽህናይ  ከለኹ፡ ሰብ ኣብ ልዕለይ ሕማቅ ሓሲቡ፡ ንሕይወተይ  ክቆጻጸረኒ ዝፍተን ሰብ ኣይብርሃን እዩ። ዋላ’ካ ሰበይትኻ እንተዀንኩ ሓሳባትናን ኣረኣእያናን  ግና ክፈላለ ይኽእል’ዩ ኣብ ብዙሕ መዳያት፣ ከምቲ ንስኻ ትሓሳቦን ትዛረቦን ዘለኻ ሰብ ከምዘይኰንኩ  ግና ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ምስክረይ።  ምስ ዓርክኻ ግዜ ምሕላፍ ኃጢኣት ኣይኮነን።

ዲ.ዮናስ፡

  ኣግሂደ’ዶ  ክዛረበኪ በቃ ንስኽን ዮኤልን ብሓባር ክርእዮም ከለኹ፡ ካብ ዕርክነት ንላዕሊ ዝኾነ ስምዒታት ዝኣስረኩም ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ። እንተ ሓዘንኪ ምሳይ ክትሓዝኒ፡ እንተ ተሓጎስኪ ምሳይ ክትሕጎሲ እምበር ምስ ካልእ ሰብ ስምዒታትኪ ከተካፍሊ ሓዳርና ኣየፍቅድን እዮ። ምሳሌ 6፡32-33 "ዝዝሙ ልቦና የብሉን፡ እቲ ዝገብሮ ንርእሱ የጥፍእ"  ይብል። ስምዒታዊ ሕውነት ምትእስሳር ምስ ዮኤል ዘለኪ  ካብ ሕውነታዊ ርክብ ወጻኢ ኣዝዩ ርሒቑ ክኸይድ ምፍቃድ ሳዕቤኑ የፍርሓኒ። ዳናይት ዋላ ምሳይ ከለኺ፡ የስተብህለልኪ’የ ምስ ዮኤል ጽግዕ ጽግዕ ተብዝሒ ኢኺ።

ዳናይት፡

  ኣብ ክንዲ ሓዳረይ ብርሃን ክውልዕ፡ ልዕሊ ወለደይ ቤተ-ሰበይ፡ ትሕቲ ፈጣሪ ብኹሉ ነገር ንዓኻ ክእዘዝን ከኽብርን ንዝመሃረኒ ዲኻ እዚ ኩሉ ሕማቅ ዘረባ ትዛረብ ዘለኻ። እዚ ኣይግብኦን ንዮኤል። ጻማ ሰናይ ተግባሩ፡ ምስጋና’ዩ ዝግብኦ። ኣነ ከኣ ክትፈልጥ ዝሓሰብካ ሕሰብ፡ ቅንዕናይ ከም ጸሐይ ቅትሪ ደሙቅ’ዩ። ምስ ዮኤል ዘለኒ ሕውነት ስድራይ ይፈልጥዎ ዋላ ሥድራኻ ይፈልጥዎ። ካብ ሕውነትን ምትሕልላይ ወጻኢ ካልእ የለን። ብስመ አብ ስለምንታይ ግና ሕማቅ ትሓስብ ኣለኻ።  ክሳብ ክንድዚ ክትጠራጠርን ክትቆጻጸርን ኣይተጸበኹኻን። ሓቂ ክዛረብ ንስኻ ምስ ክንደይ መዘምራን ኣዋልድ ዲኻ ትቀራርብ። ምስአን ትደዋውል። ኣብ ፋይስ ቡክ ጽቡቃት እናበልካ መልክዓን ትንእድ ብፍላይ ምስ ሳምራዊት ዘለክ ርክብ ዘይፈልጦ ከይመስለካ።

ዲ.ዮናስ ፡

ስምዕኒ ዳናይት፡ ኣነ ክቆጻጸረኪ ኣይኮንኩን ዝፍትን ዘለኹ ። ስምዒተይን ስክፍታተይን ጥራይ እየ ዝገልጽ ዘለኹ። ምስኡ ክንድዚ ግዜ ከተሕልፍ  ክርኢ ኣይወሓጠለይን ዘሎ። ኣነ የፍቅረኪ እየ። ሓዳርና  ኣኣብ ጽባሕ ክስስን፡ ክዕንብብን እየ ዝደሊ።

ዳናይት፡

ኣነውን ከምዚ ናትካ’ዩ ድሌተይን ባህገይን። ነገር ግን  ምስ መን ሰብ ግዜ ከሕልፍ ከም ዘለኒ  ክትእዝዘኒ  ከም ዘይትኽእል ክትግንዘብ ኣለካ ዋላ ሰብኣይን ኩሉ ።  ከምቲ ንስኻ ተፍቅረኒ፡ ኣነውን የፍቅረካን ይፈትወካን  እየ። ስለ ዘፍቀርኩኻውን  ተመርዕየካ። ንዓኻ ምምርዓወይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ እየ። ክትፈልጦ ዘለካ ግና  ዋላካ ሰበይትኻ እንተኾንኩ ምቁጽጻር ከተብዝሓለይ የብልካን። ሰብኣይን እምበር ፖሊሰይ ክትከውን ኣይተመርዓኹኻን።  ንሰበይትኻ ምእማን እቲ ዝዓበየ  ምክብባርን  ኣብ ሓዳር ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

ዲ.ዮናስ

ዳናይት ስምዒታ ተተንኪፋ፡ ሓሪቃ ትምለስኩ  ከም ዘላ ተረዲኡ፡ ዘረብኦም ናብ ካልእ ኣንፈቱ ከይከደ ከሎ ፍኹስ ዝበሉ ቃላት ክጥቀም ጀመረ። ከምዚ ድማ በላ።

 ዳኑ  ናይ ልብኺ ድምጺ ብዘይ ገለ ስክፍታ ስለ ዘካፈልክኒ  የቐንየለይ። እንታይ እስኪ ዳኑ፥ ኣብ እምነትና ብዝጠልቦ  ትርጉም መሠረት ሓዳርና ክሕሉ ጥራይ እየ ዝጽዕር ዘለኹ እምበር ንዓኺ ክቆጻጸር ኣይኮንኩን። ልዕሊ ነብሰይ ንዓኺ ይኣመን። ንስኺ ኩሕሊ ሓዳርና ኢኺ። ንስኺ ቅናት ሕይወተይ ኢኺ። ብዘይ ብኣኺ ኣነ ከንቱ እየ።

ዳናይት፡

ከምኡ ዘይትብል ደኣ ካብ ፈለማ።  እግረይ ከረገጽኩን ሰላምካ ዝዘርጉ ርኢቶታት ኣምጺኻ ንቆየቃ ትዕደመኒ። ዲያቆን ሓወይ  ኩሉ ግዜ  ክትኣምነኒ ኣለካ። ምስ ዮኤል ምዕላል፡ ምስ ዮኤል ሻሂ ምስታይ ርክብና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣይኮንኩን። ልክዕ ከምቲ ኣነ ዝኣምነካ ክትኣምነኒ ድማ ይጽበ።

ዲ.ዮናስ ፡ ፍትሓዊ  ዘረባ ዳኑ ዓይነይ። ነቲ ዝሰኣንናዮ ምትእምማን ዳግማይ ንሃንጸሉን ንሓዳርና ቀዳምነት ሰሪዕና መንፈሳውን ፍቅራውን መግቢ መግቢና፡ ክልቲና ንዓብየሉ   መንገዲ ክፈጥር ኣለና። እታ ምስ ሳምራዊት ዘለካ ርክብ ይፈልጥ’የ ምባላ ግና ኣይተወሓጠጥሉን ዘላ።

ዳናይት፡ ተሰማሚዐ  ኣለኹ። ክልቴና ብሓባር ኣብዛ ሓጻር ዕድሜና ፍቅርና ቀዳምነት ሰሪዕና ኢድን ጓንትን ኰይና ንስራሕ።

ሰለሙን፡ ከምቲ ኣብ መክብብ 4፡12 ዝብሎ  "ብሠለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።" እግዚአብሔር ኣምላኽ  ኣብ ማእከል ሓዳርና ሣልሳይ ኣካል ከም ዘሎ ነረጋጽ ንሕና ምስ ንፋቅር እዮ። ንስኽን ኣነን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ሒዝና ብሓደ እንተ ሰሪሕና  ፍቕርና  ዘይብተኽ ጽንዕ ከውሒ ከም ዝኸውን እምነት ኣለኒ።

ሕራይ ቃል ሕይወት የስምዓልና። ብሓባር ጸሎት ነብጽሓሎ ሰዓት ንፍለ። ሓቢርና  መምርሒ ሓዳርና ኣርያማዊ ክዀነልና ካብ ኣምላኽ ንደለ።፡ ንሓዳርና ብእምነትን  ምትእምማንን  መንፈሳዊ ኣዕኑድ ጌይርና ፍቕርና ዳግማይ ንሃነጾ፡ ብምባል ናብ ወሽጢ ክዳና ክትቅይር ከደት። ብዘይ ስማዕ ትሑት ድምጺ “ እዋይ ኣብ ሒደት ደቃይቅ  ካብ ሰላም ናብ ውግእ’ዶ  ትኣቱ ኢኻ በለት”።

ሻብዓይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ

ሶሲና`

Comments are closed.