ቅዱስ ቴዎድሮስ ዘሮም 

ዳዊቶም ኣንቢቦም ምስ ወድኡ ተሳሊሞም ኣምላከ ዳዊት ይሓልወና ኢሎም አቡነ ዘበሰማያት እንዳኣብጽሑ እየ ኣፈ ልዳቶም ኣንካሕኪሐ ዝእተኹ።
አባ ይፍቲ ኢለ ኣብ ኩሊ ጊዜ ኮፍ ዝብላ ኩርሰይ ኮፍ በል ዘማርያም ወደይ በሉኒ።
ናንኦም ኣቅርብ ኣቢለ ኮፍ ምስ በለኩ ። ከመይ ዊዒልካ ዘማርያም ወደይ ። እግዚአብሔር ይመስገን ኣቦ ኢለ ዓይኒ ዓይኖም እንዳጠምአትኩ ቃላ ማዕዳኦም ከም ወትሩ ክሰምዖ ተሃንጢየ ተጸበኹ።

ዘማርያም ወደይ ሪኢኻ ኣቦታትና ንክርስቶስ ስለዘቀድሙ ኣብ ኩሉ ነገራቶም ነቲ ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ዝኽፈል ናይ መጨረሻ ዋጋ ሰማእትነት ክኸፍሉ ድልዋት እዮም። ሰብ ንፈጣሪኡ ሰውነቱ እንድሕር ኣግዚኡ ሃብቱን ንብረቱን ንኽኅብ ድሕር ኣይብልን እዩ። ካብ ኩሉ ውህበት ንላዕሊ ዝለዓለ ግና ንገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ።
ንገዛእ ርእስኻ ኣወፊኻ ምሃብ ኣብ ሓዳር ኮነ ኣብ ምናኔ ይከኣል እዩ። ናይ መጨረሻ ልዕሊ ኩሉ ግና ሰማእትነት እዩ።

" አማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዝ ዓለም: ወተዓገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግስተ ሰማያት"። " ሰማእታት' ውን ናይዛ ዓለም ጣዕሚ ብሓቂ ንዓቅዎ ምእንቲ እግዚአብሔር ኢሎም ከኣ ደሞም ኣፍሰሱ ፥ መንግሥተ ሰማያት ክረኽቡ ኢሎም ድማ ኦ ጎይታ ከም ምሕረትካ ይቕረ በለልና እንዳበሉ መሪር ሞት ተዓገሡ። " ከምዝበለ ቅዱኣ ኤፍሬም ኣብ አዳሴ ማርያም ናይ ሓሙስ ። ሰማእትነት ማለት መሪር ሞት ስለ ፍቅሪ እግዚ አብሔርብ ኢልካ ምዕጋስ ማለት እዩ።
ዘማርያም ወደይ ፈቃር ኣቦና መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለማተ ፈጣሪ ጎይታ ሰማይን ምድርን ከሎ ሥቅያት መስቀል ተዓጊሱ በጃ ኮይኑ ሞይቱልና እዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ
ነቶም ዝሰቅልዎ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም ይቅረ በለሎም ኢሉ ምሕረቱ ኣብ ክንዲ ኣዳም ኮይኑ ክልምን ቅዱስ መጽሓፍ ነንብቦ። ክርስቶስ ከኣ ክርስትና ናይ ምሕረትን ይቅሬታን ሃይማኖት ምኻኑ ብተግባር ኣርእዩና። ስለዚ ክርስትና ሰማእትነት ኮይኑ ስለ ፍቅሪ ክርስቶስ ነፍሱ ንሞት ዘሕልፍ እምበር ቅተል ዝብል ሕጊ የብልናን ። ኣይትቅተል እዩ ዝብለ ኣብ ትእዛዛቱ።
ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ኣን ወንጌል ከም

ዘምሃረና "ኣነ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ማቴ.፭ ፥፵፬ "
44-45። ኢሉና እዩ።
እዚ ኮይኑ ግና ዘማርያም ወደይ መዓልታዊ ንገዛእ ርእስና ተጊህና ብክርስትናዊ ሥነ ምግባር እንተ ዘይበርታዕና ኣብ ክርስትናና ዝሕታለ እንዳመጸ ናብ መጻወድያ ሰይጣን ኢና እንወድቅ ።
ስለዚ ነገረ ሰማእታት ቅዱሳን ክንግረና ከሎ ኩሉ ግዜ ብእምነትና ክንጸንዕ አሠረ አበው ቅዱሳን ክንስዕብ እምነትና ዓቂብና ከኣ ናብ ወልዶ ከነተሓላልፍ እዩ። ክርስትና ምውርራስ ስለ ዝኾነ ዘማርያም ወደይ ።

ኢሎም ብምቅጻል ኣባ ሙሴ ኣብ ስንክሳር ካብ ዘለዎ ኣቦታት ሰማእታት ቅዱስ ቴዎድሮስ ዘሮማ ሓደ ካብቶም ኣብነታዊ ሰማእት ነዚ ዘመና እዩ ብምባል ገድለ ቅዱሳን ክነግሩኒ ከለዉ ወትሩ ዘስተባህለሎም ኣብየማን ኣፈቤቶም ተሰቂላ ዘላ ስእለ አድኃኖ ወላዲት አምላክ ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወዳ ትኩር ኢሎም እንዳረኣዩ ኣዕንቶም ብንብዓት ቁጽርጽር ይብል ።
"ብትሑት ድምጺ ትንቢተ ነብያት ፥ ሞገስ ስብከቶም ፥ ለሓዋርያት እሞም ለሰማእታት፥ ወእኅቶን ለመላእክት " ብምባል ናብ ዕላሎም ቀጸሉ።

ቅዱስ ቴዎድሮኣ ኣብ የካቲት 28 ክብረ በዓሉ ዝዝከር ሰማእት ኣብ መበል 3ክፍልው ዘመን ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰማእታት ሓደ እዩ። ከሓዲ ንጉሥ መኪስማኖስ ነጊሡ ዝነበረሉ እዋን ንቅዱስ ቴዎድሮስ ኣሲሩ " ንክርስቶስ ኪሒድካ ንጣኦት ስገድ ኣብ ልዕሊ እዛ ከተማ ክሸመካ እየ ። " ዋላ እንተ በሎ " ኣነ ሃብተይ ሽመተይ ክብረይ ወናኒ ኩሉ ዝኾነ መድኃኔዓለም ኢየሱአ ክርስቶስ እዩ። ኢሉ ብእምነቱ ጸኒዑ መስከረ።
እዚ ስለ ዝበለ ከሓዲ ንጉሥ መኪስማኖስ ተቆጢዑ ብዘንጊ ሓጺን ኣቀጥቂጥዎ ። ኣብ መንኮራኰ ኣእትዩ ኣዚሩዎ። ኣብ ሰፈር ኣናብስት ደርብዮው።
ብሓዊ ኣቃጺሉዎ። ኣካላቱ ቆራሪቅዎ።

ቅዱስ ቴዎድሮስ ግና እዚ ኩሉ ሥቅያት ብኃይሊ እግዚአብሔር ብትዕግሥቲ ተቀቢሉ ምስ ጸንዐ። ኣብ መጨረሻ ክሳዱ። ብሰይፍ ኣሰይፍዎ። ኣምላከ ቅዱሳን ከኣ ስለ ኩሉ ሃይማኖታዊ ጽንዓቱን ገድሉን 3 ኣኽሊላት ኣውሪድሉ።
ኣባ ሙሴ ዕላሎም ኣቃሪጾም ዝን ብምባል ኣዒንቶም ብ ኣእዳዎም ጌሮም ብምድራዝ ።
ካብ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ጻዕዳ መንፈሳዊ ፈረስን ቃልኪዳን ተቀቢሉ ብሰማእትነት ሓሊፉ። በሉኒ።
ብምቅጻም "ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። " ማቴ.10፥41 ማቴ.፲፥፵፩።

ሪኢኻ ዘማርያም ወደይ ሃይማኖትና ወልድ ዋሕድ ክርስትና ብኸምዚ እያ ጸኒዓ ። ብደመ ሰማእታት። ንሕና ከኣ ሕጂ ካብዚ እንመሃሮ ብእምነትና ምጽናዕ ። ኣብ ኩሉ ከኣ ስለ ሃይማኖት ጽኑዕእትን ትኩራትን ጥቡኣትን ምኻኑ እዩ ዝግበኣና ።  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከተ ቅዱስ ቴዎድሮስ ይኽፈለና።

 እነፍርየሉ ኩሉ እንልምኖ ሰናይ ነገር እንቅበለሉ ናይ በረኸት ጾም ይገብረልና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ። ብሰላም ኣምላከ ቅዱሳን ናብ ብርሃነ ዑደተ ሆሳእና ብርሃነ ትንሳኤ የብጽሓልና ።  ብምብል ኣባ ሙሴ። አቡነ ዘበሰማያት ደጊሞም ኣፋነዉኒ።
ኣነ ከኣ ኣምላኽ ከም ዝፈቀዶ ጾመ እግዚእነ ዓቢይ ጾም ኣብ ገዳም ምስ ኣቦታት ስለ ዘሕልፎ ሎሚ ዕድመን ጥዕናን ሂቡኒ ኣብዚ ከሕልፎ ዘብቅዓኒ ኣምላክ ቅዱሳን እግዚአብሔር እንዳመስገንኩ ። ፍርቂ ለይቲ ንጸሎት ሰዓታት ስለዝድወል ቀሊጢፈ ናብታ ምስ ኣሕዋት ዝሓድረላ ቤት ኣምራሕኩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።
ወለወላዲቱ ድንግል ።
ወለመስቀሉ ክቡር

Comments are closed.