ሓዳር-ኣብ-ስደት ሻብዓይ ክፋል

                                                                           በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ::

ዲ.ዮናስ  ምስ ዮኤል ኣስቤዛ ክገዝኡ ኣብ ሓደ ዕዳጋ ተራኺቡ። ዮኤል ጽቡቅ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነሉ፡ ንዲያቆን ክረኸቦ ይሓሳብ ስለ ዘነበረ፡ ብርኮም ሰይሮም ክዕሉሉ ኣብ ሓደ እናዳሻሂ ኣላገሱ። ኣባይን ኣባኻን ምስጢር ምትሕብባ ኣይነበርን። ሕጂ ግና ተቀልቂሉ ኣሎ። ንስኻ እንተ ሓባኣካ ኣነ ግና፡ ኣይሓብእን። ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ብዓይነይ ዝርኣኽው፡ ብእዝነይ ዝሰማዕክዎ ከዘንተወልካ እየ። ንምዕራይ እምባአር ንዓኻ ንምቃፍ ኣይኮነን።

ዮኤል
ምስ ሄለን ትራኸብ ከም ዘለኻ ባዕላ ሓቢራትኒ ። ብፍላይ ለንቅነ ምስ ዳናይት ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ኣብ ዘየለኽምሉ ህሞት ምስ ሄለን ኣኣብ ጽባሕ ትራኸቡ ኣለኻ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ ፍቅሪ ሄልን ኣይወጸልካን ኣሎ። ይርደኣኒ’ዩ ንሸሞንተ ዓመታት፡ ምስ ሄለን ብፍቅሪ ተጋዒዝኩም ኢኹም። ፍቅርኹም፡ ቀልጢፉ ክብተኽ ኣይጽበናዮን። ሎሚ ንስኻ ካልእ ሰብ ኢኻ። ምስ ዳኑን ምስ ፈጣርን ቃል ኪዳን ኣለካ። ነዛ መስሪትካያ ዘለኻ ሥድራ ብኸመይ ይሃንጻ ዝብል ኣመር ጥራይ ክህልወካ ይግባእ። ሄለን ሄለን ምሽታት ገዲፍካ ምሉእ ሓይልኻ ምስ ዳናይትን ምስ ፈጣርን ጥራይ ኣውዕሎ። ምስ ፈጣሪ ዝበለካ ዘለኹ ኮነ ኢለ’የ። እቲ ኪዳነ ምስ ዳናይት ጥራይ ስለ ዘይኣተኻዮ። ኣብ ሓዳር ንዳናይት ጥራይ ኣብ ቅድሚኻ ክትሰርዕ የብልካን። ሥላሴውን ኣብቲ ሓዳርኩም ኣለው።

ዲ.ዮናስ
ስምዓኒ ዮኤል ምስ ሄለን እንትፎ ብመንፈሳዊ ሕውነት ብኻልእ ኣይንቀራረብ ኢና። ከም ሓውን ሓፍትን ኢና። ካልእ ምሥጢር የለን። ዋላ’ካ ሥድራኣ ኣብ መንጎና ኣቲዮም እንተ ፈላለዩና፡ ኣብኣ ዘለኒ ፍቅርን ሓልዮትን ግና ከም ቀደሙ እዩ። ንሳ’ውን ከም ሓዋ’ያ ትርእየኒ። ኣባይ ዘለዋ ሓልዮት መልክዑ ኣይተለወጠን። ልክዕ ንስኻ ከምዚ ምስ ዳኑ ትቅርቦ እንደ-ኣሉ፡ ኣይተካብዶ ዩኤል ዓርከይ። ብምፍልላይና  ዋላካ ክልቲና ንጎዳእ ንሳ ግና ዝያዳይ  ስለ ዝተሃስየት፡ ኣብ ጸግዓ ምዃን እንታይ ጸገም ኣለዎ። ዋላካ ይመርዖ፡ ምድግጋፍና ግና ኣየቛረጽናዮን።

ዮኤል
ስምዓኒ ዲ.ዮናስ ኣነ እሙን ዓርክኻ’የ ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ዘረባ ኣይትንገረኒ። ምስ ተመርዓኻ ምስ ሄለን ዝነበርካ ርክብ ጠጠው ኣቢልካዮ ኢኻ። ሕጂ ድርሕ ኣዋርሕ ንስኻ ባዕልኻ ከም ዝረኸብካ’ያ ይፈልጥ እየ። ፍቅሪ ደጊስካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፍቅሪ፡ ንዓኣ’ውን ኣይንሓፋን መስለኒ ዝደገሳ እዩ ዝመስል። ምስ ዳናይት ምምርዓውካ ሕጉስ ከም ዘየለኻውን ኣንፊትካላ ኢኻ። እቲ ንዓመታት ምስኣ ዘሕለፍካ’ዩ  ፍቅሪ፡ ከም ሓንቲ መዓልቲ፡ እዚ ምስ ዳናይት ዝኣተኻዮ ኪዳን ግና ዘለዓለማዊ ቤተ-ማእሰርቲ ምዃኑ ተዛሪብካ ኢኻ። እዚ ዝገልጸልካ ፍቅሪ ሄለን ክሳብ ሎሚ ከም ዘይበለየካ እዩ። ካብ ቃንዛ ፍቅሪ ክትሃዳም ቀልጢፍካ ምስ ዳናትይ ከም ዝተመርዓኻ’ዩ።

ዲ.ዮናስ

ኣታ ዮኤል ዓርከይ ትጋገ ኣለኻ። ንስኻ ምስ ዳናይት ጽቡቅ ርክብ ኣለኩም። ከም ኣሕዋት ስለ ትቀራረቡ፡ ስለ ትሳነዩን ብሕማቅ ገሚተዮ ኣይፈልጥን። ግደ ሓቂ ይስከፍ’የ፡ ዳናይት ኣብ ልዕሊኻ ካልእ ኣረኣእያ ክይህልዋ። ዮኤል እዚ እንተ መሃረኒ። ምስ ዮኤል ቤተ-ክርስቲያን ኪድና።  ስምካ ካብ ልሳና ኣይትኣልየካን።  ኣብ ምእታውን ምውጻኣን በኣኽያ ትዕልል ብምባል እቲ ኣርእስቲ ከቅዮር ደለየ።

ዩኤል

ዲ.ዮናስ እዚ’ሞ ግደፎ  ኣርእስቲ ክትቅይር ኣይትፈትን ። ይኸሰካ ኣይኮንክኩን ዘለኹ። እዚ ምስ ሄለን ጀሚርካዮ ዘለኻ ጻህያይ ሱር ከይሰድድ እሞ ደሓር ከይውጥካ’የ ስግኣተይ። ናተይን ናይ ዳናይትን ርክብ ግልጺ’ዩ። ኣነ ከም ዝረኽባ ይሕብረካ’የ፡ ንሳውን ኣፋ መሊኣ ትሕብረካ ኣላ። ምስ ሄልን ዘለካ ርክብ ንዳናይት ገሊጽካላ ትፈልጥ። ወይ ምስ ሄላን ሻሂ ከም ትሰቲ ንዳይት ሓቢርካያ ትፈልጥ። ርክብኩም ተሓቢኣካ’ዶ ኣይኮንካን ተካይዶ ዘለኻ።  

ዲ.ዮናስ 
ዘረባ ይከደካ ኣሎ። ዳኑ ትፈልጥ’ያ ቅድም ብፍቅሪ ምስ ሄለን ከም ዝነበርና። እእእ ናይ ሕጂ ርክብና እንተ  ኣፍኢመላ ደኣ፡ ንሓዳርና ነዳዲ ክዕየ ባዕለይ ከቃጽሎ። ዳኑ ጣባያ ነበሪ’ዩ እንተኣምጺኣ። ክትፈሓናጨር መዓትያ። ዝኾነ ኣብ መንጎና ምስ ዘጋጥም ወይ ትፍሕጭረኒ ወይ ትሃዳም። ብትግርኛ እናተዛረብና፡ እቲ  ቋንቋና ነንበይኑ። ከምዚ ስብኣ ትካት ቋንቋኦም ፋሕ ብትን ዝኣተዎ ምርድዳእ ዝሰአኑ፡ ዋላ ብትግርኛ ዋላ ብእንግልዘኛ ንዘራረብ፡ ክንረዳዳእ ይኸብደና ኣሎ። ክዛረባ ከለኹ ንኽትምልሰለያ ትሰምዓኒ እምበር ልባ ከፊታ ኣይትሰምዓንን። ህልኽ ኣለዋ ምሳይ። ንስኻ ቅድም ከምኡ ኣርእየኒ። ንስኻ ናተይ መስትያት እናበለት ተኸኽ ኣቢላትኒ ኣላ።

ዩኤል

ዲ.ዮናስ ሓወይ ከም ዘኽብረካን ዝፈተወካን ትፈልጥ ኢኻ። ስለ ዝፈተወካ፡ ዓርክኻ ስለ ዝኾንኩ ክትፍተን ክትቅንቀፍን ከለኻ ኣብ ጎንኻ’የ። ከም መጠን ዓርክኻ ክንበሃሃል፡ ዝጎደለና ክንመላላእ ግድነት እዩ። እቲ ሓቂ ከይሓባእና እንት ተዛሪብና፡ መፍትሒ ሽግርና ንረኸብሉ። ርክብ ናትካን ሄለን፡ ጥዕና ዘለዎ ኣይመስለንን። ክገርመካ ብቀዳማይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ትርፊ ግዜይ ቀዳም  ታኽሲ እናሰራሕኩ ክተፋንዋ ከለኻ ርእየካ ነይረ። ቦርስኣ ተሰኪምካ፡ እናሰሕቅኩም፡ እናተጻወትኩም ትኹዱ ኔርኩም ። ኣብ መዋዳእታ ቻው ኢልካ ክትፋነዋ  ካብ ሕውነት ዝሓለፈ ምትንኻፍ ዝተሓወሶ ሰላምታ እዩ ኔሩ ሰላምታኻ። ትርስዖ ኢኻ ኢለ’ውን ኣይግምትን ።

ዲ.ዮናስ
ኣንታ ዩኤል ደይ እሞ ባዕላ’ያ መቐነይኻ ብምባል ካብ ክርስትያናዊ ሰላምታ ዝሓለፈ ዝሓቆፈትኒ። ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ከም ዘይትደገም ኣትሪ ተዛሪበያ እየ።

ዩኤል

ሕጅውን ጌጋኻ ኣሚንካ ናብ ምእራም መገዲ ዝተሓረምካ ኢኻ ትምስለኒ ዘለኻ ዲያቆን ሓወይ።  ሽዑ ግና ትስሕቅን ሕጉስ ከም ዘነበርካ’የ ዋላ እቶም ጉዝዋ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘነበሩ ምመስከሩ። እቲ ኩሉ ምንቅስቃስ ናይ ኣካላትካን ሕዋሳትካን ግና ንዝርእዮም ብግህዶ ዝምስክሩ ምኻኖም ካብ ርሑቅ ተዓዚበካ ማንም ዘረጋግጾ እዩ ። ዝኾነ ኮይኑ እዩ። ዝተኻዕወ ኣይሕፈስን እዩ። ትዝክሮ’ዶ ዳናይት ነዞም ኩሉም ኣቢያ ንዓኻ ሕራይ ምስ በለትካ እዚኣ ልእኺት ርግቢት-ሰላም ፡ ንልበይ ከትህድእ ካብ ሰማይ ዝመጸት ኤራብ እያ ክትበለኒ።

ጽብቅቲ ከም ኢራብ። ክሳዳ ክሳድ-ኢራብ ይመስል። ወትሩ ዘይቅየር መልክዓ፡ ጽብቅሪ ጎርዝ ጋል ዓስተር-ሓሙሽተ ዓመት ዝመሰለት። ክንዲ ላኻ ዝምቅጣኑ መዓንጣ ኣለዋ። ወትሩ ድምቅቲ ከም ወርሒ ። ኣከዳድንኣ ጽሩይን ጽፉፍን። ነዚኣ እንተ ተመርዒኻ ዓይንኻ ካብ ዝሙት ነጻ’ዩ ዝኸውን። ካብ ሥጋዊ ፈተነ ምእንታን ከተኅሕነኒ ፈጣሪ ተጠንቂቁ’ዩ ብኣእዳው ጸሪብዋ ። እዛ ኩሉ መንእሰይ ዝብህጋ መንፈሳዊት ኮይና ብድንግልና ክትጸንሕ ትዕድልቲ ፈጣሪ’ዩ። ብምባል ብመልክዓን ብመፈሳውነት ትድንቃ ኔርካ። በቲ ፈጣሪ ዝዓደላ ኣእምሮን ሓንጎሎን ተጠቂማ  ካብ ኢድ ሰብኣይ ከተጸበየት ብነብሳ እትሓድር ኢራበይ እናበለካ’ዶ ኣይኮንካ ትውድሳ ዝነበረካ። ኣዝያ ቅልጥፍቲ፡ ዝኾነ ሥራሓት ቀልጢፋ እተሳልጥ፡ ስቅ ደኣ በለ ሰቲራትኒ’ያ ዳናይት፡ ካብ ስድራ ሄለን ዳንያትኒ ዝበልካዮ ቃላት ኣበይ ኣቢሉ፣ ኣበይ ነፊሩ።

ዲ.ዮናስ 

 ትሕቲ መሬት ክሳብ ዝኣቱ ድንበለ። እእእ እዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ሓቂ። ብዙሕ ከመኽንይ ጸኒሐ። ካብ ባእሰን ሕማቅ ዘረባን ክርሕቅ’የ ምስ ሄለን ዝቅርብ። ነዚ ርእሰይ ክቅሽሾ ምእታን። እቲ ኣብ ዳናይት ዘለኒ ፍቅሪ ከምቲ ቀደሙ’ዩ። እቲ ዝተዛረብክዎ ኣብ ሑጻ ወይ ባሕሪ ኣይኮንኩን ጽሒፈዮ። ኣብ ደመይ ተሰሪሩ’ዩ። ኣብኣ ዘለኒ ፍቅርን ሓልዮትን ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ’ዩ።

እቲ ምስ ሄለን ዘለወን ፍልልይ  ሄለን ዝኣዘዝካያ  ብዘይ ዝኾነት ሕቶ ትቅበሎ። ዳናይት ግና ዝተዛረብክዋ፡ ቀልጢፋ ኣይትቅበልን እያ። ትካትዓኒ፡ እቲ ትኣምነሉ ምኽንያታት ጎዳኢ ኣይኮንን ብምባል ትኣመን እንተ ኾይና ትንፈር ኣይትንፈር ጤልያ። ደሓን ንስኻ ከምኡ ግበር ኣነ ዝመስለኒ ይሰርሕ። ወይ ኩሉ ብሓደ ንስርሓዮ ነናትና ድሌት ቀቢርና ትብለኒ። ንስኻ ዘይትሕግዘኒ እንተ ኾንካ፡ ዋላ ሓንቲ ካባይ ከይትጽበያ ትብል። ደኺመ ካብ ሥራሕ መጽየ እንትፎ ክትዕን ዘረባን ካልእ የለን።

ዮኤል
ይርደኣኒ ዲያቆን ሓወይ። ሓዳር ምቅብባል እምበር መዓስ ምጽማም ኮይኑ። ፈተና እንተገጢምካ ኢኻ ትስዕሮ እምበር ካብኡ እንተሪሕቅካ፡ ኣብቲ ዝገደፍካዮ ዝጸንሓካ። ንስኻ ልዕለይ መንፈሳዊ ተመክሮ ኣለካ። ትዝክሮ ኣቦታት ቅዱስን ስለ ሓዳር ዝተዛረቡ ብምባል ክትምህረና ትዝክሮ’ዶ ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈርቅ

"ምኽንያቱ ሓዳር መዐቀኒ ቀዋምነት፡ ናይ ትዕግስቲ፡ ናይ ርእስኻ ምግታእ፡ ናይ ሓደ ሰብ ድሌታት ናይ ምቁጽጻርን ናይ ርእስኻ ምፍላጥን እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮታትና ዘቐመጦ ደረት ንሓልዎ እምበር፡ ንሕጊ  ሥርዓት ፍጥረት  ኣይንጥሕስን።"

ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ፡ "ሰብኣይ ንሰበይቲ ክወስድ ከሎ ብሰላም ምስኣ ክነብር ይኽእል ድየ እንዳበለ ንርእሱ ክሓትት ይግባእ ። ኣብ መዓልቲ ፍርዲ መድኃኒና ብዛዕባ ተግባርና ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ሓሳብናን ትምኒትናን እውን ክሓተና እዩ።"

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሳ፡ "ሓዳር ጽቡቕ ባህርያት ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንሓድሕድካ ከመይ ጌርካ ከም እትሓልየሉ ከይተማሃርካ ክትፋቐርን ክትፍቀርን ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ።"

 

ሶስና

ሻምናይ ክፋል ይቅጽል።

Comments are closed.