ኪዳነ ምህረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ እስመ ትቤ ለዓለም አሐንጽ ምሕረተ በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ  መዝ. 88-2 ገላ.4፣ 1-12። 2ይዮሓ.1፣4-8። ግ.ሓዋ.1፣13-15።  ሉቃ.1-39-57። ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጎሥዓ) ኪዳነምህረት ማለት ናይ ምሕረት መሓላ  ወይ ቃልኪዳነ ምሕረት ማለት እዩ። ካብ 33 በዓልተ እግዝእትነ ማርያም ሓደ ከኣ እዩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ […]

Continue reading

ጾመ ነነዌ

በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11። ካብ ሰኑይ የካቲት 15 ስጋብ የካቲት 17 (Monday, February 22- February 24) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና።  ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞምክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42። ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡክወስዶ ንርኢ።  ኣቐዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዳልዩ፣ ቀጺሉ’ዉን እቲ ነባሪ ዓሳንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ። ነብዩ ዮናስ  ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከደ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሠለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሠለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ። ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ናእሽቱኦም’ውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥንመኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውንኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገድን ካብቲ ኣብኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰመን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔር’ውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉእተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10። ካብ ትንቢተ ዮናስ ብዙሕ ኢና ንመኃር ብኸፊሉ ግና፣  ካብ ትንቢት ዮናስ እንታይ ንመኃር᎒ † ትንቢተ ዮናስ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዓሚቕ መለክዒ ዘይብሉ […]

Continue reading

ቅዱስ ዑራኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን!  " በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ........  ኣብ ቅድሚ መላእኽትካ ከኣ መዝሙር ምስጋና እዝምረልካ ኣለኹ፡ ቃልካን ስምካን ዓብይ ከም ዝኾነ ኣርኢኻ ኢኻ'ሞ ናብ ቅዱስ መቅደስካ ኣቢለ ክሰግድ'የ። ” መዝ 138፡1-2 ዑራኤል ማለት ብግዕዝ ‘መስተሣህል’ ወይ ‘ይቕረ በሃሊ’ ማለት ኢዩ፤ ብዕብራይስጥ ድማ ዑራኤል ማለት ‘እግዚአብሔር ብርሃነይ ኢዩ’ ማለት ኢዩ። ቅዱስ […]

Continue reading

በዓለ ጥምቀት

እንቋዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብጻሓና! በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዘነግህ ርእዮከ ማያት እግዚኦ ። ርእዮከ ማያት ወፈርሁ። ደንገጹ ቀላያተ ማያት ወደምጻማቲሆሙ። መዝ ፣76፣26። ምስባክ ዘቅዳሴ ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ። ወይርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ ። አድባር አንፈርዐፁ ከመ ሐራጊት ። መዝ.። 113፣ 3። ቲቶ. 3፣-4-8።  1ይዮሓ. […]

Continue reading

ነገረ ልደቱ ለክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቓዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት አብጽሓና። መዝሙር ዘልደት ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ። ሰላም […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።  “ይባርኩከ ጻድቃኒከ ስብሐት ይብሉ ለመንግሥትከ ወይነግሩ ኃይለከ ............ ቅዱሳንካ'ውን ክባርኹኻ ኢዮም። ግብርታት ኃይልኻን ክቡር ግርማ መንግሥትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ከፍልጡ ክብሪ መንግሥትኻ ክዛረቡ፤ ሥልጣንካ'ውን ክነግሩ ኢዮም።” መዝ 145፡10-12   ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሃብተ ማርያም ብዕለት 5ተው ታኅሣሥ 1866 ዓ.ም.  ካብ ኣቡኦም ጸጋ ዘአብ ካብ ኣዲኦም ሥነ ሕይወት […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንኣኹም ይኹን ብወልድ ውሉድ ዝተሰመኩም ሕዝበ ክርስትያን። ሊቀ ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስ ንናይ ክርስቶስ ወንጌለ መንግሥት እንዳመሃረ፡ ንናይ ጣዖታት ከንቱ እንዳገለጸ ኣብ ዝተጋደለሎም ሸውዓተው ዓመታት ካብ ኣረማውያን ዝበጽሖ ብዝነበረ ወሰን ዘይብሉ መከራን ስቃይን ትኽ ብዝበለትን ብዝጸንዐትን ሃይማኖቱ ብናይ ፈጣሪኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ብናቱ ጸሎት ዝተፈላለየ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።     ቀደም ናይ ሃገርና ርእሰ ከተማ ዝነበረት ድባርዋ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ካብ ቅድም ኣትኂዛ ብመልክዕ ገዳም ትርአ ነበረት። ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳን ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ነዛ ቦታ ኣብ ጊዜ ስደታ ከምዝረገጸታን ኮፍ ኢላትላ ከም ዝኃለፈትን ታሪኽ ይነግረና። […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን!  ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፤ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ኣብ ምድሪ ግብጺ ንሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ወይ ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ ምስ ገበሩ፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎም “ሄሮድስ ምስ ሞተ፤ ‘እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እቶም ሕይወት እዚ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤ አሜን።     ቅዱስ ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘደብረ በንኮል ካብ ኣቡኡ ካህን ሰንበት ተስፋነ ኣዲኡ ሂሩተ ማርያም ይበሃሉ። እዞም ወለዲ ጻድቃን ፈራህያነ እግዚአብሔር ስለዝነበሩ ውላድ ብዘምህላዎም ግን ይኃዝኑን ይጉህዩን ነበሩ። ‘ኣነ ኸኣ ኣንጊሀ ናባኻ እምህለል ኣሎኹ እሞ፡ ክትምልሰለይ እጽበ ኣሎኹ’ ዝበሎ እቲ ዘማራይ ልበ ኣምላኽ (መዝ 5፡3)፤ ዘወትር ናብ […]

Continue reading