ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘደብረ በንኮል (3ተው ኅዳር)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤ አሜን።

    ቅዱስ ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘደብረ በንኮል ካብ ኣቡኡ ካህን ሰንበት ተስፋነ ኣዲኡ ሂሩተ ማርያም ይበሃሉ። እዞም ወለዲ ጻድቃን ፈራህያነ እግዚአብሔር ስለዝነበሩ ውላድ ብዘምህላዎም ግን ይኃዝኑን ይጉህዩን ነበሩ። ‘ኣነ ኸኣ ኣንጊሀ ናባኻ እምህለል ኣሎኹ እሞ፡ ክትምልሰለይ እጽበ ኣሎኹ’ ዝበሎ እቲ ዘማራይ ልበ ኣምላኽ (መዝ 5፡3)፤ ዘወትር ናብ ቤተ እግዚአብሔር ከይዶም ይልምኑን መሥዋዕቲ የቕርቡን ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሎቶም ሰሚዑ ነዚ ጽቡቕ ፍረ ዝኾነ መዓዝኡ ከም ተክሊ ገነት ዝሽትት ሕፃን መድኃኒነ እግዚእ ሃቦም፤ ትርጒሙ "ጐይታ መድኃኒትና ኢዩ”። ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ኣብ ሃገርና ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ንደቡብ 15ተው ኪሎ ሜተር ኣብ እትርከብ ቦታ ‘ቢሓት’ ዝተባህለት ዓዲ ተወልዱ። ኣቦና ብሕቁኦምን ብከብዶምን ሥዕለ ትእምርተ መስቀል ተሣዒልዎም ኢዮም ተወሊዶም።

 ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ኣቡኦም ምስ ኣዕረፉ፤ ዅሉ ንብረቶም ንድኻታት ሂቦም ካብ ትውልዲ ዓዶም ወፂኦም ናብ መስቀል ጉና ጉና ኣብ ዝተባህለ ገዳም ናይ ኣቡነ ሊባኖስ መጣዕ ዕርፈ መስቀል ዘለዋ፤ ድምፂ ኣራዊት ግርማ ለይቲ፡ ጸብኣ ኣጋንንቲ ከይፈርሁ ንሚእቲ 100 ዓመት ተቀመጡ። ካብ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣስኬማ ምንኩስና ድማ ተቐበሉ። ብናይ ቅዱስ ገብርኤል ተራዳእነት ብክንፉ ተሰኪሙ ናብ ደብረ በንኮል ወሰዶም። ኣብዚ ገዳም'ዚ ብ1312- 1342 ዓመተ ምሕረት ሓድነት ሥርዓት ጳኵሚስ ደንገጉ (መሥረቱ)። ንኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘገልግሎም ሓደ ኣድጊ ነበሮም፤ እዚ ኣድጊ'ዚ ማይ የምጽኣሎም ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ እዚ ኣድጊ ተላኢኹ ምስ ከደ ሓደ ኣንበሳ ረኺቡ ፍርቂ ነብሱ በልዖ'ሞ ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ናብቲ እቲ ኣድጎም ዝተበልዓሉ ቦታ ከይዶም ናብ እግዚአብሔር ኣምላኾም ጸሎት ገበሩ'ሞ፤ እቲ ዝተበልዐ ኣድጊ ኣፍ ኣውፂኡ ‘ንዓይ ዝበልዓኒ ሓደ ኣንበሳ ኢዩ’ ብምባል መለሰሎም (ዘኁ 22፡28)። እዞም ኣቦና ነቲ ኣንበሳ ብጸሎቶም ካብ ዘለዎ ጸውዕዎ'ሞ እቲ ኣንበሳ መጺኡ ሰገደሎም ከምዚ ብምባል ‘ንስኻ ዲኻ ነዚ ኣድጊ በሊዕካዮ፧’ በልዎ ንሱ ድማ ብናይ ሰብ ዘረባ ‘እወ፤ ኣነ ኢየ’ በሎም'ሞ ኣብ ክንዲ እቲ ዝበላዕካዮ ኣድጊ ንዓ ኣገልግለኒ ኢሎሞ እቲ ኣንበሳ ድማ የገልግሎም ነበረ። ኣቦና ድማ ብዕዙዝ ብጾምን ጸሎትን ተጊሆም ይነብሩ ነበሩ።

  ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስት ኣዲኡ ቅድት ድንግል ማርያም ምስ ቅዱሳን መላእኽትን፤ ነብያቱን ሓዋርያቱን፤ ምስ ጻድቃኑን ሰማዕታቱን ዘማራይ ዳዊትን ብኽብሪ መጺኡ ‘ኦ መድኃኒነ እግዚእ ንዓ ነታ ቤተ ክርስትያንካ ግፍሓን ጎናን ሓንቲ ኢያ!’ ኢሉ ኣርኣዮም። ን24 ካህናተ ሰማይ ጸዊዑ ነፍስ ወከፎም ጽንሓ ኂዞም እናዞሩ ክዓጥንዋ ብክቡር ደሙ ከምዝተበጀዋ ብዕፀ መስቀሉ ከም ዝባረኻ ነገሮም። ደጊሙ ብስም ኣደይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ታቦት ቅረጽ፡ ቅዱስ ሥጋይን ክቡር ደመይን ኣዕርገላ በሎም ከምዝበሎምውን ገበሩ።

 ብዛዕባ ታቦተ ጽዮን በዓል ገበዝ ኣክሱምን ናይቲ ዘመን'ቲ ሓለፍቲ መኳንንትን ጽልኢ ኣብ ዝነበሮ ጊዜ ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ምስ ደቆም ከይዶም ገሠጽዎም ክሰምዕዎም ኣይከኣሉን፤ ክቀትልዎም ኢሎም እቲ ቀስተ ኲናት ወርወሩ ንቕብኡ ክትንክፍዎ ዘይፈቱ እግዚአብሔር እቲ ቀስቲ ኲናት ኣብ ጥቕኦም ይተርፍ ነበረ፡ (መዝ 15፡16)። መዓት ስለዝመጾም ነቦና ይቕረ ሓቲቶም ዕረቀና ኢሎም ለመንዎም'ሞ ኣተዓረቅዎም ድማ።

 ብድኅሪዚ ‘ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ ፡ ምስቶም ዝኃረኽዎም ቃል ኪዳን ኣተኹ’ (መዝ. 89፡3) ዝበሎ ነቦና ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ጐይታና ምስ ቅዱሳኑ መጽእዎም ኣቦና ንመድኃኔ ዓለም ንክዛረብ ፍቐደለይ በሎዎ ጐይታ ክርስቶስ ድማ ተዛረብ በሎ ‘ስመይ ንዝጽውዑ፡ ዝኽረይ ንዝገብሩ፡ ቤተ ክርስትያነይ ንዝሳለሙ መሓረለይ፡ መቓብረይ ባርኸለይ ደቀይ ቀድሰለይ”። በሎ ሽዑ ጐይታና ድማ ሕራይ ዅሉ ከምዝበልካዮ ይኩነልካ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ኣብ ሚእትን ሰማንያን (180) ዓመት ዕድሜኦም ብሠለስተ 3 ኅዳር ካብዛ ኃላፊት ዓለም ብሰላም ዓረፉ። ቅዱሳን መላእኽቲ ምስ ቅድስት ኣዲኡን እንጦንስን መቃርስን ብዝማሬን ብዕልልታን ‘ወተቀበልዎ መላእክት ለመድኃኒነ እግዚእ አብእዎ ኢየሩሳሌም፤ መላእኽቲ ንኣቦና መድኃኒነ እግዚእ ተቐቢሎም እንናዘመሩ ኢየሩሳሌም ኣእተውዎ’ እናበሉ ንነፍሶም ወሰድዋ። ደቆም ድማ ብኃዘንን ብንብዓትን ኣብዛ ደብረ በንኮል ቀበርዎም።

   ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ብዙኃት ኣቦታት ዘመንኮሱ ካብኣቶም እኒ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ - ኣባ ሳሙኤል ዘጣሪጣ- ኣባ ሳሙኤል ዘቆየጻ - ኣቡነ ያሳይ ዘመንዳባ - ኣቡነ ዮሐንስ ዘጉራናቂ - ኣቡነ ያፈቅረነ እግዚእ ዘጣና ዘመንኮሱ ብቑዕ ኣቦ ኢዮም። ገዳም ደብረ በንኮል ካብ ዝምሥርትዎ ልዕሊ 600 ዓመታት አቍጺሩ ኣሎ። ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ን7ተው ዓመት የገልግሎም ዝነበረ ኣንበሳ ቆርበት ኣብቲ ክብረ በዓሎም ምእመናት ንኽርእዎ ምስ ቅዱሳን ኣልባሳትን መስቀላትን ይወፅእ ኢዩ። ኣቦና ተኣምራት እናርሠሑ ንሕዝቢ ቃለ እግዚአብሔር እናመገቡ ድኅሪ ብዙኅ መንፈሳዊ ተጋድሎ ኣብ 180 ዓመቶም ኅዳር 3 ብፍቓድ ኣምላኽ ናብታ ሥፍራ ቅዱሳን ገዓዙ።

"ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ወኢይፈርህ እምነገር እኩይ ጥቡዕ ልቡ ለተወክሎ በእግዚአብሔር……… ጻድቅ ሰብ ፈጺሙ ኣይጋገን ንዘልኣለም ከኣ ክዝከር ይነብር ።ክፉእ ወረ ኣየፍርሆን እዩ፣ ኣብ እግዚአብሔር ይውከል እምነቱ ከኣ ጽኑዕ ኢዩ፤" (መዝ 112፡6-7)።

 "መድኃኒነ እግዚእ አቡነ መስተጋድል፡ ምንኩስናሁ ምዑዝ ከመ ኮል፡ በመንፈሰ ጸጋ ክሉል" (መጽሐፈ ሰዓታት)

 "ተአምረ ኃይልከ አባ መድኃኒነ እግዚእ አቡነ፡ እምአፈ ዜናዊ ሰማዕነ፡ ወበዓይነ ሥጋ ርኢነ፡ መንክርኬ አእላፈ ቤትከ ንሕነ፡ ባሕቱ በዝ ተአምሪከ ርድአነ፡ ለሰይፈ አርዕድ ንጉሥ ዘወሀብኮ ኪዳነ፡ ከመ ረድኤቱ ታፍጥን ጊዜ ጸብዕ ኮነ።"

  አርኬ

ሰላም ለርእስከ ዘተከለለ ቆብዐ፡ አርአያ አክሊሉ ለክርስቶስ ዘዕለተ መስቀል ዕለተ መርዓ፡ መድኀኒነ እግዚእ አፉየ ለስመከ ጸውዐ፡ ነዓ ነዓ ምስለ ሳሙኤል ነዓ፡ ከመ ምስሌነ ትግበር ሰላመ ወስንዐ።

  1. ሠለስተ ኅዳር መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም

 * ካብ ሃገረ ቆሮንጦስ ዝኾነ ቅዱስን ዓብይን ኣባ ኪራኮስ ዘዕረፉሉ

* ንጉሥ መክስምያኖስ ብዓብይ ስቃይ ካብ ዘሳቀዮም ቅዱስ ኣትናቴዎስን ኃፍቱ ኢራኒን ሰማዕትነቶም ኢዩ

 * ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእ ናይ ደብረ በንኮል ዘዕረፉሉ ዕለት ኢዩ።

  1. ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ፤

 ባእታ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን፡ ኣቡነ ሊባኖስ (መጣዕ) ዘደብረ ሃም ከምኡ ድማ ቅድስቲ ማርታ ኢዩ፤ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስትያንን ምስ ሃገርና ኤርትራን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር፤ ኣሜን።

 ምንጪ፤

* መጽሓፈ ስንክሳርን

* ገድሊ ኣቡነ መድኃኒነ እግዚእን

* ሊቃውንት ኣበው ወመምህራን ዘሃገረ ኤርትራ

 ነፍስሄር ሊቀ ሊቃውንት ጐይታና ይስሓቅ ዘደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዓረዛ፡ ነፍስሄር መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ ዘርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን፤ መጋቤ ሓዲስ መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ዘደብረ ኪዳነ ምሕረት ፓራዲዞ፡ ሊቀ መዘምራን መልኣከ ገነት የኔታ ተክለ ማርያም ዘደብረ ኤፍራታ!

ዲያ ዳንኤል ኣብርሃም

11-02-2013 ዓመተ ምሕረት

21- 10- 2020 ፈረንጂ

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፤ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፤ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፤ አሜን ወአሜን።

Comments are closed.