በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዘማራይ ቅዱስ ያሬድ ብ505 ዓ.ም ሚያዝያ ኃሙሽተ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ኣቡኡ ኣብዮድ (ይስሓቅ) ካብ ኣዲኡ ክርስቲና (ታውክልያ) ተወሊዱ። ንቅዱስ ያሬድ ኣቡኡ ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ ስለዝሞተ፡ ኣዲኡ ክርስቲና ናይ ኣክሱም ገበዝ ንዝነበረ ኣኩኡ ጌዴዎን ከዕብዮን ከስተምህሮን ሓደራ ኢላ ሃበቶ። ቅዱስ ያሬድ ምስ ኣኩኡ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። "ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ፤ መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር።’ ኣቦና ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ትውልዲ ዓዶም ‘ጎሎ መከዳ’ ካብ ዝተባህሉ ዓሌት ኮይኖም ኣቡኦም ያፈቅረነ እግዚእ ኣዲኦም ከኣ ዘመደ ማርያም ይበሃሉ። ያፈቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያም ከም ኣብርሃምን ሳራን ከም ካህን ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ብኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝጸንዑ፡ ብቅድስና ዝነብሩ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: ኢያቄም ወሐና ወለዱ ለነ ሰማየ ። ሰማዩሙኒ አስረቀት ለነ ፀሐየ። ጴጥሪቃን ቴክታን ዝበሃል ሰባት ኣበ ኢዮርሳሌም ብቅዱስ መውስቦ ብሓንሳብ ይነበሩ ነበሩ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ዝኣምኑ ዝተፍተዉ ጻድቃን ሰባት ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ኣብ ቅድሚ ሰባትን እዚ ተርፍዎም ዘይብሃል ሰብ ጸጋ ነበሩ። ግና ውርሲ ዘውርስዎ ውላድ ኣይነበሮምን መኻናት እዮም […]
“ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህብበካ እየ።” ራእይ ፪፡፲/2፡10 ፩፤ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ ሎሚ ዕለት ፳፫/23 ሚያዝያ ፀሐይን ኮከብ ጽባሕ ዝተሰምየ ናይ ዓቢይን ክቡርን ዝኾነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማዕት ፍጻሜ ሰማዕትነቱ እዩ። ፪፤ ናይዚ ቅዱስ ኣቦ መስፍን ኮይኑ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን:: ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65 ዓዲ. ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24። ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22። ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ኣብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ይትፌሣሕ ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65 ዓዲ. ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24። ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22። “ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን አሠሮ ለሰይጣን አግአዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ […]
ሽዑ ሠራዊተ እግዚአብሔር ካብ ሲዖል ወጹ። ንብዙኃትውን ተራእይዎም። ናብታ ቅድስቲ ከተማውንኣተዉ። ጐይታ ነቲ ሽፍታ ብቅዱስ ደሙ ዝተኃትመ ማኅተም ሃቦ። ናብ ገነት ኪዱ፡ እዚ ሽፍታ ይምራሕኩም፡ ንሱ ብማኅተም ደመይ ይኽፈተልኩም። ንፍርዲ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኣብኡ ጽንሑ። አዳምን ደቁን ድማ ፊያታዊ ዘየማን እናመርሖም ብነፋስ ንላዕሊ ወጹ። ሠራዊተ መላእክት እናሓለውዎም ድማ ጥቓ ገነት በጽሑ። ንተወሳኺ ቅድሚ ሕጂ ወጺኡ ካብ […]
ሰሙነ ሕማማት ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። ሰሙነ ሕማማት ካብ ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱ ሠርክ ሌሊት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት […]
ዕለተ ሰኑይ ነግህ ዲያቆን ደወል እንዳወለ ሠለስተ ግዜ ንቤተ ክርስትያን ይዞራ። ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ውዳሴ ማርያም አንቀጸ ብርሃን ፣መዝሙረ ዳዊት 150 ተዓዲሉ ይንበብ። ድሕሪኡ እቲ መምህር (መርጌታ) ናይ ዕለቱ ድጓ የዝይም። ናይ ሎሚ ሰኑይ ብየማን ዘሎ መምህር እንተ መሪሑ ሰሉስ ከኣ ብጸጋም ዘሎ ይመርሕ። ከምዚ እንዳተዘዋወረ ከኣ ይቅጽል። ናይ ዕለት ድጓ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኣመላሊሶም […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ በእንተ ጸላኢ። መዝ.8- 2። ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ.8-2። ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31። ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ እብ.9፣11-ፍጻሜ 1ይጴጥ.4፣1-12 ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ […]