ሰሙነ ሕማማት

ዕለተ ሰኑይ ነግህ

ዲያቆን ደወል እንዳወለ ሠለስተ ግዜ ንቤተ ክርስትያን ይዞራ። ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ውዳሴ ማርያም አንቀጸ ብርሃን ፣መዝሙረ ዳዊት 150 ተዓዲሉ ይንበብ። ድሕሪኡ እቲ መምህር  (መርጌታ) ናይ ዕለቱ ድጓ የዝይም። ናይ ሎሚ ሰኑይ ብየማን ዘሎ መምህር እንተ መሪሑ ሰሉስ ከኣ ብጸጋም ዘሎ ይመርሕ። ከምዚ እንዳተዘዋወረ ከኣ ይቅጽል። ናይ ዕለት ድጓ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኣመላሊሶም ምስ ኣብጽሕዎ።

*ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም* *አማኑእል አምላኪየ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም*

*ኦ እግዚየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም* *ኃይልየ ወፀወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ እብል በአኮቴት*  አቡነ ዘበሰማያት ብዜማ  እንዳተባህለ ብሽዱሽተ የማን ወገን ሽዱሽተ ጸጋም ወገን ብድምሩ ዓሰርተ ክልተ ግዜ ይበሃል ።

*ለአምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም*

*ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም*

*ለእዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም* ለመንግስቱ፣ ለሥልጣኑ፣ ለምኩናኑ፣ ለኢየሱስ፣ ለክርስቶስ፣ ለሕማሙ፣ /በዓርብ ለመስቀሉ/ ይደሉ።  እንዳበሉ ብየማነ ጸጋም እንዳተቀባበሉ ይሰግዱ።

ብምቅጻል እንዳመላለሱ ሠለስተ ጊዜ “  ለከ ይደሉ ኃይል ወለከ ይደሉ ስብሐት ወለከ ይደሉ አኰቴት ፣ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዓለም ዓለም።

ብምቅጻል ናይ ነግህ ንባብ ይጅመር። ኣብ መጨረሻ ከኣ ተኣምረ ማርያምን ተኣምረ ኢየሱስ ይንበብ። ድሕሪኡ ምስባክ ካብ መዝሙረ ዳዊት ምስ ተሰብከ ናይ ዕለት ወንጌል ይንበብ።  ብምቅጻል *ጸልዩ በእንተ ጽንዓ ዛቲ* ዝተባህለ ጸሎት ብካህን ክንበብ ከሎ ምእመናን “ እግዚኦ ተሰሃለነ ፣ ኦ ጎይታ ይቕረ “ በለልና እንዳበሉ ብምስግጋድ ይጽልዩ።

ድሕሪኡ ካልኣይ ዙርያ ስግደት ይጅምር። ብዜማ ብሓደ ወገን ጀሚሩ ብየማነ ጸጋን እንዳተቀባበሉ ይብሉ።  

“ ክርስቶስ አምላክነ ዘመጽአ ወሐመ በእንቲአነ ብሕማማቲሁ ቤዝወነ፣ ንሰብሖ ወናልዕል ስሞ ኅቡረ እስመ ውእቱ ገብረ መድኃኒተ በዕበየ ሣህሉ “

* ኣብ ዓርቢ “ ዘሐመ ወሞተ በእንቲአነ “ ይበሃል።

   *ኪርያላይሶን /ሓሙስተ ጊዜ/ ብዝመርሕ*

*ኪርያላይሶን /ክልተ ጊዜ/ ዕብኖዲ ናይል ብተመራሒ* *ኪርያላይሶን ታኦስ ናይን* *ኪርያላይሶን ማስያስ ናይን* *ኪርያላይሶን ኢየሱስ ናይን* *ኪርያላይሶን ክርስቶስ ናይን **ኪርያላይሶን አማኑኤል ናይን*

*ኪርያላይሶን ትስቡጣ ናይን* እዚም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኣምላኽና ሕቡኣት ስማት እዮም። ኪርያላይሶን ማለት ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና ማለት እዩ። ብኸምዚ መልክዕ ሓደ ግዜ ምስ በጽሐ ይድገም። ኣብ መወዳእታ ብየማነ ጸጋም እንዳተበራረኻ ኣርብዓን ሓደ (41) ጊዜ ኪርያላይሶን እንዳተዜመ ይስገድ።  

ብምቅጻል መልክአ ሕማማት ብሊቃውንቲ ብዜማ ይበጽሕ። ድሕሪኡ እቲ ካህን ፍትሐት ዘወልድ ፣ ጸሎተ ቡራኬ፣ ወዕቀቦም ፣ ኦ ሥሉስ ቅዱስ ፣ ኦ ማኀበራኒሁ ለክርስቶስ ነዋ በግዑ ዝተባህሉ ንባባት የንብቡ። ኣብ ጸሎቶም ፍጻሜ ከኣ ኣርብዓን ሓደ (41) ጊዜ ኪርያላይሶን በሉ ኢሎም ንምእመንና ይነግሩ። ድሕሪኡ ከኣ ፣

*ሑሩ በሰላም እግዚአብሔር የሀሉ ምስሌክሙ፣ ንዑ ወወተጋብኡ ውስተ ቤተ ክርስቲያን በጊዜ ሰለስቱ ሰዓት* ንምእመና ይነግሩዎም።

በዚ ዝረኣናዮ መሠረት ከኣ ሰኑይ ሰሉስ ረቡዕ ብጀካ ምንባባት ኩሉ በዚ ሥርዓት መሠረት ይፍጸም።

ናይ ሓሙስ ዓርቢን ሥርዓት ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ሥርዓት ይፍጸም እቲ ስግደትን ጸሎትን ከም ዘለዎ ኮይኑ ማለት እዩ።

ሥርዓተ ሓሙስ 

ሙስ ሕጽብተ እግሪ ጎይታ ትሕት ኢሉ ንሓዋርያት እግሮም ዝሓጸቦም። ኣብነት ተጌሩ ኣቦታት ካህናት ምእመናን ዝሓጽብሉ።

እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ብፍሉይ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝቐደሰሉ ዕለት እዩ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ዝፍጸም ሥርዓተ ቅዳሴ’ውን ካብቲ ካልእ መልእኽትን ምሳሌን ብዘለዎ ኣገባብ ቅሩብ ፍልይነት ዘለዎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣይሁድ ንጐይታ ንምሓዝ ብናቶም ሓሳብ ኣድብዮምን ብስውር ቀስ ኢሎምን ዝሓዘሉ ዕለት ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር ኣብዚ ዕለት ብሎኃሳስ (ብዘይ ዓው ዝብል ድምጺ ተሰጥዎ) እዩ እቲ ቅዳሴ ዝፍጸም። ኣብ ክንዲ ቃለ ዓዋዲ’ውን ጸናጽል ንጥቀም። 

ኣብዚ ዕለት ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮ ንሳቶም’ውን ነንሕድሕዶም ድማ ከምኡ ክገብሩ ስለዝኣዘዘ፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ሥርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ። ድኅሪ ቅዳሴ ድማ ነዚ ዕለት ብፍሉይ ዝዳሎ ኅብስትን ጥጥቖን ብኃባር ይብላዕ። 

ሥርዓተ ዓርቢ 

ዓርቢ  ከኣ ናይ ጎይታ ሥቅያት ዝዝከረሉ  መድኃኒ ዓለም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ዓለም ብምዃን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለሉ ዕለት እዩ።

ኣብዚ ዕለት ኣብቲ ካልእ መዓልቲ ዝግበር ስግደትን ጸሎትን ዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ። ምእመናንን ካህናትን ኣንጊሆም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተጋብኡሉ ኣጎበር ይስራሕ። ንዋየተ ቅዱሳት ብሥርዓት ይቕመጡ። መሳቕልን ሥዕሊ ሥነ ስቕለቱ ኣብ ቅድሚ መቕደስ ብሥርዓት ይቕመጡ። ካህናት ጸሊም ኣልባሳት ይለብሱ። ሕማማተ መስቀሉ ዘዘክሩ ንባባት ይንበቡ። ስግደት ኣብ ሸውዓተ ጊዜያት ይስገድ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካህናት ነቲ ኣምሳል ዝሞተን ዝተገንዘን ክርስቶስ ገይሮም ይዖዱ። ክሳብ ፬፻ ዝኸውን እግዚኦታ ብኣርባዕቱ ማዕዘናት ይግበር። ነቲ መግረፍቲ ንምዝካር ኸኣ ብቖጽሊ ኣውሊዕን ናይ ምእመናን ዝባን እናጠብጠቡ ናይ መሰናበቲ ስግደት ይእዝዙ። በቲ ካልእ ድማ ካብ ንባባት ዳዊት ብምጥቃስ ይሁዳ ዘርኡን ይርገሙ። ብተምሳል ንሰብ ዘስሓተ ተመን ዲያብሎስ ድማ እቲ መቋሚያ ይቕጥቀጥ። ድኅሪኡ ናጽነት ኣዳምን ደቁን ንምእዋጅ “ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ” ተባሂሉ ብኸበሮ ዝማሬ ምስጋና ይቐርብ። 

ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላም እግዚአብሔር በሰላም ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል ።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.