ዳግማይ ትንሣኤ

              በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን::

ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም

ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን

ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65

ዓዲ.

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር

ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ

ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።

ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ

ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ

    ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ኣብ ዝተንሥአሉ እዋን፡ ንሃምሳ(፶/50) መዓልታት ዝኸውን እናተገልጸ ንሓዋርያት ምሂርዎም ኢዩ። ሓደ ካብኡ እዚ ሎሚ ከም ኣርእስቲ ኮይኑና ዘሎ ዳግማይ ትንሣኤ ኢዩ። ዳግማይ ትንሣኤ ልክዕ ኣብ ሰሙን ናይ ትንሣኤ ዝበዓል እዩ፥ (ዮሐ ፳፡፳፮/20፡26)።

ብዕለተ እሁድ ደቂ መዛሙርቲ ብሓድነት ኣብ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ ኣብ ዕጽው ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ፥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኻልኣይ ጊዜ ብምግላጽ ትንሣኤኡ ምትኃት (መንፈስ) ከም ዘይኮነ፡ ንሓዋርያ ቶማስ “ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ፥ ነእዳወይውን ረኣ፥ ኢድካ ናብዚ ኣምጽእ እሞ፥ ናብ ጎድነይ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትዂን” ብምባል ትንሣኤ ናይ ክርስቶስ ኣማናዊ ከም ዝኾነ ዘራጋገጸሉ ዕለት እዩ። ዳግማይ (ካልኣይ) ናይ መበሊኡ ምኽንያትውን ነዚ ይገልጽ። በዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ድሕሪ ትንሣኤ ንዘሎ ሰሙን(ሰንበት) ዳግማይ ትንሣኤ ብምባል ተኽብሮ። ዮሓ ፳፡፳፬-፴/20፤24-30።

ምኽንያት ናይ ክርስቶስ ኣብ ዕጽው ገዛ ዳግማይ ምግላጹ ናይ ሓዋርያ ቶማስ ዘይምእማን ከም ምዃኑ መጠን ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ቶማስን ምግላጽ ናይ ጐይታ ዘረድእ ኢዩ። ቶማስ ማለት ከምቲ ኣብ ትርጉም ቅዳሴ ማርያም “ክልኤቱ ስሙ ለጸሓይ አሐዱ ኦርያሬስ ወለካልኡ ቶማስ/ ናይ ፀሐይ ኣስማት ክልተ ኢዩ፥ እቲ ሓደ ኦርያሬስ/ብርሃን እቲ ካልእ ድማ ቶማስ” ዝብል፥ ፀሐይ ማለት ኢዩ። ቶማስ ዓሌቱ ካብ ወገን ሰዱቓውያን ኢዩ። ሰዱቃውያን ድማ “ሰዱቃውያን፥ ትንሣኤ ኾነ፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የልቦን” ግሓ ፳፫፡፰/23፡8፥ ኢሎም ይኣምኑ። ማቴ ፳፪፡፳፫/22፤23። ስለዚ ድማ ኢዩ ቶማስ ናይ ጐይታ ትንሣኤ ከጠራጥሮ ዝኸኣለ።

ቶማስ ሓደ ካብቶም ፲፪/12 ሓዋርያት ኮይኑ፡ ኣልኣዛር ኣብ ዝሞተሉ እዋን ጐይታ ንሓዋርያት “ኣልኣዛር ዓርክና/ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ከተንሥኦ፡ ክኸይድ እየ።” ዮሐ ፲፩፡፲፩/11፡11፥ ምስ በሎም፡ ሓዋርያት ፈሪሖም “መምህር ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ክቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ መሊስካዶ ናብኡ ክትከይድ” በልዎ፥ ቶማስ ግና “ንሕና'ውን ምስኡ ክንመውት ንኺድ” (ዮሐ ፲፩፡፲፮/11፡16) ኢሉ ብትብዓት ምስ ጐይታ ክመውት ዝመረጸ ኢዩ። ጐይታ ተንሢኡ ኣብ ዝበሉሉ ግና ትንሣኤ ሙታን ስለዘይኣምን ትንሣኤ ናይ ክርስቶስ ክኣምን ኣይከኣለን። ሓዋርያ ቶማስ ምስ ጐይታ “ክንመውት ንኺድ” ዝበሎ ሊቃውንት ኣቦታትና ክትርግምዎ እንከለዉ፡ “ንእኡ ዝረኸበ ይርከበና ንኺድ ኢሉ ንሓዋርያት ብትብዓት ከም ዝብገሱ ዝገበረ ኢዩ” ብምባል ይገልጽዎ። ሓዋርያት ንጐይታ ክስዕብዎ እንከለዉ ክሳዕ መንፈስ ቅዱስ ናብኣቶም ወሪዱ፡ ኃይሊ ዝረኽቡ፡ ፍጹማን ኣይነበሩን። ስለዚ ሽመት ክህቦም፡ ተኣምራት ክገብሩ ከለዉ ልክዕ ከም ተራ ሰብ ደስ ይብሎም ነበረ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሐዋርያቱ ቀዲሙ ኣብ ዕጽው ገዛ ብምእታው "ሰላም ነዓኹም ይኹን!" ብምባል ተገልጸሎም። ዳግማይ ሐዋርያ ቶማስ ኣብ ዝብአረሉ ዝተገልጸሉ ምኽንያት ድማ፡-

1, ከይዳህሰስኩ ኣይአምንን እየ ንዝበለ ሐዋርያ ቶማስ ንኸእምኖ፡

ቶማስን ደቀ መዛሙርቱን መጽዮም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ተንሢኡ ተገሊጹ ርኢናዮ ኢሎም ኣብ ዝነገርሉ ናይ ሽንካሩ ምልክት ከይረኣኹ፡ ኢደይ ድማ ኣብቲ ዝተሸንከረሉ ጎኑ ከይዳህሰስኩ ኣይኣምንን ኢሉ ከም ዝነበረ እሞ፡ ጐይታ ድማ ነዓ ኣእዳውካ ናብ ጐድነይ ኣእቱ፡ ብምባል ከም ኣእመኖ። ቶማስ ንምንታይ ተጠራጠረ፧ ምስ እንብል ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ካብ ወገን ሰዱቃውያን ስለ ዝነበረ እዩ። ማቴ ፳፪፡፳፫-፴፫/22፡23-33, ሃይ፡ ኣበው ፵፰፡፰-፲፫/48፤8-13።

ንናይ ጐይታ ጎድኒ ዝዳህሰሰት ናይ ቶማስ ኢድ ክሳዕ ሕጂ ከይበስበሰት ብሕያውነት ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ሃገረ ስብከቱ ማለት ሰማዕትነት ኣብ ዝተቀበለላ ሃገረ ህንዲ ምስ ታቦት ብኽበሪ ትነብር ኣላ። ንዝሽየም ፓትርያሪክ ኢድ እናነስአት ትሸይም።

ካልእ ድማ ነዓ ጎነይ ዳህስሰኒ ምባሉ፡ ንመጻኢ ንምሉእ ዓለም ዘይሩ ወንጌል ዝሰበኽ ሓዋርያ ስለዝኾነ፡   ሓዋርያት ከም ዝበልዎ ጐይታ ተንሢኡ ኢሉ ከስተምህር ምሉእ ተኣማንነት ስለዘይረክብ ኢዩ። እኳ ደኣ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ ብኣዒንትና ዝራእናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና'ውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቃል ሕይወት፡ ሕይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንዓና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለዓለም ሕይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩም'ውን ኣሎና።” (፩/1 ዮሓ ፩፡፩-፪/1፡1-2) ከም ዝበሎ፡ ኢሉ ምእንቲ ክሰብኽ ንቶማስ ነዓ ዳህስሰኒ በሎ። ብርግጽ ሓዋርያት ከምዚ ኢሎም ኢልካ ምምሃር ስሕተት ኣይኮነን፡ ግና ቶማስ ሓዋርያ ክነሱ "ሐዋርያት ከምዚ ኢሎም" ኢሉ ክሰብኽ ኣየምሕረሉን ስለዝኾነ እዩ።

2, ንሰንበት ንኸጽንዓ፡

ሰንበተ ክርስቲያን እሁድ ጐይታና ንሞት ስዒሩ ዝተንሥአላ ከም ዝኾነት፡ ናይ ዕረፍትን ናይ መንግሥተ ሰማያት ምሳሌ ኢልና ነኽብራ። ከምኡውን ናታ ክብሪ ምእንቲ ክንሓስብ፡ ዕለተ እሁድ ኣብ ዝመጸትሉ ካብ ሞት ዝተንሥኣሉን፡ ንሐዋርያት ድማ ዳግማይ ዝተገልጸሎምን ስለዝኾነ ንኣኽብሮት ሰንበት ተገልጸሎም። አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ “መዓልቲ እሁድ ናይ ክርስቶስ መዓልቲ ኢያ፡ እሁድ ሰንበት ድማ ተባሂላ።” (መጽሓፈ ምስጢር ገጽ 296) ይብለና።

  1. ትንሣኤኡ ምትሓት(መንፈስ) ከም ዘይኮነ ንኸረድእ፡

ጐይታና ገዛእ ነፍሱ ዝገለጸሉ ዕላማ ክነግሮም ከሎ “ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንዓይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ሥጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ።” ሉቃ ፳፬፡፴፱/24፤39 ከም ዝበሎም፡ ናይ ጐይታና ትንሣኤ ምትሓት ዘይኮነስ ኣማናዊ፥ ማለት ከምቲ ቅድም ባህሪኡ ብዘይምልዋጥ ብተዋሕዶ ከም ዝተንሥአ ንኸረድእ ተገልጸሎም። ክግለጸሎም ከሎ ብዕጹው ማዕጾ ምእታዉ፥ ብሓዋርያት ምድህሳሱ መለኮትን ሥጋን ከይተለወጠ ድሕሪ ትንሣኤውን ብተዋህዶ ከም ዘሎ የረደአና። በዚ ድማ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ቅዱስ ቶማስ ከም ዝመስከረ ካብ ቃሉ ንርዳእ። ነዓና ድማ ከምዚ ናይ ቅዱስ ቶማስ ኣምላኽነቱን ጐይትነቱን ንምምስካር የብቀዓና። ኣሜን!

ይትባረክ አምላከ አበዊነ አሜን!

ብዲያቆን ተኽለሕይወት

Comments are closed.