ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃኅ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። (መዝ ፸፰፡፷፭/78፤65)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ይትፌሣሕ

ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም

ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን

ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65

ዓዲ.

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር

ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ

ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።

ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ

ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።

“ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን

አሠሮ ለሰይጣን

አግአዞ ለአዳም

ሰላም

እምይእዜሰ

ኮነ 
ፍሥሐ ወሰላም።”

ኣብ ሓድነቱ ካልኣይ ኣብ ሠለስትነቱ ድማ ራብዓይ ዘይብሉ፡ ዓለም ከይተፈጥረ ከሎ ብሠለስትነቱን ብሓድነቱን ጸኒዑ እናተመስገነ ዝነብር ልዑል እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ንዑኡ ይኹን።

ሎሚ! ዝሞተ ባህርይና፤ ኃጢኣት ዘጥፈኦ መንነትና ናይ ድኅነትን ናይ ብሥራትን ስብከት ዝተሰብከሉ ዕለት እዩ። ከም እንፈልጦ ንሕና በአዳም በደል፡ ስደትን መከራን ከም ዝወረደና፡ ፶፻፭፻/5500 ዓመታት ኣሓሊፉ ነበረ። ነዚ ኩሉ ዘመናት ብመከራ ክንግረፍ፤ ብእግሪ ኣጋንንቲ ንቕጥቀት ከም ዝነበረና ኩሉ ዝፈልጦ'ዩ።

ኣቦታትና ነቢያት መሥዋዕቲ ሠዊኦም መባኦም ሒዞም ኣብ ቅድሚ አምላኽ ይቐርቡ ነበሩ፤ ነገር ግን መሥዋዕቶም ጊዜያዊ እምበር ዘለዓለማዊ ኮይኑ ነቲ ዝወደቐ ኣዳም ዳግማይ ከተንሥኦ ኣይከኣለን። ኣቦና ኣዳም እንዳ ወደቀ፡ እንዳ ሞተ፡ እንዳ ተፈርደ ዘመናት ሓለፈ ዓመታት ዓመታት እንዳ ወለዱ፡ ናይ መከራ ዘመን ኣዝዩ በርተዐ። ኣዳምን ደቁን ክርስቶስ ተወሊዱ ናብዚ ምድሪ መጽኡ ነቲ መከራ ከቕልለሎም ኣሲርዎም ንዝነበረ ቀይዲ ክበትከሎም ካብ ምብካይ(ብተስፋ ምጽባይ) ኣየዕረፉን። እቶም ኣብ ምድሪ ብሥጋ፥ ብነፍሲ ድማ ኣብ ውሽጢ ሲኦል ዝነበሩ ኩሎም ኣቦታት በኸዩ፤ እቲ ዘመናት ሰጊሩ ዝመጸ ብኽያቶም ኣዝዩ ዝመረረ ብኽያት እኳ እንተ ነበረ ዘመናት ክቆጽር እምበር ከድኅን ኣይከአለን። ከም መረዳእታ ናይዚ ነቢይ ኤርምያስ “ኩላትና ብኃጢኣት ረኸስና ጽድቅናውን ከም ጨርቂ መርገም ኮነ ብሰሪ ኃጢኣትና ኻአ ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዝቡቅጾ ንቑጽ ቆጽሊ ኴንና።” ኢሳ 64፡6-7 ብምባል ይጠቅስ።

ናይ ኣቤል መሥዋዕቲ ክሳብ ሕጂ ይዛረብ ኣሎ ክሳብ እዚ ሎሚ ንሕና ዘለናዮ ዘመን ድማ ተናጋሪ መስዋእቲ ይበሃል። ነገር ግና ንአቦታቱን ንነፍሱን ካብኡ ሓሊፉውን ንቤተ ሰቡ ዝሃቦ ናይ ድኅነት ባይታ የለን። ዕብ ፲፩፡፬/11፡4 ንኵሎም ሞት ተቋጻጸሮም ነዚ ከመልከት እዩ “ቀነዮም ሞት ለዘአበሱ ወኢአበሱ እም ኣዳም እስከ ሙሴ/ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብቶም ከምቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ዘይገበሩውን ነጊሱ ነበረ” ሮሜ ፭፡፲፬/5፡14 ዝበለ። ሞት ንዂሎም ብርቱዓት፡ ድኹማት፡ ኃያላት፥ ነገስታት ኢሉ ከይፈላለየ ኣብ ትሕቲኡ ገዚእዎም ነበረ። ናይ አዳም ዘርኢ ኣበይ ኣሎ ምስ ንብል ኣብ መቃብር፡ ቁጽሪ ዘይብሉ ፍጥረት መቓብር ሥፍራኡ ጌርዎ ተቐሚጡ እኳ እንተ ነበረ፥ እግዚአብሔር ንአዳምን ሔዋን ካብ ገነት ምስ ሰጎጎም ዘሃቦም ተስፋ ግና ነበረ፤ እዚ ተስፋ ዝፍጸመሉ ጊዜ ክሳዕ ዝመጽእ ግና ነዊሕ ዘመናት ሓለፈ።

እግዚአብሔር ንኣቦና ኣዳምን ሔዋንን ካብ ዘርኦም ወዲ ከም ዝውለድ ተወሊዱ ድማ ንዲያብሎስ ርእስ ርእሱ ከም ዝጭፍልቖ ነጊርዎም ነበረ፤ (ዘፍ ፫፡፲፭/3÷15) “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡”። ነዚ ስለዝሰምዐ ዲያብሎስ ኣዝዩ ርዒዱ፥ ንዘዝተወለደ ሕጻን ከጥፍእ ብዙሕ ይጽዕር ነበረ። ኣብ ዘጸአት ምዕ 1፡16 ወዲ ምስ ዝውለድ ክቅተል ኣዋጅ ተመሓላሊፉ ከም ዝነበረ ተጻሒፉ ዘሎ፥ ዲያብሎስ ኣብ ልቢ ፈርዖን ኮይኑ ይዓይይ ምንባሩ የመልክት። በዚ ድማ ፈርዖናውያ ኣብ ልዕሊ ኣወዳት እስራኤላውያን ናይ ሞት ኣዋጅ ኣወጁ። እምበኣር ርኣዩ ጸላኢ ሰናይት ዝገብሮ ዝነበረ። ንሕና ብሸለልትነት ብዙሕ ነገር ንንዕቕ ንሱ ግና ኣይንዕቕን። ዝኾነ ህጻን ከይተወለደ ከሎ መጻወድያ የጻውደሉ።

ነገር ግን ከምቲ ልቢ አምላኽ ቅዱስ ዳዊት (መዝ ፻፳፯፡፩/127÷1) “እግዚአብሔር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚአብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።” ኢሉ ዝተናገሮ፥ ናይ ዲያብሎስ ሓለዋ፡ ምክትታል ድማ ከንቱ ኾነ። ዲያብሎስ ብዘይፈልጦ ብተዋህዶ እዩ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ዝመጸ፡ ከምቲ ዲያብሎስ ኣብ ኣርዌ ሓዲሩ ዘይኮነስ፤ ይትረፍ’ዶ ኣጋንንቲ ካብ መላእኽቲዪ'ውን ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ዘይፈልጥዎ ነይሮም።  ካብ ፍጥረት ኩሉ ዝረቐቐ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ብዝኾነ ምሥጢር እግዚአብሔር ናብዚ ምድሪ ሰብ ኮይኑ መጸ።

እዚ ምሥጢር እዚ ግና ዲያብሎስ ከይፈለጦ እዩ ናብዚ ምድሪ ዝመጸ፤ ከይተዳለወ ድማ ሞት ኣርከቦ። ኣብ ዕለት ዓርቢ ናይ አዳምን ደቁን እቲ ን፶፻፭፻/5500 ዘመን ብኽያቶም ኣውያቶም ዝፍጸመሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቕለ ኣብ መወዳእታ ድማ ዓቢ ገዓር ምስ ገዓረ ነብሱ ወጸት። ኣቦታትና ንዘመናት ዝሓዘንዎ ሓዘን ብናይ ክርስቶስ ገዓር ተደመደም፤ መጽሓፍ ቅዱስ ክገልጽ ንሱ ብዓቢ ገዓር ገዓረ ይብል። “ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብዓቢ ድምጺ ጨርሐ ነፍሱ ድማ ወጸት። እንሆ ኸኣ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ ምድሪ ድማ ኣንቀጥቀተት ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ መቓብራትውን ተኸፍቱ፥ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዛሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ ካብ ሞት ተንሥኡ።” ማቴ ፳፯፡፶-፶፫/27፡50-53። ንብዙሕ ዘመናት ኣቦታት ዝበኸይዎ ንምድሪ ከንቐጥቅጥ ኣይከአለን። እዚ ናይ ሞት ገዓር እዚ ግና ከቢድ'ዩ ምድሪ ምጻሩ ሰአነት፤ ሞት ደንገጸ፤ ገዛኢ ጸልማት እዛ ዓለም ምንቅጥቃጥ ጀመረ፡ መቃብራት ተኸፍቱ።

መቓብር ንዂሎም ኣብ ውሽጣ ሒዛቶም ዝነበረት ነፍሳት ክትሰዶም ጀመረት። እዚ ዕለት ናይ መጀመርያ ናይ ሰብ ድኅነት ዝተበሰረሉ ዓቢ ብስራት ነበረ። ግና እዚ ዓርቢ ዝተፈጸም ግና ቦኽሪ ኣይኮነን፡ ንሱስ ተስፋ እዩ ዝነበረ። ከመይሲ ንሱ ብምሟቱ ንሞት እኳ እንተ ቐተሎ እዚ ጥራይ ግና እኲል ኣይነበረን። መወዳእታ ናይ ድኅነትውን ኣይኮነን። እቲ ን3 መዓልትን ን 3 ለይትን ጐይታ ኣብ መቃብር ምውራድ ተሪፉ ነበረ። እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መቓብር ኩሉ ናይ ምብስባስን ናይ ጥፍኣት ነበረ። ክርስቶስ ግና ኣብ ሓድሽ መቓብር ተቐብረ።

ሓድሽ ብምዃኑ ናይ ምንታይ እዩ ምስ እንብል (ወቀበርዎ ውስተ መቃብር ሓዲሰ) ኣብ ሓድሽ መቓብር ቀበርዎ ክሳብ ሽዑ ተቀቢሮሙሉ ዘይፈልጡ ሓድሽ መቃብር ማለት'ዩ። እዚ ማለት ግና ሰብ ተቀቢርዎ ዘይፈልጥ ማለት ጥራሕ ኣይኮነን፤ ካልእ ምሥጢር ኣለዎ።

ኣብ ሓድሽ መቃብር ማለት ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ክርስቶስ ዝተቐብሩ ኵሎም፥ ንጥፍኣት እምበር ንትንሣኤ ኣይነብረን። ክርስቶስ ግና ካብዚ ብዝተፈለየ ናይ ሞት ሥልጣን ኣጥፊኡ እዩ ናብ መቃብር ዝወረደ። ናይ ሞት ሥልጣን ከጥፍእ ምኳኑ ገና ከይተቀብረ እዩ ተነጊሩ። ሞት ን5500 ዘመናት ብዘይ ጭካነ ነቦታት ዘሳቀዮም በዚ ሰዓት ተደምሰሰ። መኑ ዝንቱ ሥጋ ለቢሶ ዘሞአኒ/መንዩ እቲ ሥጋ ለቢሱ ዝሰዓረኒ። ናትና ብኽያት ብናይ ክርስቶስ ገዓር ተፈጸመ። መን'ዩ ናይ ሰብ ሥጋ ለቢሱ ሰብ መሲሉ ዝዘመተኒ እናበለ ዲያብሎስ ክሳብ ሲኦል እናገዓረ ከደ።

ካብዚ ንድሕሪት መቃብር ሓድሽ ኮነ፡ ቅድም ናይ ጥፍአት ዝነበረ ሕጂ ግና ኣቦታትና ትንሣኤ ክርስቶስ ኮፍ ኢሎም ዝጽበየሉ ቅዱስ ሥፍራ ኾነ።መቃብር ቅዱስ'ዩ፤ ቅዱሳኑ ዝእክብ፤ ክርስቶስ ዝቀደሶ ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ህያው ኮይኑ ዝቀደሶ፤ ናብ መቃብር ወሪዱ ቀደሶ፤ ስለዚ መቃብር ጸኒዕና ንጽንሓሉ ደኣ እንበር በስቢስና ንተርፈሎ ኣይኮነን። ነዚ ከብርህ እዩ እንበአር ሓድሽ መቃብር ዝበሎ።

ቅዱስ እግዚአብሔር፤ ቅዱስ ሕያው ዘኢይመውት፤ ዘይመውት ሕያው፤ ብባህሪኡ ሞት ዘይብሉ እናበሉ ድማ ቀበርዎ፤ ብፍቓዱ ብሥጋ ሞት ኢሎም እናመስገኑ ገነዝዎ። ኦሪት በድን ርኩስ እስከ ሰርክ እዩ ዝብል፤ ሬሳ ዝሓዘ ውን ክሳብ ምሸት ርኩስ ትብል ነይራ። ዝሞተ ንፈለማ ጊዜ ቅዱስ እናተባህለ ዝተመስገነ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ሞት ናብ ጥፍአት እንኸደሉ ዘይኮነስ ናብ ናይ ዘለዓለማዊ መሰጋገሪ እንሰጋገረሉ ኮነ። ሞት ናብ እግዚአብሔር ዝወሰድ መንገዲ እዩ። (ኦ ዘጥዕመ ሞተ ብሥጋ) እናበለት እትዝምረሉ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ድማ ነዚ ብምርዳእ እያ፡ እቲ አብ ሰማይ ብባህርይ መለኮቱ ምስ ኣብ ዝምስገን ኣብ ምድሪ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ናብ መቃብር እናመስገኑ ቀበርዎ።

ተረእየ ጽዉረ ለተወድዮ እንዘ መቃብር እንዘ ለሊሁ ንቡር ዲበ ሠረገላ ኪሩቤል( ሃይማኖተ አበው ዘባስልዮስ) ፤ መለኮት ስፍሓት ከይገደፈ ጸቢብ ኮነ፤ ሥጋ ድማ ጽበቱ ከይገደፈ ሰፊሕ ኮነ፡ ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ድማ ሕያው ኮነ። ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ነዚ ክገልጽ ዕጽ ድክምት እንተ ጾረተከ (ብጽዕት ከርስ እንተ ጾረተከ ዘጾረተከ ከርስ/ ከመይ ዝበለት ብጽዕቲ ከርሲ እያ ነዓኻ ዝጾረት፤ አቤት ዲንቅ ሥራሕ አምላኽ። ሰማይን ምድርን ዘይውሱኑኻ ከመይ ጌሩ ማህጸን ድንግል ጸይሩካ። ነዚ እዮም ቅዱስ እናበሉ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ናብ መቃብር ዝወረዱ። ብባህርየ መለኮቱ ዘይመውት፡ ብሥጋ ግና ሞተ እናበሉ ናብ መቃብር ገኒዞም ኣውረድዎ። ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ መቃብር ጥርሑ ከም ዝተርፍ ነጊርዎም ነበረ፤ ደቂ መዛሙርቱ ድማ ይጽበዩ ነበሩ። ኣብ መቃብር ሠለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ንምንታይ እንተ ተባህለ ቀዳማይ ትንቢት ንኽፍጽም፥ ካልአይ ድማ ኣብ ትንቢተ ሆሴእ ምዕ ሆሴ ም 6÷2 “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሣልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና እዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብሕይወት ክንነብር ኢና።”

ቀዳማይ

ክልተ ዝተባህሉ ዘሎ ሕጊ ኦሪትን ሕገ ልቦናን እዮም ኣብዚ ዘመን ደቂ ሰባት ብመከራ ተገሪፎም እዮም። ሣልሳይ ዝተባህለ  ድማ ሕገ ወንጌል እዩ፥ ሕገ ወንጌል ከተንሥአና እዩ ከም ዝተባህለ ኣተንሢኡና ድማ እዩ። ካብዚ ንንየው ንዘለዓለም ህያዋን ኮይንና ጸኒዕና ንነብር።

ካልአይ

ናይ ደቂ ሰባት ጸላእቲ ሠለስተ እዮም። ንሳቶም ድማ ሞት፥ ኃጢኣት፥ ፍዳ (መቃብር ሲኦል ምውራድ)። ክርስቶስ ሠለስተ ጸላእቲ ኣጥፈአልና ንኃጢኣት -- ብደሙ ሓጺብና ፡ሞት --- ብሞቱ ፡ፍዳ --- ብትንሣኤኡ)

ሣልሳይ

ኃጢኣት ናብ ዓለም ዝመጸሉ ብሠለስተ'ዩ ብዲያብሎስ፡ ሔዋን፡ ኣዳም። ኃጢኣት ናብዚ ዓለም ዝመጸ ብሠለስተ ኣካላት እዩ፡ ነዚ ድማ ክርስቶስ ብሣልሳይ መዓልቲ ኣጥፈአልና።

ኣብ ዕለተ ሰንበት ድማ እተን ኣንስቲ ናብ መቃብር እናኸዳ ከለዋ፤ መን ነቲ እምኒ ከንከባልለና እዩ እናበላ ኣብቲ መቃብር በጽሓ፤ እቲ መልአኽ ግና ተንሢኡ እዩ ኣብዚ የለን በለን። ክሳብ እዚ ሰዓት ምንባር ኣብ መቃብር ነበረ፡ ካብዚ ንንየው ግና ኣብ መቓብር ምንባር የለን።

ነዚ ከብርህ ድማ እቲ መልኣኽ ከምዚ በለን ፡ ንምንታይከ ነቲ ህያው ምስ ምዉታን ትደልየኦ

ሕያዋን ደቂ ሰባት እዮም

ምዉታን ድማ ኣጋንንቲ

ምዉታነ ሕሊና ኣጋንንቲ ንምንታይ ትደልየኦ

ከምኡውን ምስ ምዉታነ ሕሊና ኣይሁድ ንምንታይ ትደልየኦ፡ ብኃጢኣቶም ዝሞቱ ኣብቲ መቃብር ሓለውቲ ስለዝነበሩ እዮም።

ዮሓንስ ኣፈወርቅ ፲፭/15 ሓለውቲ ነበሩ፤ እቶም ፫/3 ዓበይቲ ኣሕሉቕ ፲፪/12 ድማ ተራ ወተሃደራት እዮም። እዚኦም ኩሎም መቓብር ከቢቦም ይሕልዉ ነበሩ፡ እዚ አምላኽ ብምሥጢር እዩ ገይርዎ፡ ንዝሞተ ወተሃደራት ኣይሕልውዎን እዮም። ጐይታ ድማ ብባህሪኡ ሞት ስለዘይሰማምዖ ሓለውቲ ገበርሉ፡ ስለዚ ክብሪ ይግበኦ እዮ በሉ። “ወኀተማ በህልቀቱ ወበህልቀተ መገብቱ” ኣይሁድ ስለዘይተአማመኑ ናቶም ማዕጾ ገበርሉ፡ ጲላጦስውን ንኣይሁድ ስለዘይኣመነ ናቱ ማዕጾ ምስ ማሕተሙ ገበረሉ። እዚ ደቂ ኣዳም ተአሲሮሙሉ ዝነበሩ ጽኑዕ ናይ ሲኦል ሰንሰለት ናይ ምድምሳሱ ምሳሌ እዩ። ስለዚ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ነቲ ብሞቱ ንሞት ዝደምሰሰ ከምዚ እናበለና ንዘምረሉ፡ “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ”፥ 1 ቆሮ ም ፲፭፡፲፭/15÷15። አቤት ድንቂ ሥራሕ አምላኽና። ቤተ ክርስቲያን ካብዚ ረዚን ውዕለት ብምግንዛብ ድማ ነዚን ናይ ትንሣኤ ሰሙናት በአዝዩ ድሙቕ ኣገባብን ተብዕሎ ነቲ ስም ድማ ምሥጢር ገላጺ ብዝኾነ ስያመ ሰምያቶ። “ ኦ ጎይታ ሞትካን ቅድስቲ ትንሣኤኻ ነዘንቱ ኣለና።” ሥርዓተ ቅዳሴ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን በረከቱን የብዝሓልና፣  ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። 

በረኸት ትንሣኤ ይዓድለና፡ ኣሜን!

ይትባረክ አምላክ ኣበዊነ።

ዲን. ተክለሕይወት

Comments are closed.