በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መእተዊ “ጸብጻብ ጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም” ዝብል 25 ገጽ ዝሓዘ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት በጺሑኒ። ቅድሚ ኣብቲ ውሽጢ ትሕዝቶ ትንታኔ ምሃበይ። ዝኾነ ሰብ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ርእዩ ጥራይ እኳ፡ ኣበይ ኣለኹ፧ ምስ መን እኸይድ ኣለኹ፧ ናበይ እኸይድ ኣለኹ፧ […]

Continue reading

ናይ ክርስቶስ ቤተሰብ! “ዝወደቐስ ኣይትንስእን’ዶ ኢዩ? መገዲ እተጋገየ’ኸ ኣይምለስን’ዶ ኢዩ? ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም? ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስ’ውን ይኣብዩ።” ይብል እግዚኣብሔር ኤር 8፡4-5። ሓድነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ማለት ዝረሓቐ ክቐርብ፡ ዝተበተነ ክእከብ፡ ዘወደቕ ክትንስእ፡ ዝተጋገየ ክምለስ፡ ዝተባእሰ ክዕረቕ ጸሎት ኩሉ ኣማኒ ኢዩ። ብፍላይ እኳ እቶም ካብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ርሒቖም ዝጸንሑ፡ ሎሚ’ዶ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።   ትንቢተ ዮናስ ሳልሳይ ክፍሊ ሰብኣ ነነዌ ስለ ዝደኃኑ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ኮነ። እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ብንስሓ ስለዝተመልሱ ተሓጊሱ። ሚእትን ዕስራን ሺሕ ሰብአ ነነዌ ብሓንቲ መዓልቲ ናብ ደምቢኦም ተመሊሶም ። ንፈጣሪኦም እግዚአብሔር ብፍጹም ንስሓን ትሕትናን ኣስሚሮሞ። መላእክተ ሰማይ ነንሕድሕዶም እንቋዕ ደስ በለና ሰብአ ነነዌ ተመሊስም እንዳበሉ ሓጎሶም […]

Continue reading

ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።   ትንቢተ ዮናስ ካልኣይ ክፍሊ ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ዮናስ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ንኽሞውት ግና ኣይኮነን። እግዚአብሔር ምስኡ ስለዝዀነ ንሞት ኣሕሊፉ ኣይህቦን እዩ። እግዚአብሔር ንሰብአ ነነዌ ከድኅኖም ስለዝፈተወን ንዮናስ’ውን ስለዝፈትዎ ክመወት ኣይደለየን። ብኣና ብዓይኒ ደቂ ሰባት ዮናስ እዚ ዝግብኦ ኣይኮነን ዝብል ድምዳሜ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብዓይኒ እግዚአብሔር […]

Continue reading

ጾመ ነነዌ

በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።   በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብረቡዕ ”ጾመ ነነዌ” ብምባል ንጾሞ። ሎሚ ዓመት 2015 ዓ.ም ካብ ሰኑይ ጥሪ 29 ስጋብ የካቲት 1 (Monday, February 6- February 8 2023) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ዓርቢ ዕለት 22 ሐምሌ 2014 ግ.ዓ.ም/ 29 ሐምሌ 2022 ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ንመበል 17 ዙር ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ኣሜሪካን ካናዳን ትምህርተ ሰንበት ኣብዚ ዓመት ንመጀመረታ ግዜ ድሓሪ Covid-19 ብኣካል ዝተካየደሉ መደብ እዩ። እዚ መበል 17 ዙር ጉባኤ ትምህርተ ሰንበት ሎሚ ዓርቢ ተቀሪብ ዝነበረ መንፈሳዊ መግቢ ብድምቀት ተዛዚሙ። […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ። ሓምለ 5 ኣብዚ ዕለት ናይ ዝኸበሩ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ዝክረ ዕለት ሰማእትነቶም እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ    ወዲ ዮና ስምዖን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተባህለ ኣብ ቤተ ሳይዳ ዓሳ ብምግፋፍ ዝዓበየ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ መዝሙሩ ኪኸውን ጸዊዑ ካብ ስምዖን ( ሻምብቆ)  ናብ ጴጥሮስ ( […]

Continue reading

ስለምንታይ መስቀል ነኽብሮ፧ ስለምንታይ ንመስቀል ንስዕሞ፧ ካብ መሰቀልከ እንታይ ንመሃር ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ ብብኃሕ ዓይነት መግለጺ ክወሃብ ይከኣል እዮ። መስቀል ነኽብሮ፡ ሰንደቅ ዕላማና ሰለ ዝኾነ ነፍቅሮን ንስዕሞን።፡ መሰቅል ኃይልና፡ ጽንዓትና፡ ከምኡውን በቲ በጃ ድኃነትና ዝኾነ ደም ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዝተሓጸበ ነኽብሮን ንስዕሞን፡ መሰቀል ኣካላት መድኃኔ-ዓለም ዝዕረፈሉ ስለ ዝኾነ ንፍቅሮን ንስዕም................. ወዘተረፈ። ሃገራት ዓለም ሓደ ሰብ ስለ ሃገሩን ህዝቡን ዝተሰወኣሉ ቦታ(እምባ ወይ ኮነ ሜዳ) ብኽብሪ ካብቲ ካልእ ቦታታት ከም ዝሕዝኦን፡ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ስለ ፍቅሪ ሃገር ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን እናዘከራ ንፍቅሪ ዜጋታተን ዝተኸፈለ ዓቢ ክብሪ ከም ዝህብኦ ምስክር ዘድልዮ ኣኮነነን። ንሕናውን መስቀል ስለ ፍቅሪ ስባት ዕሽር ዝተኸፍለሉ መርገጽ እግሪ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ነፍቅሮን ንፈትዎን። ኣብ መሰቀል ካብ ዝተወሃበና ሓደ ካብ ዓበይቲ ህያባት ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። መስቀል ክንዝክር ከለና ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ንስለ ደቂ ሰባት ዝተቀበሎ ጸዋተ መከራን፡ ብደመ እቲ ኵቡር ዋጋ ገንሸል ፋሲካና ነፍስና ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝተዓደገት ይስወጠና። ኣብ መስቀል እታ ጸግዕናን እምባናን ዝኾነታ ወላዲተ ፀሐየ ጽድቅ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን  ድንግል ማርያም ከም ዝተወሃበትና ንዝክር፡ በዚ ከኣ ንመስቀል ነፍቅሮን ንስዕሞን። ኣብ መሰቅል ሓደ ዓቢ መንፈሳዊ ሰነ-ምግባር ካብ ኣዴና ድንግል ማርያም ንመሃር። ንሱ ከኣ ዘየቋርጽ ትሕትና እዮ። ኣደ ብርሃን ኣደ ኣምላኽ ንክንሳ ፈጺሙ ዘይተለወጠን ዘየቋረጸን ትሕትና ነበራ። ካብ ኵሎም ደቂ ሰባት ከም ድንግል ማርያም ዝበለ ትሕትና ዘለዎ የልቦን። ልዕሊ ኵሉ ፍጥረት ክሰቅላ ዝኽእል ንኣምላኽ ናይ ምውላድ ክብሪ ክትጸውር ዘብቅዕ ትሕትና ነብበራ። ትዕቢት ንፍጽማን  ዝተባህሉ እኳ ዘውድቅ ክሳብ ፍጻሜ ሕይወት ዘይገድፍ ፈተና እዮ። ብኣስካላ ቅድስና ናብ ሰማይ ብዙኃት ቅዱሳን፡ ቁሩብ ምስ ተረፎም ብትዕቢት እዮም ዝወድቁ። ክብሩን ጸግኡን ምስ በዝሐ ጠባዮ ዘይቅይር ሰብ የለን። እኳ ደኣ ሓደ ኣቦ “ ፀጋን ክብርን ኣይትሃበኒ። ጸጋን ክብርን እንተሂብካኒ ኸኣ ንዕኡ ክጸረሉ ዝኽእል ትሕትና ሃበኒ” ኢሉ ክሳዕ ምልማን በጺሑ እዮ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ማንም ዘይበጽሖ፡ ክበጽሖ’ውን ዘይከኣሎ ክብሪ ሒዛ ብልሳን መልእኽቲ እናተመስገንት እንከላ ንሓንቲ ሰከንድ  እኳ ከም ቋሕ ሰም ዓይኒ እኳ ኣይተመክሐትን። ቅዱስ ኤፍሬም “ብትሕትና እትዛረቢ እምባ” ኢሉ ዘመስገና ንቅድስት  ድንግል፡ ከም እምባ ልዕል ዝበለት ክንሳ ንርእሳ ከም ዓሚቁ ስንጭሮ ኣትሒታ “ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታ (ኣምኃ) እንታይ ኮን ይኸውን፧” ኢላ ብልባ ሓሰበት። በዚ ትሕትና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ኸኣ ኣዚና ንድነቅ። “ ኦ ድንግል ከምዚ ዘለ ናይ ምሥጋና ሰላምታ/ኣምኃ/ ከመይ ዘይግብኣኪ፡ እቲ ዝተሓረኽዮ፡ ንፈጣሪ ሰማይ ምድርን ክትወልዲ ‘ዶ ኣይኮንክን፧ ንእሳተ መለኮት ጼርኪ፡ ሰማይ ምድርን ዘይከኣልዎ ክኢልኪ፡ ከምዚ ዝበለ ኣምኃ ከመይ ዘይግብኣኪ፧ እናበለ ከኣ የመስግና። ንኣምላኽ ካብ ትጸንስ ኣትሒዛ ልዕሊ ኵሎም ፍጠረታት ዝሰርዓ ክብሪ ረኺባ እንከላ፡ ንኻልኢት እኳ ኣይተዓበየትን። ብሠለስተ መንገዲ ማለት፡ ብሓሳብ፡ በዘራርባኣን ብግብራን ትሕትናኣ ርኢና ኢና። ሰማያዊ መልኣኽ ተዓጢቁ እናኣመስገና እንከሎ፡ እዚ” ነዚ ናይ ሰላምታ ኣምኃ ከመይ ክቕበሎ፡ እኽእል፧” ኢላ ብልባ ብልባ ብምሓሳብ(ብሕሊና) ትሕትቲ(ትሕቲ) ከም ዝኾነት ኣርኣየትና። ብኣዘራርብኣ ከኣ ቅድሚ ጽንሲ ኮነ ድሕሪኡ “ እኔኹ ኣነ፡ ውርደት ባርያኡ ርእዮ እዮ እሞ “ እናበለት ንነብሳ ጸወዓታ። ቅዱስ ያሬድ ” እንዘ አመቱ እሙ ረሰያ” ከም ዝበላ፡ እግዚአብሔር ባርይኡ እንከላ ኣዲኡ ገበራ። ንሳ ኣዲኡ እንክንሳን ንርእሳ ባርያ ገበረት። ኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብትሕትናን ብፍጹም ፍቅርን ክሳብ ነምልኸካ ኣይትመንነናን ኣይትግደፍናን። መብኃሕቱኡ ትሕዝቶ እዚ ጽሑፍ ካብ ቃና-ዘገሊላ ትብል መጽሓፍ ናይ ዲ.ሄኖክ ኃይለ ብዲ.ኣዶኒያስ ብርሃን ዝተተርጎመት ኣብ ገጽ 37፡ 38፡ 39 ይርከብ። ኣከ

Continue reading

" ናይ ብፁእ ኣቦና ኤልያስ ምምጽእ ናብ ሃገር ስብከትና ክንርኢ ንግሆ ንግሆ ዓይንና ሓሲና፡ ገጽ ንገጽ ክንራኸብ  ንጽበ ነይራ። ምሳዛ ክብርቲ መዓልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀልጢፉ ከራኽበና፡  ካብ ጸሎት ኣዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ነዛ መዓልቲ ካብ ርሑቅ ኣማዓሚድና ንርእያ ነይርና። ትመጸና ከም ዘነበረት ኣይዘንጋዕናን። ኣቦና ክህልወና ቢሂግና፡ ናፍቆት ኣቦነት ንልብና ስዒርዎ። ናይቲ ዝጓስየና ኣቦ ገጹ ክንርኢ፡ ኣብ ትሕቲ […]

Continue reading

ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ብብጹዕ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን ብሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ቀሲስ በረከት ኪዳነን ተሰንዮም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ብሰላም በጺሖም። ኣብ ዋሽንተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከቡ ካህናትን መእምናን ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም […]

Continue reading