ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው። ኢሳይያስ 3፡12

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መእተዊ

“ጸብጻብ ጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም” ዝብል 25 ገጽ ዝሓዘ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት በጺሑኒ። ቅድሚ ኣብቲ ውሽጢ ትሕዝቶ ትንታኔ ምሃበይ። ዝኾነ ሰብ ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዘሎ ርእዩ ጥራይ እኳ፡ ኣበይ ኣለኹ፧ ምስ መን እኸይድ ኣለኹ፧ ናበይ እኸይድ ኣለኹ፧ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሉ ኣንፈቱ ዘቕንዓሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። እዚ ጽብጻብ ኣብ መንጎ እቶም ሰዓብቲ ኣባ ማሕጸንተን ብኣቡነ መቃርዮስ ኢና ንምራሕ ዝብሉ ጉጅለ መናፍቃንን ዝተገብረ ርክብ ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዘተ ኣብቶም ካብ እምነትን ሥርዓትን ቅድስት ቤተክርስቲያን ወጻኢ ዝኾኑ ሓደሽቲ ከምኡ’ውን ኣከራኸርቲ ዝኾኑ ብተሓድሶ ዝተዋህቡ ትምህርቲታት ዝተኮረ ኢዩ። ብቀንዱ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣካራኻሪ ትምህርቲ ዝበሃል የለን። ይኹንምበር እትህቦ ትምህርቲ ኣከራኻሪ ከምኡ’ውን ሓዲሽ እንተኾይኑ ድሕሪ ምክርኻር ብሓባር ንምቕጻል ኣብ ናይ ሓባር ርድኢት ምብጻሕ ይግባእ። እሞ ካብዚ ዝተገብረ ዘተ ብኸመይ ኢዩ ናብ ሓድነት ተበጺሑ ፧ እቲ ካልእ ኣብዚ ጽሑፍ ዝደጋገም “ሕጋዊ ሲኖዶስ ምስ ቆመ ” ዝብል ኢዩ። ንምንታይ “ሕጋዊ ሲኖዶስ ምስ ቆመ”  ንምባል ተደልየ ፧ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ትሕቲ “ሓፈሻዊ መደምደምታ” ዝብል 29 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ወይ ጽሟቕ ናይቲ ጽሑፍ ተነቢሩ ኣሎ።

ትሕዝቶ

እዚ ኣብዘን ቀረባ ማዓልታት ዝረኣናዮን፡ ዝሰማዕናዮን ሕጂ’ውን እንርዮ ዘለናን “ዕርቀ ሰላም ኣብ መንጎ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ አህጉረ ስብከታት ሰሜን አመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቅን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ዓለም ለኻዊ ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት።” ዝብል ውጽኢት ናይዚ ጽሑፍ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ተደጋጊሙ ብቅድስት ቤተክርስቲያን ንምእመናን ዝተሓላለፈ መልእኽቲ “ተጠንቀቑ” ዝብል ኢዩ። ካብ መናፍቃን ተጠንቀቑ፡ ካብ ተሓድሶ ተጠንቀቑ፡ ካብ መስሓቲ ተሓለዉ፡ ኣብ ሃይማኖትኩም ጽንዑ ዝብል ናይ ጐይታ ትምህርቲ ናይ ሓዋርያት ስብከት ናይ ቤተክርስቲያን መልእኽቲ ናይ ኣበው ሓደራ ኢዩ። ኣብዚ ጸብጻብ ከምእንርዮ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያንና ወራር ኢዩ ተኻይዱ ጸኒሑን። ሕጂ’ውን እዚ ወራር ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸን ዝተዋሃሃደን ብጥርኑፍን ክቕጽል ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ጉዳይ መናፍቃን፡ ተሓድሶ ንዝቐርቡ ኣረምቲ ትምህርትታት ኮነ መማህራን ብዕላማ ምጥቃዕን፡ ካብኡ ሓሊፉ “ተሓድሶ ዝበሃል የለን” ናብ ምባልን፡ እቶም ናይ ተሓድሶ መራሕቲን ኣሳሰይቲን ማሕበራዊ መራኽብታት ተጠቒሞም ንዝህብዎ መግለጺ ሰሚዑ ንቡዙሓት ገርሀኛታት ልቦም ብምዝዋር ኣንጻር ኣቦታቶምን እታ ኣደ ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያኖምን ደው ንኽብሉ ዘይገበርዎን ዘይበልዎን የለን። ሕጂ ግን እነሆ እቲ ኩሉ ጊዜ መማህራን ለይትን መዓልትን ብንብዓት ዝነገሩና ከምቲ ጐይታ “ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን።” ሉቃስ 12፡2 ዝበሎ ኩሉ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣሎ። ነቶም ኣብ ቤተክርስቲያን ዘሎ ገለ ሽግራት ናብ ፖለቲካ ጠምዚዞም ናይ ምንፍቅና ትምህርቶም ከስፋሕፍሑ ዝደልዩ ዝነበሩ ሓቀኛ መንነቶምን ዕላማኦምን በርሃው ኢሉ ኣሎ። ካብ ሎሚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝበሎ “ደጊም ከም ሕጻናት ብናይ ሰብ  ምጥባርን ምፍሓስ ስሕተት  ዚኸውን ተንኮልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ንፋስ ንየው ነጀው ኣይክንድፋእን ኣይክንክብከብን ኢና።” ኤፌሶን 4፡14። ዝበሎ ኢዩ። ብዛዕባ እንታይ ንዛረብ ምህላውና ንምርዳእ ክሕግዝ ካብቲ ዝወጸ ጽሑፍ እቶም ኣብ ዘተ ዝቐረቡ ሓደሽትን ኣከራኸርቲን ነጥብታት ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተቐሚጦም ኣለዉ።

ክቡራት ደቂ ተዋህዶ!

ብእምነትኩም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይትኣትዉ እፈልጥ እየ። ነዚ እየ ድማ ንገለ ዘይበርሃልኩም ከብርህን  ብርዐይ ስሒለ ክሕንጥጥ ዝመደብኩ። ኣስተውዕል እሞ ሓወይ፡ ልቢ እሞ በሊ ሓውተይ፡ እዞም ኣብ ዕስራን ሓሙሽተን ገጻት ዝቐረቡ ነጥብታት ዘይትንክፍዎ ኣካል ወይ ክፍሊ ናይ ቤተክርስቲያን የለን። ንብሙሉኦም እቶም ኣዕኑድ ቤተክርስቲያን ዝንቕንቑ ኢዮም። ብጥሙር ኣብ እምነትን ሥርዓትን ትውፊትን ቤተክርስቲያን ዘተኮሩ ኢዮም።  ብዝበለጸ ንምርኣዮም ኣብ አዕማደ ምሥጢር ማለት ምሥጢረ ሥላሴ፡ ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ምሥጢረ ጥምቀት፡ ምሥጢረ ቁርባን፡ ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታን፡ ኣብ ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ድማ ኣብ ጥምቀት፡ ሜሮን፡ ቁርባን፡ ክህነት፡ ተክሊል፡ንስሓ ወዘተ፡ ኣብ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትውፊት፡ ብዓውዲ ክረኣዩ ከለዉ ነገረ እግዚኣብሔር፡ ነገረ ተዋህዶ፡ ነገረ ማርያም፡ ነገረ ቤተክርስቲያን፡ ነገረ ድኅነት፡ ነገረ መስቀል፡ ነገረ ቅዱሳን፡ ነገረ ስዕል፡ ነገረ መዝሙር ወዘተ

ዝኣመሰሉ ኣብዚ ጸብጻብ ተላዒሎም ኣለዉ።

ካብዚ ዝጠቐስክዎ ብምብጋስ እዞም ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣውሮጳን ኮይኖም ብስም ተዋህዶ ንብዙሓት ዘደናግሩ ዘለው፡ ብሓቂ ዲዩ ኣብ’ዚ ኩሉ ነጥብታት ጸገም ዘለዎም፧ ዝብል ሕቶ ምሕታትካ ኣይተርፍን ኢዩ። እቲ መልሲ ድማ “እወ!” ኣብዚ ኩሉ ሽግር ኣለዎም። ቤተክርስቲያን ብደቃ ብዛዕባ እዚ ነገር ዕለት ዕለት ትነግር ጸኒሓ ኢያ ትነግር ድማ ኣላ። ምትእትታው ኢድ መናፍቃንን ግጉይ ትምህርቶምን ስለዘሎ ኢዩ ድማ ካብቶም ልኡኻት ኣባ ማሕጸንተ ሕቶ ኮይኑ ነቶም ብወገን ወከልቲ ተሓድሶ ዝቐረበሎም። ክሳብ ሎሚ ብተናጸል፡ ብዝተፈላለዩ መማህራን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ንክሕደታዊ ትምህርቲ ደምበ ተሓድሶ እኳ ይቐርብ እንተነበረ፡ እንሆ ሕጂ ብጥርኑፍ ቀሪቡልና ኣሎ። እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን! እዞም “ጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም” ነዚ ጠርኒፍኩም ንምሕታትኩም ዝምስገን ኢዩ።

ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ቀዳማይ “እዚ ሽግር ኣለኩም” ዝብል ንባዕሉ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝስሕብ ጥንቃቐ ንምግባር ዝዕድም ዕባይ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና፡ እቲ ቀዳማይ ነጥቢ ናይ ክሕደት ሽግር ምህላዉ፡ ናይ ምንፍቅና ጸገም ከምዘሎ፡ ናይ ተሓድሶ ምትእትታው ከምዝጸንሐ ዘሰማምዕ ነጥቢ ኢዩ። እዚ ዋላ’ውን ነቶም ንዘይምስማዕ ገለ ገለ ኣእዛንኩም ዝዓበስኩም ክትበራበሩ ዝገብር ብሸልል ዘይሕለፍ ነጥቢ ኢዩ። ኣብዚ ነጥቢ ኣብ ሓደ ርድኢት ምብጻሕ፡ ናይቲ ዝስዕብ ነጥቢ መሠረት ኢዩ። ቤተክርስቲያን ንምህንዳስን ንምፍራስን ዝተወደበ ኣካልን ኃይሊን ምህላዉ ከይኣመንካ ናብ ዝርዝር ሽግራት ምብጻሕን እዞም ሽግራት ንምቕራፍ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምትሕብባር ኣይህሉን ኢዩ። “ሓድሽ ትምህርቲ ፡ጊጉይ ትምህርቲ ትምህሩ ኢኹም።” ዝብል ነጥቢ፡ ነቶም ክሳብ ሎሚ ክትደናገሩ ዝጸናሕኩምን ትደናገሩ ዘለኹምን እንሆ እቲ መርትዖ ከም ፀሓይ ቀትሪ ደሚቑ ወጺኡ ኣሎ። “እምነት ካብ ምስማዕ ኢያ።” ሮሜ 10፥17። ከምዝበለ ቅዱስ ጳውሎስ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ኢዩ ነገሩ።

ካልኣይ; እቲ ኣከራኻሪ ዝተባህለ ትምህርቲ ብዝርዝር ምቕራቡ ኢዩ። ብዙሓት ተሓድሶ እንታይ ማለት ኢዩ ፧ ተሓድሶ እንታይ ይምህሩ፧ ይሓቱ ኢዮም። በብኣርእስቱ እምበር ብጥርኑፍ መልሲ እንተዘይነይሩኩም፡ እቲ መልሲ ካብዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ተሓድሶ እንታይ ከምዝምህሩን፡ ንቤተክርስቲያን ድማ እንታይ ከምዝገብሩን እንሆ። ኣርዮስ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ዝተፈልየ ብሰንኪ ሓንቲ ክሕደት ኢዩ። እዞም ናይ ጊዜና መናፍቃን ግን ክሕደቶም ብመጽሓፍ ኢዩ። ኣብዞም እትርእይዎም ዘለኹም ነጥብታት ሓድሽ ትምህርቲ ዝምህሩ ወይ ቤተክርስቲያን ኣብ እትምህሮ ዝከራኸሩ እንተ ኮይኖም፡ እሞ ቤተርስቲያን ደኣ እንታይ ተሪፉዋ፧ “ዘለዓለማዊ ምሕረቱ ኣይውዳእን ኢዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ሳላ ፍቕሪ እግዚአብሔር ኢዩ።” ድጉዓ ኤርሚያስ 3፡22። ከምዝበሎ ኢዩ።

ሣልሳይ፡ እቲ ተሰማሚዕናሉ ዝበልዎ ነጥብታት ኢዩ። ኣብዚ ኩልና ከም እንፈልጦ ምስ እምነት፡ ሥርዓት፡ ትውፊትን ቤተክርስቲያን ዝጻረር ትምህርቲ ጉልባቦም ቀሊዖም ኣብ ዓውደ ምሕረት ምምሃር ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ 25 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። በዚ ድማ እቲ ክርዳድ ዝተዘርአ ኣብ ልቢ መእምናን ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጊጉይ ትምህርቶም ብጹሑፍን ብድምጺን ኣብ ፈቖድኡ ኣሎ።

  1. ንኣተሓሕዛ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝመሃርዎ ኢቤተክርስቲያናዊ ዝኾነ ናይ ክሕደት ትምህርቲ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ተቐሚጡ ኣሎ።

ብመሰረቱ እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ኣውሮጳን ማእክላይ ምብራቕን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ መናፍቃን ዝጥቀመለን መሳኹቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት Tewahdo.org ጥራይ ዘይምዃና ክፍለጥ ይግባእ። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ቤተከርስቲያን ናታ መርበብ ሓበሬታ ኣለዋ። እቲ ብመገዲ እቲ በዞም ኣብዚ ደምበ መናፍቃን ዘለዉ ኣቢሉ ብናቶም ዝወጸ ኣይተዘርበሉን፡ ውሳኔ ኣይተዋህቦን። ኣብቲ ጽሑፍ ብውልቀ ሰባት ንዝወጸ ይኹን ንዝወጽእ ልዕሊ ዓቕሞም ምዃኑ ኢዩ ተገሊጹ። ይኹንምበር ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ፡ካህን፡ ዲያቆን፡ መእምን በብመስርዑን ጥርናፌኣኡን መሳልሉ ብምሕላው ሓላፍነት ክስከም ሕጊ ሃይማኖት ኢዩ። ስለዚ እዚ ብቁዕ ምኽንያት ኣይኮነን።

ብተወሳኺ ብሓቂ ኣብ ስምምዕ እንተ ተበጺሑ፡ እዚ ደምበ መናፍቃን ነቲ ዝቐረበሉ ዝርዝር ትሕዝቶ ሓድሽ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ጊጉይ ትምህርቲ ንምእራም ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን። እቶም ናይ ክሕደትን ምንፍቕናን ትምህርቲ ከም ቀደሞም ኣብኡ ኢዮም ዘለዉ። ዘይእረሙን ዘይእለዩን እንተኮይኖም ስለምንታይ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ዘተ ተገይሩ፧ ጊዜ ስለዘይረኸብና ዝብል ሓደ ካብቲ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ውዱቕ ዝገብር ድማ እዛ ድሕረ ገጽ ማለት Tewahdo.org ካብ ስርሓ ደው ኣይበለትን። እኳ ደኣ ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ኣብ ስራሕ ኣላ። ሓድሽ ንምጽዓን ጊዜ ኣሎ፡ ናይ ቤተክርስቲያን ዘይኮነ ትምህርቲ፡ ሓድሽን ጊጉይን ትምህርቲ ንምእላይ ግን ጊዜ የለን ክበሃል ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ናብቲ ካልኣይን ቀንዲን ምኽንያት ነቲ ጊጉይ ትምህርቲ ዘይምእላዮም ይወስደና። ንሱ ድማ፡ መብዛሕትኹም እቲ ብውሽጢ እዞም ደምበ ተሓድሶ ዝገበርዎ ኣኼባ ርኢኹሞን ሰሚዕክምዎን ትኾኑ ኢለ እአምን። ኣብቲ ኣኼባኦም ነቲ ኩሉ ኣብዚ ተሰማሚዕና ተባሂሉ ብወከልቲ “ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ዓለም ለኻዊ ኅብረት አብያተክርስቲያናት።” ዝቐረበ ነጥብታት፡ ቀዳማይ ኣሓዳዊ እምበር፡ ክልተኣዊ ወይ ሓባራዊ መግለጺ ዘይምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ብወገኖም ልቢ ኣዕብዮም ስቕ ምባል ከምዝመረጹን እምበር ንኹሉ ከምዘይሰማምዕሉ። ይገልጹ። እዚ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዘይምእላይ ናይቶም ኩሎም ኣብ Tewahdo.org ዘለዉ መናፍቃዊ ትምህርትታት ኢዩ።

  1. ሃይማኖት ኣሚንካ ትስዕቦ እምበር ተሰማሚዕካ እትምስርቶ ኣይኮነን። “ብዘይ እቲ ስሩት መሠረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሠረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን” 1ይ ቆሮ 3:10። ኢዩ ዚብለና ቃል ኣምላክ። ስለዚ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሑ ከይተተግበሩ ብዘብዘብ ናብ ሓደ ኢና ኢልካ ምእዋጅ ክብጻሕ ንምንታይ ተደልየ፧ ዶስ ነዚ ምንፍቅናዊ ትምህርቲ እቲ ብኣባ ማሕጸንተ ዝምራሕ’ውን ስለዝኣመነሉ ኢዩ፧ ኣይመስለንን! እቲ ዝርዝር እቶም ቀንዲ ኣዘራረብቲ ነጥብታትን ኣካራኸርቲ ትምህርትታትን ኢሎም ዘቕረብዎ መልሲ ከይረኸበ፡ ማለት እቲ ንስምምዕ ተኸቲሉ ክመጽእ ዝግበኦ ምእላይ ናይዚ ክሕደታዊ ትምህርቲ ኢዩ። ብድሕሪኡ ድማ ወከልቲ “ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ዓለም ለኻዊ ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት።” ንሕቶና መልሲ ረኺብና ኢሎም ብዝህብዎ ጸብጻብ ኢዩ ዕርቂ ክኸውን ዝነበሮ። ከምዚ እንርዮን እንስመዖን ዘለና ግን ንምንታይ እቶም ሕቶታት ቀሪቦም፧ ንምንታይ ወከልቲ ኣውጺኦም ተዘራሪቦም፧ ብፍላይ ከኣ ብወገን “ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ዓለም-ለኻዊ ኅብረት አብያተ-ክርስቲያናት።” ዝገርም ኢዩ። እቲ ቅድም ክኸውን ዝነበሮ ኣወንዚፍካ ዕርቂ ሰላም ኮይኑ ምባል ገዛእ ርስኻ ምትላል ጥራይ ኢዩ። እዚ ደኣ ከም ወዮ ነብይ እግዚአብሔር ኤርሚያስ “ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ሰላም እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ ሕዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለው።” ኤርምያስ 6፡14 ዝበሎ እንደኣሉ። ብሓቂ እዚ እቶም ዝተላእኩ ሊቃውንቲ ተባሂሎም ዘለዉ ዝተሰማምዕሉ እንተኾይኑ፡ ንሊቅነት ናይዞም ወከልቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኢዩ። እዞም ዝተወከሉ ሊቃውንቲ ዘይተሰማምዑሉ እንተኾይኑ ድማ፡ በቲ ዝወከሎም ኣካል ጥልመት ተፈጺሙ ኢዩ ጥራይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል።
  1. ምስምማዕ ስኢና ኣብ ዘላ ዓለም ምስምማዕ ጽቡቕ ኢዩ። እዚ ስምምዕ ብሓቂ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ማእከል ዝገበረ እንተኾይኑ፡ ንኹሉ እቲ ዝቐረበ ሕቶታትን ከምኡ’ውን ቅድሚ ሕጂ ዝተማህረ ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ዝኾነ ትምህርታት ኣመልኪታ ብጥርኑፍ ንህዝቢ ዝተዋህበ መግለጺ የለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቶም ብደምበ ተሓድሶን ጉጅለኡን ዝተላእኩ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ነዚ ኩሉ ብልኡኻት ኣባ ማሕጸንተ ተሰማሚዕናሉ ተባሂሉ ዝቐረበ፡ ልቢ ብምዕባይ ስቕ ከምዝመረጹ ኢዩ። ስለ’ዚ እቲ ተሰማሚዕናሉ ኢሎም ኣቕሪቦሞ ዘለዉ “ባህ ክብላ ዱባ ጽብሓላ” ኢዩ ዝመስል ነገሩ። እኳ ደኣ ወከልቲ ኦሬንታል ኣብያተ-ክርስቲያን ንኣባ ማሕጸንተ “ምስ ኣባ መቃርዮስ ዘየሰማምዕ ኣለኩም ዲዩ፧” ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ ኣብ ማሕጸንተ “ምስ ኣባ መቃርዮስ ናይ እምነት ፍልልይ የብልናን።” ብምባል ከምዝመለሱ ይገልጹ ቤተ-ተሓድሶ። እሞ እምነቶም ሓደ እንተኾይኑ ደኣ ንምንታይ እዞም ኩሎም ኣከራኸርቲ ትምህርቲ ተባሂሎም ቀሪቦም፧ ፍልልይ እንተዘየልዩ ኮይኑ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ይመስክር።
  1. ተሰማሚዕካ ከም ምንባር ዝበለ ምቁር ነገር የለን። ይኹንምበር ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናቶም ንዝምህርዎ ግጉይ ትምህርቲ መን ኢዩ ክከታተሎ፧ ብኸመይከ መፍትሒ ኮነ ውሳኔ ክወሃበሉ ኢዩ፧

ክቡራት ኣቦታተይን ኣደታተይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ!

  1. ሰላምን ፍቕርን፡ ሕብረትን ሓድነት ድሌት ኩሉ ሰናይ ዝደሊ ኢየን። መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”ሮሜ 12፡18 ብምባል ይምህረና። ክርስትና ናይ ፍቕሪ እምነት፡ ናይ ሰላም ሃይማኖት ኢዩ። ግን ከኣ ኣምላኽና፡ ንኣምላኽነቱ ቀናእ ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ንኣምልኾኡ ቀናእ ዝኾነ ኣምላኽና፡ ንሕና ደቁ ድማ ንሃይማኖትና ቀናኣት ክንከውን ትእዛዙ ኢዩ እሞ፡ ብጉዳይ ሃይማኖት ዝመጸስ ንሕይወትና’ውን ኣይንበቃን ኢና። ነዚ ኢዮም ሰማእታት ካብ ብሓጥያት፡ ብሕይወት ምንባር፡ ክብርቲ ሕይወቶም ንስለ ስም ክርስቶስን፡ ሃይማኖቶምን ብምሃብ ብሰማእትነት ዝሓለፉ። ምኽንያቱ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ 1፡5 “ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።” ከምዝብለና ውሉደ ብርሃን ክርስቲያን ኣብዛ ጸልማት ዓለም ክነብሩ ከለዉ ብጸልማት ከይተታሕዙ ብርሃን ዓለም ኮይኖም እናብርሁ ክነብሩ ኢዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ “ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።  ማለት፥ ንጽድቅን ሓጥኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧” 2ይ ቆሮንቶስ 6:14። ኢሉ ብግልጺ ይምዕደና። ስለዚ እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ከየቕናዕካ ዝመጽእ ሕብረት ከምቲ “እንዳ ኸዱ ዝዓጠቕዎ ስረ፡ እንዳ ኸዱ ይፍታሕ።” ዝብልዎ ኢዩ። ጉዳይ እምነት ኣወንዚፍካ ዝግበር ጉያ-ጉያ ንገሌኹም ኣገሪምኩም፡ ንገሌኹም ኣርሚምኩም፡ ነቶም ናበይ ከይበሉ ዝስዕብዎም ድማ ኣሓጒስዎም፡ ንካልኦት ድማ እዚኦም ደኣ ማዓስ ተፈላልዮም ነይሮም፧ በብመገዶም ምእምንናን ንምዝራፍ፡ ቤተክርስቲያን ንምፍራስ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሓደ ዝሓሳቦም፡ ሓደ ዝዕላማኦም ዝነበሩ ኢዮም። ነቲ ኢወግዓዊ ዝነበረ ወግዓዊ ገይሮም ኣውጆሞ ትብሉ ድማ ኣለኹም። ብፍረኦም ከተለልይዎም ኢኹም ከምዝተባህለ ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ፡ ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ፡ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት፡ ኣብ ምሥጢረ ቁርባን ዕሽሽ ኢልካ ክትረኽቦ ትደሊ ሰላምን ሓድነትን ብሚዛን ሃይማኖት ክምርመር ከሎ ጊዚያዊ፡ ምድራዊ እምበር ብርግጽ ሰማያዊ ግን ኣይኮነን።

ይቕጽል…….

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.