ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ በዓለ ዕረፍቲ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

ሓምለ 5

ኣብዚ ዕለት ናይ ዝኸበሩ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ዝክረ ዕለት ሰማእትነቶም እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ   

ወዲ ዮና ስምዖን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተባህለ ኣብ ቤተ ሳይዳ ዓሳ ብምግፋፍ ዝዓበየ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ መዝሙሩ ኪኸውን ጸዊዑ ካብ ስምዖን ( ሻምብቆ)  ናብ ጴጥሮስ ( ከውሒ መሰረት) ብምባል ሽም ዝቀየረሉ  ርእሲ ሓዋርያት እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ  በዓል ሓዳር ኮይኑ ኣብ መበል 56 ዓመቱ እዩ ንኢየሱስ ክርስቶስ ሲዒብዎ።  ብዕድሚኡ ብቅንኣቱ ብምስትውዓሉ መሠረት ቤተ ክርስትያን ተባሂሉ እዩ። ማቴ. 16’17። ዮሓ.21፣ 15። ቅዱስ ጴጥሮስ  ሓዊ እንድርያስ እዩ።

ጐይትና  መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተታሕዘሉ ለይቲ ንዝበደሎ በደል ንስሓ ኣቲዩ  ሽዑ ብምምላሱ አብነት ኮይኑ እዩ። ንብዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሃበኒ ከምዝበል። ብመሪር  ንብዓት ብንስሓ ዝተመልሰ ኣቦ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ጕስነቱ  ኣኽቢሩ ሓልዩ ንሓዋርያት ንበዓለ ሃምሳመንፈስ ቅዱስ ክቅበል  ኣብቂዑ ። ድሕሪ ኡ ከኣ ሃሃገረ ስብከቶም ሂቡ ከፋፊልዎም እዩ።

ብብርሃኑ ብርሃን ብጨውነቱ መቀረት፣ ብመድሃኒቱ ምፍዋስ ዝሃቦም ቅዱስ  ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይሁድ ቁልቁል ክሰቅልዎ ኣብ ሮማ  ኣጋፍዕዎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ብትምህርቱ ብርሃን ጸልማት ገፈፈሎም፣ ብመድኀኒተ እምነቱ ንሙታን ኣተንሢሎም ፣ ጎባጣት ኣቅኒዕሎም ፣ ሓንካሳት ፈዊስሎም፣ ክፋእ ጸላኢ ዲያብሎስ ኣባሪርሎም ከሎ ኣይሁድ  ካብ ፈታዊኦም  ቅዱስ ጴጥሮስ ንላዕሊ ምስ ጸላእቶም ሮማውያን ብምሕባር  ካብ ፈታዊኦም ክርስቶስ ንላዕሊ ምስ ጸላኢኦም ዲያብሎስ ሓቢሮም ንቅዱስ ጴጥሮስ  ከም ምምህሩ መድሃኒ ዓለም ክርስቶስ ኣብ መስቀል ክሰቅልዎ ናብ ሮማ ተጋየዩ።  

ዘይጠፍእ ፋና ብርሃን ከጥፍኡ ዘይድብዝዝ ብርሃን ከደብዝዙ ፣ ዘይመውት ወዲ ክርስቶስ ክቀትሉ ኣብ ኣፍደገታት ናይ ገሃነም ዘይናወጽዋ ክርስትና ከናውጹ ኣይሁዳውያን  ርእሰ ሓዋርያት ንዝበልዎ ንቅዱስ ጴጥሮስ  ብዝዙሕ ስቃይ ኣሰቀይዎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሥጋ ሞቱ ዕረፍቲ ምዃኑ ኣቀዲሙ ኣጸቢቁ ስለ ዝፈልጥ ነቲ ዝበጽሖ ኩሉ ስቅያት መከራ ናብ ክብሪ ክርስቶስ ከምዘብጽሖ ይፈልጥ ስለዝነበረ ብትዕግስቲ ብተጸዋርነት እዩ ተቀቢልዎ ። ናይ ኣይሁድ ጭካነ ናብ ክርስቶስ ኣማናዊ ፍቅሪ ከምዝመርሖ ይፈልጥ ነበረ። ቀተልናካ ኢሎሞ ፣ እሱ ግና ናብ ዘልዓለማዊ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ እየ ዝኸይድ ዝናፍቆ’ዩ ድማ ኢልዎም። ንክርስትያን ወዲእናዮም ኢና በልዎ ። ናትና ሞት ናይ ክርስትያን ዘርኢ እዩ ኢልዎም።  ንስኻ ርጉም ኢሎሞ። ምሕረት ክርስቶስ ኣባኹም ይኹን ኢሉ ብፍቅሪ ጸልይሎም። ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ።

ቅዱስ ጴጥሮስ  ኣብ እርግናኡ ብዙሕ መከራ ተቀቢሉ ። ብ66 ዓ.ም ኒሮን ቄሳር ቁልቁሊት ሰቂልዎ። “ ኣነ ከም ጐይታን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ ክስቀል ኣይግበኣንን እዩ ቁልቁሊት ስቀሉኒ ኢልዎም። “ ብቁልቁሊት ተሰቂሉ ኣብ መበል 88 ዓመቱ ሰማእትነት ተቀቢሉ። መፍትሕ ናይታ ዘትሓልፍ ርስቲ ከኣ ተቀቢሉ።   

  ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ  ተወሳኺ መጸዊዒ ስሙ ።

  • ሊቀ ሐዋርያት
  • ሊቀ ኖሎት
  • መሠረተ ቤተ ክርስትያን
  • ኰኩሐ ሃይማኖት
  • አርሳይሮስ ( ፓትርያርክ ኩሉ ዓለም)

ቅዱስ ጳውሎስ

ማሕቶተ ቤተ ክርስትያን (ናይ ቤተክርስቲያን ብርሃን) ዝተባህለ። ነገዱ ካብ ነገደ ብንያም ወዲ ጤርሴስ ምሁረ ኦሪት ተሓላቂ ኦሪት ፈሪሳዊ እዩ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶው ኣብ ደማስቆ ጸዊዑ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቱ ምሩጽ አቅሓ ገበሮ። እዚ ዝኾነ 42 ዓ.ም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዓረገ ኣብ መበል 8 ዓመቱ እዩ። ድሕሪኡ ብርሃን ዓለም  ኮይኑ ነዛ ምድሪ ብወንጌል ጨው ኮይኑ  አመቂርዋ ።

ካብ ኢዮርሳሌም ክሳብ ሮማ ካብ ኢንግሊዝ ክሳብ እልዋሪቆን (ናይ  ዓለም መጨረሻ)   ስለ ክርስቶስ ዝተገፍዐ ፥ ስለ ክርስቶስ ዝተወግረ          ፥ ስለ ክርስቶስ  ዝተሰደ ፥ ስለ ክርስቶስ ዝተኣስረ፥ ካብ ሓሳብ ዓለም ተፈልዩ ንክርስቶስ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንክርስቶስ ብኩለንታኡ ዝሰዓበ፣ ስለ ክርስቶስ ንምእመናን ዘጸናንዐ ፥ ስለ ክርስቶስ ሕይወት ዝህቡ መልእኽታት ዝጸሓፈ  ቅዱስ ጳውሎስ  ብኹለንትኡ  ን25 ዓመት ቀትርን ለይትን ብዘይ ምስልካይ ወንጌለ ክርስቶስ ሰቢኹ ብትግሃት ኣገልጊሉ እዩ።

ብስጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ። ናይ ጽድቂ ኣኽሊሉ ተቀቢሉ ምስ ክርስቶስ ንኽነብር ከምቲ ዝናፈቆ ረኸበ። ምስ እልፊ ኣእላፋት ማህበረ ቅዱሳን መላእኽቲ  ንኸመስግን በቅዐ። ካብ ሥጋዊ ሕይወቱ ብኸፊል ንዝፈልጦ ኣብ ናብራ ሰማያዊ ዝለዓለ ዝበለጸን ፍልጠት ተዋህቦ። ዘይደርቅ ዘይቅምስል ዘይወድቅ ጽኑዕ ፍሪኡ ዘየቃርጽ ሰረቱ ዝደልደል ጉንዲ ዝኾነ ክርስቶስ  ኣብኡ ጨናፈር ኮይኑ ተሰሪሑ እዩ። ብሥጋ ናብሩኡ ዝደክምን ዝጽልምውን ዝነበረ ኣብ ሕቅፎ ክርስቶስም ምስኮነ ኩሉ ጠፊኢሉ ፣ ብብዝሒ  ኣስተምርሁኡ ጎረሩኡ ዝደርቅ ዝነበረ  ሕጂ ግን  ለይትን መIዓልትን ኣመስጊኑ ዘሚሩ ድኻም ዘይስምዖ ኮነ።  ኣብ ኢድ እቲ ልዑል ብርቱዕ ኃይሊ ስለዘሎ እዚ ዓይነት ድኻም ኮነ ፈተና ሕጂ የብሉን ምስ ክርስቶስ ኪኸይድ እናፍቅ ኣለኹ ከም ዝበሎ ተስፋኡ ተፈጺሙሉ።ቅዱስ ጳውሎስ። 

ንዑኡ ዝመስሉ አርድእት  ተኪኡ ብ67 ዓ.ም ብኔሮን ቄሳር ኣብ ሮም ርእሱ ተቆሪጹ ሰማእት ኮነ።

ናይ ቅዱስ ጳውሎስ  ተወሳኺ መጸዊዒ ስሙ ።

  • ሳውል ናይ ቀደም ስሙ (ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበ። )
  • ልሳን ዕፍረት ( ከም ጽቡቅ ሽታ ዘለዎ ጥዑም ልሳን )
  • ልሳነ ክርስቶስ ( ናይ ክርስቶስ ልሳን)
  • ብርሃነ ዓለም
  • ማኃቶተ ቤተ ክርስትያን
  • መምህረ አሕዛብ
  • መራሒ ( ናብ መንግስተ ሰማይ ዝመርሕ)
  • ንዋየ ኅሩይ (ምሩጽ ኣቅሓ)
  • አእኩዋቲ ( ብምስጋን ዝተመልአ)
  • መዶሻ ( ንኣጋንንትን መናፍቃን መደሽኦም እዩ።)
  • መርስ (ወደብ)
  • ዛኀን (ጸጥታ)
  • ነቅዓ ሕይወት
  • ዐዘቅተ ጥበብ
  • ፈዋሴ ዱያን

ቅዱሳን ኣቦታትና  ንኽፍኣት ኮነ ብስርቂ  ክኸሶም ዝኽእል ሕእደ እካ የለን። ንዝጸረፍዎም መሪቆም። ንዘሳደድዎም ጸልዮም። ንዝጠምዩ መግቢ ፣ ንዝጸሙኡ ዝስተ፣ ንድኻታትን ተኸናኺኖም ፣ ድውያት ፈዊሶም ፣ ክፍ ኣት ጸልማት ብፍቅሪ ብርሃን ተኪኦም ፣ ጭካነ ዶያብሎስ ብፍቅሪ ርህራሄ ክርስቶስ ሰቢሮም፣ ቅዱሳን ኣቦታትና ንክርስቶስ ስለዝረኣይዎ ንክርስቶስ ብትምህርቲ  ብትኣምራት ፣ ብሞት መሲሎሞ።

በረከተ ንቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ጳውሎስን  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር የብዝሓልና። ወላዲት ኣምላከ ቅድስተ ቅዱሳንን ድንግል ማርያም ብ ኣማላድነታ ኣይትፈለየና።   

Comments are closed.