ሰብአ ነነዌ ስለ ዝደኃኑ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ኮነ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 

ትንቢተ ዮናስ ሳልሳይ ክፍሊ

ሰብኣ ነነዌ ስለ ዝደኃኑ ኣብ ሰማያት ዓቢ ሓጎስ ኮነ። እግዚአብሔር ብፍጥረቱ ብንስሓ ስለዝተመልሱ ተሓጊሱ። ሚእትን ዕስራን ሺሕ ሰብአ ነነዌ ብሓንቲ መዓልቲ ናብ ደምቢኦም ተመሊሶም ። ንፈጣሪኦም እግዚአብሔር ብፍጹም ንስሓን ትሕትናን ኣስሚሮሞ። መላእክተ ሰማይ ነንሕድሕዶም እንቋዕ ደስ በለና ሰብአ ነነዌ ተመሊስም እንዳበሉ ሓጎሶም ገሊጾም።

ብሰብአ ነነዌ ምምላስ ዘይተሓጎስ ግና ሓደ ዮናስ ጥራሕ ነበረ። ዮናስ ኣሕዛብ ድኅነት ብምርካቦም ዝሓዘነ ይመስል። ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል “ ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጉሃዮ ኰረየ’ውን ።” ዮና. 4፣1። ድኅነት ናይ ካሎኦት ንነብዩ ኣጉህይዎ ፧ ምኽንያቱ እቶም ኣሽሓት ሰባት ስለዘደኃኑ።
ናይ ነብዩ ሥራሕ ድኅነት ናይ ሰባት ምብሃግ እዩ። ብናይ ካልኦት ድኅነት ምሕጋስ እዩ። ናይ ነብዩ ዮናስ ግና ምስቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል 15 ፣ ዘሎ ታሪኽ የዘኻኽረካ፣ እቲ ጥፉእ ወዲ ምስተመልሰ ናብ ቤት ኣብኡ እቲ ዓቢ ሓዉ ኣይተሓጎሰን ኔሩ። ሕርቃኑ ኣርእዩ ነቲ ሓጎስ ዝተመልሶ ቤት ክህውኾ ፈትዩ። ከም ዮናስ ካልኦት ክሕጎሱ እሱ ጉህዩ።
ናይ ዮናስ ኩራ በቲ ዝበጽሖ ዝሓለፈ መከራ ዘምምሃሩ እዩ ዘረደኣካ። እግዚአብሔር ብምሕረቱ ኣብ እዋኑ በጺሑ ኣብ ከብዲ ዓሳ ምስ ኣድኃኖ። ኩሉ እቲ ዝተገብረሉ ድሮ ረሲዕዎ። ንሕና’ውን ብዙሕ ግዜ እግዚአብሔር ዝገበረልና ካብ እንዝክሮ እንርስዖ ይበዝሕ። ኣብ እዋን መከራ ንእግዚአብሔር ለሚናዮ ብምሕረት ዓይኑ ርእዮ ካብ ኩሉ መከራ ምስ ኣድኃነና። ኣይ ጽባሕ ሳልስቲ ካብ ተመስገን ወጺና ከነማርር ንጅምር። ሕዝበ ክርስትያን ብትማሊ ንመሃር ። ብተመስገን ንእግዚአብሔር ከነስምሮ ልቡ ከነራህርሆ ንክእል ኢና። ብምምራር ግና በረከትና ኢና ነህድም እሞ ንተመስገን ንለማመዳ ።

ኮይኑ ግና ኣብ ዝሓልፈ ጽሑፍ ደጋጊሙ ከምዝተገልጸ ዮናስ ከምዚ ጌሩ ዝሓዘንሉ ምኽንያት ወገናቱ ዝኾኑ ሕዝበ እስራኤል ካብ ሕብረት እግዚአብሔር ምፍላዮም ርእዩ እዩ።
ዮናብ ካብ ብሕይወት ምንባር ሞት ዝመረጸ ንወገናቱ እስራኤላውያን ኣዝዩ ስለዝፈተዎም እዩ።
ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ እዚ ነገር ከምዝፈጸም እንዳሓዘነ ክገልጾ ከሎ “ ዮናስ ኣዝዩ ሓዚኑ ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝብልዎ ሰብአ ነነዌ ስለዝደኃኑ ኣይኮነን፣ ናይ ኣሕዛብ ድኅነት ናይ ወገናቱ እስራኤላውያን ጥፍኣት ምዃኑ ስለዝፈለጠ እዩ። ካብ ነብያት ተፈሊዩ ናይ ወገናቱ ዝኾኑ እስራኤላውያን ጥፍኣት ንኽዛረብ ብምምራጹ እዩ ምማት መሪጹ። እስራኤላውያን ወገናቱ ካብ ዝመቱ እሱ ክመውት ተመኒዩ።

ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እስራኤል ምጥፍኣ ርእዩ ከምዘልቀሰ። ማቴ.23፣37። ሓዋርያት ብሥጋ ዝዛመድዎም ወገናቶም ካብ ናይ ክርስቶስ ሕብረት ተፈልዮም ብምትራፎም ብዛዕባኦም ዝተረገሙ ክኾኑ ከምዝጸለዩ ኩሉ ። ሮሜ.9፣4-5። “ ይብል ቅዱስ ጂሮም፣ /St. Jerome, Commentary on the Book of Jonah, IV:1/፡፡

ዮናስ ኣብቲ ሰዓት ብዛዕባ ወገናቱ እስራኤላውያን ጥራሕ እዩ ዝሓስብ ኔሩ። ኣብቲ ሰዓት ዝነብዕ ዝነበረ ካብ ዘልዓለም ጀሚሩ ቃልኪዳን ዝኣተወሎም ወገናቱ እስራኤላውያን ካብ ናይ እግዚአብሔር ውልድነት ተፈልዮም ንዝወጹ እስራኤላውያን ጥራሕ እዩ ።
“ ኣምላኸይ ኣብ ሃገርይ ከለኹ ተዛሪበ ኔረ እዩ ፧ ብዛዕባ እዚ ነገር ( ናይ ወገናተይ ጥፍኣት ከይሪኢ) ኮቢሊለ ናብ ደሴት ዝኸድኩ መሓሪ ይቕረ በሃሊ ከምዝዀንካ፣ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካ ዝበዝሐ ከምዝዀንካ ስለዝፈለጥኩ፣ በዚ ከኣ እስራኤላውያ ጠፊኦም ኣሕዛብ ከዝድኅኑ ስለዝፈለጠ እዩ።
ኣምላኸይ ነፍሰይ ውሰዳ። ብሕይወት ነቢረ ናይ ወገናተይ ጥፍኣት ካብ ዝርኢ፣ ሞይተ ንሳቶም ብሕይወት ክነብሩ እፈቱ ፣” እንዳበለ ይጽሊ ኔሩ።
እግዚአብሔር ግና ኣቦ እስራኤላውያን ዝኾነ ከድኅኖም ዘይደለየ ኮይኑ ዘይኮነ ብገዛእ ፍቓዶም ዝጠፍኡ ምዃኖም ስለዝፈልጥ።
“ ኦ ዮናስ ሕዝበ እስራኤላውያን ብኸምዚ ብፍቓዶም ምጥፋኦም ሓዚንካ ፧ “ ኢልዎ እግዚአብሔር። “ ምሕዛንካ ግቡእ ኣይኮነን ። “ ኣይበሎን። እስራኤል ዝምለስ ልቦና ከምዘይብሎም ይፈልጥ እዩ። ንድኅነት ዝሰበኹሎም ነብያት ደሞም ዘፍስሱ ከምዝዀኑ ስለዝፈልጥ።
ኣብ ዳሕራይ ዘመን’ውን ነቲ ሓደ ወዱ ከምዝሰቅልዎ ስልዝፈልጥ እዩ። ብሓቂ እግዚአብሔር ሰብአ ነነዌ ዘድኃኖም ንእስራኤልላውያ ጸሊኡ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ገጹ ናብ ኣሕዛብ ዝመለሰ ሰብአ እስራኤል ኣይንሰምዕን ኢሎም፣ ብገዛእ ፈቃዶም ስለዝሞቱ እዮም።

ሕዝበ እግዚአብሔር ንሕና’ውን ከም ሰብአ ኣይሁድ ካብ ድኅነት ሪሕቅና ልብና ነደንድን እንተኾና ድኅነት ካብ ቤትና ይርሕቅ እዩ። ድኅነት ናብ ካልኦት ይኸይድ።
ልብና እንተሪሩ ፣ ኖህ ኮነ ዳኒኤል ኮነ ኢዮብ ኮነ ንዓን ክድኅኑ ኣይክእሉን እዮም። ሕዝ.14፣14።
ዮናስ ሓዘነ።
ዮናስ ሓዘነ ፣ንነኔዌ ገዲፉ ብወገን ምብራቅ ኣቢሉ ተቀመጠ። ኣቡእ’ውን ዳስ ሰሪሑ ኣብ ጽላላ ተቀመጠ።
ሓዘኑ ካብ ልክዕ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ክኹሪ ገብሮ።
እስራኤላውያን ብፈቃዶም ከምዝሞቱ ክርኣዩ ኣይከኣለን። ዋላ ንሱ ዮናስ ሞይትሎም ፣ ሓቀኛ ዮናስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞይቱሎም እኳ ክድኅኑ ከምዘይክእሉ ክረኣዮ ኣይከኣለን። ካብ እግዚአብሔር ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ቀናኢ መሲሉ። ነቶም ፈጺሞም ዝደኃኑ ሰብአ ነነዌ ዳግማይ መከራ ተመንይሎም።
ፈታዊ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽና እግዚአብሔር ንዮናስ ካብቲ ዘለዎ ሓሳባት ጭንቀትን ኣውጺኡ ከድኅኖ ፈተወ። ኩሉ ግዜ ከምዝገብሮ ናይ ዮናስ ምኹራዩ ከይረኣየ ትሕት ኢሉ ንዮናስ ከዛርቦ ጀመረ።

ዮናስ ብዓቢ ሓዘን ካብታ ከተማ ወጺኡ ብወገን ምብራቅ ተቀሚጡ ምስ ረኣዩ እግዚአብሔር ቀረቦ።
ሕዝበ እግዚአብሔር ዓቢ ፍቅሪ ሓልዮት ናይ ኣምላኽና ከነስተውዕሎ ከለና ፣ ንሕና ንርእስና ካብ ምርዳእ ወጺና ምስ ኣምላኽና ክንዕረቅ ኣቦና ከምዚ እንዳበለ ትሕት ኢሉ እዩ ዘዛርበና። ከምዚ ጌሩ እዩ ዝደልየና፣ ከም ሕጻን እንዳኣባበደ።
እግዚአብሔር ዝገብረ ዋላ እንተገበረ ሕጂውን ወደይ እዩ’ሉ ናብ ዮናስ ቀረበ። “ ካባይ ንላዕሊ ንእስራኤላውያን ዝቀናእካ ዋላ እንተመሰለካ ሕጅ’ውን ወደይ ኢኻ። ንሰብአ ነነዌ ከምዘድኃንኩዎም ንዓኻ’ውን ካብቲ ኣንነታዊ ሕማምካ ክፍውሰካ እየ። ናብ ተርሴስ ክትከይድ ከለኻ ምሳኻ ሓቢረ ኔረ። ሕጅ’ውን ምሳኻ እየ። ናብ ባሕሪ ክትድርበ ከለኻ ሓቢረ ምሳኻ ኔረ ሕጂ’ውን ኣይገድፈካን እየ። “ ይብሎ ኔሩ።
እንታይ ዓይነት ፍቅሪ እዩ። እንታይ ዓይነት ምፍታው እዩ። ምስ ዮናስ ንምትዕራቅ ኢሉ ብምሳሌ ንኽረድኦ ፈተወ። ኣቀዲሙ ጉልዒ ኣብቒሉ። ርእሲ ዮናስ ጸሓይ ከይረኽቦ ጎጆ ኮይኑ ኣጽሊልዎ። ዮናስ’ውን ፈጺሞ ባህ ኢልዎ። ንጽባሕታ እግዚአብሔር ባልዕ ሓሰኻ ኣዚዙ ክቆርጻ ኣዘዘ።
ርእሲ ዮናስ ስጋብ ዘድንዝዝ ዋዕየ ጸሓይ ሃረሞ። ኣብቲ እዋን ሰውነት ዮናስ ተቆጥዐት፣
እዚኣ ጉልዒ ናይ እስራኤል ምሳሌ እያ ። እስራኤል ክትልምልም ርእዩ ዮናስ ባህ ኢልዎ። ወገናቱ እስራኤላውያን ናብ ክርስቶስ ዘብጽሖም ሕግን ነብያትን ክወሃቦም ርእዩ ባህ ኢልዎ።

ብወገን ምብራቅ እታ ከተማ ወጺኡ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ መንጎ ሕዝብን ኣሕዛብ ዝወጽእ ጸሓይ (ክርስቶስ) ርእዩ ባህ ኢልዎ።
ዮናስ እስራኤል ክትልምልም ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገበረን ። እዚ ኩሉ ዝገብረ እግዚአብሔር እዩ። ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ኣውጺኡ ክልምልሙ ( ልዕል ልዕል ) ክብሉ ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ። ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ ዋዕየ ጸሓይ ከይረኽቦም ብደመና ጋሪዱ ዘሕለፎም እግዚአብሔር እዩ። ብጸልማት ዕንቅፋት ከይረኽቦም ብዓምደ ደመና ዝመርሖም ዝነበረ እግዚአብሔር እዩ።
ሥጋ ናፊቅና ኣብ ዝበልሉ እዋን መና ካብ ሰማይ ዝመግቦም ዝነበረ እግዚአብሔር እዩ።
ማይ ምስ ጸምኡ ካብ ከውሒ ኣፈልፊሉ ዘስተዮም እግዚአብሔር እዩ። ሕጊ ዝሃቦም እግዚአብሔር እዩ። ናይ ምድረ ተስፋ መሪሑ ዘእተዎም እግዚአብሔር እዩ። ነብያት ዝለኣኸሎም እግዚአብሔር እዩ። ንሕዝበ እስራኤል ዘይገብረሎም እንታይ ኣሎ። ኢሳ.5፣3-4።
እስራኤል ግና እዚ ኩሉ ረሲዖም ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ዓሚጾም ። ንፈጣሪኦም ገደፉ።
ከምዚ ስለዝኾኑ እግዚአብሔር ንዮናስ “ ነዚ (ዓመጸኛ) ጉልዒ ( ሕዝበ እስራኤል) ክትቁጥዖ ይግበኣካ ይብሎ ኔሩ።
ዮናስ ግና ወገናቱ ሕዝበ እስራኤል ናብ ክርስቶስ ዘብጽሖም ሕግን ነብያትን ሒዞም ከለዉ ዳግማይ ክጠፍ ኡ (ክደርቁ) ምርኣይ ስለዝየደለየ “ እሳቶም ካብ ዝጠፍኡ ኣነ ኽጠፍእ ይሓይሽ ።” ኢሉ።
እግዚአብሔር ከኣ በሎ “ ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን ብሓንቲ ለይቲ ዝበቖለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጉልዒ ( ዝጠፍኤት ፍረ ንስሓ ዘይሃበት እስራኤል ) ጉሂኻ።
ኣነኸ ነታ ፍረ ንስሓ ዝረኸብኩላ ዓባይ ከተማ ነነዌ የማኖም ካብ ጸጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ ካብ ሚእትን ዕስራን ሺሕ ሰብን እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርህርሃላን እየ፧ ኣነ ክፋእ ግብሮም እከዮም ገዲፎም ክምለሱ እየ ዝደሊ እምበር ጥፍኣቶም ኣይደልይን እየ። ካብ እከዮም ተመሊሶም ብንስሓ ምስ ተማህለሉ ንምንታይ ምኽንያት እሞ ከጥፍኦም ። ዝጥፍ ኡ ኣባጊዕ ናብ ደምቢኦም ምስዝምለሱ ብሓጎስ ኢኻ ትቅበሎም። ሰብአ ነነዌ ከኣ ከሙ እዮም።
እንዳበለ ምስ ባርያኡ እግዚአብሔር ብፍቅሪ ኣረዲእዎ ። ዮናስ’ውን ናይ ኣምላኹ ምኽሪ ተቀበለ። እግዚአብሔር ብፍቅርን ትሕትናን ልቢ ሲዒሩ ዮናስ ናብ ድኅነት ኣምጺእዋ።
ሕዝበ እግዚአብሔር ናይ ኣምላኽና ትሕትና’ዶ ኣስተዊዒልኩም ከመይ ጌሩ ንዮናስ ከምዘድኃኖ ።

ካብ መጽሓፈ ትንቢተ ዮናስ እንታይ ንምሃር፧

ካብ ትንቢተ ዮናስ ብዙሕ ኢና ንመኃር ብኸፊሉ ግና፣

 ካብ ትንቢት ዮናስ እንታይ ንመሃሮ᎒

 † ትንቢተ ዮናስ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዓሚቕ መለክዒ ዘይብሉ ፍቅሪ ዝተገልጸሉ እዩ። መጽሓፍ  ትንቢተ ዮናስ ኩሉ ምስ እንረእዮ እግዚአብሔር ንእስራኤል ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኣምላኽ ምዃኑን ናይ ሕዝብን ኣሕዛብን ሠራዒን መጋብን ከምዀነ ናይ ኩሉ ሰብ ድኅነት ከምዝደሊ የረድኣና።

† ኣብዚ መጽሓፍ ናይ ነብየ ዮናስ ድኻም ንርዳእ ፣ ነብያት ከማና ሰባት ከምዝነበሩን፣ ድኻም ከምዝነብሮን፣ እግዚአብሔር ከኣ ብመለኮታዊ ጥበቡ ነቲ ድኻሞ ንዓቢ ተልእኾ ከምዝተቐመሉ ተጻሒፉ ንረኽቦ፣

እግዚአብሔር ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ጥበበኛ ከምዀነን ፣ ንፈጣሪ ኣይፈልጡን ዝተባኅሉ ነቶም መርከበኛታት  ሰባት ፍልጠተ ብርሃን ከምዝተዋኅቦም ንርዳእ። 

† እግዚአብሔር ካብ ዓሚቕ ጥበቡን ፍቅሩን ዝተላዕለ ንደቂ ክግስጽን ምስኡ ክዕረቁ ንምግባር ግዑዛን ፍጠረታት ዋላ ከምዝጥቅመ ንርዳእ።

ንኣብነት ፣ ነታ መርከብ ከናውጻ ዝተላእኸ ሓያል ንፋስ ፣ ንነብየ ዮናስ ዝወሓጦ ዓሳ ነባሪ ፣ ዮናስ ዋዕየ ጸሓይ ከይኃርሞ፣ ኸተጽልሎ ዝበቆለት ጉልዒ። ንጽባሒታ ነታ ጊልዒ ክበልዓ ዝተዳለወ ሓሰኻ እግዚአብሔር ምስ ዮናስ ንኽዕረቕ ዝተጥቅመሎም ፍጥረታት እዮም።

ሎሚ’ኸ እግዚ አብሔር ብኸመይ ዓይነት መገዲ ይጽውዓና ኣሎ ᎒

 እግዚአብሔር ኩሉ ክገብር ዝከኣሎ ኣምላኽ እዩ። ብንስሓ ካብ ኃጥያትና ምስ እንምለስ በረከተ እግዚአብሔር ኣባና ይበዝሕ።  ብኃጢያት ዝነብርናዮ ብዙሓት ዓመታት ምኽሪ ዲያብሎስ ሲዒብና መገዲ ጽድቅን ሰላምን ሲሒትና ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ተፈሊና ዝረኸብናዮ ረብሓ ወይ ጥቅሚ የለን፣ እንትርፎ ቀቢጸ ተስፋ። ስለዚ ናብቲ ቅዱስ ዝገብር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብንስሓ ንምለሰሉ እዋን ሕጂ እዩ። ኃጢያት ካብ እግዚአብሔር ምፍላይ ከምዝኾነ ንስሓ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ምምላስ፣ ምስ እግዚአብሔር ምትዕራቕ እዩ። ኣብዛ ዓለም ንነብሮ ሕይወትና ኩሉ ናይ ንስሓ ግዜ እዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈለየ ናብ እግዚአብሔር ንምለሰሉ ናይ ጾም እዋን ዝተዋኅበና ካብኦም ሓደ ከኣ ጾመ ነነዌ እዩ።

ከም ለባማት ነዛ ዓለም ንንበራ ፣ ከባቢና ንርአ፣  ንስማዕ ፣ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝፈልዮና ብዙሕ ፈተናታት ዋላ እንተኃለዉ ነቶም ዝጸንዑ ቅዱሳን ንዘክር። ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየድልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔርቀረባ እዩ። ንሕና ክርስቲያን'ውን ነዚ ብምዝካር ንስሓ ኣቲና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎትን ልመናን ብፍጹም ልቡና እንድሕርተመሊስና ፣ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ካብቲ ዝተሓስበሎም መቅዘፍቲ ዝደኃኑ፣ ካብ ናይ ዓለም ፈተናን መቅዘፍትን ንድኅን ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዮ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድኅን ኣምላከ ቅዱሳን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና።

 በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዱቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.