ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው። ኢሳይያስ 3:12።

ናይ ክርስቶስ ቤተሰብ!
“ዝወደቐስ ኣይትንስእን’ዶ ኢዩ? መገዲ እተጋገየ’ኸ ኣይምለስን’ዶ ኢዩ? ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም? ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስ’ውን ይኣብዩ።” ይብል እግዚኣብሔር ኤር 8፡4-5። ሓድነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ማለት ዝረሓቐ ክቐርብ፡ ዝተበተነ ክእከብ፡ ዘወደቕ ክትንስእ፡ ዝተጋገየ ክምለስ፡ ዝተባእሰ ክዕረቕ ጸሎት ኩሉ ኣማኒ ኢዩ። ብፍላይ እኳ እቶም ካብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ርሒቖም ዝጸንሑ፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይምለሱ ዝብል ናይ ብዙሕ ሰብ ትጽቢት ምንባሩ ዘይሰሓት ሓቂ ኢዩ። ይኹን’ምንበር “ኣነን ሓጺሩኒ እብል” ኢዩ ነገሩ። ኣብ ክንዲ ናብ ስድራኻን ናብ ኣዴኻን ምምላስ ዘየድሊ ቅድመ ኩነት እንዳ ፈጠሩ ይስሕቱን የስሕቱን ኣለዉ። ንሳቶም እቶም ዝመርሑኻ ዘለዉ ኣብ ተንኰል ጸኒዖም ምምላስ’ውን ኣብዮም ኢዮም። ንስኻኸ ሓወይ! ንስኺኸ ሓውተይ! ክሳብ መዓስ ክትታለል ክትነርብ? ክትታለሊ ክትነብሪ? ክሳብ መዓስ ከ ናይ ውልቀ ሰባት ሓሳብ እንዳ ሰማዕካ ክትደናገር ኢካ? ዘጋግዩኻ ዘለዉ መራሕትኻ ኢዮም።

ሓቀኛ መራሒ ካብ ንሕይወቱ ነቶም ዝመርሖም ኢዩ ዚሓሊ። ሓቀኛ መራሒ ወላዲ ኢዩ። ሓቀኛ መራሒ ጓሳ ህዝቡ ኢዩ። ሓቀኛ መራሒ ሕይወት ናይቶም ዝመርሖም ብሓደራ ዝተቐበለ ኢዩ። ሓቀኛ መራሒ ነቶም ዝመርሖም ጠርኒፉን ኣወሃሂዱን ኣብ ቅድሚኡ ንዝገጥሞ ኩሉ መሰናኽላት ብጥበብን ብምስትውዓልን ሰጊሩ፡ ዘሳግርን ዘስግርን ኢዩ። ሓቀኛ መራሒ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ቦታ ናይ ብጾቱ ብምግባር ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ክኢሉ ብጎደና ጽድቂ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኢዩ። መራሒኡ ዝሓመቆ ሕብረተሰብ ኣይዕወትን ኢዩ። ንሓደ ሕብረተሰብ ዓወትን ውድቀትን፡ ምክርካብን ምስኣንን፡ ጽድቅን ኩነኔን ኣብ ምርካብ ግደ ናይ መራሕቱ ወሳኒ ኢዩ። መራሒ ነቲ ርሑቕ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ደቂቕ ኣጉሊሑ፡ ራእይ ዝፈጥር ክንዮ ናይ ሎሚ ፈተና፡ ናይ ጽባሕ ራህዋ ዘጨብጥ ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ሰሎሞን “ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።” ይብል። ምሳሌ 29፡18። “ኣሓ ከም መራሒተን” ዝብል ምስላ ወለድና እጃም መራሒ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ኣብ ጉዕዞ ሂወት ዝገልጽ ኢዩ።

ፍቁራተይ!
እግዚኣብሔር ብኣፍ ነብይ ኢሳይያስ “ዎ ህዝበይ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ከኣ የጥፍኡዋ ኣለዉ።” ኢሳ 3፡12። ኢሉ ንቤተ እስራኤል ኣሰሚዑሎም። እዞም መራሕቲ ክልተ በደል በዲሎም። ቀዳማይ ነቲ ህዝቢ ምግጋይ ኢዩ። ንህዝቢ ብቃልን ብግብርን ጊጉይ ትምህርቲ ብምምሃር ምግጋይ፡ ካብ ማሕደር እግዚኣብሔርን ካብታ ቅድስት ስፍራ “ስመይ ክሳዕ ዘለአለም ኣብአ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።” 1ይ ነገስት 9:3። ዝበላ መቕደሱ ከምዝገድፋ ዝገበሩ ኢዮም። ኣማናዊት መቕደስ ሓዲስ ኪዳን መርዓት ክርስቶስ፡ ብደምሙ ኣጽርዩ ኣካሉ ዝገበራ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኢያ። ናይ ዘመንና መራሕቲ ኢና በሃልቲ ተሓድሶኣውያን ድማ ብምንፍቅናዊ ግብሮምን ትምህርቶምን ንመእምናን ካብታ ውሉድነት ዝረኸቡላ ኣደ ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ወጺኦም ከም ዝኹብሉሉ ይገብርዎም ኣለዉ። ብግልጺ ቋንቋ ካብቲ ጉንዲ ሃይማኖት ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ፈልዮም በታ ገፋሕ ጎደና ስዲ ክኸይድ ምግባር ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቱ ጎይታ “ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። ማቴዎስ 18፡6። ዝበሎ ቃል ንሰብ ምግጋይ ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ከቢድ በደል ምዃኑ ኢዩ።

ካልኣይ ድማ ነታ እቲ ህዝቢ ዝኸደላ መገዲ ምጥፋእ ኢዩ። መገዲ ዝተባህለት ሃይማኖት ኢያ። መገዲ ዝተባህለት እምነት ኢያ። እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብይ ኤርሚያስ “ኣብ ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታት፡ እቲ ጽቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ንሳቶም ግና፡ ኣይንመላለሰሉን ኢና፡ ኢሎም መለሱ።” ኤር 6፡16። ዝበሎ ነቲ ብእግሪ ናይ ሥጋ ዝኽየድ መገዲ ዘይኮነ ነቲ ብእግሪ እምነት ዝኽየድ ምመገዲ ኢዩ። ሎሚ ህዝበ ክርስቲያን መዋእሉ ዝተመላለሰሉ መገዲ እምነት ዘጥፍኡ ዝበዝሑሉ ጊዜ ኢዩ። ወገናተይ! ኣይትታለሉ! ጸላኢ ከምዝጸላኣካ ኣፍሊጡ ኣይመጻካን ኢዩ። ፈታዊ መሲሉ፡ ሓላዪ መሲሉ፡ ኢዩ ዝመጽእ። ክመክር ከሎ ድማ እቲ ዘየርባሓካ፡ ከምዘርባሓካ እቲ ዘይጠቕመካ ከምዝጠቕመካ፡ እቲ ሕማቕ ከም ጽቡቕ፡ ነቲ ሞት ዘምጽእ ድማ ሕይወት ከምዝህብ ገይሩ ኢዩ ዚነግረካ። ሎሚ’ውን እዚ ናይ ጥንቲ ስልቲ ንሱ ኢዩ ዚስረሓሉ ዘሎ። ሓድሽ ነገር የለን። ብክሕደትን ብምንፍቅናን ነታ እትፈልጣ መገዲ ከጥፍኡ ለይትን መዓልትን ከየዕረፉ ዝሰርሑ ምህላዎም ክትነቕሓሎምን ብምነት ደው ክትብልን እምሕጸነካ።

ስድራ ክርስቶስ!
ነብይ ኢሳይያስ እቶም ህዝቢ መራሕቶም ከምዘጋግይዎም እታ ዝኸዱላ መገዲ ከምዘጥፍኡዋን ክምስክር ከሎ። ነብይ ኤርሚያስ ድማ “ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።” ኢሉ ኣሎ። ኤርምያስ 2፡12። እዚ ሎሚ ኣብ ጊዜና ንርዮ ዘለና ካብዚ ኣቐዲሙ ብኣፍ ነብያት ዝተዘርበ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብ ኣርባዓን ኣብ ሰማንያን ጸጋ ክርስትና ዝተቐበሉ ህዝበ ክርስቲያን ቆብዕን መጠምጠምያን ብዝገበሩ መስቀል ሒዞም ብዝመጹ ተታሊሉ ካብ ደምበ ሕያዋይ ጓሳ ዘውጽኡ ዝበዝሑሉ ብምዃኑ ምስትውዓል ዘድልዮ ኢዩ እሞ ኣይትተሃመል ወገንይ። ነታ ዓይኒ ማይ፡ ምንጪን ዓዳሊትን ጸጋታት ናይ ኣምላክ ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ሓዲጎም፡ ንዓኣቶም “ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም” ዝበሎ ካብ ሕብረት መፈስ ቅዱስ ተፈሊኻ ዝምስረት ቤተክርስቲያን ኮነ ዝግበር ኣገልግሎት ድኻም ጥራይ ኢዩ። ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ምኹዓት ጥራይ ኢዩ። ኣይትገርሁ ፍቱዋተይ! መንፈስ ቅዱስ ኣብታ ብጉስነትን መሪሕነትን ቅዱስ ሲኖዶስ እትነብር ቅድስት ቤተክርስቲያን ኢዩ ዘሎ።

ብዙሓት “ንሓድሕዶም ከኣ፡ ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ፡ ተባሃሀሉ።” ዘሁ 14:4። ከም ዝብሎ ቃል ኣምላክ፡ ክእረሙ ዘይደልዩ ኣረምቲ፡ ንኽምርሑ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መራሕቲ ንሓድሕዶም ሓለቓ ሸይሞም ናብ ግብጺ ዚመልሱ ኢዮም መራሕትኻ ኮይኖም ዘለዉ። ብታ ገፋሕ ጎደና ኢዮም ዝጎዩ ዘለዉ እሞ ደው ኢልካ ሕሰብ ናብ ልብኻ ድማ ተመለስ። እዚ ሕጂ ዘሎ ጉዕዞ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ምጥርናፍ ፍጻሜኡ እንታይ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ዶ ትፈልጥ? ንስኻ እንተዘይተመሊስካ፡ ንስኻ እንተዘይገዲፍካዮም ንሳቶም ኣይምለሱን ኢዮም። ንምንታይከ ንስኻ፡ ንስኺ ናይ ትንቢት መፈጸሚ እትኸውን እትኾኒ!? ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ወዱ ከምዚ ክብል ጽሒፉሉ ኣሎ። “ኣእዛኖም ኣሳሕይዎም ደኣ ነቲ ኪሰምዕዎ ዚትምነዩ ነገር ዚነግርዎም መማህራን ኪክቡ እምበር ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ ዘይሰምዑሉ ዘመን ኪመጽእ ኢዩ። እወ ኣእዛኖም ሓቂ ከይሰምዓ ዓጽዮም ናብ ጽውጽዋያት ኬድህቡ ኢዮም። 2ይ ጢሞ 4፡3-4። እዚ ቃል እዚ ብምልኣት ዝፍጸመሉ ዘሎ ጊዜ ኢና ዘለና። ስለዚ ፍቁራተይ ብምሕረት ኣምላክ ኣብታ ቅድስት ሃይማኖትኩም ጸኒዕኩም ደው ክትብሉን ብኣኣ ድማ ክትመላለሱን እምዕደኩም። ኣቦታት ነታ እትኸዱላ መገዲ የጥፍእዋ ኣለው’ሞ፡ እታ ዝተቐበልኩማ ሃይማኖት ኣውርሱ። ኣዴታት ነታ ርስትና ዝኾነት ተዋህዶ የጥፍኡዋ ኣለዉ እሞ፡ ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ ኢዩ። ስለዚ ንርስትኽን ንደቅኽን ኣረስትያ። ኣቱም መንእሰይ፡ ተዋህዶ ህያብ ጎይታ ርስቲ ኣበው ኢያ እሞ ኣጽኒዕኩም ሓዙዋ። ወገነይ እትኸደላ መገዲ የጥፍእዋ ኣለው እሞ ዓይንኻ ምዕማት ሕጂ ጊዜኡን ሰዓቱን ኣይኮነን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.