ሓዳር-ስደት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን። ዳናይት " ተሰምዓኒ ኣለኻ ዮኤል፡ " ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣብ መንገዲ ሰባት ተጠውዮም ኢዮም  ዝርእዮኒ። ኩርዕትን ሕብንትን እየ ፍጥር ክብል። የምስገን ፈጣሪ፡ ብኹሉ ነገር’ውን ምልእት’የ። ብመንፈሳውን፡ ዓለማውን። እንኽስሕቅ ብጻባቐ ጸባ ፈስስ ኣስናነይ ሰባት ይዘራረቡ። ዝምስገን ጨጉሪ ርእሲውን ኣለኒ። ብንውሓትን፡ ልማሸን ጮግረይ ኩለን ቆነንቲየን ይዛረባ። ዋላ ኣነ ዝበሉ ሃብታማት […]

Continue reading

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ  ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሢኣስ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን። እቲ ሰዓቱ ህልም ዝበለ ጸልማት፡ ጋብ ዝበለ ለይቲ፡ ማርያም መግደላዊት ነቲ ዓቢ ብሥራት ዝምስከርትሉ ግዜ እዮ። እታ መዓልቲ፡ ንሳ ፡ቅድሚ እቲ ክርስቶስ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙርን፡ ቅድሚ እቶም ንዓለም ብርሃን ክኸንዋ ዝተሓርዮ ሓዋርያት፡ ብልሳና ትንሣኤ ክርስቶስ  ዘበሰረትሉ መዓልቲ እዮ። ኣብቲ እዋን ኣብቲ ሰዓት ከም ዘለኻ ጌርካ ቁጸር እሞ፡ […]

Continue reading

  ስልሳይ ክፋል መሲሎም ንዝመጹ ብኸመይ ንፈልጦም፧ ከምቲ ተኹላ በጊዕ መሲሉ ኢዩ ዝመጽእ። ሰይጣን’ውን መልኣኽ ናይ ብርሃን መሲሉ ኢዩ ዚመጽእ። 13 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሓዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሓዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14 ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።15 ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን: ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር ኣቦታቶምን ዝሕነፅ ሓኒፆም: ዝሕደስ ኣሐዲሶም ምስ ዛዘሙ ኣብ ቤተ መቕደስ: ኣብ ኢየሩሳሌም ቃሉ እናሰምዑን ፍቓዱ እናፈጸሙን ንኽነብሩ ቃል ኪዳን ዝኾኖም፦ “ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” በሉ (ነህ ፲፥፴፱/10፥39) ምኽንያቱ ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝተግህን ኣብኣ ንክነብር ዝብህግን […]

Continue reading

2 ክፋል ጋሻ ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝረኣናዮ ጋሻ ትምህርቲን ክሕደትን ኣበይን ብመንን ከምዝተማህረ ኢዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ እንርዮ ናይ ዝሓለፈ መቐጸልታ ኮይኑ ጋሻ ትምህርቲ ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ይወሃብ፧ ዝብል ኮይኑ፡ ነዞም ቆርቦት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ኦርቶዶክሳዊ ብኸመይ ይፈልጦም ክስዕብ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ኣብ መንጎ መላእክት ሳጥናኤል፡ ኣብ መንጎ ነብያት ሓሰውቲ ነብያት ኤር 23፡ ዘሁ 16፡1-2 […]

Continue reading

ጋሻ ትምህርቲ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ጋሻ ትምህርቲ ምሃብ ዝተጀመረ ኣበይ ብመን ኢዩ ፧ ጋሻ ትምህርቲ ብከመይ መንገዲ ይመሃር ወይ ይመሓላለፍ፧ ጋሻ ትምህርቲን ንጋሻ ትምህርቲ ዝምህርን ብከመይ ይፍለጥ፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ጋሻ ትምህርቲ እንታይ ይብል፧ ቅዱስ ጴጥሮስ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” ይብል። 2ይ ጴጥሮስ 1፡21። […]

Continue reading

ንሰላም ብሰላም ንድለያ!

ትማሊ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተፈጸመ፡ ካህናት ኢሎም ልብሲ ተክህኖ ብዝለበሱ፡ ዝተገብረ ዓመጽ ዘሕዝን ኢዩ። ብጹዕ ኣቡነ ባስልዮስ  ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ናይ  ስራሕ ምብጻሕ ክገብሩ ኢዮም ናብታ ኣብ ኣውስትራልያ ዘላ ቤተክርስቲያን ከይዶም። ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን በቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጥዎ ኣገልገልቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ንኣቡነ ባስልዮስ እናጸረፈን፡ ነዞም ክልተ ኣብ ምዕራብ ሓኪሎም ነፍሰ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። መቀጸልታ ካብ ዝሓለፈ ፍቁራተይ! ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንደቂ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘገድስ ብዘይካ እቲ “ሓድሽን ኣከራኸርቲ ትምህርትን” ዝተላዕለ ነጥቢ: ጉዳይ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ።  ብዛዕባ ምንፍቅናዊ ትምህርቲ እንታይ ተባሂሉ ፧ ብዛዕባ ቅዱስ ሲኖዶስ ከ፧ እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፎም ንመልከቶ። እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣብዘን ክልተ ሕቶታት ዘተኮረ ክኸውን […]

Continue reading