ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ  ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሢኣስ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። በዚ እዋን ሓዋርያ ቶማስ ቅድሚ ሕጂ ናይ ወዳ ትንሣኤ ሕጂ ከኣ ናታ ናይ ኣዲኡ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ  ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ተበሳጨወ። ኣዝዩውን ሓዘን ተሰምዖ። ካብ ምሕዛኑ ዝተላዕለ ካብቲ ተወጢሕዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። እዚ ከኣ እቶም ካልኦት ኣሕዋቱ ሓዋርያት ርእዮም፡ ንሱ ጥራይ ከይረኣየ ዝተረፈ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ይኹን እምበር ካብቶም ካልኦት ሓዋርያትውን ንትንሣኤኣን ዕርገታን ዝረኣየ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ከኣ ኣዴና ፡ ብጀካኡ ካልእ ንትንሣኤኣ ኮነ ንዕርገታ ዝረኣየ ከምዘይነበረ፡ ካሎኦት ንትንሣኤይ ኮነ ንዕርገተይ ኣይርኣዩን፡ ንስኻ ግን ትርኢ ኣለኻ ኢላ ብምንጋር ኣረጋግኣቶን ኣጸናንዓቶን። እቲ ዝኾነን ዝረኣዮን ነገር ከይዱ ንኣሕዋቱ ሓዋርያት ክነግሮም ከኣ ኣዘዘቶ። ንምልክት፡ ምስክር ምእንቲ ክኾኖውን ነቲ መግነዚኣ ዝነበረ ሂባቶ ብኽብርን ስብሐትን ናብ ሰማይ ዓረገት።

ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቑ።    

https://eritreantewahdo.org/?sermons=%e1%89%b5%e1%8a%95%e1%88%a3%e1%8a%a4%e1%8a%95-%e1%8b%95%e1%88%ad%e1%8c%88%e1%89%b5%e1%8a%95-%e1%8a%93%e1%8b%ad-%e1%8a%a3%e1%8b%b4%e1%8a%93-%e1%89%85%e1%8b%b5%e1%88%b5%e1%89%b5-%e1%8b%b5%e1%8a%95

Comments are closed.