ሓዳር-ስደት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።

ዳናይት "

ተሰምዓኒ ኣለኻ ዮኤል፡ " ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣብ መንገዲ ሰባት ተጠውዮም ኢዮም  ዝርእዮኒ። ኩርዕትን ሕብንትን እየ ፍጥር ክብል። የምስገን ፈጣሪ፡ ብኹሉ ነገር’ውን ምልእት’የ። ብመንፈሳውን፡ ዓለማውን። እንኽስሕቅ ብጻባቐ ጸባ ፈስስ ኣስናነይ ሰባት ይዘራረቡ። ዝምስገን ጨጉሪ ርእሲውን ኣለኒ። ብንውሓትን፡ ልማሸን ጮግረይ ኩለን ቆነንቲየን ይዛረባ። ዋላ ኣነ ዝበሉ ሃብታማት  ሃገርና  በቲ ጎዳና ሓርነት፡ ከም ገለ ሕልፍ ክብል እንተዝርእየኒ ቀዘዝ ከይበለ ኣይምሓለፍን። መኪንናኦም ደው ኣቢሎም ኢድ ምነስኡለይ መስለኒ።

እዚ ዓርካኻ ግን ሓድሽ ባህርይ ኣጥርዮ ኣሎ።  ነዛ ክርእየኒ ተጸይንኒ። ንኽረኽበኒ ከም ቤተ-ክርስቲያና መዓልታዊ ገዛይ ይመላለስ ከም ዘይነበረ፡ ኣብ ዝሓረቀሉ እዋን ገጽኪ ትርሓቅ፡ ተኸወሊ ይብለኒ። ስለምታይ ከም ኣመንዝራ ሱቅ ኢልኪ ኣብ ቅድሚ ሰባት ትስሕቂ?  ስለምታይ ምስ ሰባት ትቐርቢ ? ዝበል ሕጨጫ ናይ መዓልታዊ ስብከቱ እዮ። ዋላ እካ ብተፈጥሮይ ሰቅ ምባል ዘይፈቱ እንተ ኾንኩ፡ ስቅታ መሪጸ። ስለ ሓዳርና ልብይ ብሕጉሱ፡ ኣስናናይ ዓጽየ፡  ምስሓቕ ገዲፈዮ። ዘይነበረኒ ገጸ ባህርይ ኣጥርየ። ንኽብሩ ክብል  ጸዋግ ኮይነ ኣሎኹ። እቲ ገጸይ ግና ዋላ ተጸዊገ ከለኹ’ዩ ፍሽኽታ ዝንበቦ። ደቀ ኣስመራ ስቅ ትብል ሰበይቲ’ኹም ትፈትዎ። ባህልናውን ሓዳር ምጽማም፡ ትዕግስቲ’ዩ  ፈውሲ ምብትታን ስለ ዝበል  ትዕግስቲ መሪጸ ኣለኹ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ካህን ዝኣተኽዎ ኪዳን ከይፈረስ ዓቅሊ ተሰኪመ ኣለኹ።

ዮኤል፥ “እንታይ ኢኺ ትስቲ?”

ዳናይት፡ “ Sorry ተቀዳዲመ ናብ ዘረባ ኣተየ። ቐጠልያ ሻሂ፡ ምስ ዝወዓየ ቤግል።”

    “ ንስኻ እንታይ ኢኻ ትሰቲ።”

    ዩኤል፡ “ ቻይ ሶይ ላተ”

  ዳናይት፡ “ ኣነ ኽፈሎ እየ። ጓል ክትከፍል የብላን ዝበሃል ኣቅበሎን እየ። ኣነ ስለ ዝጸዋዕኩኻ፡ ባዕለ’የ ዝኽፍሎ “

  ዩኤል፡ “ ዘይነበረ ባህሊ’ዶ ኣበይ ክትጅምርዮ”

“ ደሓን ደሓን ድሕሪ ክንደይ ደይ ሎሚ ረኺበካ። ስምዓኒ፥ እንታይ ኮንካ ኢኸ ተሌፎንካ ዘትምልስ፡ ክረኽበካ እንተ በልኩ  ቴለፎን፡ ዕጭ ሓንፍፈ ኢልካ ገፊዕካኒ። ዓርክኻ ኣይትርከባ ዲዮ ኢሉካ?”

ሒሳብ $15.48 ምስ በለና እቲ ኣሳሳይት  ዳናይት ተቐላጢፋ በታ ሒዛታ ዘነበረት ናይ ክረዲት ካርድ ነቲ ሕሳብ ከፈለቶ። እዚ ዓርክኻ ካብ ሰበይቲ ድዮ ተወሊዱ። ብቐዳማይ ሕርቃኑ ምቁጻጽር ስኢሉ፡ ምዕጉረተይ ክሳብ በርበር ዝመስል ጸፊዕኒ። ግና ኣይጸንሐን ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቅ ኣጣዒስዎ ይቅሬታ ኢሉ። እንታይ እሞ ክዓብሰለይ፡ንጽባሒቱ ጸሐይ ምስ በረቀት፡ ናብ ኣመሉ ናብ ጸርፍን ዘለፋን ተመሊሱ።

ስምዓኒ ዮኤል፡ መልክዐይ ምንጪ ሓጎሰ’ዩ። ከም ሓንቲ ጋል ኣስተይቲ ክጽብቅ፡ ክጸራረ ከም ዘለኒ ክሳብ ደም ዝወጽእ ኣፈይ ሓቢረ’ዩ። ሰሓቅውን ባህርያት ስለ ዝኾነ ከም ዘይቃርጾ ነጊረዮ። ናይ ባህልና ኪዳን ተኸዲነ ዕዳጋ ክኸየድ ከለኹ በቲ ዝኽደኖ ክዳን ተመሲጦም፡ ጽቡቅ ክዳን ኣብ ጽብቅ ዝቅርጻ ሰበይቲ ክብሉኒ ከለው ደስ ይብለኒ።----------- ወዘተረፈ። ኮታስ በቲ ኣብ ኣካላተይ ዝወድዮ፡ ኣልባሳት ዝመጽእ ጽቡቅ ስምዒት ባህ ይብለኒ። ጽን ኢላካ ስለ ዝሰማዕካኒ የመስግነካ። እቲ ናይ ቀደም ፍቕርና ክምለስ፡ ሕርቃንን ቁጥዓን ናይ ዓርክኻ ክእለ  እንታይ ተማኽረኒ።

ረሲዓልካ ቁዱስ ቁርባን ንሱ ኣብ ደስ ዝበሎ መዓልቲ ክወስድ፡ ኣነውን ከምኡ ክገብር ተሰማሚዕናሉ ኢና።

ዩኤል፡ “ ተዘራረቡሉ ህድእ ኢልኩም። ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ምእታው ጌጋ’ዩ። ደሓር ከኣ  ተመክሮ ናይ ሓዳር የብለይን፡ ምስ ንኣበ ነፍስኹም ተላዘቡ። እቲ ናይ ምፍልላይ መንፈስ  ከይሰወድ ከሎ ነቲ ጻህያይ እለይዎ። ጻህያይ እንተ ዓብዮ ነቲ ጽቡቅ እኽሊ ቀስ ብቀስ’ዩ ዝበልዖ”

“ ንዕዖም ደኣ ነማኽሮም እንዲና። ግና ብዙሕ ለውጢ ኣይረኸብኩሉን። ካብ ትፈልጦ፡ ዘንበብካዮ ወይ ዝሰማዕካዮ  ኣማኽረኒ። ነቲ ኣብ ሓዳርና ዘሎ ቀዳድ ክትልሕም፡ መንፈሳዊ ግዲታ ኣለካ። ነዛ ሓዳረይ ኣተሃንጽኒ እምበር ኣፋርሰኒ ይብለካ የለኹን”

“ ካብ ዝተመሃርክዎን ዘንበብክዎ ከካፍለኒ እንተ ኾይነ”

“ ሕራይ ኣካፍለኒ፡”

ቅድሚ ብዝዓባ ዓርከይ ምዝራብና ብሓፈሽኡ ብዘዓባ ሓዳር ንዛራረብ። ናይ ሓዳር ቀንዲ ዕላማ እንታ’ዩ። ሓደር ነገር ክላበወኪ ግና ኣብ ርእስኺ “ፍትሕ” ዝብል ሓሳብት ከይትአንግዲ። ኣብ ዓለም እቲ ዝቀለለ ነገር ዝጅመርካዮ፡ ዝመስረትካዮ ነገር  ምግዳፍ እዮ። ንስኺ ለባም ኢኺ ከምኡ ትሓስቢ ኣይብልን እየ። ክገርመኪ ተፋቲሖም ብምፍትሖም ዝጠዓሱ እምበር ዝሕጎሱ ሰባት ኣብ ዓለም ብጣዕሚ ውሑዳት እዮም። One way the other way “ ፍትሕ” ዝብል እቲ ዝሓሰረ መፍትሒ ኣብ ርእስኺ ቦታ ንኸይትህብዮ፡ ዋላውን ኣብ ኣእምሮኺ ከይቅልቀል ንምዝኽኻር ዝኣክል እየ።

ኣታ ዮኤል፡ ንዓርክኻ ልዕሊ ነብሰይ’የ ዘፍቅሮ። ንዘልዓለም ብሓባር ክሳብ ኣብ ሓንቲ ጉድጋድ ንኣቱ’ዩ ቃል-ኪዳን ዝኣተናዮ። እቲ ቃል-ኪዳን ምስኡ ጥራይ ኣይኮንኩን ኣቲዮ ምስ ሥላሴውን ኪዳን ኣቲየ እየ። ዘይብተኽ ኪዳን ኣብርሃም-ሳራን ከኣ እምበር። ኣብ ዓይና ንጹህ ጹሩይ ማይ ዝመስል ንብዓት ይዓቆሮ ኣሎ። ገና ካብ ዓይና ግና ናብ ገጻ ኣይፈሰስ ዘሎ።

 ካልኣይ ክፋል ይቅጽል።

ሶሲ

Comments are closed.