ዎ ሕዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው። ኢሳይያስ 3፡12

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መቀጸልታ ካብ ዝሓለፈ

ፍቁራተይ!

ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንደቂ ተዋህዶ ኣዝዩ ዘገድስ ብዘይካ እቲ “ሓድሽን ኣከራኸርቲ ትምህርትን” ዝተላዕለ ነጥቢ: ጉዳይ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ።  ብዛዕባ ምንፍቅናዊ ትምህርቲ እንታይ ተባሂሉ ፧ ብዛዕባ ቅዱስ ሲኖዶስ ከ፧ እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፎም ንመልከቶ። እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣብዘን ክልተ ሕቶታት ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ።

2.2.2.   ኣብ ሞንጎ ሓጺር ናይ ደብዳቤታት ምልልስ

ብዕለት 22 ነሓሰ 2022 ድማ ካብ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ማእከላይ ምብራቕን ደብዳቤ ተጻሒፉ መጺኡ። ናይቲ ምርድዳእ ዝነበሮ ቦኽሪ ጉባኤ ብምምስጋን ድማ ነቲ ዝተረዳዳእናሉ ነጥብታት ብንጹር ተመዝጊቡ፣ ነቲ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ትምህርትታ ድማተዓሊቡ ክጸንሕከም ዝፈትዉ መልሲ ሰዲዶም። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዘሎ ሕቶታት ብጽሑፍ ኪቐርብ ከምዝተሰማማዕናዮ ቅድሚ እቲ ካልኣይ ርክብና ክስደድ ከም ዘለዎ ድማ ተማሕጺኖም። ብዕለት 27 ነሓሰ 2022 ድማ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ደብዳቤ ብምጽሓፍ ነቲ ቅልጡፍ መልሲ ዝሃብዎ ብምምስጋን፡ ነቲ ብዛዕባ ጋሻ ትምህርቲ ዝምልከትተዓሊቡ ክጸንሕ ዝብል ዝሃብኩሞ መልሲ ተወሳኺ መብርሂ ስለ ዘድልዮ፡ ኣብ ዝቕጽል ደብዳቤና ኮነ ዘተና ክበርህ ምዃኑ ንሕብር። ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብትውፊት ዘይተቐበልናዮ ትምህርትታት ክሳዕ ንኹሉ ዘማእክል ቅዱስ ሲኖዶስ ጉባኤ ሠሪዑ፡ ብግቡእ ርእዩን መርሚሩን ውሳኔ ዝህበሉ ከም ኣርእስቲ ከይለዓሉ፡ እንተተለዓሉ ድማ በቲ ቤተክርስቲያንና ሒዛቶ ዝጸንሐት እምነትን ትምህርትን ክቕጽል ምዃኑ ከነስምረሉ ንደሊዝብል መልሲ ተዋሂቡ።

 ገለ የዋሃት እንታይ ኢዩ’ኸ ሓዲሽ ትምህርቲ ኢልካ ፧ ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን ኢዩ። ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቅስ ኣማኒ ኣይምሰኩም። ሰይጣን’ውን ጥቕሲ ይጠቅስ ኢዩ። ስለዚ በዚ ኣይግረምኩም ከምኡ’ውን ኣይትደናገሩ። እኳ ደኣ ንሓዲሽ ትምህርቲ ኣመልኪቱ እቲ ጐይታ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ከምዚ ይብል  “ ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 2ይ ዮሐንስ 1፡10።  ከም’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ “ ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ።  እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።  ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።  ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ።” ገላትያ 6፡6-9። ክብል ውግዘት ዘለዎ መጠንቀቕታ ብምሃብ ብኣጽንዖት ኣንቢርዎ ኢዩ።

ፍቁራተይ!

እቲ ዕላማ ኣጽራረ ቤተክርስቲያን ብጋህዲ ብጽሑፎም ቀሪቡ እንሆ። እግዚአብሔር ኣይኣርግን ኣይቅየርን ኢዩ። ኣምላኽና ብኣፍ ነብይ እግዚአብሔር ሚልኪያስ “ኣነ እግዚአብሄር ኣይልወጥን እየ። ” ሚል 3፥6። ኢሉ ንሱ ዘይቅየር ምዃኑ ይነግረና። ሓዋርያ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ እዩ።” እብራውያን 13፡8። ብምባል የጽንዖ። እሞ ጉዳይ መናፍቃዊ ትምህርታት መዕለቢ ከይተገብሮ፡ በየናይ መምዘኒ ኢዩ ሓድነት ዝኸውን ፧ ናይ ክርስቲያን ምንጪ ሓድነት መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ “ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ሥጋ ኢና።” ሮሜ 12፡5። ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሕብረት፡  ክህሉ ዝገብርን፡ ሓድነት ዝህብን ባዕሉ ክርስቶስ ኣምላክና ኢዩ። ኣብ ነገረ ክርስቶስ ናይ ሓባር ትምህርቲ እንተዘየሎ፡ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢዩ ክወሃብ ፧ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኪደት ኢዩ! “እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ።” 2ይዮሓ 1፡9 ይብል እሞ “ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ።” ኢሉ ኣባታዊ ምኽሩን ትእዛዙን ድሕሪ ምሃብ “እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሓቢርዎ ኢዩ።” 2ይዮሓ 1፡11። ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ሰብ ካብቶም  ካብ ሃይማኖት ዝዓለዉ ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ክንመላለስ ከምዘለዎ ኣንቢርዎ ኣሎ።

ክርስቶስ ቅድም ዘይሰርዕ፡ ንክርስቶስ ማእከል ዘይገበረ ሕብረት ዕላማኡ እንታኮን ይኸውን፧ ነቢይ “ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።” ኢሳይያስ 3፡12። ብግብሪ ኣብዚ እነሆ። “ነቲ ዝተጠቕሰ ሓድሽ ትምህርትታ ድማተዓሊቡ ክጸንሕ.” ክሕደት ኣብ ጉርምባኻ ኣቐሚጥካስ በታ ጸባብ መገአዲ ተዋሕዶ ክትከይድ ዘይሕሰብ ኢዩ። ናይ ዘአመና ኣካናት፡ ሕርሚ ክሕደትካ ከየገደፍካ ዝበሃል ሕብረት ንጥፍኣት እምበር ልምዓት የብሉን። ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ኣሓትን ኣሕዋትን ሥድራ ክርስቶስ፡ ፍርቂ ሓቂ (half truth) ሓሶት እምበር ሓቂ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ዘይብሉ ሕብረት ሓቀኛ ሕብረት ኣይኮነን። እንተኾነ’ውን ከም ክርስቶስ ንምቕታል ዝተገብረ ናይ ሄሮድስን ጲላጦስን ስምምዕ ኢዩ። “ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ።” ሉቃስ 23፡12። ይብለና ወንጌላዊ ሉቃስ።      

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ እቲ ካልኣይ ንርእዮ ነጥቢ እቲ ንኹሉ ዘማእክል ቅዱስ ሲኖዶስ ጉባኤ ሠሪዑ፡ ብግቡእ ርእዩን መርሚሩን ውሳኔ ዝህበሉ ከም ኣርእስቲ ከይለዓሉ፡ዝብል ኢዩ። ንኹሉ ዘማእክል ቅዱስ ሲኖዶስ ጉባኤ ሠሪዑዝብል ሓሳብ ክልተ ዝተፈላለየ ትርጉም ኢዩ ዝህብ።  ቀዳማይ ንኹሉ ዘማእከለ ሲኖዶስ ኣሎ ኢሎም ስለዘይኣምኑ፡ እቲ ንሶም ዝደልዮ ሲኖዶስ ምስ ቆመ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ እቲ ዘሎ ቅዱስ ሲኖዶስ ንከሳስን ተኸሳስን፡ ንግጉይን ንዝእርምን ዘማእከለ ድማ የስምዕ ኢዩ።  

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ካብ ዝግበር ኩሉ ሓድሽ ነገር የለን ይብለና ሰሎሞን። ስለዚ ሓድሽ ክሕደት’ውን የለን። ቤተክርስቲያን ቅድሚ ሕጂ መልሲ ዘይሃበትሉ ሕቶን ክሕደትን የለን። ስለዚ እዚ ሕጂ ኣከራኻሪ ዝበሃል ዘሎ ትምህርቲ፡ ቤተክርስቲያን ንመዋእል በቲ ርቱዕ መገዲ ምሂራትሉን ትምህረሉ ኣላን። እቲ ጸገም እዞም ሰባት ቅድም ባዕሎም ንቤተክርስቲያን ገዲፍማ ከይዶም። ሕጂ ድማ ካብ ደምበ ኣባጊዕ ወጺኦም ብምዃድ ዝቐረምዎ ግጉይ ትምህርቲ ኣከራኻሪ ዝብል ስም መጎልበቢ ገይሮም ንቤተክርስቲያን ኣብ ካልእ ዓበይቲ ስራሓት ከይትነጥፍ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሓልዮት ብዝመስል ኣብ ሸንኮለል ንኽትነብር ዝገብር ኢዩ።

ሥድራ ክርስቶስ፡ “ሕጋዊ ሲኖዶስ ምስ ቆመ” እዞም ሰባት ትማሊ ንቤተክርስቲያን ኣብ ውሽጣ ኣትዮም፡ ኣብ ውሽጣ ኮይኖም ተዋጊኦማ ኣይሰለጦምን። ስለዝተነቕሓሎምን፡ ስለዝፈለጠቶምን ዝፈለየቶምን፡ ሕጂ ብካልእ ኣርእስቲ ብግዳም ኮይኖም ክዋግኡዋ ናብዚ እንርዮ ዘይቅዱስ ሕብረት በጺሖም ኣለዉ። ኣማኒ ተዋህዶ ብጥንቃቐን ብምስትውዓልን ምኻድ ዘድልዮ ጊዜ ኢዩ። ብርሃንካ ከጥፍኡ ኢዮም ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ። ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘጋጠመን ሕጂውን ዝኸይድ ዘሎን ኩነታት ትፈልጥዎ ኢኹም። ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ “መፈንቅለ ሲኖዶስ” ኢሉ ገሊጽዎ ኢዩ። እዚ መፈንቅለ ሲኖዶስ ብኽልተ መገዲ ይፍተን፡ እዚ ድማ ቀዳማይ ጳጳሳት ኣንጻር እቲ ዘሎ ሕጋዊ ሲኖዶስ ብዘይ ሕጋዊ መዳይ ከምዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ብብሄር፡ ብዓሌት፡ ብወገን፡ ብፖለቲካ ኣብ ውሽጡ ድቂ ናይ ክሕደት ጠኒሱ ዝመጽ ኢዩ።  እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ብኃይሊ እግዚአብሔር ብትዕግስቲን መሪሕነትን ቅዱስ ሲኖዶስ ብጽንዓት ምእምናን ከምቲ ዝተሓስበ ኣይኮነን። ካልኣይ ድማ እቲ ምኽንያት ተመሳሳሊ ኮይኑ ሓደ ፓትርያርክ ካብቲ ናቱ ቅዱስ ሲኖዶስ ተፈልዩ፡ ብናቱ መገዲ ክኸይድ ከሎ ንልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ ዘነኣእስ ካብ መፈንቅለ ሲኖዶስ ፈሊኻ ዘይረአን ኢዩ። ስለዚ እዚ “ሕጋዊ ሲኖዶስ ምስ ቆመ” ዝብል ንልዑላውነትን ናጽነትን ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘዋርድ ኢዩ። ንሕጋውነት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘይምሃብ፡ ነቲ ጽባሕ ክግበር ኣብ መደብ ተታሒዙ ዘሎ ዝተሓብአ ጥጁእ ኣጀንዳ ቤተ ተሓድሶን መናፍቃንን ዝእንፍት ዘይቅዱስ ሓሳብ ኢዩ።

ኣብ ዘለናዮ ጊዜ መናፍቃን ቤተክርስቲያን ንምቁጽጻር ካብ ክልል ቤተክርስቲያን ክሳብ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝተፈላለየ መገዲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ጸሓይ ዝበረቐሉ ሓቂ ኢዩ። እዚ ናይ ሕጂ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቀደም ኣይክኸውንን ኢዩ። እቲ ብወገን ኣባ ማሕጸንተ ዝምራሕ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጸገም እምበር ናይ ሃይማኖት ጸገም ዘይብሉ መሲልዎ ዝሰዓቦ ወዲ ቤተክርስቲያን ብዙሕ ኢዩ። ይኹን’ምበር ታሪኽ ከምዝምህረና፡ ኩሉ ክሕደት ክጅመር ከሎ ፖለቲካ ጉልባብ ዝገበረ ኢዩ። ፍጻሜኡ ድማ ክሕደት ይኸውን። እዚ እንርዮ ዘለና ድማ ካብቶም ዝሓለፉ ክሕደታት ዝተፈልየ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ትማሊ ክብገስ ከሎ፡ መንግስቲ ካብ ቤተክርስቲያን ኢዱ የውጽእ ዝብል ዝነበረ ግሉባብ ጭርሖኦም፡ ሕጂ ብክልተ እግሩ ኣብቲ ዕያግ ርኽሰት መናፍቃን ተሸሚሙ እነሆ። እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ተፈሊኻ ናይ ምኻድ ውጽኢት ኢዩ። ጐይታ ብዛዕባ እዚ ኣቐዲሙ “ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም።” ይብል እሞ ኣስዕብ ኣቢሉ ግብረ መልሲ ጽንዓት ክገልጽ ከሎ“ እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።
ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።” ዮሓ 15፡4-6።

ኣቦታት ኣዴታት፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ጉንዲ ሃይማኖት ቅዱስ ሲኖዶስ ኢዩ። ጳጳስ ኮነ ፓትርያርክ ንውልቆም ጨናፍር ደኣ እምበር ጉንዲ ኣይኮኑን። ቅዱስ ቆጵርያኖስ ብዛዕባ ሓድነት እታ ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎ “ኣካል ክርስቶስ (ኣባል ቤተክርስቲያን) ንምዃን ምእመን እንተዄንካ፡ ምስ ካህን ሕብረት ክህልወካ የድሊ። እቲ ካህን ንባዕሉ ድማ ምስ ጳጳስ ሕብረት ክህልዎ የድሊ። ይኹን’ምበር እቲ ጳጳስ ድማ ምስ ካልኦት ጳጳሳት ርክብን ሕብረትን ከምኡን’ውን እቶም ጳጳሳት ንሓድሕዶም ብሕይወትን ብእምነትን ምትእስሳር ክህልዎም የድሊ። ጳጳስ ርክቡ ደው እንተ ኣቢሉ መተካእታኡ በቶም ዝተረፉ ጳጳሳት ካልእ ይሽየም። እቶም ምእመናንን ካህናትን ድማ ምስኡ ጥራይ ሕብረት ክገብሩ እዙዛት ኢዮም።” ይብል።

እዚ ናይ ቅዱስ ቆጵርያኖስ ብመንጽር ህሉው ኩነተ ቤተክርስቲያንና ክትርጎም ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ብመሰረት ሥርዓተ ቤተክርስቲያንና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣብቲ ዝነብሮ ዓዲ ወይ ከተማ ናይ ንስሓ ኣቦ ኣለዎ ወይ ክህልዎ ይግባእ። እዚ ምስቲ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ምስ ካህን ሕብረት ክህልዎ የድሊ ዝበሎ ሓደ ኢዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዓዲ ወይ ከተማ ናይ ንስሓ ኣቦ ዘይብሉ ኣማኒ፡ ክርስቲያን እየ። ኣማኒ እየ፡ ክብል ዝኽልክሎ የለን። ብሥርዓት ናይ ቤተክርስቲያን ግን ኣብቲ ሕብረት የለን። ብካልእ ኣዘራርባ ካብቲ ኣካል ተፈልዩ ኣሎ። ብምቕጻል እቲ ነፍስ ወከፍ ካህን ድማ ምስ ጳጳስ ሕብረት ክህልዎ የድሊ። በዚ ናይ ዘለናዮ ነፍሲ ወከም ካህን ምስቲ ኣብቲ ዝነብሮ ሃገረ ስብከት ዝተመደበ ጳጳስ ሕብረት ክህልዎ የድሊ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት ሓደ ጳጳስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ወጻኢ ከይዱ ኣብ ናይ ካልእ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኢዱ ኣየእቱን፡ ካህን’ውን ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ናይቲ ኣብቲ ሃገረ ስብከት ዝተመደበ ጳጳስ ወይ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዝኾነ ኣገልግሎት ክገብር ኣይክእልን። እቲ ጳጳስ ድማ ምስቶም ኩሎም ጳጳሳት ርክብን ሕብረትን ክህልዎ የድሊ ዝበሎ፡ ምስቲ ጉባኤ ናይ ጳጵሳት ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ማለት ኢዩ። ሓደ ጳጳስ ካብዚ ሕብረት ናይ ጳጳሳት ወይ ጉባኤ ናይ ጳጳሳት ምስ ዝፍለ ወይ ርክቡ ደው እንተበለ፡ እቶም ዝተረፉ ጳጳሳት ማለት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ክንድኡ ካልእ ይሸሙ። ይብል።  ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያንና ዝተራእየ መስርሕ እምበኣር ነዚ ዝተኸተለ ኢዩ። ሓዋርያ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።” ድሕሪ ምባል ብኸመይ ከምዝዕበ ከብርህ ከሎ ድማ“ብዘሎ እቲ ሥጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።” ኤፌሶን 4:15-16። ኢሉ የብርሆ።

ሊቅ ኣጉስጢኖስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስን ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያንን ክምህር ከሎ   ሕይወት ኣብ ቤተክርስቲያን ኣሎ ምኽንያቱ ኣብ ቤተክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ኣሎ። ይብል። ኣስዒቡ “ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ክሓድር እንተደሊኹም ጽን ኢልኩም ስምዑ። ናትና መንፈስ፡ ብኣኣ'ውን ነፍስወከፍና ዝነብር ነፍሲ ትበሃል። ኣስተውዕሉ'ሞ ነፍሲ ንኣካል እንታይ ከምትገብር። ንመሓውርና ሕይወት ትህቦም። ብዓይኒ ትርኢ ብእዝኒ ትሰምዕ፡ በኣፍንጫ ድማ ተሽትት፡ ብልሳን ትዛረብ። ብኢድ ትዓዪ፡ ብእግሪ'ውን ትጓዓዝ (ትኸይድ)። ኣብ ሓደ ቦታ ትርከብ ብተመሳሳሊ ከኣ ኣብ ኩሎም እቶም ህዋሳት ሕይወት ክትህቦም ኣብኦም ትርከብ። ንኹሎም ህዋሳት ሕይወት ትህቦም ንነፍስ ወከፍ ድማ ሰስርሑ። ዓይኒ ኣይኮነን ዝሰምዕ፤ እዝኒ ኣይኮነን ዝርኢ፤ ዓይኒ ወይ ድማ እዝኒ'ውን ኣይኮነን ዝዛረብ። ግን ከኣ ሕይዋን ኢዮም። እዝኒ ህያው ኢዩ። ዓይኒ ሕያው ኢዩ። እቲ ሕይወት ሓደ ኢዩ፡ ተግባሮም ግን ዝተፈላለየ ኢዩ። ቤተክርስቲያን ኣምላክ ድማ ከምኡ ኢያ። ብመንገዲ ገለ ካብ ኣመንታ ተኣምራት ትገብር። ብገሊኦም ድማ ንሓቂ ትምህር። ብገሊኦም ናብራ ድንግል ክትዕቅብ ከላ፤ ብገሊኦም ድማ ንጽሕና መውስቦ ተኽብር። እቲ ዕዮ ዝተፈላለየ ኢዩ። እቲ ሕይወት ግን ሓደ ኢዩ። ከምቲ ነፍሲ ንኣካል ናይ ሰብ ዝኾነቶ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነታ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ንብምልእታ ቤተክርስቲያን ከምዝገብሮ ነፍስ ንኣካል ናይ ሓደ ሰብ ከምትገብሮ ኢዩ። እምበኣር ረኣዩን ኣስተውዕሉን! ንመን ከምትፈርሁን ካብ ምንታይ ክትዕቀቡ ከምዝግባእ። ህዋስ ካብ ኣካል እንተተቖርጸ (ኣጻብዕ፤ኢድ ወይውን እግሪ) ነፍሲ ምስቲ ዝተቖርጸ ኣካልዶ ትኸይድ ኢያ፧ ኣብቲ ኣካል ኣብ ዝነበረሉ እቲ ህዋስ ሕይወት ነይርዎ። ምስ ተቖርጸ ግን ሕይወት የብሉን። ክርስቲያን ድማ ከምኡ ኢዩ። ኣብቲ ኣካል ምስዝህሉ ጥራይ ኢዩ ሕይወት ዝህልዎ። ካብቲ ኣካል ምስዝቑረጹ (ዝፍለዩ) መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ኣይከውንን ኢዩ።” ብምባል ብዝድህሰስን ዝጭበጥን ምሳሌ ይምህር። እዚ ካብ ቤተክርስቲያን ዝኾብለለ ጉጅለ ተሓድሶ፡ ካብ’ቲ ጉንዲ ሃይማኖት ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስን ካብ ሓድነት ቤተክርስቲያንን ተፈልዩ ሕይወት ዘይብሉ ኢዩ። ናይ ክርስቶስ  ባርያ ሓው ያዕቆብ ቅዱስ ይሁዳ “ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደመና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ።” ኢሉ ዝገለጾም ኢዮም።  ይሁዳ 1፡12። ካብ ጠሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ሓድነት ቤተክርስቲያን፡ ካብ ጉስነት ቅዱስ ሲኖዶስ ተፈሊኻ ዝቐውም ቤተክርስቲያን፡ ዝርከብ ሕይወት የለን።

ቅዱስ ሲኖዶስ ዘየለ እንተኾይኑ፡ ቤተክርስቲያን’ውን የላን። ቤተክርስቲያን እንተዘየላ፡ ድማ ምእመናን የለውን። ብካልእ ኣዘራርባ፡ መናፍቃን ነታ ከይትህሉ ዝደልዩዋን፡ ንከይትህሉ ዝተዋግኡዋን ዝዋግኡዋን ዘለዉ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብቲ ቀዳማይ ስለዘይተዓወቱ፡ ሕጂ ብሓድሽ ቅዲ መጺኦም ኣለዉ። ሓድሽ ቅዲ ዝተባህለ መቐጸልታ ናይቲ በትረ ሥልጣን ሒዞም ከተግብርዎ ዝሓሰቡ እሞ ዘይሰለጦም፡ ሕጂ ድማ ካብ ቤተክርስቲያን ዝተፈልዩ ጳጳሳትን ውልቀ ሰባትን ኣኻኺቦም ነቶም ከካብ ገዳሞም ተመሪጾም ብዝመጹን ዝተሸሙን ጳጳሳት ዝቖመ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ሕጋዊ ኣይኮነን ምባሎም ነቶም መጋበርያኦም ዝኾኑ ዘይሕጋውያንን ገለ’ውን ውጉዛትን ጵጵስና ዘይብሎምን ሕጋውያን ብምግባር እንተ ተኻኢሉ ናቶም ሲኖዶስ ንምቋም፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ናቶም ተወከልቲን ልኡኻትን ንምእታው ኢዩ። እቲ ካልእ ኣብዞም ጉጅለ መናፍቃን እንርእዮ ምስቶም ኩሎም ዝሓለፉ መኣፍቃን ዘመሳስሎም ናይ ሥልጣን ጽምኢ ኢዩ። ኣብዚ ምትእኽኻብ ዘለዉ ኩሎም፡ ክሳብ እታ ካብ ሥልጣኖም ዝእለዩ ኣብ መንበር ሥልጣን ተኾይጦም ዝነበሩ፡ ብዝተፈላለየ ናትታቶም ሽግር ገለ ብክሕደት ገለ ብምቢተኛነት ምስተኣልዩ ድማ ኣንጻር ቅድስት ቤተክርስቲያንን ምሕደራኣን ደው ዝበሉ ኢዮም። እዚ ከኣ ሥጋዊ መገዲ፡ ምድራዊ ሓሳብ ኢዩ።

ኦ ህዝበ ክርስቲያን ክሳብ መዓስ ኢኻ ክትታለል ክትነብር ፧  ቤተክርስቲያን ቤት እምነት፡ ብደሙ ዘጥረያ ኣካል ክርስቶስ ኢያ። እዞም ሰባት ካብ ዝቀደመ ተማሂሮም ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ኣብ ክንዲ ምጥዓስ ካብ ቤተክርስቲያን ኣዝዮም እንዳ ረሓቑ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ወገነይ! እሞ ክሳብ መዓስ ስቕ ኢልካ ክትስዕቦም ኢኻ፧ ኣይግድን! ቆርቦት በጊዕ ተኸዲኖም ክሕደትን ምንፍቕናን ንዝዘርኡ፡ ቀንዴልካ ንምጥፋእ ንዝተሰማምዑን ዝተመሓሓሉን ዓይንኻ ተዓሚትካ ምርኣይ ጽባሕ ተጣዒስካ ዘይምለስ፥ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ዘሞግስ ዘይኮነ ዘውቅስ ድርብ ክሳራ ምዃኑ ፈሊጥካን ተረዲካን ነዛ ብደም ጐይታ ተመስሪታ፡ ብስብከት ሓዋርያት ዝቖመት በኣዕጽምቲ ሰማእታት ተነዲቓ ዝጸንዐት ሓንቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኣጽናፋዊት ቤተክርስቲያንካ ደው በል።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.