ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። ዕብራውያን 13፡9።

 

ስልሳይ ክፋል

መሲሎም ንዝመጹ ብኸመይ ንፈልጦም፧

ከምቲ ተኹላ በጊዕ መሲሉ ኢዩ ዝመጽእ። ሰይጣን’ውን መልኣኽ ናይ ብርሃን መሲሉ ኢዩ ዚመጽእ። 13 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሓዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሓዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። 14 ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።15 ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ። 2ይ ቆሮንቶስ 11፡13-15። ነዞም መሲሎምን ተምሳሲሎምን ዝመጹ እነለልየሉ ኣብ ዝሓለፍ ክልተ ርኢና ኔርና። ንሎሚ እንርዮ መቐጸልታ ናይ ዝሓለፍ ኢዩ።

ሀ- ኣዘራርባኦም

ጥዕና ናይ ሰብ ኣብ ኣፉን ኣብ ልሳኑን ኢዩ ዝንጸባረቕ። ነዚ ኢዩ ሓካይም ምስቲ ካልእ ዝገብርዎ መርመራ ኣፍካ ክፈት፡ እስከ ልሳንካ ብምባል ዝሓቱና ኩንነታት ጥዕናና ምስ ኣፍናን ልሳናን ስለዝተሓሓዝ ኢዩ። ድምጺ ፍሉይ መለለዪ ኢዩ። ጐይታ ንኣፍ ኣመልኪቱ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ሉቃ 6፡45።” እግዚአብሔር ንሙሴ ጸዊዑ ናብ ደቂ እስራእኤል ክሰዶ ክልእኾ ከሎ፡ ሊቀ ነብያት ሙሴ “እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧” ኢሉ ሓቲትዎ። “ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ ኣነ እየ እቲ ዘሎኹ፡ በሎ።” ይብል እሞ ኣስዒቡ “እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም።” ኢሉዎ። ዘፀ 3፥14-15። ኣነ ኢሉ ንባዕሉ ክገልጽን ክዛረብን ዝኽእል ብዘይካ እግዚአብሔር ካልእ የለን። ምኽንያቱ ፍጡራት ኣለዉ ክበሃሉ ሞትን ሕልፈትን፡ ካብ ርእሶም ምንም ክገብሩ ዘይክእሉ ኢዮም። እግዚአብሔር ግን ኩሉ ዝኽእል፡ ኩሉ ዝመልኽ፡ ኩሉ ዝፈልጥ፡ ኩሉ ዝርኢ፡ ኩሉ ዝምርምር፡ ኩሉ ዝፈርድ ኣምላክ ኢዩ’ሞ “ኣነ” እንተበለ ንባህሪኡ ዝሰማማዕ ኢዩ። ዲያብሎስ ዝወደቐ “ኣነ” ብምባል ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን’ውን ዝወደቑ “ኣነ” ንዝብል ብምኽታል ኢዩ። ብዙሓት ብእምነት ጀሚሮም ብክሕደት ዝወድኡ ከንደልህጹ ዝገበሮም እዚ “ኣነ” ዚብል ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ናይ ክሕደት መጀመሪ “ኣነ” ምባል ኢዩ። “ኣነ ቅኑዕ” “ኣነ እፈልጥ” “ኣነ እኽል” “ኣነ… ኣነ… ኣነ…” ስለዚ መናፍቃን ብ “ኣነ” ጀሚሮም “ብንዓይ” ኢዮም ዚውድኡ። ስለዚ ኣነ ዝብል ኣዘራርባኦም ዘይመንፈሳውያን፡ ሥጋውያን ምዃኖም ምስክር ኢዩ።

ጐይታ “ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ካብዝመጹ ተዃሉ ተጠንቀቑ።” ብምባል ዝሃበና መምርሒ ዝፍተነሉ ኣዘራርባኦም ኢዩ። ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ዝመጸ ዝልለየሉ ድምጹ ኢዩ። በጊዕን ተኹላን ዝተፈላለዩ ኢዮም። ከምኡ ድማ ድምጺ በጊዕ ፍሉይ ኢዩ። ድምጺ ተኹላ ፍሉይ ኢዩ።  በጊዕን ተኹላን ንምፍላይ፡ ድምጺ ምስማዕ ወሳኒ ኢዩ። “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ክንሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።” ማቴዎስ 7:15። ሓደ ሓደ ጊዜ ብዓይኒ ርኢኻ ክፍለ ዘይተኻእለ ብእዝኒ ምፍላይ ይከኣል ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ህዋሳትና መሳርሒ ጽድቂ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። እዝንና በጊዕን ተኹላን መፍለዪ ኢዩ፡ እንፈልየሉ ድማ ብድምጺ ኢዩ። ካብ ኣዘራርባ ኢዩ። ኣብዚ ንመእምናን ዘመሓላልፎ ምኽሪ፡ ሰሚዕካ ንምምማይ፡ ፍልጠት ኣድላዪ ኢዩ። ፍልጠት ቤተክርስቲያን፡ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ፡ ፍልጠት እቶም ቅኑዓትን ቅዱሳንት ኣቦታት ወሳኒ ኢዩ። ድምጺ ተኹላን ድምጺ በጊዕን ፈላሊኻ ንምፍላጥ፡ ድምጺ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ምፍላጥ ኢዩ እቲ ምስጢር። ድምጺ ናይ ክርስቶስ ዝስማዓላ ድማ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኢያ። 

መናፍቃን እወ እወ፡ ኣይኮነን ኣይኮነን ዘይኮነስ እወን ኣይኮነን ክልቲኡ ዝተፈራረቖ ዘረባ ኢዮም ዚዛረቡ። ንጉሆ ዝበልዎ ንምሸት፡ ምሸት ዝበልዎ ንንጉሆ ኣይደግምዎን ኢዮም። ጐይታ ድማ “እወ እወ” “ኣይፋል ኣይፋል” በሉ ኢዩ ኢሉና። ቅዱስ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።” ብብምባል ይመኽረና። ኤፌሶን 5፡6።

ለ- ብትምህርቶም -

ጐይታ ነቦታትና ሓዋርያት ዝሃቦም ትዛዝ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”  ዝብል ኢዩ። ማቴ 28፡19-20። ወንጌል ኣብ ዓለም ተዘርጊሓ ብርሃን ክትከውን ዝኸኣለት ብትምህርቲ ኢዩ። ትምህርቲ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ እትፈልጠሉ፡ እትፈልጦ ዝነበረ ድማ ዝያድ እተዕብየሉ ኢዩ። ጽቡቕ ትምህርቲ ኣሎ። ጽቡቕ ትምህርቲ ካብ ጐይታ፡ ካብ ሓዋርያት፡ ካቶም ንጐይታ ዘስመርዎ። ምሳሌ 4፡2። ሕማቕ ትምህርቲ ድማ ኣሎ። ሕማቕ ትምህርቲ ካብ ኣቦ ሓሶት ዲያብሎስ፡ ካብቶም ንክርስቶስ ዘይኮነ፡ ነቲ ጸላኢ ደቂ ሰብ፡ ከሳሲ ኣሕዋትና ሰይጣንን ኣገልግልቱን ኢይ ዚመጽ። ቅኑዕ ትምህርቲ ናብ እምነት ዘብጽሕ፡ ብሃይማኖት ሃኒጹ ብምግባር ክትወቅብ ዝገብር ኢዩ። ብኣንጻሩ ድማ ካብ እምነት ናብ ክሕደት፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፡ ካብ ክብሪ ናብ ሓሳር፡ ካብ ውሉድ ናብ ባርያ ዘብጽሕ፡ ካብ ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ኣውጺኡ ናብ ምንፍቕናን ጥፍኣትን ዝመርሕ እቲ ጊጉይን ዘይቅኑዕን ትምህርቲ ኢዩ። ኣንነት፡ ቅንኢ፡ ሓሶት፡ ጥልመት፡ መናፍቕነት፡ ቅትለት ወዘት ኩሉ ካብ ቄናናት መማህራን ዝመጸ ቄአናን ትምህርቲ ኢዩ። መንነት ናይ መምህር ወሳኒ ብምዃኑ ኢዮም ቤተ ኣይሁድ ንጐይታ “እዚስ ኣበይ ተማህረ” ኢሎም ዚሓተቱ።

ቅዱስ ጢሞቴዎስ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ተማህራይ ኢዩ። ሓዋርያ ንጢሞቴዎስ ንዕኡ ኣምሲሉ፡ ክንድኡ ኣእኪሉ ብወንጌል ዚወለዶ ብምዃኑ ጸኒሑ ኣብ ዝሰደደሉ መልኽቲ “ንስኻ ግና ንትምህርተይ ሰዓብካ።” ብምባል ኣሞጊስዎ ኣሎ። ኣሰር ሓዋርያት ስዒብና በዛ ወልድ ዋሕድ እትብል ቅድስት ተዋህዶ ሃይማኖትና ደው ክንብል እግዚአብሔር ብፀጋኡ ይደግፈና።

መናፍቅ ዝኾነ መምህር፡ መናፍቅ ዝኾነ ወደ መዝሙር ኢዩ ዘፍሪ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተደጋጊሙ ተጠንቀቑ ዝተባህለሉ ምንፍቕና ኢዩ። መናፍቅ ዝብል ቃል ካብ ንፍቅ ዝብል ቃል ዝወጸ ኮይኑ፡ ንፍቅ ማለት ፍርቂ ማለት ኢዩ። መናፍቅ ማለት ድማ ትርጉሙ ጎደሎ ማለት ኢዩ። ብመንጽር ሃይማኖት መናፍቅ ክበሃል ከሎ፡ ተጠራጣሪ፡ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ፡ ብእምነት ምሉእ ዘይኮነ፡ ብሃይማኖት ፍጹም ዘይኮነ፡ ላንጋላንጋ፡ ኣይውዑይ ኣይዝሑል፡ ተወላዋሊ፡ ተለዋዋጣይ ምስ ኣመንቲ ክኸውን ከሎ ኣማኒ መሲሉ ዝረአ፡ ምስ ዘይኣመንቲ ድማ ዘይኣምን፡ ተጻራሪ ኣረኣእያ ዘለዎ፡ እምነቱ ጎደሎ፡ ከሓዲ ዝኾነ ሰብ ማለት ኢዩ። ካብ’ቲ ዝጸንሐ እምነት፡ ባህሊ ሃይማኖት(ትውፊት)፡ ወግዒ ፍሉይ እምነት ወይ ኣረኣእያ ዘለዎ ማለት ኢዩ።

ሓደ ሰብ መናፍቅ ኢዩ ዚበሃል ካብ እምነትን ሥርዓትን ቅድስት ቤተክርስቲያን ወጻኢ ኣብ መጽሓፍ ዘይረኸቦ፡ ብትውፊት ዘይተቐበሎ ዝምህርን፡ ብእኡ ዝነብርን ኢዩ። መናፍቕ ሰብ 99 ጥዑይ ትምህርቲ ምሂሩ በታ ሓንቲ  ( 1 ) ናይ ክሕደት ትምህርቲ ማዕጾ መንግስተ ሰማያት ክዕጽወልናን ናብ ኩነኔ ከብጽሓናን ስለዝኽል ካብቶም ብጌጋ ዝመላለሱ ክንርሕቕ ይግባእ። ቅዱስ ያዕቆብ’ውን “ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን።” ያዕ 2፡10። ብምባል ነዚ የጽንዖ። ጐይታ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ “ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።” ዝበሎ ብምሓዝ ሓዋርያት ኣብዚ ተሓባቢሮም ኢዮም።  ቅዱስ ጴጥሮስ “ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። 2ይ ጴጥ 2፥1። ይብለና። ጐይታ ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነብብያትን ዝበሎም፡ ቅዱስ ጴጥሮስ መማህራን ሓሶት ብምባል ክገልጾም ከሎ፡ መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ ኣኽላባትን እኩያት ዓየይቲን ብምባል ምስ ጐይታን ምስ ሓዉ ቅዱስ ጴጥሮስን ይሰምር። ከምዚ ድማ ይብል “ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ።” ፊሊጲ 3፥2።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Comments are closed.