“ ኃይሊ ናይቲ ባዶ መቃብር”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።

እቲ ሰዓቱ ህልም ዝበለ ጸልማት፡ ጋብ ዝበለ ለይቲ፡ ማርያም መግደላዊት ነቲ ዓቢ ብሥራት ዝምስከርትሉ ግዜ እዮ። እታ መዓልቲ፡ ንሳ ፡ቅድሚ እቲ ክርስቶስ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙርን፡ ቅድሚ እቶም ንዓለም ብርሃን ክኸንዋ ዝተሓርዮ ሓዋርያት፡ ብልሳና ትንሣኤ ክርስቶስ  ዘበሰረትሉ መዓልቲ እዮ። ኣብቲ እዋን ኣብቲ ሰዓት ከም ዘለኻ ጌርካ ቁጸር እሞ፡ ምስኣ ኣብቲ ደገ መቃብር፡ ደው በል። ነቲ መቃብር ዝኸደነ ገዚፍ እምኒ ካብ ቦትኡ ለቂቁ ኣሎ። እቲ መኽደኒ እምኒ ሓደ ሰብ በይኑ ክኣልዮ ኣይክእን እዩ። እቲ ሓቀኛ መምህራ ኣብቲ ከርሲ መቃብር የለን። ልባ ብጓሂ መሊኡ፡ ንብዓታ ከም ውሕጅ ይዛሪ ኣሎ። ትንኽነኽ ኣላ፡ ከመይ ከ ዘይትንኽነኽ፡ እቲ ተስፋ ሕይወት ዝሃባ፡ ኣብ መስቀል ክስቀል ዝርኣየት፡ ካብ መስቀል ወረዱ ኣብ ከርሲ መቃብር፡ ብዓቢ እምኒ ክዕበጥ፡ ብዓይና ክትርኢ ከመይ ሓዘናን ጓሂኣን ጸጸኒሑ ዘይብእስ።

እቲ ካብ ኃጥያት ዘንጸሃ፡ ዝረሓቀ ሰላማ ዝመለሰላ፡ ሞይቱ ኣብ ሓመድ ዝተቀበረ፡ ኣብቲ ዝተቀበረሉ መቃብር  የለን። ነቲ መሪር ሓዛና፡ ሓዘን ተወሲኽዎ፡ ልባ ክሳብ ትወጽእ ስንባደ ፈጠረላ። እቲ መሓሪ፡ እቲ ሓኪም፡ እቲ ንዕውራት ብርሃን ዝፈጥር፡ ኣበይ ከም ዝሓብእዎ፡ ኣበይ ከም ዝተሰወረ ደሃይ የብላን። ብጀካ ብኽያት ካልእ ትገበሮ ነገር ኣይበረን።  ኣብቲ ጥርሑ መቃብ ብኽያታ ቀጸለት።

ኣብቲ መቃብር በይና ክትንኽነኽ ከላ ኣብ ልባ ኣቲኻ እሞ ሕሰቦ። ጭንቀታ ወሲኹ፡ መረርኣ ብኢሱ፡ሞራላ ወደቁ ክረኽቦ ኢኻ። ወዲቁ ከም ጥርሙዝ ተሰባቢሩ፡ ሓሸምሸም ኢሉ። ኣዒንታ ነቲ መቃብር ክርእይ ከሎ፡ እቲ መቃብር ጥራሑ፡ ምህላው ፈሊጡ፡  ኩሉ ተስፋኣ ነቂጹ ፡፡ ንብዓታ ደሪቁ፡ ድምጻ ተወዲኡ፡ በተን ቁራቦ ኃይላ፡ እህህታ ጥራይ ተተንፋስ። መቃብር እቲ፡ ዝኸፍአ ቦታ ነቲ ትፈትዎን ተፍቅሮን ሰብ ትፋነወሉ ሕዛእቲ ሬሳታት እዩ። መቃብር ናይቲ ተፍቅሮ ክትረክብ እቲ ጉድጋድ፡ ብዘይ ሬሳ፡ ኣብታ ዘላታ ሓዘን ተወሰኸታ  ኮይንዋ ።

እቲ ኩሉ ሓዘናን፡ ጭንቀታን፡ ዝተፈርጅሐ ንብዓታ ግና ብሓንቲ ሰከንድ ናብ ሓጎስን ደስታን ተለወጠ። ስዕረታ፡ ናብ ዓወት፡ ብምኽያት ናብ ሰሓቅ፡ ዝቀሃመ ተስፋ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ተራብሐ፡ ኃይላ ተመሊሱ፡ ልባ ተሰራሰረ። ብሓንቲ ምስማዕ ድምጺ እቲ ተፍቅሮ መምህራ ብስማ “ ማርያም” ኢሉ ምስ ጸውዓ ኩሉ ነገር ተቀያየረ። ኣእዛና እቲ ጻውዒት ካብ ምኻኑ ከለልይ ግዜ ኣይወሰደን። ኣባጊዕ ድምጺ ጓስአን ከም ዝሰምዓ፡ ንሳውን እቲ ዝሰመዓቶ ድምጺ፡ ድምጺ  እቲ ሕያዋይ ጓሳ ምኻኑ ፈሊጣ፡ “ረቡኒ” በለት።

እዚ ኩሉ ተኣምራት ኣብቲ ቦዶ መቃብር’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ባዶ መቃብር መሠረት ናይ ክርስትና እምነት እዩ። ስብከትና፡ ዶግማና፡ ስርዓትና እምነትና  ካብዚ መቃብር’ዩ ዝበቆለ። እተን ሠለስተ ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ዘለዋ ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ክርስቶስ ተሠቂሉ(1)፡ ሞይቱ ተቀቢሩ(2)፡ ተቀቢሩ ኣይተረፈን ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ  ተንሢኡ(3) ዝብላ ነቲ ባዶ መቃብር ዝሓቆፋ እየን።

ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት መስቀል ክሳብ ዝተሰከምካ ምስቃል ኣሎ። ተሰቂልካ ምቅባር ኣሎ። ተቀቢርካ ግና ኣይትተርፍን፡  ምትንሣእ ግድነት እዮ። ስለዚ ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ክርስትና ነቲ ትስቀሎ፡ ናብ መቃብር ትወርዶ፡ ኣብቲ መቃብርውን በይንኻ ቦዶ ኮንካ ተትርፎ ዘይኮንካ ትርኢ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዓወት ትረኽቦ ትንሣኤ ኢኻ ትጥምት። ትንሣኤ ክትረክብ እንተ ኾንካ ግና ድምጺ ቤዛ-ዓለም ክትሰምዓ ኣላ። በጊዕ ናይቲ ደሙ ስሌኻ ዝኸፈለ ርህሩህ ጓሳ ክትከውን ኣለካ፡ ብስምካ ክጽወዓካ ከሎ ኣለኹ “ረብኒ” ክትብል ኣለካ።

ካብ ናይ ክርስቶስ ድምጺ ወጻኢ ናይ ካልኦት ድምጺ ክትስምዕ ትወዕል እንተ ኾንካ ግና፡ ቤዛ-ዓለም ክርስቶስ ክጽውዕ ከሎ  ናይ  ክርስቶስ ድምጺ ከተለሊ ክጸግመካ እዮ። ክንደይ ድምጺ ኢልካ እሞ ክትመሚ፡ ብዙሓት ብስምካ ክጽውዓኻ እዮም። ንኹሎም ሰበይ፡ ዘመደይ፡ ዓርካይ፡ መሓዛይ፡-------- ወዘተረፈ  እናበልካ ክትስምዕ ድምጺ ክርስቶስ ከይሰማዕካ ክሓልፈካ እዩ። እቲ ንሕይወትካ ዝልውጥ፡ ታሪኽካ ዝቅይር ድምጺ ክትሰምዕ ትኽእል፡ ናብቲ ንሱ ዝተቀብረሉ ቦዶ መቃብር ምስ ትኸየድ ጥራይ እዮ። ናብቲ መቃብር በይንኻ እንተ ወረድካ፡ ኣይትፍራሕ ኣይትሰንብድ፡ ማርያም መግደላዊት ንመድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክትረኽቦ በይና፡ ምስተን ድምጽ ክርስቶስ ዝፈልጣ ክልተ ኣንስቲ ጥራያ ናብቲ መቃብር ወሪዳ። ሓዋርያት፡ በጃኹም እባ ኣሰንዩኒ ፈሪሐ፡ ኣካይዱኒ፡ ደጉፉኒ ኣይበለትን። ናብ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ  ክርስቶስ ክትከይድ ከለኻ  በይነይ ከይተርፍ ኣይትበል፡ ጉዕዞኻ ናብቲ ተፍቅሮን፡ ዝፍቅረካን ምእንታኻ ሕይወቱ ዝኸፈለ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ዓይንኻ ዓሚትካ ናብቲ ጥራዩ  መቃብር ጥራይ ሰጉም፡ ነቲ ካብ ምውታት ዝተንሥአ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቡኡ ኣብቲ መቃብር ክትረኽቦ ኢኻ።

 ኣብቲ መቃብር ምስ በጻሕካ ሰባት ዘይኮኑ፡ መልኣኽቲ ክትረኽቦም ኢኻ። ስለዚ ብናይ ሰባት ድምጺ ኣይትረበሽ። ንስኻ ትጓዓዝ ዘለኻ ናብቲ  መቃብር ቋንቋ መልኣኽቲ ክትስምዕ ኢኻ። እቲ ተስምዖ ድምጺ “ ኣይትስንብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ” ማር16፡6። ከም ዝተባህላ ንስኻውን ኣይትሰንብድ። ንስኻ ትደሊ ዘለካ ንኢየሱስ ናዝራዊ። ዕላማኻ ንዑኡ ንምድላይን ንዑኡ ንምርካብ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ንሱ እትረኽቦ ቦታ ከኣ ንወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያንም ንኩሎም ቅዱሳኑ ክትረኽቦም ኢኻ። ወዳን ንሳን ስለዘይፈላለዩ። ንመድኃኒ ዓለም ኢየሱስ   ክርስቶስ ናዝራዊ ዘይትረኽበሉ ቦታ ካብ ምኻድ፡ ይትረፍካ ከንቱ ድኻም እዮ። ኣብዚ ዝኾነ ጉዕዞ ሕይወትካ ኣብ ሽግርካ፡ ጸበባኻ፡ መከራኻ፡ ሓጎስካ፡ ሰሓቅካ ድምጺ ክርስቶስ ቤዛ-ዓለም ዘይትሰምዕን፡ ዘይትረኽቦን እንተኾንካ ኣብ ሓደጋ ኣለኻ። ድምጺ ወላዲቱ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድምጺ ኩሎም ቅዱሳኑ ዘይስምዓሉ ዘይርከብሉን ቦታ  ትርከብ እንተኾንካ ኣብ ግጉይ መገዲ ከምዘለኻ ፈሊጥና ናብ ቅድስተ ቤተ ክርስትያን ወልድ ዋሕድ ቀሊጢፍካ ተመለስ።    

ኣከ

2023-08-16

Comments are closed.