ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። ዕብራውያን 13፡9።

2 ክፋል

ጋሻ ትምህርቲ

ኣብ ዝሓለፈ ዝረኣናዮ ጋሻ ትምህርቲን ክሕደትን ኣበይን ብመንን ከምዝተማህረ ኢዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ እንርዮ ናይ ዝሓለፈ መቐጸልታ ኮይኑ ጋሻ ትምህርቲ ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ይወሃብ፧ ዝብል ኮይኑ፡ ነዞም ቆርቦት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ኦርቶዶክሳዊ ብኸመይ ይፈልጦም ክስዕብ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ኣብ መንጎ መላእክት ሳጥናኤል፡ ኣብ መንጎ ነብያት ሓሰውቲ ነብያት ኤር 23፡ ዘሁ 16፡1-2 ኣብ መንጎ ሓዋርያት ይሁዳ፡ ሲሞን መሰርይ ግብ ሓዋ 8፡9-24፡ ቢጽ ሓሳውያን፡ ኣብ ማእከል ሓዋርያውያን ኣቦታት ግኖስቲክ፡ ኣብ ማእከል ሊቃውንት ኣርዮስ፡ መቅደንዮስ፡ ንስጥሮስ ወዘተ ምንባሮም ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ኣገልገልቲ ናይቲ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘረአ ሰብኣይ “እዚ ክርዳድ ካበይ መጸ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ እቲ ጐይታ “ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ።” ኢሉ ኢዩ መሊሱሎም። ስለዚ እቶም ኩሎም ቅድሚ ሕጂ ዝመጹን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዝስዕቡ ኣጽራረ ቤተክርስቲያን ጸላኢ ዚዘርኦም ክርዳድ ናይ ሃይማኖት ኢዮም። በቲ ኣቦኣ ንሓሶት ዝኾነ ዲያብሎስ ዝጀመረ ክሕደትን ሓሶትን ሎሚ ብናይ ግብሪ ደቁ ኣብ ኩሉ በጺሓን ተባዚሓን ስለዘላ፡ ኣነ ናይ ክርስቶስ እየ እትብል ኩልኻ ተጠንቀቅ። ካብዛ መርከብ ድኅነት ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ከውጽኡኻ፡ ካብ መገዲ ድኅነት ቅድስት ተዋህዶ ሃይማኖትካ ክፈልዩኻ ብጓል መገዲ ክመርሑኻ ንበላዒ ክህቡኻን ንዝመጹ ቤት ኣምላኸይ ኣይገድፍን። ደረት ኣቦታተይ ኣየፍርስን በሎም።      

ኣጽራረ ቤተክርስቲያን (መናፍቃ) ምዃኖም ብኸመይ ይፍለጡ፧

ብኣመጻጽኣኦም

ጐይታ ኣብ ወንጌል ኣብቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ዝመሃረሉ ዓንቀጽ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ ድሕሪ ምባሉ “እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ወ. ዮሐንስ 10፡1። ይብል። ስለዚ እዞም ሰረቕቲን ጓሓሉትን ናብ ደምበ ኣባጊዕ ቤተክርስቲያን ዝመጹ ብማዕጾ ዘይኮነ፡ ብካልእ ሓዂሮም ኢዮም ዝኣትዉ። ኣብ ጊዜና ከም እንርዮ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ኣብ ክንዲ ብብቕዓት፡ ብዓሌት፡ ብወገን፡ ብብሄር፡ ብገንዘብ፡ ብፖለቲካ ተሓዚሎምን ተሓንጊሮምን ዝኣትዉ ኢዮም። መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ “ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ከይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኪኣምኑ፡ ብዘይ ሰባኺኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” ሮሜ 10:14-15። ዝበሎም ካብዚ ሓቂ ተበጊሱ ኢዩ። እወ “እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” ዝብል ኣገልጋሊ ክርስቶስ ንምዃን፡ ምጽዋዕን ምልኣኽን ኣገዳሲ ኢዩ። ከይተላእኩ ዝመጹ ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን ጥንቃቐ ዘድልዮ እዋን ምህላውና ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።                                                          

ናብ ቤተክርስቲያን ከይኣተዉ ዝወጹ ኢዮም።

እቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ንክርስቶስ ይፈልጥዎ ኢዮም። ንቤተክርስቲያን’ውን ይፈልጥዋ ኢዮም። ብዛዕባ እዞም ሓቀኛ ኣገልገልቲ “እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድኅን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኢዩ።” ዮሓ 10:9። ኢሉ ንኣመጻጽኣን ኣወጻጽኣን እቶም ቅኑዓት ኣገልግለቲ፡ ጐይታ ባዕሉ ይምስክር።  እቶም ሓሰውቲ ኣገልገልቲ ብመንጽር እዚ ቅዱስ ቃል ክረኣዩ ከለዉ ናብ ቤተክርስቲያን ከይኣተዉ ዝወጹ፡ ኮፍ ኢሎም ከይተማህሩ መማህራን ዝኾኑ፡ ብማዕጾ ንስሓ ከይኣተዉ፡ ኣገልግሎት ዝጀመሩ ኢዮም። ኣብ ቤተክርስቲያን እንዳ ነበሩ ንቤተክርስቲያን ኮነ ንክርስቶስ ዘይፈልጥዎ ኢዮም። ይሁዳ ሓደ ካብ ሓዋርያት ኮይኑ ምስ ሓዋርያት ዝነበረን ናይ ጐይታ ናይ ቃሉ ትምህርትን ናይ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝሰምዐን ዝረኣየን ኢዩ ነይሩ። ይኹንምበር ጸላኢ ካብ ርሑቕ ኣይመጽእን ኢዩ ከምዝተባህለ፡ ንጐይታ ንኸትሕዞ ተሓባባርን መራሒን ኮይኑ ዝመጸ ንሱ ነይሩ። እቲ ጐይታ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር “ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ።” 1ይ ዮሐንስ 2፡19። ክብል ዝገለጾ ንይሁዳን ንኹሎም እቶም ኣሰሩ ስዒቦም ንክርስቶስን ንቤተክርስቲያኑን ሕቖኦም ዝሃቡ ኢዩ። ኣመጻጽኣ ኣጽራረ ቤተክርስቲያን ብኣፍ ደገ ዘይኮነ ብኻልእ መዳይ ሓዂሮም ኢዮም ዝመጹ፡ ዝጥቀምሉ ስልቲ ድማ ምምስሳል፡ ምንቃፍ፡ ምልምማድ፡ ምርስሳዕ፡ ምጥርጣር፡ ምድፋር፡ ምኽሓድ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ምርካብ ኢዩ።

ሀ-ምምስሳል (እቲ ጊጉይ ምስቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ተመሳሲሉ)

ምምሳል ሓደ ካብቲ ንጊጉይ ትምህርቶም ዝዝርግሕሉ ስልቲ ናይ መናፍቃን ኢዩ። ተዃሉ ከለዉ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም፡ ንበጊዕ መሲሎም፡ ክርዳድ ክንሶም ምስ ስርናይ ዝበቖሉ ኢዮም። ንሳቶም ግን ተዃሉ እምበር በጊዕ ኮይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ክርዳድ እምበር ስርናይስ ኣይኮኑን ኢዮም። ብመዓርጋት ቤተክርስቲያን፡ ብስም፡ ቤተክርስቲያን ብትጥቀመሎም ናይ ቤተክርስቲያን ጸጋታትን ብምሓዝ ኢዮም  ተመሳሲሎም ዝመጹ።

1ይ- ብናይ ቤተክርስቲያን ስምን መዓርጋት ምምስሳል

ነቲ ዝደልይዎ ዕላማ ንምብጻሕ፡ መእምናን ንምድንጋርን ቤተክርስቲያን ንምፍራስን ዲያቆን፡ ቀሺ፡ ጳጳስ፡ መምህር፡ መጋቤ ብሉይ፡ መጋቤ ሓዲስ፡ መጋቤ ምሥጢር  ወዘተ ብዝብል ናይ ስምን ማዓርጋትን ቤተክርስቲያንና ተመሳሲሎም ነቶም ብእምነት ዝመጹ ገርህታት ጊዜን ኩነታትን እንዳ መዝመዙ፡ ዘጠራጥሩ፡ ዘድናግሩ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ዘኾብሉሉ ኢዮም። ንተዋህዶ ዘይሰብኩሉ ዲቁና፡ ክህነት፡ ንቤተክርስቲያን ዘየገልግሉሉ መስቀል ሒዞም ንጸጋታት ቤተክርስቲያን ነቲ ኣፍራሲ ተልእኾኦም ምጥቃም ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ።

2ይ- ናይ ስምን መንነትን ምምስሳል

ስም ናይ ሓደ ፍሉይ መለለዪ ኢዩ። ስም ሃገር ድማ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ናይ ዝነብር ህዝቢ መለለዪ ኢዩ። ተዋህዶ ሃይማኖት ድማ ናይቶም ኣብ ኣርባዓን ኣብ ሰማንያን ውሉድነት ዝተቐበሉላ ህዝበ ክርስቲያን ናይ ሰማያዊ ዜግነት መለለዪ ኢዩ። ኣጽራረ ቤተክርስቲያን ኣመንቲ ተዋህዶ ንምድንጋር ዝጥቀምሉ ስም ኤርትራ ዝብል ለጢፍካ ምምጻእ ኢዩ። ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ደምበ ዘሊሎም ወጺኦም ከብቅዑ፡ ግን ዝጥቀሙሉ ኩሉ እቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ትጥቀመሉ ኢዩ። ኣስተውዕሉ ደቂ ተዋህዶ! ኤርትራ ዝብሉ ኤርትራዊ ንሃገሩ ፍሉይ ፍቕሪ ስለዘለዎ፡ ነዚ ፍሉይ ፍቕሪ መዝሚዞም ነቲ እኩይ ዕላማኦም ብኤርትራዊ መንነት ሸፊኖም ናይ ጥፍኣት ስርሖም ኢዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ብሓቂ ውሽጦም እንተተፈትሹ ግን እዞም ሰባት ብኤትራውነቶም ዘይኮነ ብዜግነት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት፡ ማለት “ኣነ’ኮ ኣሜሪካዊ እየ። ኣነ’ኮ እንግሊዛዊ እየ። ወዘተ… ” ብምባል ዝማጎቱ ዝምክሑን ኢዮም። ብርግጽ ብዙሕ ኤርትራዊ ዜግነት ናይተን ዝነብረለን ሃገራት ወሲዱ ይነብር ኢዩ። ዜግነት ናይተን ዝነብረለን ሃገራት ምቕባሉ ግን ኤርትራውነቱ ኣይሓኮን ኢዩ። ስለዚ ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብእምነትን ብስርዓትን ወጺኦም ክንሶም ናይ ኤርትራ ብምባል ኢዮም ናይ ምንፍቕና ስርሖም  ዝሰርሑ። እዚ ናይ መንነት ምምስሳል ኢዩ።  እዚ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ሃገር ደው ዝብል ኣይኮነን። ብዙሓት ወዲ ሃገርካ እየ፡ ወዲ ዓዲኻ እየ። መዓብይትኻ እየ፡ ዘመድካ እየ፡ ሓውኻ፡ ሓውትኻ እየ ብምባል ብመንገዲ ጥፍኣት ዝኹብኩብዎ ዘለዉ። ስለዚ ሓውኻ እየ እንዳበለ ቤትካ ንዘፍርስ ኣለልዮን ተጠንቀቐሉን።   

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ብዝብል ስም። መብዛሕትኡ ሰብ እንታይ ኢዩ ሃይማኖትካ ተባሂሉ ኣብ ዝሕተተሉ “ኣነ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እየ!” ኢሉ ክምልስ ከሎ ባህታ ዘይዓስሎ ኣማኒ ተዋህዶ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እንተዘይኮይኑ ግን፡ ደው ዝበለ ዝመስሎ ግን ዝወደቐ ኢዩ። “ኣሳእና ይመስላ ግን ከኣ ዘይዓቕምና” ካብ ዝገጥሞ ሕብረተሰብና ነዊሕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝብል ምጥቃም ከይተፈለጥካ ስራሕካ ንምስራሕ፡ ፍጻሜኡ ድማ ነታ ቤተክርስቲያን ከምዘላቶ ምውናን ኢዩ። እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ናይ ህንዲ ብግብሪ ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ድማ ኣብ ወጻኢ፡ ከምእንርዮ ብፍቓድ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ብክህነትን ታቦትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ መእምናን ኣኪቦም፡ ግንከኣ ነቲ ዝኣከብዎ ህዝቢ ሒዞም ንቅዱስ ሲኖዶስ ሕቆኦም ሂቦም ዝኸዱ ብዙሓት ኢዮም። እዞም ሎሚ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን እንዳ ተጸውዑ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ተፈልዮም ብናቶም መገዲ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ኣብ ክንዲ ተዋህዶ ካልእ እንተዘሰምይዎ ቤተክርስቲያናቶም ዝመጾም ኮነ ዝእከበሎም ኣይምረኸቡን ነይሮም። ስለዚ ብስም ተዋህዶ ተመሳሲሲሎም ካብ ደምበ ተዋህዶ ዝኾብለሉን ምእምናን ዘኾብልሉን ኢዮም።    

ካልእ ኣብነት ንምሃብ ኣርማ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብምጥቃም ንጽሑፋቶም ኣመሳሲሎም ምስዳድ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ኣስተውዕል ወገነይ! ጐይታ “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። ማቴዎስ 7፡15።” ዝበሎ ዘክር። ኣርማ ናይ ቤተክርስቲያን ርእዩ ዚተደናገረ ብዙሕ ኢዩ። ምስ’ዚ ዝተተሓሓዘ ኩለን እዘን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ተፈልዮም ዝመስረትወን ኣብያተክርስቲያናት ብስም መድኃኒ ዓለም፡ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብስም ቅዱሳን መላእክትን ስም ቅዱሳን ሰባትን ስም ሰማእታትን ኢየን። ንኣብነት - መድኃኔ ዓለም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ ቅዱስ ሚካኤል፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ቅዱስ፡ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወዘተ። እዚ ተመሳሲልካ ንኣመንቲ ንምድንጋር ኢዩ።

ቤተክርስቲያን ብትጥቀመሎም ኣስማትን መዓርጋትን (ብስም ተመሳሲሎም ዝኣተዉ)- ዲያቆን፡ ቀሺ፡ ጳጳስ፡ ፈላሲ፡ ገዳማዊ፡ ባሕታዊ፡ መሲሉም። ቤተክርስቲያን ጸጋታትን፡ ናይ ቤተክርስቲያን ንዋያተ ቅድሳትን ናይ ቤተክርስቲያን መለልዪ ብዝኾኑን ነገራትን- ክህነት፡ታቦት፡መስቀል፡ ቅዳሴ፡ ማህሌት፡ ዝማሬ ክጥቀሙ ርኢኹም እሞ ታቦት ኣለዎም እንዶ፡ ከማና ቅዳሴ ይቕድሱ እንድዮም፡ መዝሙሮም ከም መዝሙርና እንድዩ፡ ካብዚ ሓሊፉ ኩሉ ዝገብርዎ ካብ ናትና እኳ ዘይፍለ ዝብል ኣማኒ ውሑድ ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኢዩ ነዚ ኣርስቲ ኣልዒልና ክንዘራረብ ግዲ ዝኾነና። ሓቂ ኢዩ ክርስትና ወሰን የብሉን። ክርስትና ብዶብን ብሃገርን ዘይውሰን ንኹሉ ብክርስቶስ ዝኣምን ዝሓቁፍ ኢዩ። እሞ ንምንታይ ደኣ ናይ ኤርትራ ብምባል ይጥቀሙ፧ እቲ ምኽንያት ብተልእኾ ዝግበር ብምዃኑ ከኣ ከገርመና ኣይግባእን ኢዩ። ኣይኮነን ብስም ቅዱሳን ኣነ ክርስቶስ እየ እንዳበሉ ከምዝመጹ ባዕሉ ጐይታ ነጊሩና ኢዩ። ስለዚ ብዝመስል ዘይኮነ ቤተክርስቲያንና ኣለሊና ናብታ ኣማናዊት መርከበ ኖህ ንእቶ።

3ይ- ብኣለባብሳን ናይ ቤተክርስቲያን ዕሴት ብዝኾኑ ይመሳሰሉ

ልብሲ ተክህኖ ለቢሶም፡ መጠምጠምያ ገይሮም፡ መስቀል ጨቢጦም ኢዮም ዝመጽኹም። ቅዱስ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ።” ፊሊ 3፡17። ምኽንያቱ ሓዋርያት ዘይኮኑ ንሓዋርያት መሲሎም ዝመጹ ስለዘለዉ ኢዩ። ሎሚ ድማ ዲቁና ዘይብሎም ዲያቆናት ኢና ኢሎም ዝመጹ፡ ክህነት ዘይብሎም ካህናት ኢና ኢሎም ዝመጹ፡ ጵጵስና ዘይብሎም’ውን ጳጳሳት ኢና ኢሎም ዝመጹ ብዙሓት ኢዮም። ቅዱስ ጳውሎስ “እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ኃይሉ ግና ዚኽሕድዎ” 2ይ ጢሞ 3፡5። ኢሉ ዝገለጾም ዝበዝሕዎ ዘመን ኢዩ።  ስለዚ ኣብ ሻምናይ ሽሕ ዓመት ተመሳሲሎምን መሲሎምን ኢዮም ዝመጹ።

ይሁዳ ምስ ሓዋርያት ተመሳሲሉ ነይሩ። ጐይታ ሓደ ካባኹም ኣሕሊፉ ክህበኒ ኢዩ፡ ኢሉ ኣብ ዝተዛረበሉ፡ ኩሎም ሓዋርያት “ኣነ ዶ እኸውን፧” ኢሎም ኣብ ዝሓተቱሉ፡ ንሱውን ከምኦም ሓቲቱ። ንሱ ግን ንኸትሕዞ ተወዓዒሉ ኢዩ መጺኡ። ክመሳሰል! ኢዩ ከምቶም ካልኦት ሓዋርያት “ኣነ ዶ እኸውን፧” ዝበለ ንኸትሕዞ ወዲኡ ተዋዓዒሉ መጺኡ ከሎ ኢዩ ከምኡ ዝበለ።  ኣብ መወዳእታ ድማ ንጐይታ ኣሕሊፉ ሂብዎ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

+1+  +++++++++++++++++++++++++1+

Comments are closed.