ቅዱስ ዑራኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን!

 " በቅድመ መላእክቲከ እዜምር ለከ........  ኣብ ቅድሚ መላእኽትካ ከኣ መዝሙር ምስጋና እዝምረልካ ኣለኹ፡ ቃልካን ስምካን ዓብይ ከም ዝኾነ ኣርኢኻ ኢኻ'ሞ ናብ ቅዱስ መቅደስካ ኣቢለ ክሰግድ'የ። ” መዝ 138፡1-2

ዑራኤል ማለት ብግዕዝ ‘መስተሣህል’ ወይ ‘ይቕረ በሃሊ’ ማለት ኢዩ፤ ብዕብራይስጥ ድማ ዑራኤል ማለት ‘እግዚአብሔር ብርሃነይ ኢዩ’ ማለት ኢዩ። ቅዱስ ዑራኤል ካልኣይ ሽሙ ከም ዝገልጾ "ሱርያል ዝውእቱ ዑራኤል ...... ሱርያል ዝተባህለ ዑራኤል ኢዩ” ይብሎ (ድርሳነ ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ኅዳርን ታኅሣሥን ተመልከት)፤ ሱርያል ድማ ‘ትእዛዝ እግዚአብሔር’ ማለት ኢዩ። ስም ቅዱስ ዑራኤል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ሄኖክን መጽሓፍ ዕዝራ ሱቱኤልን ብብዝኂ ተጠቂሱ ንረኽቦ፡ ከም በዓል ቅዱስ ገብርኤል ‘መልኣከ ብሥራት’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ቅዱስ ዑራኤል ድማ ‘መልኣከ ሰላም፡ መጋቤ ብርሃናት፡ መልኣከ ፈውስ’ ...... ወቦ ዘተርፈ ተባሂሉ ይፍለጥ ኢዩ። ቅዱስ ዑራኤል ካብቶም ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ ሓደ ኮይኑ ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ዝሥራዕ መልኣኽ ኢዩ። ‘ካብቶም ዝኸበሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ቅዱስ ዑራኤል ኣብ በርቅን ነጐዳን ዝተሸመ መልኣክ ኢዩ።’ ቢሉ ኣሎ ነብይ ሄኖክ፤ (ሄኖ 6፥2)። ደጊሙ ድማ ‘ናይ ዘልዓለም ምስጋና ዘለዎ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ብርሃናት ሰማይ ዝሾሞ መልኣክ ዑራኤል ነዚ ዅሉ ኣርኣየኒ’ ይብል፤ (ሄኖ 24፥6)። በዚ ኸኣ ቅዱስ ዑራኤል ምስቶም ካልኦት ቅዱሳን መላእኽቲ ብትግሃት ንእግዚአብሔር ምምስጋን ጥራሕ ዘይኮነሲ ኣብ ልዕሊ በርቅን ነጐዳን፤ መራሔ ብርሃናት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ብርሃናት ዝተሾመ መልኣክ ኮይኑ መጋቤ ብርሃናት ከም ዝኾነ ንፈልጥ።

   ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን

 ሀ. ቅዱስ ዑራኤልን ግምቢ ባቢሎንን

  ደቂ ናምሩድ ዓዲ ክምሥርቱ ብሓባር ኣብ ዝጎዓዙሉ ዝነበሩ ኣብ ሰናዖር ምስ በጽሑ ሓደ ምኽሪ ተማኸሩ፤ (ዘፍ 11፥1-9)። ኣብ ምድሪ ተበታቲኖም ከይተርፉ ስሞም ዘጸውዑሉን ንእግዚአብሔር ዝፍትኑሉን ኣብቲ ጎላጉል ብጡብ እናገበሩ ዓቢይ መንደቅ ክሓንፁ ጀመሩ። ነዚ ሕንፃ እናካነዉ ከለው ኲናት ንሰማያት ይስንድው እሞ ሰይጣን ድማ ነቲ ኲናቶም ደም ለኽዩ ይመልሰሎም ነበረ በዚ ድማ ንሶም ንእግዚአብሔር ቀቲልናዮ እናበሉ ይድሰቱ ነበሩ። ቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ከምዝነግረና ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ሓሳብን ግብርን እዞም ሰብ ባቢሎን ምስ ረኣዩ ‘ንዑ ንረድ ወንክዓው ነገሮሙ ለከሉዳውያን’ ብምባል ቋንቋታቶም ሓዋወስዎ፡ እቶም ነደቅቲ'ውን ክረዳድኡ ስለዘይከኣሉ ክበታተኑን በብዓዱን ፋሕ ክብሉን ተገዲዶም ኢዮም። ናይዚ መጽሓፍ ክፋል ዝኾነ መጽሓፈ ኩፋሌ ድማ ነዚ ታሪኽ ብከምዚ ይገልጾ ‘ድኅሪ እዞም ሕዝቢ ምስምማዕ ምስ ኣበዩን ፋሕ ምስ በሉን ብእግዚአብሔር ዝተኣዘዘ ዓቢይ ንፋስ መጺኡ ነቲ ዝሓነፅዎ መንደቅ ኣፍረሶ’ ቢሉ ይገልጽ፡ (ኩፋሌ 10፡10)። ሊቃውንት ድማ ነቲ ናብ ሰማያት ዘቛመተ ዓቢይ መንደቅ ከይሰግዱን ከየምልኽዎን ንፋሳት ኣዚዙ ነቲ መንደቅ ዝገማጠሎ መልአከ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ ኢሎም ይትንትንዎ፡ በዚ ድማ ካብ ቅድም ጀሚሩ ንተልእኾ ትጉህ ዝኾነ መልኣክ ምዃኑ ንግንዘብ።

 ለ. ቅዱስ ዑራኤልን ነብይ ዕዝራ ሱቱኤልን

 ብሰንኪ ኣላውያን ነገሥታት ኣብ ልዕሊ እቶም ንእግዚአብሔር ዝብድሉ እስራኤላውያን ብዘውርድዎ ዝነበረ መከራን ስደትን ቅዱሳት መጽሓፍቲ ዝጠፍእሉን ዝነዱሉን ጊዜ ከምዝነበረ ታሪክ እስራኤላውያን ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ኩነት ዘጋጠሙ ኸኣ እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ ዝወደቁሉ እዋን ኢዩ። ብሰንኪ መግዛእቲ ባቢሎን ቅዱሳን መጽሓፍቲ ኣብ ዝጠፍኣሉ ጊዜ ነብይ ዕዝራ ሱቱኤል ዝበሃል ምእንቲ እቲ መከራን ናይ ደቂ ጽዮን ምስዳድን ምጒስቋልን እናሓሰበ ምጥፋእ ቅዱሳን መጽሓፍቲ እናኣኅዘኖ መሪር ብኽያት ይበኪ ነበረ። ዘውትር ከኣ ይጽልን ይልምንን፡ ነርብዓ መዓልትን ለይትን ይጸውም ኣብ ዝነበረሉ ጸሎት ብክያቱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ስለዝተሰምዐ ከኣ ከጸናንዖን ጽዋዕ ልቦናን ከስትዮ ዝመጸ እዚ ቅዱስ መልኣክ፡ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል መጾ። ‘ዘከመ አስተዮ ጽዋዕ ልቦና ቅዱስ ዑራኤል መልአከ ሰላም ለእዝራ ነብይ ሱቱኤል.... መልኣኽ ናይ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ጽዋዕ ልቦና ንእዝራ ነብይ ሱቱኤል ኣስተዮ’ ከምዝበለ፡ ዕለቱ ድማ 22 ኅዳር ኢዩ ዝነበረ።

  ነብይ ዕዝራ ብዝሰተዮ መሠረት ጽዋዕ ንብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ዳግም ከም ዝጸሓፎ ታሪኽ ይነግረና እዚ ድማ 40 መዓልቲ እኽሊ ከይለከፈ ማይ ከይሰተየ ከጽሕፎም ከሎ እቶም ጸሓፍቲ ግና ምሉእ መዓልቲ ይጽሕፉ ምሸት ይድረሩ ከምዝነበሩ ባዕሉ ዕዝራ ተዛሪቡ ኢዩ፤ (መጽ ዕዝራ ሱቱ 13፥40-44)። ንዕዝራ ጥራሕ ዘይኮነሲ ንነብይ ሄኖክ ምሥጢረ ሰማይ ዝገለጸሉ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ፡ (ሄኖ 28፥13-14)።

 

   ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን

  1. ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ

 ከምቲ ኣብ ብሉይ ክንርእዮ ዝጸናሕና ኣብ ሓዲስ ኪዳን'ውን ካብ ኣገልግሎቱ ኣይተፈለየን። ጐይታና ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ተወልደ ንጉሥ ሄሮድስ ክቀትሎ ምስ ደለየ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ኣረጋዊ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስቲ ሰሎሜን እናመርሐ ዝወስዶም ዝነበረ ቅዱስ መልኣክ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ ኔሩ።

  1. ዕለተ ዓርብ [ስቅለተ ዓርብ]

  ጸኒሑ ድማ ጐይታና ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ምእንታና ክብል ቤዛ ዓለም ኮይኑ ብቅንዋት መስቀል ተሸንኪሩ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ዝተሰቅለሉ ጊዜ፤ ለንጊኖስ ዝበሃል ዓቀይታይ ኣሎ'ዶ ሞይቱ ኢሉ ብኲናት ጌሩ ምስ ወግኦ ‘ትኩስ ደምን ጽሩይ ማይን ወፀ’። ነቲ ክቡር ደም ብጽዋዕ ተቀቢሉ ንመላእ ዓለም ዝነጸገ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ፡ እዚ ድማ ብ27 መጋቢት ኢዩ [ድርሳነ ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ወርኂ ኅዳር ንመልከቶ]። ክሳብ ምጽኣት ዓለም ድማ ካብቲ ደም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነጠቦ ቦታ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ከምዝሕነፅ ታሪክ ቤተ ክርስትያና ይነግረና።

 "ወእምዝ ባረኮ ወሴሞ ለዑራኤል መልአክ ከመ ይኩን ርእሰ እምላዕለ ቤት ምሥጢረ መለኮቱ ወትሥልስቱ ዘይሰግድ በዋሕድ ፤ ........ ትርጒሙ ድኅሪዚ እግዚአብሔር ንዑራኤል መልኣኽ ባረኾ’ሞ ንሠለስትነቱን ንገዛኢነቱን ብሓድነት ንዝሰግደሉ መለኮታዊ ምሥጢር ኣዳራሽ ናይ ክብሪ ሓለቃ ጌሩ ሾሞ"።

 ቅዱስ ዑራኤል ኣብ መጽሓፍ ስንክሳር

መጽሓፍ ስንክሳር ክንምልከት ከለና'ውን ቅዱስ ዑራኤል ዝገበሮ ብዙኅ ኢዩ። ንኣብነት፤

  1. ንኣዳም ዜና ድኅነቱ ዝነገሮ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ፡
  2. ንዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ብርትዐ ሂቡ ካብ ተንኮል ብእሲተ ጲጢፋራ ዘድኃኖ ንሱ ኢዩ።
  3. እስሙናይ ዝዓዱ ጳውሎስ ዝተባህለ ክርስትያን ሶርያዊ ዝመበቆሎም፤ ስድርኡ ንዝኃደግሉ ገንዘብን ጥሪትን ኃዲጉ ዓለም መኒኑ ብስም ክርስቶስ ሰማዕት ክኸውን ኣብ ዝኸደሉ ሱርያል ዝተባህለ ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ልዕሌኻ ዝበጽሕ መከራ ንከይትፈርህ ምሳኻ ኣለኹ ዝበሎ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ። ብዓላውያን ነገሥታት ንሰማዕትነት ክከይድ ከሎ ኣብ ዅሉ ጸዋትወ መከራ ዘበርትዖን ዘጸናንዖን ዝነበረ መልኣክ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ፤ [ስንክሳር 9 የካቲት]።
  4. ወለዱ ናይ ኣባ ጊዮርጊስ ወላድ ከምዝወልዱ ዘበሠሮም ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ። ደኃር ምስ ዓበየ ኣብ ገዳም ትምህርቲ ኣብይዎ ነቶም መነኮሳት ማይ እናምጽአ እኽሊ እናጠሓነ ዝራድኦም ዝነበረ፤ ወትሩ ኣብ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥዕሊ ቆይሙ ይጽሊ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ሓደ መዓልቲ ምስ ድንግል ኣስዒቡ መጺኡ ጽዋዕ ልቦና ዘስተዮ ቅዱስ ዑራኤል ኢዩ ነቲ ጽዋዕ ምስ ሰተየ ምሥጢር ሰማይን ምድርን ዝተገልጸሉ ሽዑ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ ክሳዕ 40 ዝኣኽሉ መጽሓፍቲ ዝደረሰ ቅዱስ ኣቦ ኢዩ።

  ቅዱስ ዑራኤል ዝፈጸሞ ተኣምራት ብጣዕሚ ብዙኅ ኢዩ ከምቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ኣብ ስደት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ኣብ ዝመርሖም ዝነበረ ጊዜ ካብ ሃገሮም እስራኤል ናብ ሃገር ግብጺን ቀጺሎም ድማ ናብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዝኣተውሉ ጊዜ ንሃገርና ብዙኅ በረኸት ከምዝገደፈ ኣብቲ ድርሳኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ብሃገርና ኣቢሎም ድማ ናብ ኢትዮጵያ በጺሖም ኢዮም።

ቃል ኪዳን

ቃል ኪዳን ዝተቀበለሉ ዕለት ብ21 ሓምለ እኳ እንተኮነ ኣምላክኽና ባዕሉ በዓልካ ድኅሪ ናይ ኣደይ በዓል ይኹን ብዝበሎ መሠረት ብ22 ሓምለ እንሆ ክነክብሮ ንነብር ኣለና። ኣብቲ ድርሳኑ ከም እንምልከቶ ኣብ ዓመት ናይ ቅዱስ ዑራኤል ዓሠርተ ቃል ኪዳን ኣትዩሉ ኢዩ፤ ሠለስተ ጊዜ በዓሉ ይክበር ንሱ ድማ ካብ መስከረም 22 ክሳዕ ነሓሰ 22 ኮይኑ መበል ዓሠርተው ሠለስተ ጊዜ ድማ 27 መጋቢት ኢዩ። ብፍሉይ ግና ዓበይቲ በዓላቱ ኣርባዕተው ኢዮም፤ ንሳቶም ከኣ

ሀ. 22 ኅዳር ንነብይ ዕዝራ ሱቱኤል ጽዋዕ ልቦና ዘስተየሉ

ለ. 22 ጥሪ መበል ራብዓይ መልኣክ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ዝተሸሞሉ

ሐ. 27 መጋቢት ደም ጐይታና ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ መላእ ዓለም ዝነጸገሉ

መ. 22 ሓምለ ድማ ቃለ ኪዳን ዝተቀበለሉ ዕለት ኢዩ።

 ንነብይ ዕዝራን ንኣባ ጊዮርጊስን ዘጋሥጫ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ገሊጹሎም ክንብል ከሎና ንሕና'ውን ኣማላድነቱን ተራዳእነቱን እንተደኣ ኣሚንናን ለሚንናዮን ምሥጢራት መጽሓፍቲ ከምዝገልጸልና ብምእማን ኢዩ። ንሱ ዝተሾመሎም ብርሃናት'ውን ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ኣገደስትን እንበለ መጠን (ካብ መጠን ንላዕሊ) ወሰንቲ ኢዮም። ብዘይ ፀሓይ ዝኾነ ፍጥረት ክነብር ዝኽእል ኣይኮነን፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣብ ልዕሊ እዞም ብርሃናዊ ፍጥረቱ ምሻሙ ክብሪ እዚ መልኣኽ ዝገልጽ ኮይኑ ንሕና'ውን ከምቲ ዝግባእ ከነኽብሮን ኣማላድነቱ ክንምሕጸንን ከምዝግባእ ዘዘኻኽር ኢዩ። ክብረ በዓሉ ክነኽብሮ ከም ዝግብኣና ድማ ድርሳኑ ድርሳነ ዑራኤል ኣብ ናይ ጥቅምቲ፡ ኅዳር፡ ታኅሣሥ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ማየ ጸሎት ቅዱስ ዑራኤል ኣብ ኤርትራ

 ብዙኃት ብኣማላድነቱ ተማሕጺኖም ካብ ክንደይ መከራን ሽግርን ተናጊፎምን ብብዙኅ በረከተ ምድሪ ረኪቦም፤ ምሉእ ጥዕና ሂብዎም በዒንትና ዝረአናዮም ግሁድ ሓቂ ኢዩ። ማየ ጸሎት ድማ ፈውሲ ምሕረት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ ክሳብ ሕጂ፤ እዚ ዝሰማዕናዮ ዘይኮነሲ በዒንትና ዝራእናዮ ግሁድ ኣሚኑ ንዝመጾ ፈዋሲ ረዳኢ ከውሊ መልኣክ ኢዩ። እዚ ድማ ታቦቱ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ማእከል ኣሥመራ ቀሓውታ ምስ ልደታ ማርያምን ኣቡነ እንድርያስን ይርከብ። ባዕሉ እዚ ቅዱስ መልኣክ ቅዱስ ዑራኤል ኮይኑ ኣብዚ ማየ ጸሎት ሕሙማት ዝፍወሱሉ፡ እቲ ብብዝኂ ሕማም ኤይድስ ( Hiv) ከይተረፈ ዝፈወሰ ቅዱስ መልኣክ ኢዩ። ብተኣምራቱ ሓንቲ ታክሲ ንመብጽዓ መጺኣ እቶም ሰባት ኣብ ክንዲ እዛ ታክሲ ገንዘብ ናይዛ ታክሲ ክንህቦ ኢሎም ከበገስዋ እንተበሉ ኣብኡ ደሪቃ ከም ዝተረፈትን ክሳብ ሕጂ’ውን ኣብኡ ትርከብ ኣላ። እዚ ገለ ካብኡ ንምግላጽ እምበር ብዙኅ ተኣምራት ዝፍጽም መልኣክ ኢዩ፡ ከምቲ ብሥጋ ንዝሓመሙ ዝፈዎሶም ንዓና ብሥጋን ብነፍስን ንዝሓመምና ብምሕረቱ በጺሑ ፈውሲ ምሕረቱ ይስደደልና፤ ኣሜን።

 ደብረ ኤፍራታ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል 22 ኵሉ ጊዜ ይበዓልን ይክበርን እንተኮነ እዃ ዓመታዊ ክብረ በዓሉ ኢላ እተክብሮ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ኢዩ፡ ንሱ ከኣ ጥሪ 22 በዓለ ሽመቱን ሓምለ 22 ቃል ኪዳኑን ብምዝካር ኢያ እትዝክሮ። እሞ ኣብዚ በጺሕና በረኸቱ ንካፈለሉ ዓመት የምጽኣልና፤ ኣሜን።

 "ሰላም ለሕንብርትከ ወለአሐቲ ዘቀነተ፡ ሰይፈ ነበልባብ ውዑይ እንተ ይሰድድ አጋንንተ፡ ዑራኤል አስተበቍዕ እምሃበ ፈጣሪ ምሕረተ፡ ከመ ያዝንም ውስተ ምድርነ ዝናመ ተሣህሎ ሕይወተ፡ ወዘርዓ ገራኅትነ ያሥምር ለይኩን ሲሲተ።"

 ‘ዑራኤለይ ንኣጋንንቲ ሰይፍካ ኣቃጺልካ፤ ንዘጥፍእ ነበልባላዊ ሰይፊ ንዝተዓጠቅኻ ሕቆካን ሕምብርትካን ሰላም እብል ኣለኹ፤ ዑራኤል ካብ ኣምላኽና እግዚአብሔር ናይ ሕይወትን ይቕሬታን ዝናም ኣብ ምድርና ከዝንበልናን፤ ናይ ሕርሻና ኣዝመራ ብዝናም ኣብቚሉ ብፀሓይ ኣብሲሉ ንመግብና ክህበና ካብ ፈጣሪካ ምሕረት ለሚንካ ኣማልደልና፤ ኣሜን።”

 "ሰላም ለመክየድከ እንተ ጽርሐ ጽዮን ምዕዋዳ፡ ወለአውፃኦ ነፍስ እምደይን ዘፍና ሲኦል ምክያዳ፡ ሰአሌ ምሕረት ዑራኤል ለነፍሰ ኃጥእ ዘትፈቅዳ፡ ተማሕፀነ በኪዳንከ በእንተ ማርያም ወወልዳ፡ አመ ዕለተ ፍትሕ ኢንርአይ ለሲኦል ማኅፈዳ።”

  ‘ምጒዓዝካ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ንዝኾነ፤ ንነፍሲ ካብ ናይ ሲኦል ኵነኔ ፍርዲ ንምውፃእ፡ ናይ ሲኦል ጐደና መርገጺካ ንዝኾነ ንመኸዲኻ ሰላም እብል ኣለኹ፤ ዑራኤለይ ካብ ፈጣሪ ምሕረት ኣውሂብካ ነታ ናይ ኃጥእ ነብሲ እትበጽሕ ኢኻ'ሞ፤ ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ናይ ሲኦል ኣፍ ደገ ንከይርኢ ስለ ኣደይ ቅድስት ድንግል ማርያምን ስለ ፍቁር ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብቃል ኪዳንካ ንምሕጸን ኣሎና።"(መልክዐ ዑራኤል)

   22 ጥሪ  መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮም፤

  1. ኮኮብ ናይ ገዳማት ኣቦ መነኮሳት ዝኮነ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ
  2. ተዝካር ናይ ቅዱስ ሚናስን ኤጲስቆጶስ ዘማፍን
  3. መልአከ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ኢዮም።

 ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ፡ ቅዱስ ደቅስዮስ ኢዮም።

  ሃገርና ቤተ ኣባ ኤዎስጣቴዎስ ኣቡነ ፊሊጶስ ዝኾነት ብቃል ኪዳኖም ሰላምን ፍቕርን ኣውሪዶም፤ ንዓናን ንሃገር ሕዝብናን ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን                        ከምጽኡልና ብጸሎቶም ይለመኑና፤ ኣሜን።

 ያብጽሐነ አመ ከመ ዮም እግዚአብሔር አሜን፤ ብሩክ ቅዱስ ዓውደዓመት ይግበረልና ኣሜን።

ብዲያቆን ዳኒኤል ኣብርሃም

ምንጪ

* መጽሓፈ ስንክሳር

* ድርሳን ቅዱስ ዑራኤል

* ሊቃውንት ዘሃገረ ኤርትራ

  1. ነፍስሄር ሊቀ ሊቃውንት ጐይታና ይስሓቅ
  2. ነፍስሄር መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእ
  3. መጋቤ ሓዲስ ክነፈርግብ
  4. ሊቀ መዘምራን መልአከ ገነት ተክለ ማርያም

19/ 05 (ጥሪ)/ 2013 ዓ.ም.

22/ 01/ 2013

‘ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከም ናምልኮ፡ ስብሐት ለማርያም እመ አምላክ እግዝእትነ ወመድኃኒትነ፤ ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒትነ ኃይልነ ወጸወንነ።'

Comments are closed.