ሓዳር-ስደት ሓምሻይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ::

ዮኤል፡

እቲ ተሓቢኦ ዝገብሮ ሰብ ዘይፈልጦ ሓጥያተይ፡ ንግዳም ወጺዮ ተቃሊዑ። ሕፍረተይ መሸፈኒ ስኢነሉ። ካብ ራህዋ ክርሕቅ ወሲነ እናፈተኽዋ። ርእሰይ ብጭንቀት፡ ረስኑ በርትዑ፡ ሞጎጎ ተቀይሩ። መምኽነይታ ኣድጊ ሞይታ፡ ብምምሃዝ ካብ ራህዋ ክፍለ፡ እቲ እንኮ መፍትሒ ሽግረይ ምዃኑ ወሰንኩ።

ዳናይት፡

 እሂ ኣብ ክንዲ ዝሓለየት፡ ዘፍቀረትካ ካብኣ ክትእለ። በቲ ዝርኣየቶ ነገር ክትርሕቀካ፡ ክትጽየፈካ ዝግባኣ ኣብ ክንዲ ዝሓቆፈት፡  ክትቀርባ እምበር ኔርካ። ፍቅራ ርኢኻ፡ ክትጽጋዓ  እምበር ኔርካ። ኣብዚኣስ ተጋጊኻ ዮኤልኑ። ኣነ እንተ ዝኸውን ካልእ ምስኮነ እቲ ታሪኽ መስለኒ።

ዮኤል፡

ኣብዛ ሕጂ ሰዓት ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ከምዚ ትብልዮ ዘለኺ ክብል ቀሊል እዮ። ኣብቲ ካብ ፈጣርን ሰብን ተሓቢአን ተኸዊለን ዝፍጽሞ  ዝነበርኩ ኃጥያት  ሰዓታት ግና እቲ ምኽሪ ናይ ራህዋ ከም ጸርፍን ንዕቀትን ኣብ ልዕለይ ኮይኑ  ስለ ዝስመዓኒ፡ እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ዝበልክዎ ካብ ራህዋ ፍንትት ምባል እዮ። እቲ ተሓቢአ ዝፍጽሞ ሓጥያትውን መቄሩኒ መስለኒ።

ዳናይት፡ በል እስኪ ድሕሪኡ ኸ እንታይ ኢልካያ፧

ዮኤል፡ ኣብ ቅድሚ ገጻ ደፊረ ክዛረብ ትብዓት ስለ ዘይብለይ፡ እቲ ዝጀመርናዮ ሕጸ ደው ክብል ብጽሑፍ ልኢኸላ።

 ናብ ዘኽብረኪ ራህዋ

ጽቡቕ ክትህልዊ ተስፋ እገብር። ምናልባት ኣዛ ሰዓት ኣብ  ጽቡቕ ቦታ ብምኻድ ከምቲ ቀጻሊ ትዛወርዮ ምስ ኣታኽልትን ፍዮርታትን እናረኣኺ ትጻወቲ ትህልዊ ትኾኒ። ራህዋ ሓፍተይ፡ ዓሰረተ ሻዕ ቃለይ እናዓጸፍኩን፡ ንስኺ ትደሊዮ ሰብ ኮይኑ ዘይምርካበይን  ኣብ ልዕሊኺ ዝፈጠርክዎ ቃንዛ፡ ዕረ ምዃኑ ይርደኣኒ። ኣብዚ ናይ ጸበባ ግዜ እግዚአብሔር ኣምላኽ   ከበርትዓኪ  ተስፋ እገብር። እዚ ወረቀት  ክጽሕፍ ከለኹ ሓዘነይን ዓሚቕ ጭንቀተይን ኣብኡ ተዘርዚሩ  ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኺ ዘስዓብክዎ ቃንዛን በቲ ክመልሶ ዘይከኣልኩ ፍቕርን ብሓቂ ይቕሬታ ክሓትት እደሊ። ዋላካ እኳ እንተ በደልኩኺ፡  ኣብ ልብኺ ንእሽቶ ቦታ ንይቅሬታ ዝኸውን  ክረክብ ተስፋ እገብር፡፡  ይቕረ ክትብለለይ ይሓተኪ፡።ኣብ ልዕሌኻ ዘለኒ ኣኽብሮትን ዋጋን ከም ቐደሙ ኣብ ቦትኡ እዮ።

ብኸመይ ከም ዝጅምሮ እንድዕለይ። እዚ ዝዛረበኪ ቀሊል ኣይኮነን ነገር ግና  ቀሊል ንምግባር ኣብቶም ነቲ ዝምድና ከብቅዕ ዝገበሩኒ ጉዳያት ከተኩር ይመርጽ። እዚ ማለት ግን ከማኺ ንፉዕ ሰብ ኣይኮንኩን ። ናብ ነጥብታተይ ክምለስ፡

ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ንግደት  ምስ ተመለስና ብርግጽ ኣብ ልዕሌኻ ብዝተፈላለየ ዘይርደኣአኒ ምኽንያታት ፍቕረይ የጉድል ከም ዝነበርኩ ጠቒሰልኪ ነይረ ግን እቲ ዝኸፈልካዮ መሥዋእቲ ርእየ ንኹሉ ሸለል ኢለ፡ ስምዒተይ ቀቢረ ኣብ ፍቅሪ ክጓዓዝ ቀጺለዮ። ካብ ፍቅርኺ ኣስተማቂረ ክህነጽ፡  ዝምድና ክዕብይ ንነብሰይ ፈቲያ። ግን ምስ ነብሰይ ብቕንዕና ኣይመኸርኩን  ይመስለኒ። መዓልታት ግዚኡ ሓሊዩ ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ እቲ ኣብኪ ዘለኒ ፍቅሪ ግና ክቅንስ እምበር  ክዓብይ ኣይከኣለን። ኣብ ልበይ ምድንጋርን ረበሻን ተኸሲቱ፡ ኣብ ዘይወጾ ዓሚቅ ጉድጓድ ዝኣተኹ ኮይኑ ተሰሚዕኒ።

እቲ ሓቂ ክነግረኪ ፈቲነ ነይረ፡ ኣብ ፍቅሪ ፈተና ዘሎ’ዩ ደሓን ተረጋጋእ ውስን-ውስን ኣይጽቡቅን ኢልኪኒ ። ልበይ ክሰምዕ ነይሩኒ። ነገር  ግን ናይ ብሓቂ ሕማቕ ተሰሚዑኒ እቲ ኩሉ ትኸፍልዮ  ሰማዕትነት ርእየ ክቅጽል ወሲነ። ኣብ መወዳእታ እቲ ክውንነት ንኽልቴና ኣይሓገዘናን። ኣንጻር ድሌታተይ ብምስዓበይ፡ ኣነ’ውን ክውቀስ ከም ዘለኒ እፈልጥ’የ’ሞ ይቕሬታ ይሓትት ኣለኹ።

ካልእ ነገር ናይ ግዜ ጉዳይ’ዩ ነይሩ። ፍቅርና ክዕንብብ እንተ ኾይኑ መዓልታዊ ክራኸብ ከም ዘለና ይስወጠኒ። ነገር   ግን ምስ ስራሕን ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያንን ቀጻሊ እንዳተራኸብና ፍቅሪ ፍቅሪ ክንጻወት ከም ዘይንኽእል ገሊጸልኪ እየ። ከይተራኽብና ብኸመይ ክንናበብ ስለ ትብልኒ ዘነበርኪ ፡ ከረድኣኪ  ፈቲነ’የ ግን ሰዓታተይ ክትጻወሮ ኣይከኣልካን። ንነብሰይ ብዙሕ ግዜ ኣማኺረያ፡ ግና ርክብና ክዓቢየ ኣይረኣኽዎን። ብተሌፎን ቀጻሊ ተጽሕፍለይን ትድውልለይ ስለ ዝነበርኪ፡ ዝተረበሽኩ ኮይኑ ተሰሚዕኒ  ስልከይ ኣጥፊኣያ፡ ንቁሩብ  መዓልታት ።

ራህዋ ንስኺ ቅኑዕ ትገብሪ ነርኪ፡ ኣነ ኣብ ዝደለኹኺ እዋን ኣብ ጎነይ ኔርኪ፡ ኣነ ግን ኣብቲ ትደልይኒ ስመይ ትጽውዕኒ ግዜ  ኣብ ጎኒኺ ደው ኣይበልኩን። ኣብ ፍቅርን ሕጸን ምእታወይ ዝቐልጠፍኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ነገራት ቀስ ኢሎም ክስጉሙ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ኣብ ስርሐይን ሞያይን  ከተኩሩን ዘለኒ ተስሚዕኒ።

ራህዋ ናብ ገዛና ኣይትምጺ ኢልከ ብዙሕ ግዜ ንስኺ ግና ዘረባይ ሸለል ኢልኪ ናብ ገዛውትና ከይሓበርክኒ መጺኺ። እዚ ምግባርኪ ኣብ ልዕለይ ንዕቀት ከም ዘለኪ ተገንዚበ።ኣነ ዲያቆን’የ ኣብዚ ናይ ሕጸና ግዜ  ሒደት መዓልቲ ኣብ ሰሙን  እንተዘይ ኮይኑ መዓልታዊ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምሳኺ ምርኣይ ንኣገልግሎተይ ስለ ዘፍክሶ ርክብና ገደብ ክንገብረሉ ብዙሕ ግዜ ነጊረኪ። ንስኺ ግና ንምኽረይ ጸማም ሂብክዮ። ብዘይ ድሌተይ ኣብ ገዛውትና ምምጻእኪ፡ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ርክብና ደው ክብል ከም ዘለዎ ዝሓበርኒ ደወል እዮ።  ይቅሬታ ይሓተኪ ራህዋ ሓፍተይ፡ ነዚ ጽሑፍ ኣንቢብኪ ትጉህያ እንተ ኣለኺ።

 

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ንጽህና ክዛረበኪ እፈቱ። ምሳኺ ፍቅሪ ካብ ዝጅመር ኣትሒዘ ንጹህ ልቢ ስኢነ ኣለኹ። ነገራት ብዘይፈልጦም ኣንፈት ተበጊሶም፡ ንስብእነተይ እናፈተኑ ይዕንቅጹኒ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ቤተ-መግቢ አስመራ ተደሪርና ገዛና እናኸድና ብዘይ ድሌተይ ክልተ ግዜ ኣዘንጊዕኪ ስዒምክኒ። ምስዓም እሞ ይጽንሓልና፡ ዋላ እዛ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝካ ምዃድ ንስምዒተይ ፈታኒ ምዃኑ ገሊጸልኪ መስለኒ። ንስኺ ግና ብቅንዕና ካብ ታሕጋስ ዝተላዕለ ስዒምክኒ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። ልበይ ግና ነቲ  ምስዓም፡  ዕጸ-ምስዓም ብምባል ተርጔምዎ።  ሔዋን ንኣዳም ብዕጸበ=በለስ  ኣስሒታቶ፡ እዛ ዕጸ-ምስዓም ድማ ንዓይ ክተስሕት ዝመጸት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሕጅውን ይቅሬታ ንስኺ ከምኡ ኣይሓሰብክዩን ትዀኒ ኢኺ፡ ልበይ ግና ከምኡ’ዩ ተረዲእዎ።  

 

ነቲ ዝምድና ክቋርጸ ዝገበርኦ ቀንዲ ሰለስተ ነገራተይ እተን። ፍቕሪ፡ ርክብን ንጽህናን እየን። ኣብ ኩለን ድማ ኣነ እየ ዝውቀስ። ዝሓሸ ሥነ-ምግባር ከርእይ ነይሩኒ። እዚ ዘስዕቦ ቃንዛ እውን ተረዲኡኒ ይቕሬታ ይሓትት። ኣብ ጸልማት ቦታ ይገድፈኪ ከም ዘለኹ  እፈልጥ’የ ግን ኣንጻር ልበይ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን። እዚ ፍቅርና ፍቓድ ኣምላኽ ነይሩ እንተ ዝኸውን ፡ ኣምላኽ ንመጻምድቲ ቅኑዕ ኣእምሮን ልብን ከም ዝህቦ ብሓቂ እኣምን’የ ናትና ግና  ኣእምሮናን ልብናን ንጹርን ንጽሁን መልእኽቲ ኣይሓዘን። ስለዚ እዚ ሕጸ ናትና ድሌት እምበር ናይ ፈጣሪ ዝተሕወሶ ኣይመስለንን። ይቅሬታ ደጋጊመ።

ዮኤል።

ዳናይት፡ ብሓቂ ጨቃን ኢኻ ዯኤል። ሓንሳብ እሞ ዓርክኻ ይድውል ኣሎ።

ዮኤል፡ እሞ እልይ ኢልኪ ተዛረብዮ።

ዳናይት፡ ጸገም የለን። ደሃየይ ክፈልጥ’ዩ ደዊሉ። በቲ ጸሊአኪ ይብለኒ። መልሲ ከ ደሃይ ክግብር ይድውል። በል ኣብታ ዘለታ ተወሰኸታ ከይከውን። ንኺድ እሞ ጽባሕ፡ ወይ ዓርቢ ንቅጽሎ። ክሳብ  ጉዳይና ዝሃድእ፡ ዮኤልይ ካብ ቅድሚ ኣይትፈለ። ብጀካ’ኻ ረዳኢ የብለይን።

ሻድሻይ ክፋል ይቅጽል

ሶሲና 

Comments are closed.