ሓዳር-ስደት ራብዓይ ክፋል

                                                           በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ::

ዮኤል፡

"ኣይፈልጥክዎ፡ ዮናስ ዓርከይ ግና ስሙ ክጠቅሶ ሰሚዓ ኣለኹ"።

ንዓይውን ዓርክኻ’ዩ ኣላሊኒ።  I love sermon  ናይ Fr.Josia Trenham። ብዛዓባ ሓዳር፡ ድንግልና፡  ምንኩስና ዝምህሮ ትምህርቲ  ከም መዝሙር ደጋጊመ ሰሚዔ’ውን ኣይጸግቦን እየ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ዓቢ ጸጋ ናይ ምምሃር ኣብ ልሳኑ ኣንቢሩሉ ኣሎ ። ከይተሰላቸኹ ፡ ካብ ኮፍ ዝበልኩሉ ፍሕት ከይበሉ ንሰዓታት ስብከቱ ይሰምዖ። ክገርምካ እዚ ካህን  ናይ ፖሮቴስታን  ፓስተር’ዩ  ነይሩ። እታ ቅንዕቲ እምነት ናይ ሓዋርያት ኣብቲ ዝመላለሶ እምነት  ከምዘየላ ተረዲኡ፡ ነታ ሓቀኛ እምነት ክረክብ ከናዲ ጂሚሩ። እቲ ናይ ጥንቲ ናይ  ቀዳማይ ክፍለ ዘመን እምነት፡ ሓዋርያዊ ኣተሓሳስባ ዝሓቆፈ እምነት  ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስትያን ረኺብዋ። እቲ ምሉእ ብርሃን ዘይረኸበ፡ ብገለ ክፋሉ ዝጸልመተ ልቡ፡ ምልአት ብርሃን ምስ ረኸበ ካብቶም ጽኑዓት መምሃራን ናይ ቲኦሎጂ ምሁራት ኣብ ኣሜሪካ US ዝርከቡ ሊቃውንቲ ሓደ ኮይኑ።  ከምዞም ተብዓትን  ተረርትን  ናይ ዓድና ካህናት ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ነቲ ትብዓቱ ትምህርቲ ተወሲኽዎ፡ ዓቢ ሊቅ ክኸውን በቂዑ።

ኣብ ስብከቱ ካብ ዝስማዕክዎ ከካፍለካ። ኣብ ኣሜሪካ US 1955 ኣስታት ሹዱሽተ ሚልዮን ሕጻናት ተምሃሮ ኣብ ካቶሊክ ቤተ-ክርስቲያን ይመሃሩ ነይሮ። ኣብቲ እዋን ኣሜርካ US መዲና ናይ ክርስትና እምነት ክትከውን እያ ይበሃል ነይሩ። ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ ግና 1.5 ሚልዮን ተመሃሮ ጥራይ ኣብ እምነት ክርስትና ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ።  ክርስትና ኣብ ኣሜርካ  US ባዲሙን ጸኒቱን በሎ። ሰብዓን ሓሙሽተን ሚእታዊት (75%) ወድቅት ኣጋጢምዎ ። ተስዓን ሓሙሽተን ሚኢታዊ (95%) ገዳማት ናይ ካቶሊካዊት ዝነበራ ሕጂ ናይ ንግዲ ትካላት ወይ መንበሪ ገዛ ተለዊጡ ኣሎ። ኣብ 1955 ከባቢ  77% ኣሜሪካውያን ኣብ ሓዳር ዝተጸምዱ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ሕይወቶም ብሓደ ይመርሖ ነይሮም ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገበረ መጽናዕቲ  ከም ዝሕብሮ ካብ ኣሜርካውያን 15% ጥራይ ኣብ ሓዳር ጸኒዖም ከም ዘለዎ መጽናዕቲ  ይሕብር።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ጠንቂ እዚ ኹሉ ውድቀት ዘጋጠመ እንታይ ምስ ተበሃለ?  ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስቲያን ንሰባት ከይተቀይም፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት መምስ ዝወጸ ኣዋጅ እናተመጻደቀ፡ ኣፍደጊኣ ስለ ዝኸፈተት እዮ። ቤተ-ክርስቲያን  ንዓለም ኣብ ክንዲ ትጸሉ፡ ዓለም ንቤተ-ክርስቲያን ንፋሳ ተእቱ።

ዮኤል ሞባይሉ ክጥውቅ ስለ ዝርኣየቶ ዳናይት ትሰምዓኒ የለኻን መስለኒ። ኣነ ካብ ዝጽልኣኒ ነገር ክዛረቦ ከለኹ ተሌፎኑ ዝጠዋውቅ ሰብ እዮ።

ዩኤል፡

ይሰምዓኪ ኣለኹ ዳኑ። እዚ ኩሉ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ  ናይ ክልቲኹም ዘይምስምማዕ ዘመጽኦ ሽግር እዮ። እንታይ ድዩ ኣዘኻኺርኒ፡ ኣብ ግዜ ሕጽኖት ከለና ምስ  ራህዋ፡ ዳርጋ ክንፈላለ ወሲና ነይርና። ኣብቲ እዋን እቲ ጽሑፍ ዝሰደድኩላን ዝሰደደትለይን ዓቂበዮ ኣለኹ። ከንብቦ ከለኹ ሕምቀተይ፡ ድኽመተይ ዘኪረ ይሓፍር። ደጊመ፡ ከምኡ ዓይነት በደል ንኸይፍጽም መዘከርታ ይኾነኒ። ኢለ።

 ዳናይት

“እሞ ፍቃደኛ እንተ ዀንካ  ዘይተንብበለይ”።

ብጣዕሚ’ዩ ዘሕንኸን ዘሕፍረንን። ሓደ ሹዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ናይ ጽዩፍ ስእልታት ምርኣይ ወልፊ ገይረ ነይረ። ሰብ ምሳይ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ፡ ጽምዋ ምስ ዝኸውን ከሎ  ከይደለኽዎ ብዘይ ምርጫይ ተደፋፊአ ነቲ ጽዩፍ ስእልታት ኣብ መዓልቲ እንተ ወሐደ ንኸባቢ 40 ደቃይቅ ይርእይ ነይረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ሰብ ምስ ዝመጸኒ ነቲ ተሊፎነይ ይሓብኣ እሞ ከምዚ ዋለሓደ  ጽዮፍ ነገር ክርእይ  ዘይጸናሕኩ የምስል። ነቲ መርበብ ከይዓጽኹ ነታ ተሌፎነይ የቀምጣ ነይረ።

ራህዋ ተሌፎነይ ክትጥቀመላ ሓደ ሓደ ግዜ ትሓተኒ ነይራ። እቲ ናይ ጽዮፍ ወልፍታት ስእልታት ከይዓጸኽዎ ኣብቲ ሞባይ ክልተ መዓልቲ ይጸንሓ እሞ ንስና ግና ከምዚ ዘይርኣየት፡ ነቲ መርበባት ዓጽያ  ትሓልፎ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ግና ሓንቲ ጽሑፍ ከምዚ ትብል ትሰደለይ።

ናብ ዝፈትወካን ዘፍቅረካን ሕጹየይ። ትማሊ ዘንበብክዎ ብእንግሊዘኛ ዝተጻሕፈ ሥነ-ጽሐፍ  ኣገዳስን እዋናዊ ኮይኑ ስለ ዝረኸብክዎ፡ ምስኻ ክንዘራረቡ ክንዝትየሉ ካብኡ ክንመሃር ናብ ትግርኛ  ተርጊመ ይሰደልካ ኣለኹ። ኣብዚ ዘመና እቲ ቀንዲ ንመንእሰያት መንፈሳዊ ማሕንቆ ኰይና ዘሎ ምርኣይ ጽዮፍ እዩ። ብዙሓት ንፉዓት መንፈሳዊ ኣሕዋት በዚ ተወሊፎም ኣለዎ። ኣብ ዓለም  እቲ ዝበዝሓ ኣታዊ ዝርከቦን ገዚፍ መጠን ገንዘብ  ዝፈሰሉ  ኤንዳስትሪ እዩ። እዚ ረቂቅ ሰይጣናዊ ሥራሕ እዚ እቲ ዝለዓለ ኣብ ዓለም  መኽሰብ ዝርከበሉ፡ ኣስታት 94 ቢልዮን ዶላር ናብ መኽሰን ዓበይቲ ትካላት ኣታዊ ዝገብርሉ ገዚፍ ወፍሪ እዮ።

እዚ ስሚ መንፈሳዊነት እዮ። ስሚ እናተመገብካ ክትጥዕይ ኣይትኽእልን። እዚ ስሚ ከቢቡና ከም ዘሎ እናፈለጥና ኣብ ክንዲ ብጉሉጽነት ንዛረበሉ ስቅ ንመርጽ። ፡ እቲ ኣርእስቲ ዘሕፍር ኮይኑ ስለ ዝስመዓና እዚ ስሚ እናቀተለና ሞይትና ከሎና’ሞ ሕክምና ኣይንኸይድን።

ጽዮፍ ስእሊ(Pornography) እንታይ እዮ፧

 ነዚ ሕቶ ንምምላስ መጀመርያ ኣብ ክርስትና ጾታዊ ርክብ እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና። ጾታዊ ርክብ ድማ ክልተ ጥቅምታት  ከም ዘለዎ ክንርዳእ ኣለና። በዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሃበና ህያብ፡ ተምሳል  ኣምላኽ ብምዃን፡ ወለድቲ ኮይና   ናብ ዓለም ዘይነበረ ፍጥረት ውላድ ነምጽእ። እግዚአብሔር ኣምላኽ  ፈጣሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ግን እግዚአብሔር ምስኡ ክንፈጥር፡ ንዕኡ ዝዀኑ ሕጻናት ክንፈጥር ክእለትን ኃይልን ይህበና።  ብዓቢኡ ግን ኣብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀጻሊ ብመንፈስ ክንውለድ ናቱ ክንከውን ደሙ ከፊሉልና እዮ።   ኣብ ሥርሑ ንካፈልን ምስሉ ንነብር፡ ንሱ’ዩ እቲ ሓቀኛ  ምውላድ።

ስለዚ ኣብ ክርስትና ክንምርዖ ከለና ብሠለስተ መንገዲ ኢና ንጥርነፍ። እቲ ቀዳማይ መንፈሳዊ ሓድነት ኮይኑ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ክንጽሊ ይግበኣና። ብሓባር ቅዱስ ቁርባን ክንካፈልን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ከነንብብ ይግበኣና (መንፈሳዊ ሓድነት)። እቲ ካልኣይ ድማ ሓድነት ነፍሲ ኢዩ። እንስሕቐሉ፡ ብሓንሳብ እንሕጐሰሉ፡ ብሓንሳብ ንሰላም ሓቢርና ነስተማቅረሉ፡ ብሓባር እንሓዝነሉ እዩ።  እዚ ክልተ ድማ ቅድመ-ኩነት ናይቲ ሣልሳይ ዝኾነ ሥጋዊ ሓድነት ኮይኑ ግን ሕጂ’ውን ናይቲ ሥጋዊ ሓድነት ዕላማ ምሃብ እዩ። ንገዛእ ርእስና ብዘይ ርእሰ ፍትወት ኣብ ፍቕሪ እቲ ካልእ ምክፋል።

ንሱ ድማ እዚ ኣብ ውሽጢ ክርስትና ፍቕርን ጾታዊ ርክብን እዩ። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ብዓይኒ ወይ ብእዝኒ ስእለ ጽዩፍ ወይ ፍትወት ክዕዘብ ከሎ ነተን ሠለስተ መንገድታት የወግደን እዩ። እተን ቀዳሞት ክልተ ርዱኣት እየን፣ እታ ሣልሰይቲ (እቲ ናይ ሥጋ) ነቲ ፍቕሪ ካብኡ ኣውጺኡ ፍትወት ርኽስት  ይኸውን። ምስ ካልእ ሰብ ሓድነት ዝፍጸም  ካብ ሰበይትና ወይ ሰብኣይና ወጻኢ ዕግበት  ኩሉ ብዛዕባ ነብሰይ’ዩ  ይጥዓሚ (ኣብ ክንዲ ንብጻይካ ምቕዳም ዘይብሉ ፍቅሪ ኣዝዩ ርእሰ-ፍትወት ዝመልኦ ነገር ይኸውን)።

 ንሱ’ዩ ፍትወት ሥጋዊ ባህጊ ምምራጽ። ስእለ ጽዩፍ ኣብ ዕላምኡ ፍትወት ኣለዎ። ንዓይ ትብህጎ  ፍትወት ሥጋዊ ድሌት ንምምጋብ። ሓደ ሰብ ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ኣምላኽ  በቲ ኣባና ዘሎ ፍትወት ድሌት በዓሉ ኣብ ኣካላትና ዘንበሮ ዝፍትነና ፧ ባዕሉ ይፈጥረና እሞ ተፈቲና ምስ ወደቅና ዝኾኑና ብምባል ይሓተኒ። እቲ መልሱ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ  ከምዚ ኣይፈጠረካን። ፍጥረት እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ጽቡቕ’ዩ። ንሕና  ስለ ዝወደቕናን ኃጢኣትናን እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ብልሽውና ነቲ ድሌት ኣባና የእትዎ። ንሕና ግና ነዚ ድሌት እዚ ኢድና ክንህብ የብልናን። እግዚአብሔር ኣምላኽ  ምሥጢራት ሂቡና እዩ። መንፈሳዊ ብርትዓ ንክህልወና ንሕና ድማ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ግቡእ ምስሊ ኣምላኽ ዳግማይ ክንረክብን፡ ኣብ ሕቁፊ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኮይና ሕይወት ከነስተማቅር ነዚ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍትወት ሥጋ ክንቃለሶ ኣለና።

ስለዚ ነዚ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዝተበላሸወ ድሌት ክንቃለሶ ይግባእ ። ኣካላተይ (እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም ህያብ ዝሃበኒ)ን ህዋሳተይን ብመሰረት መበቆላዊ ዕላማታቶም (ንዝተበላሸወ ዕላማ ብዘይግቡእ ክጥቀመሎም ኣይክእልን እየ) ከም ዝጥቀመሉ ከረጋግጽ ኣለኒ ክንብል ኣለና። ካብ ፈጣሪ ዝሃበና ዕላማ እንተወጽእየ ግ ክስሕት’የ’ሞ ኃጢኣት ክገብርን ንነብሰይ ከበላሽዋን’የ እናበለና ከነስተንትን ይግባእ። ዋላ ሽሕ ግዜ በዚ ፈተነ እንተወደቅና ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ብዘይ ተስፋ ምቁራጽ፡ ክንትሥእ ኣለና። ክርስቲያን ኢዱ ኣይህብን እዮ። ናይ ክርስቶስ ወተሃደር ክሳብ ዝኾነ ክሳብ ሞት ይቃለስ።

ቤተ ክርስቲያን ካብ ሥላሴ ውልድነት ክትሃበና ከላ፡ ሓድሽ ሰብ ኣብ ንኾነሉ ግዜ  ልክዕ ድሕሪ ኣብ ማይ ምጥላቅና  ቅዱስ ዘይቲ ሜሮን ኣብ ልዕሌና፡ ካህን ነቲ ሜሮን ኣብ ብዙሕ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣካላትና ይቀብኦ። ኣብ ኣካላትና፡ ኣብ ገጽናን ንሓሳባትና  ክቕድሶ ኣብ ርእስናን  ኣእምሮን  የቐምጦ። ካብዛ ሰዓት ጀሚርና  ሓሳባተይ ከምኡ’ውን ንኣዒንተይ፡ ኣፍንጫይ፡ እዝነይ፡ ኣፈይን ምሉእ ሕዋሰይን ክቕድስ ከምዘለኒ ክርድኣኒ ይግባእ። ኣነ ናይቲ ቅዱስ ኣምላኽ ውላድ ስለ ዝኾነኩ  ቅዱስ ነገር ክንገበርን ብቅዱስ ነገር ጥራይ ክሕጎስ ይግብኣኒ ብምባል ክንጽሊ ኣለና።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ 6፡19-20 ከምዚ ይብል” ብዋጋ ተዓዲኩም ኢኹም እሞ ሥጋኹም ቤተ-መቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እንተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኮነኩም’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ስለዚ ብሥጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ፡”

ነዚ ኣዚና ክንነቕሓሉ ኣለና። ንሕና ንበልዖ ኢና ንመስል ይብሉ ጸዓዱ። እዚ ምስላ ኣብ ብመንፈሳዊ ይሰርሕ እዮ። ክንብልዕ ከለና ብሕዋስና ኢና ናብ ኣፍና መግቢ ነእቱ። ጽዮፍ ስእሊ ክንርኢ ከለና ንኣእምሮና ዝሙት ንምግቦ። ስለዚ ብሕዋሳትና ቅድስናን ንጽህናን ንበልዕ ወይ ድማ ብልሽውና ንበልዕ። ኣብ ውሽጢ  ኣካላትና ዘሎ ብኣፍና ዝኣተወ መግቢ ዝተሰርሐ’ዩ። ኣብ ኣእምሮና ተኸዚኑ ዘሎ ፍልጠት እቲ ብእዝንና ዝሰማዕናዮን፡ ብኣዒንትና ዝርኣናዮ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዘደሊ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ንኸብድና እንታይ ንምግቦ፡ እንታይ ንሰቲ፡ ብምባል መዓልታዊ  ውሳነታት ከም ንህብ  ንሓንጎልና’ውን መዓልታዊ  እንታይ መግቢ ንመግቦ ቅድስና፡ ርኽሰት፡ ፈትወት ሥጋ ብምባል ክንሓስብ ኣለና። ኣካላትና ብጽጉሙ፡ ኣእምሮና ብጥሜት መንፈሳዊነት ይሳቀ ከይህሉ ምዝካር ኣገዳሲ እዮ።

ጽባሕ ምስ ተራኸብና ብሰፊሑ ከንዕልል ኢና ፍቅሪ ናተይ።

ሕጽይትኻ ራህዋ

ዳናይት፡

 ዋው very powerful message .  ንስኻ’ከ  እንታይ ኢልካ መሊስካላ።

ሓምሻይ ክፋል ይቅጽል

ሶሲና

Comments are closed.