ሓዳር ኣብ ስደት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ::

ሣልሳይ ክፋል

ዳናይት፡ ሓሳበይ ኣስፍሕ ኣቤለ ክገለጽ ጸን ኢልኪ ስምዓኒ። Don’t get me wrong ንዓርክኻ ብጣዕሚ’የ ዘፍቅሮ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሣልሳይ ዓይኒ ክኾነኒ ዝሃበኒ በረኸት’የ ምኻኑ ይፈልጥ እየ። እቲ ኣነ ዘይርእዮ ድኻመይ ንሱ ብሌን ዓይኒ ኮይኑ ይርእየለይ። ድኻመይ ንኽለሊ ይሕግዘኒ።  ነቲ ዝደቀቀ ጽድቀይ ኣግዚፉ ናብ መኣዲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይመርሓኒ። ንዓይ ቁኑዕ ኮይኑ ዝስመዓኒ ግና ጌጋ ኾይኑ እንተረኺብዎ፡ ብህደኣት የረድኣኒ።  ምርኩሰይ ብምኻን  ደጊፉ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ዘሳልየኒ ህያብ ፈጣሪ ምኻኑ ይኣምን እየ። ግና እዚ ባህርያቱ ገይሹ ኣሎ ኣብ ቀረባ ግዜ።

Well ኽክሓድ ዘይብሉ ሓቂ ግና ንሓደ ሰብ ክትእርሞ ከለኻ ብንዕቀት ኣይኮነን፡ ትእርሞ። ኣዒንትኻ ከም ብራት ጥይት ተጠቂምካ ብዓይንኻ ኣድራጋ መግናሕቲ መቅጻዕቲ ምሃብ ቁኑዕ ኣይኮነን።

ከምቲ ኣብኡ ዘሎኒ ፍቅሪ ክገልጽ፡ ናቱ ምኻነይ ክርደኣለይ ጃኬቱ ዝኾዶኖ፡ ንሱውን ንዓይ ክኽደነኒ፡ ንዓይ ብምምሳል፡ ክእርመኒ ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳም ከይንዓቀ ሥጋኡ ብምምላስ ኣዳም  ዝመስሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳም ከድኅን  ሥጋ ኣዳም ተወሓደ። ካብ ላዕላይ ክብሩ ወሪዱ፡ ነቲ ድኹም ባህርና ወሪሱ፡  ንኣዳም መሰሎ። ሥጋ ኣዳም ወሲዱ፡ መቅጻዕቲ ኣዳም ተቀቢሉ። ንኣዳም  ናብቲ ቀዳማይ ክብሩ መለሶ። በቲ ቀዳማይ ኣዳም ሞት መጺኡ። በቲ ካልኣይ ኣዳም ግና  ሕይወት ተመልሰ። ሞት ኣብቲ ዝበለጸ ቦታ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ገነት ተኣዊጁ። ኣብ መስቀል ግና ተቀቲሉ። ኣብ መስቀል ድኅነት ተፈጺሙ፡፡ ኣብቲ  ደቂ ሰባት ብገበኖም ዝቅጽዑሉ ቦታ ናይ መከራ ቦታ ሰላም ተኣዊጁ።

ስለዚ ሞት ኣብቲ ዝበለጸ ጥዑም ቦታ ኣብ ገነት ከም ዝመጸ፡ ንሓዳር ዝስምም መርዚ፡ ንሓዳር ዝቀትል ዘራጊ ሓሳብ ኣብ ፍቅሪ እናተሰራሰርካ  ከለኻ’ዩ ዝመጽእ። ብሓጺሩ  ኣነ ዝብል ዘለኹ፡ ኣብ ገዛ ክመጽእ ከለኹ፡ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንዑኡ ምርኣይ ባህታ ከም ዝፈጥረለይ ክርደኣለይ። ገዛ ክመጽእ ከለኹ ንቁሩብ ደቃይቅ፡ ሓቂፉ ምሳይ ኮፍ ክብል። መዓልተይ፡ ከመይ ከምዝወዓለ ክሓተኒ። ኣብ ስራሕ ዝወዓልክዎ ኩነታት፡ ክነግሮ ከለኹ ርእይቶን ሕቶን ምኽሪ ብዘይምቅራብ ክሰምዓኒ። እዚኣተን እየን ጠለበይ። ወርቂ ወይ ኣልማዝ ክዕድገለይ ኣይሓተትኩን።

እዚ ምኽሪ ንዓኻ’ውን ይጠቅመካ እዮ ዮኤል። ብኡነት እምነኒ፡ ሰበይትኻ ክትሕጉሰልካን ከም ተፍቅራን’ውን ክትርደኣልካ እያ። ቋንቋ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ሰኣን ምርዳእ ኣወዳት ተቓላጢፍኩም judgemental ትኾኑ። ኣንስትኽም ምኽሪ ከይተሓተትናኩም ክሳብ ዝስልቸና፡ መልሓስኩም ክሳብ ዝነቅጽ ትዛረቡ። ምኽሪ ኣይጽላእን’ዩ ግና ኣብ ግዚኡ ክኸውን ከሎ’ዩ ኣድማዒ ዝኸውን።

ዮኤል፡

 ኣብዚኣ ሓቅኺ ዳኑ። ክገርመኪ  ስራሕ ውዒለ ገዛ ከኣቱ ከለኹ፡ ቅድሚ ንሰበይተይ ሰላምታ ከብደይ ክኣልይ፡ ናብ ክሸነ’የ ዝኸይድ። ብኣንጻሩ በዓልቲ-ቤተይ፡ ስራሕ ወይ ምህሮ ውዒላ  ክትመጽእ ከላ፡ ናባይ ገጻ ብምስጓም ኣብ ጥቃይ ኮፍ ትብል። ከመይ ተዋዒሉ ብምባል፡ ኣፋ ትኸፈት። ኣብ ስራሕ ዝጋጠማ ጽቡቅን ሕማቕ ተዕልለኒ።

ናይ ወዲ ባህሪ ግዲ ኮይኑ ናተይ መልሓስ ቅድሚ ሰላምታ ንመሳሕ’ዶ ንደረርዶ ዝብል ቃል ተውጽእ። ሰኣን ቁሩብ ደቃይቅ፡ ጽን ኢላካ ምስማዕ ክንደይ ግዜ ኣብ ክትዕን ቆየቛን  ዝኣተኹዎ  እዋን ውሑድ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ቀሊል ነገር ብምግባር  ፡ዓቢ ሽግር ይፈትሕ’ዩ። ቁሩብ ደቃይቅ ጽን ኢልካ ምስማዕ ፍቅርን ሰላም ቤትካ’ዩ ዝዕቢ። ቃል ሕይወት ይስምዓልና ዳናይት።

ዳናይት፡

 Finally let me tell you this before we jump to the main discussion። ( ኣብ መጨረሻ እስኪ እዚኣ ክነገረካ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ዛዕባና ምስጋርና )

ዮኤል፡

 ኣምሲኻልይ ብምባል ደሓር ከይተማርሪ።  ቅድሚ ናብ ካልእ ዘረባ ምኻድና ግና ኣሕጽር ኣቢልና ንጽሞቃ እሞ እዛ ክንዘራበሉ ዝጸናሕና። ድሕሪኡ ዕላልኪ ትቅጽሊ። ከም ማንቲለ ንጥር፡ ንጥር እንታይ ዋጋ ኣለዎ። ዕላልና መጥመሪ ዘይብሉ ከይከውን ደሓር።

ዳናይት፡

ህህ ኣነስ ማንቲለ ዮኤል ብላሽ። እንታይ ደኣ ከማኻ  ከም ኣባ ጎብየ ጎታት ክንብል፡ ኩሉ ከይበጻሕክዎ ክተርፍኒ። ደሓር ከኣ ንስኻ ኣበይ ትርከብ። ሎሚ ክጥቀመላ። ሕጂ ብኣካል ረኺበካ ከለኹ ጾረይ ክራግፍ። Any ways ሕራይ ብሓጺሩ እንታይ ክንበሃሃል ጸኒሕና መስለካ።

ናይ ሓደ ሰብኣይ ተራ ኣብ ሓዳር ንሰበይቱ ምፍቃር እዮ። ዋላ ትተኣዘዞ ዋላ ኣይትተኣዘዞ ንሱ ክፍቅራ ኣለዎ። ከምቲ ክርስቶስ ንሕና ግና  ኃጥኣን ከለና ዘፍቀረና፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ  ክፍቅር ጥራይ ኣለዎ period። ፍቅሩ ብዝኾነ ምኽንያት ክጎድል የብሉን። የሕሪቃትኒ፡ ናይ ገዛ ስራሕ ኣይዓየኽን ----- ወዘተ ዝብሉ ምኽንያታት ንሰበይቱ ፍቅሪ ካብ ምሃብ ክቁጠቡ የብሎምን።  The assignment of the husband is to love his wife:: ጉድለት ናይ ሰበይቱ ምጽብጻብ ኣይፍቀድን። ድኻም ናይ ሰበይቱ ነቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኾነ መርዓቱ ንኸፍቅር፡ ዕንቅፋት ኽኾኖ የብሉን። it doesn’t matter the challenges he faces  ሰብኣይ ፍቅሪ ፍቅሪ ክሽትት ኣለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብኡት ኣንስትኹም ኣፍቁሩ’ዩ ዝበለ፡ ሓቂ’ዩ  ሰበይቲ ክትፍቅር ጥራይ ኣለዋ በጃኻ ኢለካ ።

ናይ ልባ ስለ ዝተዛረብት፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ብዘይ ሕብእብእ ስለ ዝገለጸት ፍሽኽ ብምባል ክምስ በለት። እቲ ናይ ልባ ሓሳባት  ንዮናስ ዓርከይ ትገልጸሉ ዘላ ግዲ ኮይኑ ተሰሚዕዋ  ትኪ ሽፊንዎ ዘነበረ ገጻ ከም ጥዋፍ  ተወልዐ።

ዮኤል፡

 ግርም እባ ናትኪ ትንተና። ንሓዳር ከም ፕሮጀችት ኣኪብኪ ገለጽክዮ፡ ናይ wife assignment ወይ ተልእኾ ኣብ ሓዳር እንታይ እዮ።

ዳናይት፡

ናይ  ሰበይቲ ተልእኾ ደኣ ከምቲ ቤተ-ክርስቲያን ንክርስቶስ ትእዘዞ፡ ብዘይ ዕጥይምጠይን ምስልቻውን  ክትእዘዝ ኣለዋ። ሰብኣያ እቲ ዝድለ ፍቅሪ ይለግስ ኣይለግስ፡ ንምእዙዝነታ ገደብ ክትገብረሉ የብላን። ትሕትናን ትኣዛዝነትን ስልማት ናይ ሓንቲ እርምቲ ሰበይቲ’ዩ ። ከምቲ ኣቦታትና ቅዱሳን ዝብልዎ መንፈሳዊ መርዓ፡ ሓዳር ሓዲሽ ልደት’ዩ። ስለዚ ነዚ ልደት እታ ሰበይቲ ብትሕትናን፡ ምእዝዝትን ክትቀረብ ኣለዋ።

”ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ደም ወይ ካብ ፍቓድ ሥጋ፡ ወይ ካብ ፍቃድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።” ዮሐ1፡13።  ከም ዝበሎ። ሰበይቲ ክርደኣ ዘለዎ ንሰብኣይካ ምእዛዝ፡ ትዕመጽ ወይ ባርያ ናይ ሰብኣይካ ኣይኮንካን ትኸውን ዘለኻ እንታይ ደኣ ብኣንጻሩ ጐይታ ቅድስቲ ሥድራ ኢኻ ትኸውን ዘለኻ። ክብሪ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀዳምነትን ብምሃብ  ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኢኻ ተማልእ ዘለኻ። ኣብ ዓለም ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ምእዛዛ እቲ ዝዓበየ ዓወት እዮ። ግና  ምክብባር ምትሕልላይ  ካብ ሰብኣይ ኣይብል ወይ ካብ  ሰበይቲ ጥራይ እውን ኣይብል። ቅዱስ ፍቅሪ፡ ካብ ክልቲኦም ናይ ክልቲኦም ልብ ዝፈስስ ፈለግ ምክብባብር ዝህነጽ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዮ።  ብሕጽር ዝበለ  ነዚ ይመስል። ዝጎደለ ባዕልኻ መልኣዮ።

ዳናይት ድሌታ ስለ ዝተዛረብ ተሓጓሳ ኣብ ገጻ ይንበብ ኣሎ።

ዮኤል፡

 ዳናይት ሰላሕታ ኢኺ፡ ስልሕም ንብሎም ኔርካ ንኸምዚ ከማኺ ኣብ ገዛውትና ። ብደገ ንዝርእየኪ፡ ሕውስ ባህርያትኪ ርእዮ ማዕረ ክንድዚ ጥልቀት ኣብ መንፈሳውነት ከም ዘለኪ  ዝግመት የለን፡ ንዓይ ሓዊስኪ። እዚ ዓርከይሲ ልባም ሰበይቲ ኣፍርዮ’ዩ ።

ዓርከይ ደኣ በቲ ኣባኺ ዘበርክቶ መንፈሳዊ ተልእኾ፡ ንፍዕቲ ሰበይቲ ስለ ዝፍረየ   ክንኣድ እምበር ክውቀስ የብሉን።  

ዳናይት፡

 ኤእ ኣይትሕስወኒ  ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ ሓዲድ ደቅስ ትብል My Mom። ሓቂ ተዛሪቡ ኣብ መንገዲ ባቡር ዝደቀሰ ክሳብ ሎሚ ኣይሰማዕናን ። ካብ ዮናስ ዓርክኻ መንፈሳዊ መግቢ ከሲበ’የ ግና እዚ ኹሉ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝመሃሮ እባ ትሩፋ ኣይትግበሮ። ኣብ ቤተክርስቲያን ሰድያ ከማምቅ ኣይኮንኩን ዝኸይድ። ዝተሰብከ ቃል ኣምላኽ ልበይ ክፊተ’የ ዝሰምዕ። መዝሙር ክዝሙሩ ከለው በቲ ጣዕሚ ዘሜኡን፡ ትሕዝቱ ቃልቱን ተመሲጠ የስተንትን። ኣቦታት ካህናት  ክምርቁና ከለዎ  ኣሜን ይብል። ብሓጺሩ  ድምር ናይ ኩሉ’ዩ። ናይ ዓርክኻን ኣብ ቤተክርስቲያን ዝተመሃርክዎን እዮ። Father Josia Trenham ትፈልጦ ዲኻ።

ራብዓይ ክፋል ይቅጽል

ሶሲ

Comments are closed.