ሓዲሽ ዓመት ዓመተ ሰላምን ጥዕናን ሓጎስን ንስሓን ንኽኾነልና ምእንቲ

በስመ አብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላከ አሜን።

ምስባክ ፦ መዝ 64 ÷ 11-13

ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ።

ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ።

ወይረውዩ አድባረ በድው ።

              

አውደ ኣመት አሐዱ ኢልና  ብግብሪ ኃጥያት ዘይኮነ ብግብሪ ጽድቂ  ብስኽራን ብጓይላ ፣ዘይኮነ ብንስሓ ብዝማሬ  ፣ ብስስዐ ነፍሰ ፍትወት ዘይኮነ ፣ ብምጽወታ ዘለካ ብምክፋል ፣ብሓፈሻ  ካብ ግብረ ኃጥያት ሪሕቅና  ምስ እንቅበሎ ሓዲሽ ዓመት ዘመነ ምሕረት ምኾነልና።  

ንእግዚአብሔር ደስ ዘብል ምግባረ ጽድቂ  ሒዝና  ብትሩፋት አሐዱ ኢልን እንተፈሊምና።  ዕለታትን ዓመትን  ምተቀይሩ። ዘመና  ክፍኣት ወይ ጽቡቃት ዝኾኑ ብተፈጥር ኦም ከሙኡ ስለዝዀኑ ዘይኮነስ። ናትና ጽቡቅ ምግባርን ሕማቅ ምግባርን እዩ ዝውስኖ ።

ከምቲ አበው ዝብልዎ  ኣነ ጥዑይ እንተኾይነ ዘመን ይጥዒ ኣነ ሕሙም እንተኾይነ ዘመነ ይኸፍእ። ስለዚ ዘመን ክፋእ ወይ ጽቡቅ ንገብሮም ንሕና ኢና። ኩነታት ዘመን ዝቅየር ብናትና ስንፍናን መንፍዓትን እዩ።

ምግበረ  ጽድቂ ሰኒቅና  ንጎዓዝ እንተኾይና ሓዲሽ መዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብሙሉኡ ሓዲሽ ዓመትውን  እዩ ዝባረኸልና። ሓጥያት ንሰርሓሉ እንተኾነ ግና መዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነ ዓምት ብምሉኡ ናይ መከራ ዘመን እዩ ዝኸውን።

ኣብ ሓዲሽ ዓመት ጽቡቅ ነገር ንገብር እንተኾይና ንሙሉእ  ዓመት’ውን ኣዊንታዊ ድርኺት ኣለዎ ። ብባርኾት ዝጀምርናዮ ዓመት ስለዝኾነ ሙሉእ ዓመት ምግባረ ሠናይ እንዳገብረና ኢና ንሓልፎ። ብመንፈሳዊነትና ብጸሎት ብጾም ብትግሃ ለይቲ ዝያዳ ከኣ ንብርትዕ።  ንስኽራን ብጋይላ ደርፊ ብሓዘን ንጅምሮ እንትኾይና ግና ዓመቱ ሙሉእ ዓመት ሕይወትና ብኸንቱ ኣልቦ ቁምነገር ነሕልፋ።   

ጸላሊና ዲያብሎስ ነዚ እንረኽቦ ጥቅሚ ኣጸቢቁ ስለ ዝፈልጥ ዘመና  ብገቢረ ሓጥያት ንኽንጅምሮ ይደፋፍኣና። ፍቃድና ኣጥፊኡ ፣ዓይነ ልቦናን ኣዐዊሩ ብኸንቱ ዕደራ ብገቢረ ኃጥያት ክንጅምሮ ርሑብ መንገዲ ጥፍኣት የጠዓዕመልና። ነዚ ክፋእ ምኽሪ ዲያብሎስ ፈሊጥና ካብ መጻወድያ ጥፍኣት ክንሃድም ይግበኣና።

 ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ብንስሓ ናብ ኣምላኽና መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምልስ ይግበኣና። ንስሓ ንነፍሲ መድኃኒት እያ። ንኹሉ ቓንዛ ሓጥያት ከኣ ትቀትሎ። ንዲያብሎስ ድማ ስቓዩ እያ።

አበው ከምዝበልዎ ‘ ሰብ'ሲ ምረት ሲኦልን ጣዕሚ መንግሰተ ሰማይን ብርግጽ እንተ ዝፈልጥ ንጽድቂ ማዕረ ኽንደይ ምደለያ ነይሩ”

ንስሓ ኣደ ሕይወት እያ። ካብኣ ዝውለድ ድማ ዕዉት እዩ። ምኽንያቱ ሞት ዝበሃል ኣይክፈልጥን እዩ። ድልየቱ ዘበለ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ዝልምን፡ በዚ ድምጺ ኣውያት ድኅነት ስለዝጽውዖ፣ ጸላኢ ሠናያት  ዲያብሎስ ካብኡ ከም ይሃድም ኣብ ቅድሚኡ ክቀርብ ኣይክእልን።

ስለዚ ዘመነ ዮሓንስ ወንጌላዊ ብገቢረ ጽድቂ ብንስሓ እምበር ብገቢረ ኃጥያት ኣይንጀምሮ።   

ስለዚ ዘመና ፣ ዘመነ ሰላም ዘመነ ፍቅርን ስኒትን ክንገብሮ ናይ ምግባረ ሠናይ  ሰባት ንኹን። ብንስሓ  ብጸሎት ብምጽዋት ብጾም  ብምህለላ ንቀበላ። ሽዑ ዓመትና ዘመን መና ክትኮነልና እያ።

አምላከ ቅዱሳን ነዚ ክንግብር ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና ወላዲተ ኣምላከ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Comments are closed.