ሓዳር ኣብ ስደት  ካልኣይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ 

ካልኣይ ክፋል

ሓዳር ኣብ ስደት 

 

ዳናይት፡

 በተን ንብዓት ዝቋጸራ ዝመስላ ፍሩያት ዓይና ኣትኪራ ገጸይ እናጠመተት Wait ዮኤል ቅድሚ ብዛዕባ  ዕላማ ሓዳር ምዝርራብና ጽባቐ  ሰበይትኻ ምግላጽ፡ ንበዓልቲ ቤትካ  ምንኣድ ኣበሳ(ሓጢያት) ኣለዎ ድዩ፧

ዮኤል፡  

ዳኑ ብኣንጻር እዚ ትብልዮ ዘለኺ እዮ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ድርሳኑ (ትርጓሜ) መልእኽቲ ኤፎሶን ምዕራፍ ሓሙሽተ ”ሰብኣይ ንሰበይቱ ጽበቀኣን ክብራን ክገልጽ ከም ዘለዎ፡ ንሰበይቲ ምምጓስ ንሓዳር ከም ዘጽንዖ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ክንዲ ብስማ ዝጽውዓ፡  ንዓኣ ብዝሕጉሳ(መቃባጠሪ) መጻውዒ ስም እንተ ጸወዓ፡ ንፍቅሮም የጽንዖ እምበር ኣይፍንጥሖን።” ሰበይቲ ከም ቤተ-ክርስቲያን መሲልዋ ኣሎ። ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስና፡ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ንጽህና ዝሕሎን ክብራን ዝግለጽ  በቶም ኣብታ ቤተ-ክርስቲያን ዘለዎ ምእመናን እዮ። ናይ ቤተ-ክርስቲያን ክብርን ቅድስና በቲኦም ኣብኣ ዝመላለሱን መርዓትና፡ ናይ ዘልዓለም ዝብልዋ ኣቦታት እዮ።

ናይ ሰበይቲ ቅድስና፡ ንጽህና ፡ ጽባቅኣ፡ ቅድሚ ብሓላፊ መንገዲ ምምስካሩ ብሰብኣያ ክንገር ኣለዎ። ቅድስናን ንጽህናን ናይ መርዓቱ ሓልዮ፡ ነታ መርዓት ዝግብኣ ክብርን ምስጋናን ዝህብ ሰብኣይ፡ ንሱ ንሰበይቱ ዘፍቅር፡ ሓቀኛ እሙን ሰብኣይ ይብሉ ኣቦታትና።

ሰበይትኻ ምንኣድ ዝጀመረ በቲ ቀዳማይ ፍጥረት ኣቦና ኣዳም እዮ።” ኣደ ኹሉ ሕያው ኮይና እያ እሞ ሔዋን “ ዘጽ3፡20። ኣዳም ንሰበይቱ ስለ ዝፈተዋን  ዝፈተዋን ዘፍቐራን  ሽማ ናብ ሔዋን ቀይርዎ። ኣቦታት ኣብ ሀገርና ንሰበይቶም ኣብ ክንዲ ብስማ  ዘንጢሎም ዝጽዎዑ ”ኣደ-ደቀይ፡ መርዓተይ፡ በዓልቲ ቤተይ፡ ኣሚነይ ------ ወዘተ”  እናበሉ ይጽውዕወን። ካብ ኣዳም ዝተመሃርዎ እዮ።

ዳናይት፡ እዚ ዓርክኻ ደኣ እንታይ ሰሪርዋ ናይ ኣቦታቱ ዘይብሉ። እተን ትማሊ ዝንእዳኒ ዝነበራ ልሳኑ ናብ ገለ ገይሸን መስለኒ፡ ጥዑም ቃላት ናይ ኣቦታቱ ጠፊአን ኣሎ። ጥዑም ቃላታ፡ ንልበይ ዘርግእ ናፊቐ። እቲ መዓር ልሳኑ፡ ስለ ጽባቀይ ዝምስክር ዘነበረ ከንፈሩ ናበይ ተሸሪቡ፡ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን። እተን ጥዑም ላዛ ዘውጽኣ ከንፈር ኣበይ ተሰዊራ። ሓድሽ ባህራይ ዓዲጉ፡ ቁጥዕ ቁጥዕ፡ ይብል፡ ኣይጸንሕን ከኣ  ድሒሩ ጋሻ ኣነ ዘይፈልጠሉ ጎሓፍ ቃላት፡ ክትስምዖም ዘይብርሁኻ  ካብ ልሳኑ ይተፍእ።

ዮኤል፡

ይቅሬታ ዳናይት ክኾልፈኪ’የ ጽድቂ ይኹለፍኪ ። ናይ ክልቲኹም ጉዳይ ኣብ ክልቲኹም ተቐቢሩ ይትረፍ። ብሓፈሽኡ ኣብ ሓዳር ዘጋጥም ጸግማት ግና ክንዛረረብ ጸገም የብሉን። ብሕጽር ዝበለስ፡ ፍቃደኛ ኣይኮንኩን ኣብ ሓደርኩም፡ ትዘራረብዎ ጉዳይ ክሰምዕ። እቲ ጉዳይኩም ምስ ኣበ-ነፍስኹም  ተዘራረብሉ። ሔዋን ምስ ኣዳምን ፈጣሪኣን ዝተባእሰት ካብ ኣዳም ርሒቃ ምስ ጓና (ከይሲ) ዕላል ምስ ጀመረት እያ። ሔዋን ካብ ጥቅኡ ክትርሕቅ ኣዳም ኣካላይ ናበይ ኣርሒቃ ብምባል ሓለውኡ ስለዘይጽንዐ እዮ።

ዳናይት፡

ስምዓኒ ዮኤል እሞ ንስኻ ከይዲሲ( ዲያብሎስ) ዲኻ። ደሓር ከኣ ዲብሎስ ንሔዋን መጺዋ እምበር ሔዋን ንዲያብሎስ ኣይከደቶን። ስለዝስ ብዓልኻ ጠዊቅካ እንተ ትሓተኒ፡ ኣነውን ኣሓሊፈ ንሰብኣየይ ኣይምሃብኩን። ሕጅውን ኣሓሊፈ ኣይኮንኩን ዝህቦ ዘለኹ፡ ብኣንጻሩ ንጥቅሙን ንረብሓኡን’የ ዝጽዕር ዘለኹ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምሳኻ ዝዛረብ ዘለኹ ትፈትዎ ዓርክኻ ስለ ዝኾነ እዩ፡ ተወሳኺ ኣባኻ ዘለዎ እምነትን ክብረትን ልዑል’ዩ።  ከይሲ ብኣኻ ተኸዊሉ ከይመጻንስ ኣይፈርሕን። እታ ካብ ሰብኣይካ ወጻኢ ምስ ካልእ ምምኻር ዝበልካያ ግና ተቀቢለያ ኣለኹ።

ዮኤል፡

ደሓን ይትረፍኪ ዳኑ ናይ ዓርከይ ባህሪ መዓስ ይጠፍኣኒ። ደሓር ከኣ ኣይትሰንብዲ እዚ ኣጋጢምኩም ዘሎ ሓደ ካብቲ ኣብ ሓዳር ዝጋጥም  ግድላት እዮ።  ምስጢር ዝዓቁር ልቢ የብለይን። ኣብ ጥልቂ ሓዳርኩም ከይኣተና፡ ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ  ኣብ ሞንጎ ስብኣይን ሰበይትን እንታይ ምገብርካ/ኪ እናተበሃሃልና ዘይንዘራረብ፡ ስም ሰብ  ኣጸዋዋዕ ዘይብላ።

ዳናይት፡

ዮኤል ብላሽ ኣብዚ ዓዲ ምዕባየይ ኣይትዘንግዓዮ። ዕፉን ብሽፉን እካ ኣይብርሃኒ ትብል ኣደይ። ዕፉን ቀሊጥካ እንተ ኣብሰልካዮ/ ጠጢቅካ እንተ ኣብሰልካዮ ዝብላዕ ። ቃለ-መሕት ናይ ውሩያት ሰባት ኣብ ዮቲብ ወይ ኣብ ተሊቪጅን ሽው ኣይትርእየን ዲኻ? ኣብ ሓዳሮም ዝጋጥሞሞ ካብ A to Z ሓደ ብሓደ ከይሓባብኡ ከምታ ዘለታ ግልጽልጽ የብልዎ ሰብ ምእንቲ ክመሃር። ካብዞም ህቡባት ሰባት  ብዙሕ ተማሂረ ኣለኹ። ግሉጽነት ኣብ ሓዳር ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ሓዳር ከም ስየ ድው ክብል እንተ ኾይኑ ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር ዝሕባእ ነገር ክህሉ የብሉን። መድሃኒት ወይ ፈውሲ ሕማም ሓዳር ክርከብ እንተ ኾይኑ፡ you have to speak up።

ዮኤል፡

ዳናይት ኣብነት እስኪ ሃብኒ ካብዞም ውሩያት ሰባት፡ ወይ  ናይ ዓለምና ሁቡባት ተባሂሎም ዝስመዮ ኣብ ሓንቲ ሰበይቲ/ሰብኣይ  ጸኒዖም ክሳብ ዕለተ ሞቶም ዝጸንሑ? ሓዳሮም ብቅድስና፡ ብንጽህና መሪሖም ዘመን ሕይወቶም ዝጓዓዙ ጥቀስለይ ? ሓቂ ክንዛረብ፡ ይፈርዶም ኣይኮንኩን ዘለኹ ኣብ ጸሐይ ብራቅ ሰበይቲ/ሰብኣይ ክልውጦ ዶ ኣኮኑን ከም እንስሳ ዝዋሰብ ንግሆ ንግሆ።

ኣብታ ቅድስቲ  ሃገርና እንተ ተመልሲና ግና እቶም ኣብ ሓዳሮም ዘይጸኑዑ፡ ካብ ሓዳሮም ወጻኢኦም ዝዋሰቡ፡ ዝፋትሑ ቆጺርካ ትፈቅዶም ኢኻ። ኣብዚ ዓዲ ግና ብኣንጽሩ’ዩ እቶም ኣብ ሓዳሮም ዝጸንዑ ብኣጻብዕ ይቑጾሩ። እቶም ዝፋትሑ ኣኣብ ጽባሕ ዝምርዓው ግና ኣዲኦም ትቆጸሮ፡ ክንደይ ክብሎ ከም ሮማዲ ኣስፋሕፊሖም ኣለዎ።

ዳናይት፡

 ኣብዚኣስ ይስማማዕ እየ። ኣነ ግና ኣብታ ዝተፋቐርዋን ሓዳር ዝመስረትዋ ዓመታት’የ ዝጥመት ። ኣብተን ብመርዓ ዝተቛረንወን መዓልታት ዘለዋም ሰላምን ፍቅርን ስኒትን  ምክብባርን ከም ጸሐይ ደሚቁ’ዩ ዘበርህ። እቲ ሰብኣይ፡ እታ ሰበይቲ ትደልዮ የማልኣላ፡ እታ ሰበይቲዉን እቲ ሰብኣይ ዝድልዮ ክብረትን ሓልዮትን  ትህቦ። ሓጻርን ምቑርን ሕይወት የሕልፉ። ዘይምሉእ ደኣ ኮይኑ እምበር፡፡

ዮኤል፡

 ክገርከምክስ ኣብዚ ጥቃ ገዛና መቃብር ”Capital funera” ዝብል ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ናብኡ ገጸይ ይዛወር እየ። ኣብቶም ዕደመ ጸጊቦም ዝሞቱ( 70-95 ዕደመ ዝግበሩ)  ኣብ ልዕሊ እቲ መቃብር ”Forever together. Married since 1957,1960--------etc” ዝብል ጥቅሲ ተንብብ። ሰብኣይ ሰበይትን ኣብ ሓንቲ ጉድጋድ ይቅበሩ። ኣብዛ ዓለም ዝነበሩሉ ዓመታት  ኣብ ሓንቲ ገዛ ኩሉ ሓጎሶምን ሓዘኖም የሕልፍዎ። ካብ ዓለም ዝገሽሉ መዓልቲ  ምስ በጽሐ ድማ  ኣብ ሓንቲ ጉድጋድ ይኣትው። ስብኣይን ሰበይትን ካብ ሓንቲ ዒላ ይፍልፍሉ ዝተመስለ ካብ ጸዓዱ ዝተወስደ ምስላ እዮ ዝኸውን መስለኒ።

“live your life, enjoy, love, have fun “ ዝብሉ ጥቅሳታት ኣብ ሓደስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መቃብር ካብ ዕስራ-ኣርብዓ ዕድመ ገይሮም ካብዛ ዓለም ዝተፈለዮ ሰባት ተንብብ። ኣብቲ ናይ ቀደም መቃብር ጥቅሲ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ክተንብብ ከለኻ ኣብ  ሓደስቲ መቃብር ግና ፡ ምስሊ ከልቢ፡ ድሙ፡ መጻወቲ ሆኪይ----- ወዘተ ትርእይ። ናይ ዘመና ሰባት ካብ ምስ ሰብ ምስ እንስሳታት ሓዳር ንመርጽ። ካብ ምስ ሰብ ምፍቃር ልዕሊ ሰብ ሞያና ኣፍቅሪና ንመውት።

ዳናይት፡

 እንታይ ክትብል ከም ዝደለኻ ተረዲኢኒ። ናብ ኣርእስትና’ዶ ንመለስ። ካብ ኣርእስትና ወጺና ጸኒሕና።

ዮኤል፡

 ኣብ ሓዳር ትረኽቦ ሓጎስ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝጋጥመካ ብድሆን ፈተናውን ብማዕረ ክተስተማቆሮ ኣለካ። እቲ ፈተና ናብ ዘለዓለ ጸጋ ከም ዝሳግረካ ሓሲብካ ንፈተና ብሓጎስ ክትቅበሎ  ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንዘራረብ ኔርና መስለኒ።

ዳናይት፡

 ኣይተሽክዓኒ እባ ኣርእስቲ ኣይትቀይር ዩኤል I am so tired of this  ብምባልን ጾግራ ብኽልቲኡ ኢዳ ዓቲራ በላስቲክ እናኣሰረት በቲ ጸያፍ መልሓሳ ፡ ክንብል ዝጸናሕና compliment ንሰበትኻ ይፍቀዶ ኣይፍቀድን ። እዚ ኣብሲልናያ ኣለና  መስለኒ ኣብ ሓደ ርድኢት በጺሕና ኣለና። ናብታ ዕላማ ናይ መርዓ ንመለስ።

ሣልሳይ ክፋል ይቅጽል

ሶሲ

Comments are closed.