እንቋዕ ናብ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብጸሓና! ምስባክ ይትዐየን መልአከ እግዚአብሔር ዐውዶሙ ለእለ ይፈርህዎ ወያድኅኖም ጣዕሙ ወታእምሩ ከመኄር እግዚአብሔር። መዝ. 33 (34)7-8፣ ኤፊ.1፣13-ፍጻሜ። ይሁዳ.1፣9-14። ግ.ሓዋ.1፣10-12። ማቴ. 25፣14-31። ቅዳሴ ተንሥኡ አው ባስልዮስ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ቅዱስ ሚካኤል “ መን ከም እግዚአብሔር ከም እግዚአብሔር ማንም የለን። ” […]
ሕዳር ፮ (6) በዓታ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም ምስባክ ዖፍኒ ረከበት ላቲ ቤተ ወማዕነቅኒ ኀበ ታነብር እጐሊሃ ምሥዋዒከ እግዚኦ እግዚአ ኃያላን መዝ. 83-3 (84-3) 2ይቆረ.8፣1-6። 2ይዮሓ.1፣9። ግ.ሓዋ. 1፣12-1። ወንጌል. ማቴ. 2፣19። ቅዳሴ. ዘእግዚእነ (ነአኲተከ) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን። ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ […]
ምሥጢር ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ እናማሳሣጠረ፣ ብብዙኃ ምሳሌን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እናዛመደ ዝነግር እዩ። 1. ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብማርያም ዕፀሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ። “ኣህዛብ ብኣኺ ዝዝተባረኹ ናይ […]
ማኅሌተ ጽጌ ካበይ መጸ(2ይ ክፋል)፧ እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣ ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣ ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣ ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣ በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡ ቅዱስ ዳዊት ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣሚናዳብ ናብ ከተማ ክኣቱ ከሎ ብሙሉእ ኃይሉ ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔር ክዝምር ሜልኮልምስ ረኣየቶብልባ ኒዒቓቶ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር […]
ማኅሌተ ጽጌ ካባይ መጸ፧ ትርጉመ’ኸ እንታይ ማለት እዩ፧ (ቀዳማይ ክፋል) እዚ ድርሰት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝጽለ ክኸውን ከሎ ብፉሉይ ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያና ኣገልግሎት ዝውዕልግዜ ግን ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ኢዩ።ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ስደት ዘምርሓትሉ መሪርን ኣድካምን እዋናት ዘሕለፈትሉ ዘመን እዩ። ኣብ ሃገርና ወርሓ መስከረምን ጥቅምትን ናይ ኣበባን ዕንበባ (ዘመነ ጽጌ) ወርሓት እዮም። እዚ እዋን ኣኽራናት […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ። ኣብ ሃገርና መስከረም 25 ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ መስከረም 26 ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ጽጌ ማለት ዕምበባ ማለት ክኸውን ከሎ ዘመኔ ጽጌ ማለት ናይ ዕንበባ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ዕንበባ ዝዕንብበሉ መሬት ብዕንበባ ትምዕርገሉ እዩ። እዚ እዋን ብቅድስቲ ቤተክርስቲያና […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም። “ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፤ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት፤ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ” መዝ ፶፱፥፬ (“ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም ፈተውትኻ ምእንቲ ክናገፉ” መዝ 60፥4) መስቀል ኣብ ዘመነ ብሉይ መስቀል ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት በበይኑ ትርጉምን ዕላማን ከምዝነበሮ ይንገርእዩ። ኣብ ፈሪሳውያን፡ ፋርሳውያን፡ ከለዳውያን፡ ሮማውያንን ከም መቕጽዒ ገበነኛ፤ ኣብ ኣይሁድ ከም ምልክት መርገም ወቦ ዘተርፈይውሰድን ይጥቐሙሉን ነበሩ። (ዘዳ ፳፩፥፳፪/21፥22) ብኸምኡ ኸኣ ብዙኃት ገበነኛ ምዃኖም ዝተበየነሎም ሰባት፡ ብመስቀልተቐጺዖምን ጽዋዕ ሞት ኣልዒሎምን እዮም። ዋላ ሓደ በደል ንዘይተረኽቦ ጐይታ፤ እኩያን ሰባት ንሞት ክፈርድዎ ከለዉ ነቲ ንሳቶም ዝኸፈአ መቕጽዒ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ናይመስቀል ሞት መሪጾም ነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሰባት ብኽፍኣቶም ብኸምኡ ይሕሰቡ ደኣ እምበር፡ እግዚአብሔር ንኵሉ ብመደብስለዝገብሮ፤ ጐይታ ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ክስቀል ምምራጹ፡ ኣቐዲሙ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ምንባሩ ደቂ ሰባትኣየስተውዕልዎን ነበሩ። ነቲ ትንቢት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ኣይርድኦምን ነበረ። ብሓቂ ድማ መድኃኒታ ኣብ ቅድሚኣ ተሰቒሉ ከሎእስራኤል ኣይፈለጠቶን ነበረት። ስለዚ ኸኣ ነገረ መስቀል ጐይታ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነሲ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤዝተቖጽረሉ ምዃኑ መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። ደቂ ሰባት ኣብ ዝንዕቕዎ ስፍራ መብልዕ ማል ብትሕትናዝተወልደ ጐይታ፤ ነቲ ሰባት ከም መርገምን ውርደትን ዝቖጽርዎ ናይ መስቀል ሞት ክመውትን፡ መርገምና ክጸውርን ኅስረትና ናብክብረት ክልውጥን ፍቓዱ ስለዝኾነ፤ ጐይታ፡ ሰባት ምልክት መርገም ንዝሓስብዎ ዝነበሩ መስቀል መረጸ። ብክቡር ደሙን ቅዱስሥግኡን ኸኣ ንመስቀል ቀደሰ፡ ኣኽበረ። እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ኣቦታት ነገረ መስቀሉ ብመንፈስ ኣቐዲሞም ተረዲኦም ይባረኹሉከምዝነበሩ ያዕቆብ ኣብነት ይኾነና እዩ። ያዕቆብ ኣእዳዉ ብኣምሳል መስቀል ኣመሳቒሉ ንደቁ ከምዝባረኾም ጽሑፍ እዩ። (ዘፍ፵፰፥፰-፲፮/ 48፥8-16) ምሳሌን ኅብረ ነገርን ናይ መስቀል ዝኾኑ ነገራት ኸኣ ኣቐዲሞም ካብ ኦሪት ኣትሒዞም እግዚአብሔርብፈተውቱ ኣቢሉ የርእይን ይፍጽምን ነበረ። ንኣብነት ያዕቆብ ቅድሚ ምማቱ ኣብ መተርኣሱ ዝሰገደላ በትሩ (ዘፍጥ፵፯፥፲፬/47፥14)፤ ባሕሪ ኤርትራ ዝኸፈለት በትረ ሙሴ (ዘፍ ፲፬/14)፤ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰቐሎን ኣስራዝ ተመን ዝገበረሉን (ዘኁ፳፩፥፩-፱/21፥1-9 ዮሐ ፫፥፲፬-፲፭/3፥14-15) ወቦ ዘተርፈ ምጥቓስ ይከኣል። መስቀል ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድኅሪ ልደት ክርስቶስ ግና መስቀል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥግኡ ዝተቖርሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ብምዃኑ፡ትእምርቲ መርገምን ውርደትን ምዃኑ ተሪፉ፡ ትእምርቲ በረኸትን ልዕልናን ኮይኑ ኣሎ። ትእምርቲ ሓፍረትን ሕስረትን ዘይኮነስትእምርቲ ክብርን ናጽነትን ኮነ። መስቀል መሠረት ሕይወትናን ምልክት ድኅነትናን እዩ። መስቀል ኃይልነ፤ መስቀል ጽንዕነ፤ መስቀል ቤዛነ፤ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነከምቲ እንብሎ መስቀል ካብ ክፉእ ዘበለ እንድኅነሉ ኃይልና እዩ። ንርእሱ ብክቡር ደምን ቅዱስ ሥጋን ክርስቶስ ተባሪኹ፡ ነቲ ናትናዘበለ ኸኣ ንባርኸሉን ንቕድሰሉን ክቡርን ቅዱስን ንዋይ እዩ። መስቀል ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ፍጹም ሰላምን ዕርቅንከምዝወረደ ዘብስር ናይ ክርስቲያን ኮኸብ እዩ። ሰይጣን ከምዝተሣዕረ ዝምስክር ዋልታ ክርስቲያናት እዩ። ሓድሽ ኪዳንከምዝተተኽለ ዝሰብኽ ዓንዲ ሃይማኖት እዩ። መስቀል ቅድሚ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስቃሉ ካልእ ናይ ውርደትን መርገምን ታሪኽ እኳ እንተነበሮ፤ ጐይታ ግና ነዚ ታሪኽ መስቀልቀይርዎ እዩ። ክርስቲያናት ኣምላኾም ብምስማር ተሸንኪሩ፡ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ ቅዱስ ሥግኡ ዝቖረሰሉ ስለዝኾነ ነዚ ፍቕሪእናዘከሩ ዝምክሑሉ ቅዱስ ትእምርቲ እዩ። ሊቃውንት’ውን ምሳሌን ፍጻሜን እናመሳሰሉን እናመሣጠሩን ከምዝገልጽዎ፦ ሞት ብምኽንያት ዕፅ (በለስ) ከምዝኣተወ፡ ሕይወት ኸኣብዕፀ መስቀል ተረኺቡ። ብዕፅ ምኽንያት ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕነ ናይ ሞት ኣርዑት፡ ብምኽንያት ዕጽ(መስቀል) ተሰብረልና። ዲያብሎስንኣዳም ብምኽንያት ዕጽ ከምዝሠዓሮ፡ በትሪ ብበትሪ ከምዝምከት ጐይታና ከኣ ብዕፀ መስቀል ሠዓሮን ርእሲ ናይቲ ጥንተ ጸላኢናተመን (ዲያብሎስ) ቀጥቀጦን። ከምቲ ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበረ ዓለም ብማይ ጠፊኡ ከብቅዕ፡ ጐይታ ግና ብጥምቀት ገይሩ ነቲ ማይናብ ድኅነትና ዝለወጦ፤ ነቲ መቕጽዒ ገበነኛ ዝነበረ መስቀል፡ ብባህርይኡ ንጹሕን ቅዱስን ዝኾነ ጐይታ ምእንታና ከም ገበነኛ ተቖጺሩነቲ መስቀል ቀደሶን መቕጽዒ ዲያብሎስ ገይሩ ድማ ሃበናን። ስለቲ ኵሉ መስተንክር ግብሩ ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን። ምኽንያት ክብረ በዓል ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓመት መጸ ፲፯ መስከረም ብዓቢይ ድምቀት እያ እትብዓል። እዚ በዓል’ዚ ኣዝዩዓቢይ ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ይኽበር ኣሎ። በዓል መስቀል ኣብ ፲፯ መስከረም ዝኽበረሉምኽንያት፡ ኣይሁድ ድኅሪ ስቅለት ጐይታ ብዕጸ መስቀሉ ዝግበር ዝነበረ በበይኑ ተኣምራት ርእዮም ስለዝቐንኡ፡ ሰባት በቲ ተኣምራትተሳሒቦም ናብ እምነት ከይመጹን ግብሩ ተደፊኑ ምእንቲ ክተርፍን፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ቀቢሮሞ ነበሩ። ብኣዋጅ ድማ ኵሉ ነባሪኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ክጕሕፈሉ ብምእዛዝ ኣብ ልዕሊ ጓሓፍ ካልእ ጓሓፍ እናተወሰኾ ጎቦ ኮይኑ ኣሰር መስቀል ንኽሰኣን ተደርበየ። ናይደቂ ሰባት ዕሽነት ኸኣ እዚ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኦም ፈሊጦም ኣብ ክንዲ ዝንስሑ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ጌጋ ክፍጽሙን፡ ምስ ኃይሊእግዚአብሔር ክራጸሙን ዝረኣዩ ምዃኖም እዩ። ኃይልን ምኽርን ሰብ ጊዜያዊ ስለዝኾነ፡ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ግና ኣምላኽ ከልካሊ ዓጋቲስለዘይብሉ መስቀሉ ተቐቢሩ ክተርፍ ኣይከኣለን። ንግብሪ ኣምላኽ ሰብ’ውን ሓቢኡ ዝሓብኦ ስለዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝመደቦ ጊዜ ክግሃድግድን ኮነ። እምበኣር እግዚአብሔር ዝሰርሓሉ ናቱ መደብን እዋንን ስለዘለዎ፡ ድኅሪ ኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት እቲ ኣሰቃቒ ዘመነ ሰማእታትኣብ ምብቕዑ፡ ንኣደ መፍቀሬ ሃይማኖት ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ፍቕሪ መስቀሉ ኣኅዲሩ ኣልዓዓላ። እቲ ንጉሥ’ውን ምሉእ ሮምጠቕሊሉ ቅድሚ ምሓዙ፡ ነቲ ሓደ ክፋል ሮም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ነገሥታት “ኣብያተ ክርስቲያናት ይትዓጸዋ፤ ኣብይተ ጣኦታትይረኃዋ” ዝብል ኣዋጅ ከምዝነበሮም ይዝከር። ንሱ’ውን ምስቲ ኣንጻሩ ዝነበረ ኣረማዊ ንጉሥ (መክሲሚያኖስ) ክገጥም ኣብ ዝተበገሰሉእግዚአብሔር ኣብ ጸፍጸፍ ሰማይ በዚ ምልክት ክትዕወት ኢኻ ዝብል ቅርጺ መስቀል ኣርእይዎ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንሠራዊቱ ኣብዋልትኦምን ኣፍራሶምን ምልክት መስቀል ክገብሩ ኣዚዝዎም ነበረ። ብኸምኡ ኸኣ ስለዝተዓወተ እምነትን ፍቕርን መስቀል ሓዲርዎነበረ። ኣቐዲማ’ውን ኣዲኡ ካብ ኣረማዊ ንጉሥ ቍንስጣ ዝወለደቶ ወዳ ቈስጠንጢኖስ ክርስቲያን እንተኮይኑላ፡ ካብ ቍስጥንጥንያናብ ኢየሩሳሌም ተሳጊራ ነቲ ቅዱስ መስቀል ከተውጽእን፡ ዝፈረሱ ኣብያተ ክርስቲያናትን ክትሓንጽን ተማባጺዓ ነበረት። እቲ ጸሎታንትምኒታን ስለዝሠመረላ ኸኣ ከም መብጽዓኣ ነቲ መስቀል ከተናዲን፡ ካብቲ ዝተቐብረሉ ከተውጽኦን ሓሰበትን ተበጋገሰትን። ወዳ ድማብሓሳባ ተሓጒሱ ብዝኅ ዝበለ ገንዘብን ሠራዊትን ኣማሊኡ ናብ ኢየሩሳሌም ክሰዳ ፍቓደኛ ኮነ። ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ድማ እግዚአብሔር ክገልጸላን ሓሳባ ከፈጽማን ሱባኤ ኣተወት። ነቶም ኣንጻር መስቀሉ ዝነበሩ ኣይሁድክነግርዋ ዝገበረቶ ፈተነ ኸኣ ኣይሰለጣን። ስለዚ ኸኣ ንግሥት እሌኒ ኣብ ከባቢ ፫፻፳፯ ዓ.ም. (327) ነዚ መስቀል ንኽትረክብብፍጹም እምነት ንእትገብሮ ጻዕሪ መጀመርታ ካብ ኣባ መቃርስ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ ፈለመት፤ ንሱ’ውን ሓመድ ኣብ ልዕሊኡተኾሚሩ ከምዝተደርበየ ብታሪኽ ከምዝዝንቶ ነገራ። ቀጺሉ ኸኣ ንኣረጋዊ ኪራኮስ ረኺባ ኣቦታቱ ኣብ ከባቢ ቀራንዮ ከምዘሎከምዝነገርዎ ኣዘንተወላ፤ ካብ ሱባኤኣ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ብዝነገራ ንሕዝቢ ኣዚዛ ዳሜራ ተኺላ (ደሚራ) ዕጣን ወሲኻ፡ ጸሎትንምሕለላን ብምብጻሕ ንኣምላኽ ምስ ለመነቶ፡ እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ደይቡ፡ ነታ ቦታ ከመልክት ኣብቲ ቅዱስ መስቀል ዝተቀብረሉ ቦታብምውራድ ሓበረ (ሰገደ)። ካብቲ ሕዝቢ ዳሜራ (ዕንጨይቲ) ኣኪባ ዘቃጸለትሉን ምልክት ዝሃባን ዕለት ፲፮ መስከረም እዩ። ኵዕታኸኣ ፲፯ መስከረም ከምዝተጀመረ ይግለጽ። ብመሠረት ሓበሬታ እቲ ተኣምራታዊ ትኪ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ ቦታ ተዃዒቱ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም መስቀለ ክርስቶስ ፲ መጋቢትክርከብን ክውጽእን ኸኣለ። ካብቶም ምስኡ ዝተረኽቡ መሳቅል ከኣ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት ክፍለ ክኢሉ። ሎሚ ዳሜራ ደሚርናእነኸብሮ ፲፮ መስከረም ቅድስት እሌኒ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሕኒጻ ዝተባረኸሉ ክኸውን ከሎ፡ ፲፯ መስከረም ድማቅዳሴ ቤቱ ዘኽበረትሉን ብምዃኑ እዩ። ኣብ ፲ መጋቢት ከይከውን ግና እቲ እዋን እቲ ናይ ጾም (ዓቢይ) እዋን ስለዝኾነ፤ ኣብ ጊዜጾም ድማ ሓጐስን ይባቤን ምግባር ክልኵል ስለዝኾነ፡ ከምቲ ልማድ ሊቃውንቲ በዓል ምስ በዓል ብምዝማድ ኣብዚ መስከረምተሳሒቡ ከምዝኽበር ይግበር ኣሎ። ነቲ እሌኒ ዝፈጸመቶ ታሪኽ ንምዝካር ድማ ዳሜራ ኣብሪህና ነብዕሎ ኣሎና። እቶም ምእመናንድማ ነቲ ብብዙኅ ድኻም ዝተረኽበ መስቀል ዜናኡ ምስ ሰምዑ ተሓጒሶም፡ ነቲ ዜና ነቶም ዘይሰምዑ ንምብሳር ሆየ ሆየ እናበሉ ሽግንዝወልዕዎ ምኽንያት ብምግባር ኸኣ ሽግ ንውልዕ። ክብሪ ቅዱስ መስቀል ብዛዕባ ክብሪ ቅዱስ መስቀል ኣብ መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተጻሒፉ ይርከብ። ቤተ ክርስቲያን’ውን መሠረታ መስቀል ቀራንዮ፤ ጉዕዞኣመስቀል፡ ዕላምኣ መስቀል እዩ። ስለዚ ኸኣ ንኵሉ ንዋያታ ብመስቀል ተኽብሮምን ትባርኾምን፤ ምልክት መስቀል ድማ ትገብረሎምን።በዚ መሠረት ኸኣ ንሕና ምእመናን ንመስቀለ ክርስቶስ ፍሉይ ክብሪ ንህቦ። ምኽንያቱ መስቀል፦ ኣምላኽናክንደየናይ ከምዘፍቅረና ንዝክረሉን ነስተንትነሉን እዩ። “ንሱ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለዘሕለፈ በዚንፍቕሪ ንፈልጦ ኣሎና” (ቀዳማይ ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16) ነቲ ፍጹም ፍቕሩ ክገልጸልና ዝመረጾ ስፍራ ክቡር መስቀሉ ስለዝኾነ፤ንጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነፍቅር ኵልና፡ መስቀሉ ከነፍቅር ናይ ግድን እዩ። ጐይታ በጃ ኣባጊዑ ብሥልጣኑ ንርእሱንናይ መስቀል ሞት ኣኅሊፉ ምሃቡ ሓቀኛ ጓሳና ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነሲ ብክቡር ደሙ እዩ ዓዲጉናን፡ ካብመግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣውጺኡናን። ስለዚ ማኅተም ፍቕሩ ኣብ መስቀሉ ንረኽቦ ኢና እሞ ናብ መስቀሉን ፍቕሩን ነቕልብ። ቅዱስሥግኡ ዝተቖረሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ዙፋኑ እዩ። አምላከ ሰማይ ወምድር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ምድራዊ ዙፋኑ ክኸውን ዝመረጾ ቅዱስ መስቀሉ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ክንክብር ምእንቲ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ቅዱስ ሥግኡቆሪሱ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እንኩ ብልዑ እንኩ ስተዩ ኢሉ ንዓለም ሕይወት ዝሃበሉ ስለዝኾነ። እቶም ናቱ ዝኾኑ ኸኣ ክቕመጠሉንመረጾ መንበሩ ይፈትዉ (ሉቃ ፳፪፥፲፮-፲፱/22፥16-19)። ዲያብሎስዝሓፈረሉ፡ ሞት ዝተሣዕረሉ፡ ደቂ ኣዳም ካብ ሲዖል ሓራ ዝወጸሉ እዩ። (ኤፌ ፪፥፲፮/2፥16) ኣቐዲሙብሰንኪ ውድቀት ኣዳም ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ሞት ነጊሡ ነበረ። (ሮሜ ፭፥፲፪-፲፬/5፥12-14) ይኹን ደኣ እምበር ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንጸላኢና ዲያብሎስ ካብ መገዲ ኣወጊድዎ። ኣብ ልዕሌናውን ኃይሊ ከምዘይህልዎንከምዘይሥልጥን’ውን ገበሮ። ዲያብሎስ ብመስቀል ስለዝተሣዕረ ኸኣ መስቀል ምልክት ኃይልና ክኸውን ድማ ስለዝተዋህበናን ወትሩጸሎትናን ካልእ ጕዳያትናን ብትእምርተ መስቀል ገጽና ብምምዕታብ ንጅምርን፤ ንዝጻብኣና ዘበለ ካባናን ካብ ከባቢናን ነርሕቕን።ዲያብሎስ ኃይሉ ዝሰኣነሉ ዝሓፈረሉን ዝተዋረደሉን መስቀል ጐይታ ብምዃኑ ድማ መስቀል ትምክሕትና እዩ። “ነቲ ብሕጋጋትዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶምሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” (ቈሎ ፪፥፲፬/2፥14) ጐይታና ኣብመስቀል ሞይቱ ንሞት ካባና ስለዘወገደልና ከምዚ ኢልና ክንዛረብ ክኢልና፦ “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፤ ኣታ ሲዖል ኣበይ ኣሎዓወትካ” (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፶፬/15፥54) ጥበብዲያብሎስ ዘፍርሰሉን፡ ጥበብ ጠቢባን ከንቱ ዝገበረሉን እዩ። ዲያብሎስ ብሥጋ ከይሲ ተሠዊሩ፡ ብዕፅትምኒት ኣምላኽነት ኣኅዲሩን ኣታሊሉን፡ ንኣዳምን ሔዋንን ካብታ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ካብ ልዑል ጐይትኦም እግዚአብሔር ፈለዮም።ጐይታ ድማ ጥበብ ዲያብሎስ ክሥዕር ኣብ ዕፅ ተሰቒሉ ሕይወትን ጸጋን ሃቦም። እግዚአብሔር ድንቂ ሥራሕ ዝሰርሓሉ ኣገባብ፡ ሰባትብዘይጽበይዎን ብዘስተናዕቕዎን ነገራት ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዘረድኣና እዩ። ባሕሪ ኤርትራ ክኸፈል በትሪ ሙሴ እዩመሪጹ፤ ንእስራኤላውያን ካብ ሞት ከድኅኖም ከሎ ኣስራዚ ተመን ጥራይ ከምዝጥምቱ እዩ ገይርዎም። ንሞት ንምሥዓር’ውን ንሞቱመረጸ እምበር ሰይፍን ሠራዊትን ኣይጸወዐን። ጥበብ ጠቢባን’ውን ከንቱ ንምግባር ነቲ ሰባት ዝንዕቕዎ መረጸ፤ ንዲያብሎስ ኸኣብዘይተጸበዮ ጥበብ መጾ። “ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ሥጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።” (ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፳፯/1፥27) ዝተዓጽወኣፍ ደገ ናይ ገነት ዝተራኅወሉ እዩ። ብምኽንያት በደል ኣዳም እግዚአብሔር ንኽገዝኣን ከመሓድራን ካብዝተዋህበቶ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ወዲ ሰብ ተሰጐ። ዳግማይ ከይምለሳውን ብሰይፊ ኪሩቤል ተዓጽወት። ጐይታናን ኣምላኽናን ግናኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ናይ ቀደም ርስትና ንዝኾነት ገነት ከፊቱልና። “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ” ዝብል ናይ ብስራትድምፂ ኸኣ ኣስምዓና። (ሉቃ ፳፫፥፵፫/23፥43) ስለዚ መስቀሉ ኣብ እንርእየሉ ደቂ ሰባት ን፭ሺሕን ፭፻ ሚእትን ዓመታት ዝኣክል ናይዝተጸበይዋ ርኅወተ ገነት ንዝክር። መንፈሳዊኃይሊ ንረኽበሉ፤ ዕዮና ንባርኸሉ እዩ። መስቀል ንኣጋንንቲ ዘርሕቕ በረኸት ዘውህብ ብምዃኑ፡ ዕዮና ካብመጻወድያ ኣጋንንቲ ኣርሒቑ ዝተባረኸ ይገብሮ። “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንእንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ” ከምዝበሎ፡ ንተንኮላትን ተጻብኦን ጸላኢና ዲያብሎስን ኃጢኣተ ዓለምን ንሥዕረሉ ኃይሊ ብመስቀሉ ንረክብ። (ቀዳማይ ቆሮ፩፥፲፰/1፥18) ነገረ መስቀሉ ወትሩ ኣብ ልቦናና ምስ እንስተንትኖ፡ ጐይታና ስሌና ዝገበሮን ዝተቐበሎን መከራ ኣብ ልብና ምስእንኃትሞ፡ ወትሩ ክፍትነናን ብኃጢኣት ክወግኣና ዝደሊን ሥጋዊ ፈቓዳትና ኃይሉ ይደክም፤ ዝፍተናንውን ካባና ይርሕቕ። ስምቅድስት ሥላሴ ጸዊዕና ናትና እንብሎ ንብረትናን ሥራሕናን ብመስቀሉ ምስ እንባርኾ፤ ኵሉ ዝተባረኸ ይኸውን። ስለዚ ኸኣ እዩክባርኹ ሥልጣን ዝተዋህቦም ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናት፡ ካብ ኣእዳዎም መስቀል ዘይፍለይን ንኵሉ ድማ ብመስቀል ዝባርኹን።ንሕና’ውን ነዚ በረኸት ንምርካብ እዩ ክንቕልጥፍን፤ ክንተግህን ምዕዶ ዝወሃበና። መስቀልመመክሒና እዩ። “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት፤ ኣነ እውንንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ” በለ እቲ ዓቢይ መምህር ቅዱስ ጳውሎስ። ብክርስቶስ ክርስቲያንዝኾነ ዘበለ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ስለዝኾነ ነዚ መመክሒ ክድገፈሉ ዝግባእ እዩ። (ገላ ፮፥፲፭/6፥15) መስቀልሰላምና እዩ። ወዲ ሰብ ብሰንኪ ሕጉ ምፍራሱ ካብ እግዚአብሔር ስለዝተፈለየ፤ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰላምንጸጋን ስኢንዎ ነበረ። ኣብ ሓዘንን ጭንቀትን እናነበረ ኸኣ ዘመናት ኣሕለፈ። እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘተስፈዎም ጊዜ ምስ ኣኸለሰላምና ክምልስ ጐይታ ፍቓዱ ምስ ኮነ፡ እቲ ናይ ሰላምና ምልክት ንመስቀል ገበሮ። “አምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደምገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ” (ቈላ ፩፥፳/1፥20) ናይጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህያብ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክረሉ እዩ። (ዮሐ፲፱፥፳፭/19፥25) ጐይታና ኵሉ ዝመጸሉ ዕላማ ፈጺሙ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ዝተሰቕለሉ፡ ነታ ክብርት ወላዲቱ ኣብ እግሪመስቀሉ ኮይና ክትሓዝን ከላ ስቕ ኣይበላን። ኣብቲ ብሰብ መግለጺ ዘይርከቦ ጽንኩር ናይ መስቀል እዋን፤ ትንቢት ነቢያት፤ ተስፋኪዳን ብኣኣ ከምዝተፈጸመ ብዝረገጋጽ ቃላት “እንሃት ኣዴኻ” ብምባል ንዮሓንስ ኣብ ክንዲ ኵልና ኣደ ክትኾኖ ብሓደራ ሃቦ።ንሱ’ውን ተቐቢሉ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ንዓዓ ዝሃበና እግዚአብሔር ይመስገን፤ ናብ ኣባይቲ ልቦናና ክንወስዳን ከነእትዋን ኣብ መስቀልብኣምላኽ ህያብ ዝተዋህበትና ቅድስት ድንግል ኣዴና እያ። ስለዚ መስቀሉ ብዝረኣናን ብዝተሳለምናን፡ ኣብ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉብጸጋ ኣደ ክትኮነና ንዝተዋህበትና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክር፤ ክብርቲ ህያብ ጐይታ ስለዝኾነት። ንመስቀል ዝግብኦ ናይ ፀጋ ስግደት ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ብትንቢት “ናብ ማኅደሩ ንኣቱ ኣብ መርገጽ እግሩ እውን ንሰግድ” […]
“ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቅስት” “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድኅኑ ነቶም ዝፈርሑኻ ሰደቕ ዕላማ ሃብካዮም” መዝ 60፡ 4 መስቀል ዝብል ቃል ክለዓል ከሎ ዝተመሳቀለ ዕንጸይቲ ጥራይ ዝመስሎ ሰብ ስቅለተ ክርስቶስ ዝርስዕናጽነቱዝዝንግዕ ጥራይ ኢዩ። ምናልባት መዝገበ ቃላት ገንጺልና ኣብ ነንብበሉ ጊዜ መስቀል ዝብል ቃል “ዝተመሳቐለ ነገር” ከምኡውን ናጽነት ዝብል ቃል “ካብ ባርነት ሓራ ምዃን” ብምባል ካብቲ ነቲ ካልእ ቃላት ዝትርጉሞ ብዘይበልጽ ክጽሕፎ ይኽእል ይኸውን ኢዩ። ንዓና ግን መስቀል መንነትናሰንድቅ ዕላማ ካብ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመትን ብሰላም ኣብጽሓና! ዘመነ ዮሓንስ ወንጌላዊ 2008 ዓ.ም ግእዝ (2015/16 ዓ.ፈ) ምስባክ ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11 2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20። ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ) ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ ንስሓ ይግበረልና። ኣሜን። ሓዲሽ ልብን ሓድሽ […]
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ ሐ/ ዓቢይጾም(ጾመኣርብዓ) እዚ ጾም እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እዩ።ዓቢይ ጾም ምባሉ እውን ጐይታ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነን ካብቶምዘለው ኣጽዋማት ብብዝሓት ቁጽሪ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ስለዝኾነን ከምኡውን ብዘለዎ ምሥጢርን እዩ። ጐይታ ብዘመነ ሉቃስ ብ11 ጥሪ ሠሉስ ፍርቂለይቲ ኣብ ሳላሳ(30)ዓመት ብማየ ዮርዳኖስ ብኢድ ባርያኡ ዮሓንስ ምስ ተጠመቐ ከይወዓለ ከይሓደረ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትንጾመ። ሽዑ ዲያብሎስ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበኃሉ ተፈታተኖ። 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝተባህሉ÷ 1,ስስዕቲ (ዘይተዋህበካ ምድላይ)፥ 2,ትዕቢት (ኣምላኽነት ምድላይ)፥ 3,ፍቕሪ ገንዘብ (ይኣኽለኒ ዘይምባል) እዮም። መጀመርያ እቲ ፈታኒ መጺኡ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ደኣ ኮይንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል"በሎ።ዲያብሎስ÷ኣቐዲሙ ጐይታ ኣብ ሩባዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ፥እግዚአብሔር ኣቦ"ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዝፈትዎ ዝወልዶ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ"ክብል ሰሚዕዎ ነበረ እሞ፥ነዚ ሒዙ ወዲእግዚአብሔር እንተድኣ ኮይንካስ…ብማለት ፈተናኡ የቕርብ። ነቲ መጀመርታ ፍጥረት ሰብ ዝኾነ ኣዳም ዘስሓቶውን ብብልዒ ምኽንያትስለዝነበረ፥ቅዱስ ወንጌል ከም ዝበሎ ክርስቶስ ምስ ጠመየ፥ሕብስቲ፡እንጌራ ርእዩስ ግዲ ይስሕተለይ ይኸውን ኢሉ"እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹናበል"በሎ።ዲያብሎስ ምስ እዚ ካልእ ክፉእ ዝኾነ ስውር ተንኮውን ኔሩዎ እዩ።ንሱ ከኣ"ከምዚ ኣቕሪበሉ ዘለኹ፥'እንተ ደኣ ፈጺሙዎ'ናይ ሰይጣን ተኣዛዚከብሎ እየ፥እንተዘይገበሮ ከኣ" ድኹም እዩ ከብሎ"እየ።ድሕሪዚ ድኻሙ ርእየ ይቐርቦ"ዝብል ነበረ።ጎይታ ግና ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ ኮይንካ ንዝርከብብልዒ(ረብሓ)ብምንቃፍ"ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ"ኢሉመለሰሉ(ዘዳ8፥3)።ሰብ ዝድሕን ውጽኢት ሓረስታይ ብዝኾነ እንጌራ ጥራይ ዘይኮነ፥በዓቂበ ሕጊ፥ብትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር እውን እዩ ማለቱ እዩ። *መግለጺ÷ንሰብ እንስሳዊ ባህሪይ፥ መንፈሳዊ ባህሪይ ኣለዎ። እንስሳዊ ባህሪኡ ካብ ማይ ካብ ምግቢ እንተተኸልከለ ማለት እንተዘይበልዐንእንተዘይሰተየን ኣብ ሞት ይበጽሕ።ከምኡ መንፈሳዊ ባህሪኡ ድማ ካብ ቃል እግዚአብሔር እንተተኸልከለ ማለት ቃሉ ካብ ምስማዕ፥ንሕጉ ካብምሕላውውን እንተረሓቐ፥ ናብ ሞተ ነፍስ ይበጽሕ፥ከመይሲ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ምግብን መንፈሳዊ ስቴንእዩ(ኣሞጽ8፥11)ተመልከት።ኣንድም፥"ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኮይንካስ በዚ ጠምዩ፥ደኺሙ ዘሎ ሰብነትካ እዘን ኣእማን ሕብስተሕይወት፥ሕብስተ መድሓኒት ይኹና በል"ምባሉ ዘመክት እዩ። ጐይታ ድማ ነዚ÷"ሰብ ዝድኅን ኣካላዊ ቃል ብዝተወሃሃዶ ሥጋ ደኣ እምበር፥ብናይ ዕሩቕብእሲ ሥጋ (ብናይ ተራ ሰብ ሥጋ)ጥራይ ኣይኮነን"ዚብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ ናይ ምምላሱ ዘመልክት እዩ።ከምዚ ጌሩ"ብስስዕቲ"እንተ መጽኦ ብትዕግስቲሰዓሮ(ማቴ4፥1-3)። ሽዑ ንካልኣይ ግዜ ደጊሙ ከኣ ናብታ ቅድስቲ ከተማ (ኢዮሩሳሌም)ወሲዱ፥"ኣብ ላዕላይ ጫፍ ቤት መቕደስ ኣቖሞ። ሓደ’ውን በቲ ናይ መጀመርታዘቕረበሉ ፈተና ምስተሳዕረን ዘይኮነሉ ምዃኑ ምስ ፈለጠን ቀጺሉ ካልኣይ ግዜ"ብትዕቢት" ክፍትኖ ደለየ እሞ፥ብሓሳቡ"ንካህናት ፈቲነ ስዒረሉ ኣብዘይፈልጥ ገዳም ስለዝኾነ እዩ እምበር፥ንካህናት ኣብ ዝስዕረሉ ቤተ መቕደስ እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ"በለ።እዚ ከኣ ካህናት ኣእምሮናዓሚቕ፥መዓርግና ምጡቕ (ልዑል) እዩ"ብምባር ጾሮም ዕቢት ስለዝኾነ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፥ሓሳቡ ፈሊጡ ናብኢዮሩሳሌም ብምዃድ ናብ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ መቕደስ ወጽኣሉ።ሽዑ ኃይሉ ንምግምጋም ኢሉ እዩ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ድኣ ኮይንካስ፥እግርኻብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ክጾሩኻ፥ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፥እስከ ንታሕቲ ጽደፍ"በሎ። ካልእ ኣብዚ ዝነበረስውር ተንኮሉ ድማ፥"በዚ ጸዲፉ እንተተሰብረ ይዓርፍ'፥እንተዘይተሰብረ ድማ ምትኃት እዩ ከብሎ (ምትኃት እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ። ካልእ ከኣእንተገበሮ ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ፥እንተዘይገበሮ ድማ ድኹም ከብሎ ። (ዘይገበሮ ድኹም ስለ ዝኾነ እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ'በዚ ነገር እንተኾነውንንድኻሙ ምኽንያት ጌይረ ይቐርቦ እንተዘይኮነ ግን ብኻልእ መንገዲ ድማ ይፍትኖ" ዝብል ነበረ። ጐይታ ከኣ፥ነቲ እቲ ፈታኒ ዘቕረቦ ጽሑፍ፥ብጽሑፍመሊሱ÷'ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ። 'ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ" ብማለት ኣሕፈሮ። ከምዚ ኢሉ ብትዕቢት ንዝመጽኦ ብትሕትና ስዓሮ። (ማቴ4፥4-6)። ሳልሳይ ግዜ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሲዱ፥"መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉክኅበካ እየ" በሎ።ኣብ ኩሉ" ወሰዶ ወሰዶ"ማለቱ ተገዲዱ ምዃዱ ዘመልክት ኣይኮነን፥ሓሳቡ ንምርኣይ ባዕሉ ስለዝኸደሉ እዩ።ንሱ እቲ ፈታኒ በቲዘቕረቦ ካልኣይ ፈተና’ውን ምስ ሓፈረን ምስ ተሳዕረን፥ ንነገሥትታት ክስዕረሉ ኣብ ዘይክእል ኣብ ቤተ መቕደስ ስለዝኮነ እምበር፥ ነገሥትታት ኣብዝስዓርሉ ኣብ እምባ (ብስልጣንን ፍቕሪ ገንዘብን) እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ ስለዝበለ፥ጐይታ ድማ ሓሳቡን ፍቕዱን ፈሊጡ ከደሉ። ኣብኡ ከኣከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ክብርታቱን ኣርእዩ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኩሉ ኽኅበካእየ"በሎ። ንጉሥ ብመንግኅቱ ሰብኣይ ድማ ብሰበይቱ ከም ዝቐንኡ፥እግዚአብሔር ኣምላኽ እውን ብኣምላኽነቱ ቀናእ ስለዝኾነ ። ዘጽ.20፥3-5 )። ሽዑጐይታ" ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ስገድ፥ንዕኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን"ኢሉ ገሰጾን ኣባረሮን። (ማቴ4፥7-10)። ሓደ’ውን፥ካብቶም ደድሕረይ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ማለቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ ድያብሎስ ርሓቕ ምስ በሎ፥ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ኣብዚ’ውን ብፍቕሪገንዘብ እንተፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ሰዓሮ። ጐይታ ንድያብሎስ ዝሰዓሮ ብሰብነቱ እምበር ብኣምላኽነቱ ኣይነበረን።ብኣምላኽነቱ ስዒርዎ እንተዝኸዉንጾሙ ዝድነቕ ኣይምኾነን ኔሩ። ብኃይሉ ምስ ኣምላኽ ክማዓራረ ዝኽእል ኣካል’ውን የልቦን። እዚ ጾም እዚ ጐይታ ዝጾሞ ጾም ምዃኑ ርኢና፥ኮይኑ ግና" ሎቱ ስብሐት"ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ፥ከምቲ ንሕና ኃጢኣት ኃልዩናሥርየት ክንረኽበሉ፥ ትሩፋተ ጽድቂ ክኾነና፥ ክንባረኽ፥ ክንቅደሰሉ ኢልና እንጾሞ ዘይኮነ ንዓና ኣርኣያን ስሌናን ዝጾሞ እዩ። ብዛዕባዚኣቐዲሙ÷"ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማኃሩ ኪኾኑ እዮም። "ተባኂሉ ትንቢት ተነጊሩ እዩ። ኢሳ.54፥13። ዮሓ.6፥45/) ረኣ። ካልእ ጐይታ ባዕሉውን "ካባይ ተምኃሩ። "ኢሉ ኣሎ:: (ማቴ11፥29)። መምህር ብቃልን ብግብርን ክምህር ይግባእ።ብሓፈሻ ሓደ ክርስትያን እየ ዝብል ነዚ ክልተ ማለት ቃልን ተግባርን ከም ነፍስን ሥጋን ኣዋሃሂዲ ዝሓዘክኸውን ይግባእ። ጐይታ"እምበኣርሲ ካብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዘፍረሰ፥ከምኡውን ንሰብ ዝመኃረ፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንእሽቶ ክበኃልእዩ።እናፈጸመ ዝምህር ግና፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዓቢይ ኪበኃል እዩ"ዝበሎ ምእንቲ’ዚ እዩ። (ማቴ,5፥19)። ጐይታ ዝጾሞ እምበኣር ብኹሉ ንዓናኣርኣያ ንምኻንን ስሌናን እዩ።ብግብሪ ዝጾሞ እዚ ጾም እዚ እዩ፥ብቃል ድማ÷"እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ርኹስ መንፈስ ግና ብጸሎትን ብጾምንእንተ ዘይኮኑ ኣይወጽእን እዩ። "ኢሉ ናይ ጾም ጥቕምን ዕብየትን ምኂሩ ኣሎ።(ማቴ17፥14-21)።ንሕና ድማ ናቱ ሰዓብቲ፥ ኣባጊዑ ስለዝኾና ብዝኃበናትምህርትን ኣርኣያነትን መሠረት ጌርና ንጾሞ። ከመይሲ÷"እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ ይስምዓ እየን፥ድምጹ ስለዘለልያ ድማ ይስዕቦ። "ተባኂሉ ዝተነግረእዩ። (ዮሓ.10፥2-4)። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ፥"ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። " ዝበሎ’ውን ነዚ ዘጉልሕ ቃልእዩ። (1ይቆሮ11፥1)። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና፥ ንዓና ኣርኣያን ትምህርትን ዝጾሞ ጾም እዩ ክንብል ከሎና÷ v ስሌና ጐይታ ስሌና 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እቲ ፈታኒ(ዲያብሎስ) መጺኡ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ማለት ብስስዕቲ፥ብትዕቢት ብፍቕሪገንዘብ ምስፈተኖ፥ ብስስዕቲ ንዝመጾ _ብትዕግስቲ፡ ብትዕቢት ንዝመጾ _ብትሕትና፡ […]