ማኅሌተ ጽጌ ካበይ መጸ፧ (ቀዳማይ ክፋል)

ማኅሌተ ጽጌ ካባይ መጸ፧ ትርጉመ’ኸ እንታይ ማለት እዩ፧ (ቀዳማይ ክፋል)

እዚ ድርሰት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝጽለ ክኸውን ከሎ ብፉሉይ ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያና  ኣገልግሎት ዝውዕልግዜ ግን  ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ኢዩ።ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ  ስደት ዘምርሓትሉ መሪርን ኣድካምን እዋናት ዘሕለፈትሉ ዘመን እዩ።
ኣብ ሃገርና ወርሓ መስከረምን ጥቅምትን ናይ ኣበባን  ዕንበባ (ዘመነ ጽጌ)  ወርሓት እዮም። እዚ እዋን ኣኽራናት ብዕንበባ ዝምዕርግሉ ንዓይንኻ  ዝማርኹሉ እዋን እዩ።  ኣብዚ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቁ ንዕንባባት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ፣ ኣይደኽሙ ፣ ኣይፈትሉ፣ ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እካú በቲ ኩሉ ኽብሩ ከም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶም ዝድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ጌሩ ዝኸድኖ ካብ ኮነ ደኣ ኣቱም ጉዱላት እምነት ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን። እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ እንታይ ንሰቲ እንታይ ንኽደን ኢልኩም ኣይትጨነቁ። ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፣ ንዓኻትኩም እዚ ኹሉ ከም ዘድልየኩም ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።>> ማቴ.5፣-28-33።  ብምባልዝተዛረቦ ቃል ብምዝካር ክንጭነቅ ዝግበኣና ንመንግስተ ሰማይ ንምእታው እምበር ኣብዚ ዓለም  ብዘለዉ ነገራት ከምዘይኮነ ንዕንበባ መሮር ዘማዕረገ ኣምላኽ ብኣርኣያኡን ኣምሳሊኡን ዝፈጠረና፣ ንዓና ንናብራ ዘድልዩና መግብን ክዳንን ከምዘይከልኣና ንዝክረሉ እዋን እዩ።
ቅዱስ ዳዊት << ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ሰብእሰ ከመ ሳዕር መዋዕሊኁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማኁ ይፈሪ፣ “ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ ፣ ሰብሲ መዓልትታቱ  ከም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕንበባ መሮር ይዕንብብ፣ ንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሓልፍ እሞ ከቶ ኣይትርከብን እያ>> መዝ.102 (103፡14-16)  ከም ዝበለ  ናይ ሰብ ሕይወት ብሳዕሪ ይምሰል።  ተኽሊ  ምስ ዓበየ ይዕንብብ ድኅሪኡ ነቒጹ  ምስ ረገፈ እቲ ርጋፉ ብንፋስ ይውሰድ ብዕንበባ ገሪሙ ዘነብረ ስፍራ ድማ  ነጸላ መሬት ኮይኑ ይተረፍ። ሰብ ዕድመ መስጸገበ ብሕማም ካብዛ ምድራዊትን ግዝያዊትን ዓለም ይፋኖ። ድሕሪኡ ናብ መቓብር ምስ ወረደ ዝነበሮ ቦታ ይርሳዕ። ስለዚ ዘመኔ ጽጌ ሰብ ዘመኑ ከም ዕንባባ ቐልጢፉ ዝረግፍ ምዃኑ ብምሕሳብ፣ እዚ ዘመን ከይኃለፎ ንእግዚአብሔርኣምላኽ ደስ ዘብል ጽቡቅ ግብሪ  ሰሪሑ ብመንፈሳዊ ሕይወቱ ኮነ ሥጋዊ  ካብ  ድዉይ ሕልና  ንትንሣኤ ኅልና ዝትንሥኣሉ እዋን እዩ።
ቅዱስ ያሬድ ንዘመነ ጽጌ ኣብ ዝድረሶ ድጓ እዚ ናይ ሰብ ሕይወት ሓጺር ብምዃኑ ነዚ ሓጺር እዋን ዝተፈጥረ ሰብ ኣብዚ ዓለም ክፉእ ሥራሕ  ክሰርሕ ከምዘይብሉን ወትሩ  ንሞት ንኽነብር  ይምዕደና።
ኣብ  መበል 14ሚእቲ ክፍል ዘመን ካብ ዝነበሩ ቅዱስን አበው አባ ጽጌ ድንግል ምስዚ ዘመን ዝተኅኅዝ ድርሰት ደሪሱ እዩ። እዚ ድርሰት ብመልክዕ ግጥሚ ዝተደረሰ ኮይኑ ኣብ ሓሙሽተ መስመር ተኸፊሉ ብዝኁ ክሳብ 150 ይኸውን። እዚ ድርሰት << ማኅሌተ ጽጌ>> ብምባል ዝፍለጥ እዩ።  ፍረ ካብ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ኵሉ ማኅሌተጽጌ'ውን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስንብዕንበባን ፍረን እናመሰለ ዘረድእ ድርሰት  እዩ። ንኣዲና  ብዕንበባ ክምስል ከሎ ንወዳ ብፍረ፣ ንወላዲተ ኣማላክ ብፍረ ክምስላ  ከሎ ንወዳ ድማ ብዕንበባ እናመሰለ ይዛረብ።
 ነብዩ ኢሳይያስ << ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ።  ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ። ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ እዩ ። >> ኢሳ.11፣1። ካብ ዘርኢ እሰይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ትርከብ ብትንቢት ክገለጽ ብበትሪ መሰላ ፣ ካብኣ ዝተረኽበ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ እናመሰለ ብትንቢት ተዛሪቡ እዩ። ኣባ ጽጌ ኣብቲ ብዉሕሉል ዘተቐመረ  ድርሰቱ  ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልክዕ ንወላዲተ ኣምላክ  ምስ ወዳ መድኃኒ ዓለም  ብጽጌን ብፍረን እንዳመስለ ናይ እግዚአብሔር ድንቒ ሥራሕ ብምሥጢር፣ ብታሪኽ፣ ብጸሎትን ብዝኣመሰሉን መልክዕ ድንቅን ፍሉይን ምዕርጉን ብዝኾነ ኩነታት ኣውኂዱ ደሪስዎ እዩ።
ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጣዕማን ፍቕራን ምስጋናኣን ዝቐመሱናይ ኣደነታፍቅሪ  ዘተሰናማቀሩን ቅዱሳት ኣቦታት  ቅዱስ ኤፍሬምን ኣባ ህርያቆስን ውድሴኣን ቅዳሴን ከምዝተገለጸሎም፣  ፍሉይ ናፍቀት ናይ ርህርህተ ሕሊና ዘነብሮ አባ ጽጌ ድንግል ጸሎቱ ሰሚዓ  ማኅሌተ ጽጌ ንኽደርስ ኣብቒዓቶ'ያ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ማኅሌተ ጽጌ ብመልክዕ ኣደራርሳ ሥርዓት ዝተደርሰ ክኸወን ከሎ ነዚ ንምርኣይ ንኽጥዕም በዞም ዝስዕቡ ክፍልታት ከፋፊልና ብምቅራብ ከም እግዚአብሔ ፍቓድ ክንርእዮ ኢና።
                                           1 ጸሎት
ጸሎት ክንብል ከለና ብዝተፈለየ መልክዕ ን ጸሎት  ንምርኣይ እምበር ሙሉእ ድርሰቱ ጸሎት እዩ። ካልኦትውን ከምኡ ታሪኽ፣ ተግሳጽ፣ ምሥጢር ተባኂሎም ምኽፍሎም ብዝበዝሐን ብዝጎልሐን ንምግላጽ እዩ እንበር ኵሉ ኣብ ኩሉ ኣሎ። ቀጺ ዘ
አንብርኒ ማርያም ውስተልብኪከመኅልቀት፣
ወከመማዕተብፁርኒበመዝራዕትኪልዕልት፣
በእንተርስሐትየሰኢትመንንኒንግሥት፣
እስመወሀብኩንብረትየለፍቅርኪሞት፣
ዘአሠገርዎሙለሰማዕትበጽጌሁሕይወት፡፡
ጠቢበ ሰለሞን << ከም ማኅተም ኣብ ልብኻ ከም ማኅተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ >> መኃ.8-6። ይብል። እዚ ከኣ ናይ ምእመናን ናይ ክርስቶስን ሓድነት ዝገልጽ እዩ። << አንብርኒ ማርያም ውስተ ልብኪ ከመ ኅልቀት፣ ወከመ ማዕተብ ፁርኒ በመዝራዕትኪ ልዕልት፣>> ማለት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ማኅተም ኣብ ልብኺ ኣንብርኒ ብምባል ብኣደነትኪ ብኣማላድነትኪ ኣይትርስዕኒ ድኅሪ ምባሉ << በእንተ ርስሐትየሰ ኢትመንንኒ ንግሥት>> ይብል። እዚ ማለት ኣይትርስዕኒ ኣብ ልብኺ ኣንብርኒ ኢለ ዝልምነኪ ጽቡቕ ምግባር ስለዝኃለወኒ ኣይኮነን።  ብምኽንያት ኽፋእ ተግባረይ ብኃጢኣተይን ሸለል ኣይትበልኒ፣ ንዓይ ንሓጥእ ወድኺ ኣይትርስዕኒ፣ ብምባል ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብርኅሩኅ ልባ << መሐር ወልድየ ወተዘከር ኪዳንየ።>> እናበለት ከተማልደና ክትልምነልና ዘዘኻኽር ጸሎት እዩ።
ሶበአተቦለማይበቅዳሴኪእንዘይጼሊ፣
ረሰዮኅብስተጽጌሃይማኖትሳሙኤልዘሐቅለዋሊ፣
ምሕረተወፍትሐለተአምርኪእኀሊ፣
ሥረዪኃጢአትየወዕፀብየአቅልሊ፣
እስመ ኩሎ ገቢረ ማርያም ትክሊ፡፡
አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ቅዳሴ ማርያም እንናደገሙ ማይ ብተኣምራት ብኃይሊ  እግዚአብሔር ኅብስት ይኾነሎም ኔሩ። በዚ ተኣምር ድኅሪ ምድናቖም << ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኩሉ ምግባር ትኽእሊ ኢኺ። ኃጢኣተይ ኣስተስርይለይ።>> ይብሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ.17-20 << ብሓቒእብለኩምኣለኹክንዲፍረኣድሪእትኣክልእምነትእንተኣልያትኩምነዚኸረንድማካብዚናብቲኣልግስ ትብልዎ ንሱኸኣየልግስ ዚሰኣነኩምውን የለን።>>ብምባል ዝኣመነ ደልዩ ከም ዝረክብ ነገር ከምዘየለ ተዛሪቡ እዩ።
 ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ << ክትጸንሲ ኢኺ፣ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ…>> ኢሉ ብሥራት ምስ ነገራ፣ እዚ ነገር ከመይ ጌሩ ይዀነለይ፣ ኢላ ምስ ሓተቶቶ << እስመ አልቦ ነገር ለእግዚአብሔር። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለን።>> ምስ በላ ብፍጹም እምነት << ይኩነኒ በከመ ትበለኒ ከም ቃልካ ይኹነለይ ። >> ብምባል ዝተቐበለቶ።
እዚ ከኣ ቅድስት ኤልሣቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ << እቲ ካብ እግዚአብሔር እተነግርላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ እታ ዝኣመነት ብጽዕት እያ።>> ሉቃ.1፣4። ንዝአመኑ ኩሉ ዝከኣል ካብ ኮነ፣ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝምኅጸን ኩሉ፣ ንኣምላኽና ዝወለደት መትኅተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን፣ ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ካብ ፍጡራን ንላዕሊ ስለዝኾነት ንዓዓ ከኣ ዝሰኣና ነገር የለን። ነዚ እዩ ከኣ ንዓኺ ዝሰኣነኪ ነገር የለን ኃጢኣተይ ኣስተሥርይለይ፣ ዝኸበደኒ ኩሉ ኣቅልልለይ ብምባል ዝለመነ።
ተአምርኪ ማርያም ተሰብከበኦሪት፣
አመተሰነዓውኪጳጦስምስለመለኮት፣
ዘርእየኪሙሴሊቀነቢያት
ጸልልኒበአዕፁቅኪሐመልማላዊትዕፀት
ሦከኃጢአትየያውዒጽጌኪእሳት፡፡
<<ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ << ሃልሃልታ ሓዊ ምስ ሓመልማል ተዋኂዱ ሙሴ ኣብ ድብረ ኮሬብ ምስ ረኣየኪ ተኣምርኪ ተሰብከ፡ተነግረ። ምሳሌኺ ብሓመልማልን ብእሳትን ኣምሳል ዝተኣርየ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽጌ ወድኺ ኃጢኣተይ ክድምስሰለይ ከጥፍኣለይ ምእንቲ ኣብ ጽላልኪ ኣውዕልኒ። >>
ሙሴ ኣብ ምድረ ሚድያን ኣብ ስደት ኣብ ዝነብረሉ እዋን ናይ ሓሙኡ የትሮ ኣባጊዕ ይጓሲ ኣብ ዝነብረሉ እዋን  ኣብ እምባ ሆሬብ ሓደ ድንቂ ራእይ ረኣየ። ቖጥቛጥ ትነድድ እሞ ግና ከኣዘይትቃጸል (ዘጻ፣3-3)። እዚ ምሥጢር ናይ ተዋህዶ ምሳሌ ራእይ እዩ። ዘትነድድ ቆጽሊ  ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም  ምሳሌ ክኸውን ከሎ፣ ሓዊ ድማ ናይ መለኰት ምሳሌ እዩ። ናይ'ቲ ሓመልማሉ ርጥበት ነቲ ሓዊ ዘይምጥፉኡ ኣምላክ ሰብ ክኸውን ከሎ ካብ መለኮት ትሕት ከምዘይበለ ዝገልጽ ምሳሌ እዩ። ሓዊ ድማ ንሓመልማል ዘይምቕጻሉ መለኰት ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣብ ዝተዋህደሉ ጊዜ  ጸዋሪተ መለኰት ምዃናን እሳት  ከምዘየቓጸላን ንኸረድ እዩ። ቅዱሳን መልኣኽቲ ብራዕድን ፍርሕን ምንቅጥቃጥን ዝሰግድሉ ኣምላኽ ንሳ ግና ኣብ ማኅጸና ጸረቶ።
ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል ናይ ኣዲና ንክርስቶስ ናይ ምውላዳ ተኣምር ንሳ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝንገር ዝነበረ ምዃኑ ድኅሪ ምዝካሩ ጸሎቱ «ጸልልኒበአዕፁቅኪሐመልማላዊትዕፀትሦከኃጢአትየያውኢጽጌኪእሳት» ብምባል የቕርብ። እዚ ማለት << ምስ ሓመልማል ተዋሂዱ ዝተረኣየ እሳት ጽጌ (ወድኺ ክርስቶስ) ኃጢኣተይ ከሥተሥርየለይ ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሓመልማልኪ ኣጸግዕኒ ማለቱ እዩ።
ቅዱስ ዳዊት  <<ከም ፍሡሐን ኵሎም እለ ይነብሩ ውስቴትኪ ። ኣባኺ ዝነብሩ ኵሎም ደስ ክብሎም እዩ። …..>>(መዝ.86፡87-7)። ኢሉ ከምዝነግረና።  ኣብ ጽላል ናይ ኣዴና ድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣደነትን ኣማላድነትን ዝነብር ኩሉ፣ ካብ ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ሥርየተ ኃጢያት ረኺቦም፣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ በዚኂሎም ሕጉሳት ኮይኖም ከምዝነብሩ ዝተነግረ ትንቢት ምፍጻሙ ዘረድእ እዩ።
ይቅጽል......

Comments are closed.