መንፈሳዊ ምኽሪ

ሓደ ባሕታዊ ብሓሳቡ ኣብ ናይ ምንዝርና ፈተና ምስ ወደቐ ናብ ካህን ከይዱ ነዚ ሕማቕ ምስጢር ነገሮ። ክጽልየሉ ድማ ተማሕጸኖ። እቶም ካህን ድማ ትብዓት ኣስኒቑ ኣበርቲዑ ንኽጽሊ መኸሮ። ናብቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ምስ ኣተወ እቲ ፈተና ካብቲ ዝነበረ በርተዖ። ናብቶም ካህን ተመሊሱ ዘጋጠሞ ነገሮ። ከምኡ ክብል ብዙሕ ግዜ ተመላለሰ። እቶም ካህን ድማ ተሰፋ የስንቕዎ ነበሩ። ከምዚ እናበሉ […]

Continue reading

ብሂል ኣበው

"እታ ድንግል ሄዋን ናይ ተመን ቃል ሰሚዓ ዘይምእዛዝ ሞት ጸነሰት፣ ቀታሊ ሓዉ ዝኾነ ንቃኤል ወለደት። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ናይቲ ብርሃናዊ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ብሥራትዊ ቃል ሰሚዓ ተኣዚዛ ንህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ጸነሰት ምእንቲ ሕዝቡ ንዝመውት  መድኃኒና ወለደት።" ሰማዕት ቅዱስ ዮስጢኖስ "ንዘመናት ተስፋ ስኢንና ክነብር ከለና ኣብ መወዳእታ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወትና መሊሱልና ሰለዚ […]

Continue reading

ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን

ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ “ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስ’ውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መን’ዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስ’ውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጡር ዕለተ ዓርቢ ዝዀነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንኢዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት […]

Continue reading

"ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለስ ይጽሊ ነበረ።" ሉቃስ 5=16 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ኩሉግዜ ክንተግህን ናቱ ምሳሌ ንኽንክተልን ነጊሩና እዩ፡ ፍጹም ጸጥታን ሰላምን ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብ ውሽጢ ምድረ በዳ ናይ ጸሎትን ናይ ምስጋነ ሕይወትን ማዕረ ክንደይ ዝጸበቐ ክምዝኾነ አርኢዩና'ዩ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮውሓንስ'ውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ንሕዝቢ እስራኤል ንኽሰብኽ ክሳብ ዝጽዋዕ ኣብ ምድረ በዳ እዩ […]

Continue reading

ተጋድሎ ምንኵስና “ጽድቅሰ ኢትትረከብ ዘእንበለ በዕፁብ ግብር” ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ ምምንኳሶም፤ ነቲ ገዳም ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ኣበውኣረጋውያን እናተራድኡ፤ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብዘይ ዕረፍቲመዓልትን ለይትን ይጋደሉ ነበሩ። ሥጋኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝደኽም ከኣብትግሃት ብመንፈሳዊ ዕዮ ጽሙድ ነበሩ። ካብቲ ገዳም ወጺኦም’ውንኣብ ከባቢ ኣድያቦ (ትግራይ) ብብሕትውና ምስ ቅዱሳን ኣበውእናተራኸቡ ሱባኤ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣፍጋሕጋሕዝተራኸብዎም ከኣ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ […]

Continue reading

መእተዊ “በመኑንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ” ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስንተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናንጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም’ውንከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶምብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም […]

Continue reading

ጾመ ሐዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እንቋዕ ኣብጸሓና! ቅድሚ ኵሉ ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝረኸብናዮ ጸጋን ሕይወትን ብሓጐስ ንዝክረለን ፶ መዓልትታት ኣኅሊፍና ጽባሕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ናብ ዝኣቱ ጾመ ሐዋርያት ብምሕረቱ ኣብጸሓና፤ ኣብጸሓኩም። ከምቲ ኣቦታትና ብዘለዋ ሰማያዊ ጸጋ፡ ረብሓ ጾም ኣጸቢቖም ስለዝፈልጥዋ ብናፍቖት እዮም ዝጽበይዋ። ንሕና’ውን ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘኪርና፡ ኣብዚ እዋን ጾም ምብጻሕና […]

Continue reading

እናረኣይዎ ዐረገ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!  እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደመና ተቐበለቶ። ግ.ሓዋ. 1:9 ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መበል 40 መዓልቲ ዘላ ሓሙስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብምዝካር እትኽበር በዓል ኢያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሞት ስዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ን40 መዓልቲ ጸኒሑ። ኣብ መበል 40 መዓልቱ ከኣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ዕርገት ጐይታና […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ። ኢያቄምን ሃናን ወሊዶም ሰማይ፡ ሰማዮም ድማ ወለደት ፀሓይ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ግንቦት ሓደ ተወሊዳ። ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብፍቓደ ኣምላክ ብብሥራተ መልኣክ ካብ ዝተጸንሰትሉ ዕለት ጀሚራ ፣ ገና ኣብ ማኅጸን ኣዲኣ ከላ ብዝሕ ተኣምራት ዝገብረት እያ።  ድምጸ […]

Continue reading

ዳግማይ ትንሣኤ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ ይትፌሣሕ  ምስባክ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን                ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65  ዓዲ. ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።  ወንጌል ዮሓ.20፣1-18 ግ.ሓ.2፣23-36 ።1ይቆረ  ቆሮ.15፣20-47። 1ይጴጥ.3፣15-22።   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያትብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም  ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ […]

Continue reading