ዳግማይ ትንሣኤ

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ይትፌሣሕ

 ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እም ንዋም

ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን

               ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ። መዝ.77-65

 ዓዲ.

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር

ንትፈሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ

ኦ እግዚኦ አድኅንሶ። መዝ.117-24።

 ወንጌል ዮሓ.201-18 ግ.ሓ.223-36 ።1ይቆረ 

ቆሮ.1520-47። 1ይጴጥ.315-22።

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያትብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን >> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም  ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ።  ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጎስን ምስ ነገርዎ። << ዳሕራይ ንስኹም ሪኢና ኢልኩም ክትምስክሩን ከተምህሩን ኣነ ግና ሰሚዐ ኢሉ ክምስክርን ከምህርን፣ ኣይከውንን ኣነ'ውን እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን።>> ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ናይ መጀመርታ ዕለተ ትንሣኤ አበው ሓዋርያት ብሓንሳብ ከለዉ ብዕጽው ማዕጾ በሩ ከይተኸፍተ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።>> ብምባል ኣብ ማእከሎም ቆመ። ንቶማስ'ውን ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ኣይትኹን ብምባል እቲ ዝተሸንከሮ ኢዱን እግሩን፣ ዝተወግኦ ጎኑ ንዓ ርኣይ ኢሉ ኣርእይዎ። እሱ'ውን ምልክቱ ብምርኣይን ብኢዱ ዳህሲሱ’ውን ትንሣኤኡን ኣምላኽነቱን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከምቲ ዝደለየ ብዓይኑ ብምርኣይ ተረዲኡ  << ጐይታይን ኣምላኸይን ።>> ኢሉ መስኪሩ።     

ስለዚ እዚ ናይ ትንሣኤ ምሥጢር ካልኣይ ግዜ ንሓዋርያት ዝተገልጸሎም ዕለት ስለዝኾነ << ዳግማይ ትንሣኤ >> ተባሂሉ እዚ ዕለት ሰንበት ይጽዋዕን ይኽበርን። ዮሓ.20፣24-30።

ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ከኣ ኣብዚ ዕለት ኩሉ መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከም ዕለተ ትንሣኤ  ኮይኑ እዩ ዝፍጸም።  

ካብዚ እንታይ ንመኃር ምእመናን 

ኣብ ሃይማኖትና ኩኡ ጊዜ ጽኑዓት ክንከውን ። እዛ ዓለም ካብቲ መንፈሳዊ ናይ እግዚአብሔር ነገር ንላዕሊ ናይ ሥጋዊ ነገራት ዝጥዕመላ ፣ንክርስቲናዊ ህወትና ኣዝያ ኣጸጋሚት እንዳኾነት እያ ትኸይድ ዘላ።  ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ካብ ኣማኒ ዘይኣምን ማኅበረ ሰብእ እንዳበዝሐ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ። መዝ.14-1፣ ሰነፍ ብልቡ አምላኽ የለን ይብል። ብፍላይ ምዕራባዊ ዓለም ትምህርቲ ኣብ ዝተስፈፍሓሉ ብዛዕና ኃለዋተ እግዚአብሔር ሕቶ ዘልዕሉ እንዳበዝሑ እዮም። እዚ ከኣ ዘርእየና ዓለም ናበይ ገጻ ትጎዓዝ ከም ዘላ እዩ። ጥንተ ጸላኢና ጸላኢ ሠናይት ዲያብሎስ ብዝተፈላለይ መገዲ ክሕደት ኣብ ደቂ ሰብ እንዳዘርአ እዩ ዘሎ። 

ስለዚ ንሕና ደቂ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቦታና ኣበይ ክኸውን ኣለዉ ኣብዚ ሕማቅ እዋን ᎒ እምነትና ከምቶም ቅዱሳን አበው ብጽንዓት ሓሊና ኣብ ቅድስቲ ቤቱ ክንርከብ ይግበኣና። ካብ ጥርጥር ጽኑዓት ብእምነት ኮነ ምግባር፣ ካብ ስንፍና ትግሃት፣ ካብ እከይ ሠናይ እንዳገብርና ነዛ ሓልፊት ዓለም ክንሓልፋ ይግበኣና   ። እቶም ከይረኣዪ ዝኣመኑ ብጹዓን እዮም። ዮሓ20፣29 ።

 ንዓለም ሕቆና ምኃብ።

 ሕቆና ንዓለም ኂብና ብመንፈሳዊ ምግባር እንዳበርታዕና ጉዕዞ ክርስቲናዊ ህይወትና ክንሕሉ ይግበኣና። ክርስቲያን ክሳብ ኣብዛ ዓለም ዘለና ገየሽቲ ኢና ። መገሻና ከኣ እታ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዳለወልና ርስቲ መንግሥተ ሰማይ ንምውራስ እዩ። ስለዚ ነዚ ጎዕዞ ጀምርቲ ጥራሕ ዘይኮና ፈጸምቲ ክንኮኖ ኣለና። ነቲ በተስፋኡ ዘይተጋደፈና ኣምላኽና እንዳረኣና ፣ ዝኸፈለልና መሥዋእቲ እንዳዘከርና ፣ ነቲ ዝኃበና ሰላም ኣብ ልብና ቀሪጽና ፍኖተ ቅዱሳን ሓዋርያት ተኸቲልና ንዓለምን ፍትወታና ሕቆና ክንኅባ ይግበኣና።

ሽዑ እዩ ሰላም እግዚአብሔር ንኹሉ ሕይወትናን  ዝወርሶ።

 ካብ ፍትወት ዓለም ምርሓቅ፣  ካብ ፍትወት ዓለም ምርሓቅ ማለት ፍረ ጽድቂ ምግባር። ፍቓደ እግዚአብሔር ከይንገብር ንድሕሪት ዝመልሰና ግብረ እከይ ምግዳፍ ማለት እዩ።  ሎሚ ዓለምና ነፍሲወከፍ መዓልቲ ብገቢረ እከይ እንዳጀምረት ፣ ሓጥያት ከም ጽድቂ እንዳተቆጽረ ማኅበረ ሰብእ መንዲ እግዚአብሔር ጠፊእዎ የማነ ጸጋም ክብል እዩ ንርእዮ ዘለና። ንሕና ክርስቲያን ግና ነቲ ምግባረ ሠናይ አሐዱ ኢልና  ብጸሎትን እግዚኦን ክንጅምሮ ኣለና ። እዚ ምስ እንገብር ከኣ ፍትወተ ዓለም ካብ ልብና እንዳረሓቐ እዩ ዝኸይድ።  ስለዚ  ብንስሓ እንዳተሓጸብና ንልብና ማኅደር እግዚአብሔር ክንገብሮ ይግብኣና። እቲ ንቅዱሳን  አበው ሓዋርያት ብሓንሳብ ከለዉ ብዕጽው ማዕጾ በሩ ከይተኸፍተ ኣትዩ << ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን።>> ኢሉ ሰላሙ ዝኃቦም ኣምላኽና መድኃኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝተዓጸው ልብና ከፊቱ  ሰላሙ ኣብ ልብና  የንብረልና።

ስለዚ ምእመናን ምእመናን ብሃይማኖትናን ምግባርና ጥንቁቃት ክንከውን ይግበኣና። እዚ ምስ እንገብር ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረቱን በረከቱን ኣብዚ ዓለምን ኣብታ ትመጽእ ዓለምን ኩሉ ግዜ ምሳና ይኸውን።

 

                                                                 ወስብሐት ለእግዚአብሔር። 

                                                                 ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ዘተወልደብርሃን

Comments are closed.