ጾመ ሐዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ኣብጸሓና!

ቅድሚ ኵሉ ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝረኸብናዮ ጸጋን ሕይወትን ብሓጐስ ንዝክረለን ፶ መዓልትታት ኣኅሊፍና ጽባሕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ናብ ዝኣቱ ጾመ ሐዋርያት ብምሕረቱ ኣብጸሓና፤ ኣብጸሓኩም።

ከምቲ ኣቦታትና ብዘለዋ ሰማያዊ ጸጋ፡ ረብሓ ጾም ኣጸቢቖም ስለዝፈልጥዋ ብናፍቖት እዮም ዝጽበይዋ። ንሕና’ውን ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘኪርና፡ ኣብዚ እዋን ጾም ምብጻሕና ዘለዋ መንፈሳዊ ጸጋን እተውህቦ ክብሪን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንዝገልጹልና መሠረት ገይርና ኢና እሞ እንቋዕ ኣብዚ ዘመነ ጾም ደጊምና ኣብጸሓና ንብል።

ጾም ትምኒት ሥጋ እተጥፍእ፡ ቁስሊ ነፍሲ እተሐውይ፡ ጽሙናን ህድኣትን እትምህር፡ ካብ እንሰሳዊ ፍቓድን ግብሪን እትዕቅብ፡ ሰብ መልአክ ዘበምድር ኮይኑ ክነብር መንፈሳዊ ኃይሊ እተዕጥቖ እያ። ይኹን ደኣ እምበር ብዙኅ ረብሓ ዘለዎም ክነሱ፡ ሰባት ሸለል ካብ ዝብልዎም ዓበይቲ መንፈሳዊ መገድታት ሓደ ጾም እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ብዛዕባ ጾም ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ዘድፍር ኣይኮነን፤ ንዘለዎ ጥቕሚ’ውን ዝስሕቶ የልቦን። ብኣንጻሩ ግና በቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ መገዲ ዝፍጽምዎ ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም እሙንን ዘሕዝንን ነገር እዩ። ኣቦታትና ግና ሕገ እግዚአብሔር ተኸቲሎም ምስ ኣምላኾም ዘራኽቦም መገዲ ምዃኑ ተረዲኦም በቲ ጸባብ ዓንቀጽ ክነብሩ ርኢናዮም ኢና። ዝረኽበዎ ጸጋን ክብርን ድማ ካብ ኣዕይንትናን ኣእዛንናን ክውል ኣይኮነን። ጾም ቅንዕቲ መገዲ ምዃናውን ብኣዋጅ ምፍላጦም ንሕና ምእንቲ ክንሰምዖምን ክንስዕቦን እዩ። (ዕዝራ ፰፣፳፩) ንሕናን ጾምናን ኸ ከመይ ኣሎ፧

ብዛዕባ ጾምን ረብሓታቱን ኣብቲ ዝሓለፉ ጽሑፋት ጾም ክንውከስ እናተላበውና፡ ንሎሚ ብዛዕባ ጾመ ሐዋርያት ቅሩብ ክነመሃሃር እግዚአብሔር ኣምላኽ መስተውዓሊ ልቦና ይዓድለና።

ዝተፈላለየ ስማት ጾመ ሐዋርያት

እዚ ጾም እዚ ቃል ጐይታ መምርሒ ገይሮም ዝጀመርዎ ሓዋርያት ብምዃኖም ጾመ ሓዋርያት ይበሃል። ይኹን እምበር መምስ ምኽንያቱ ካልእ መጸውዒ ስያመታት’ውን ኣለዎ። ሓደ ካብኡ ጾመ ሰነ ዝብል እዩ። እዚ ኸኣ ዝበዘኀ ክፋል ናይዚ ጾም ኣብ ወርሒ ሰነ ስለዝወድቕ፡ ብመሠረት ወርሓቱ ጾመ ሰነ ይበሃል እዩ። ከምቲ ቅድሚ ልደት ንዝጽወም ጾመ ነቢያት ጾመ ታኅሣስ ከም እንብሎ ማለት እዩ።

ጾመ ሐዋርያት ናይ ወተሃደር ጾም’ውን ይበሃል እዩ። ኣብቲ ዝቐደመ ዘመን ወተሃደራት ቅድሚ ምውፋሮምን፡ ካብ ወፍሪ ድኅሪ ምምላሶምን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብዝተጋገናዮን ዝኣበስናዮን ኵሉ ሕደገልና ብማለት ወተሃደራት ብቀኖና ይጾምዎ ኔሮም እዮም። ክወፍሩ ከለዉ እግዚአብሔር ክሕልዎምን ካብ ክፉእ ዘበለ ክዕቆብን መንገዶም ከቕንዓሎምን ብጾም ብጸሎት ክሓቱ ከለዉ፤ ብሰላም ናብ ቤቶም ዓዶምን ክምለሱ ከለዉ ስለቲ ኵሉ ንእግዚአብሔር ንምምስጋን ይጾሙን ይጽልዩን ነበሩ። ተምሳሉ ሓደ እዩ። ሓዋርያትን ሰዓብቶምን ድማ ወተሃደራት ክርስቶስ ምዃኖም እሙን ነገር እዩ። (ኤፌ ፮፥፲-፲፰)

ዘመን ጾመ ሐዋርያት

ጰራቅሊጦስ ካብ ሰንበት ከምዘይለቅቕ፤ ጾመ ሐዋርያት’ውን ጽባሕ ጰራቅሊጦስ ስለዝጅምር ባእተ ጾመ ሐዋርያት ካብ ሰኑይ ኣይወጽእን እዩ። እዚ ጾም እዚ ብመበጃ ሐመር ክብን ለጠቕን ስለ ዝብል ውሱን መዓልቲ የብሉን። መእተዊኡ ድማ ስለዝቀያየር ሓሓንሳብ ልዕሊ ወርሒ ዛይዱ ክሳብ ፵፱ መዓልትታት ዝበጽሓሉ፡ ሓሓንሳብ ድማ ትሕቲ ወርሒ ትሕት ኢሉ ፲፭ መዓልቲ ጥራይ ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ። ዝኣትወሉ ይፈላለ ደኣ እምበር መፈጸምታ እዚ ጾም ግና ውሱን ኮይኑ ብርሃናተ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ኣብ ዘዕረፉሉ ዕለት ኣብ ሓምለ ፭ የብቕዕ።

ታሪኽን ኣጀማምራን ጾመ ሐዋርያት

ኣበው ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ኃምሳ ምስ ተቐበሉ ቅድሚ ንሕዝቢ ወንጌል ምምሃሮም ንጐይታ ኣብነት ገይሮም ጾይሞም እዮም። “ሑረ ወመሐሩ” ዝብል ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽቢሮም ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ሥርሖም መጀመርታ ድማ ጾም ገበሩ። ምእመናን ከኣ ኣሰር ሓዋርያት ብምስዓብ ካብ ጽባሕ ጰራቅሊጦስ ጀሚሮም ነዚ ጾም ይጾምዎ። ጐይታ ባዕሉ’ውን ሐዋርያት ጊዚኡ ምስኣኸለ ከምዝጾሙ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ። ደቂ መዛሙርቲ ዮሐንስ ንሕናን ፈሪሳውያንን ንጸውም፤ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ስለምንታይ ዘይጾሙ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ መርዓዊ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ክርስቶስ ብምስላ ገይሩ ከምዚ በለ “ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጒህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ።” (ማቴ ፱፥፲፬-፲፮) በዚ መልሱ ድማ ክርስቶስ ካብ ኣዕሩኽት መርዓዊ ዝበሎም ሓዋርያት ዝፍልየሉ ጊዜ ከምዝመጽእን ሽዑ ምጻሞም ዘይተርፍ ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ። ምስ ተፈልየ ዝጾሙ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነሲ ብንጹር መዓስ ምዃኑ ብምሳሌ ገይሩ’ውን ኣረዲእዎም ነበረ። እቲ ንጹር ጊዜ ኸኣ ሰብነቶም መንፈሳዊ ግብርታትን ትሩፋትን ክሰርሕ ድልዊ ክኸውንን ክሕደስን ምእንቲ፡ ከምኡውን ስለቲ ሃይማኖቶምን ምስክርነቶምን ዝመጾም ጸዋተወ መከራ ክጸውርን ክጸንዕን ዘኽእሎም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ። “ቊራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ።” (ማቴ ፱፥፲፯) በዚ ትምህርቱ ድማ ጐይታ ንሱ ምስኦም ከሎ ሓዋርያት ክጾሙ ከምዘይከኣሎም፡ ምስ ሞተን ምስ ተንሠአን ከምኡውን ንሳቶም መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ግና ብዝተሓደሰ ሰብነቶም፤ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ለቢሶም ክጾሙ ምዃኖም እዩ ኣረዲኡ። በዚ መሠረት ኸኣ ሐዋርያት ጾይሞም ንኻልኦት ግብራዊ ኣብነት ኽኮኑ ከምዝኸኣሉ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና። በዚ መሠረት ድማ ኣብ ስብከተ ወንጌል ይኹን ካልእ መንፈሳዊ ዕዮን ተልእኾን ዝዋፈሩ ኣበው ቅድሚ ሥርሖም ምጅማሮም ብጾምን ብጸሎቱ ምስ እግዚአብሔር ይራኸቡ ነበሩ። (ግብ ሓዋ ፲፫፥፪)

ንሕና ኸ፧

ንሕና ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልደ ውሉድ ዝተሰመናን ኣብ ፵ን ፹ን መዓልትና ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ዝተቐበልና ኵልና ሓንሳብ ደው ኢልና ነቲ ሕያው ትእዛዝ ጐይታ ምስትውዓል ኣብ ዘድልየና ዘመንን ዓለምን ኢና ንነብር ዘሎና።ስለዚ ድማ ነቶም ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዘሎናን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናን ኵልና ስለቲ ምጻምና ኣብ ድሌትና ጥራይ ዝሞርኮስ ዘይኮነስ ግቡእና’ውን ምዃኑ ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ እዩ። ስለዚ እያ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ቃል ኣኽቢራ ደቃ ክጾሙ ካብ ዝኣወጀቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት ድኅሪ ዓቢይ ጾም ክንጾሞ ሠሪዓትልና እትርከብ። ከመይሲ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ፍኖተ ሐዋርያት ጸኒዓ እትጓዓዝ ምዃና ምስክር ኮይኖም ካብ ዝቐርቡ ትምህርትታ ሓደ ድማ ሓዋርያት ንዝጾምዎ ጾም ኣጥቢቓ ምሓዛ እዩ። ንደቃ እትህቦ ትምህርትን፡ እትሕብሮ መንገዲ’ውን ንሱ እቲ ጸባብ ዓንቀጽ እዩ። ንሕና’ውን ድምፂ ቤተ ክርስቲያን ሰሚዕና እንተሰዓብናዮ ሕይወት ምስ ተረፉ ክንረክብ ኢና። ሓዋርያት ከምቲ ጐይታ ዝበሎም ስለዝጾሙ ድማ ዓለምን ፍትወቱን ዝሥዕሩሉ ኃይሊ ክረኽቡ ክኢሎም እዮም። ንሕና’ውን ዝገደፉልና ኣሠር ምስ እንስዕብ ድማ ዓለምን ጥበራኣን ክንሥዕር እንኽለሉ ጸጋ ክንረክብ ኢና። ዓለምን ሰዓብታን ዝብልዎን ዝውጥንዎን ብዘየገድስ፤ ትምህርትን ኣብነትን ጐይታ ስዒቦም ንዝጾሙ ሓዋርያት ተኸቲልናን መሲልናን ኣማናዊ ጾም ክንጸውምን ክንጽልይን እንተዘይከኣልና ከቶ ደቂ መን ኢና ክንበሃል፧እግዚአብሔር ኣምላኽ ጾምና ይባርኸልና ይቐድሰልናን። ካብ በረኸት ሓዋርያቱ ድማ የሳትፈና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ፣ ጦማር ማዕዶት

Comments are closed.