ሎሚ

እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርኁ።  ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡በሎም። ብዙሓት ሠራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶምስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥እዚ እግዚአብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤተልሄም ንኺድ፡ ተባሃሃሉ።  ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻንከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። ሉቃ 2፡10-16። ሓደ ካብቲ ኣብ ሕይወት ዘሐጉስ ልደት ህጻናት እዩ። ህጻን ክውለድ ከሎ መግለጺ ሓጎስ ኣዴታት ይዕልላ። ቤተዘመድ ይተኣኻኸብ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባንመጺኡ ይራኸብ። ህያባት ይመጽእ፡ ገጸ በረኸት ይቐርብ። እዚ ኣድማሳዊ ሕጊ እዩ እንተተባኅለ ጊጉይ ኣይኮነን። ልደት ህጻናት ሓድሽ ሕይወትን፡ ሓድሽተስፋን ንወለዲን ቤተሰብን ብፍላይ ንሕብረተሰብ ድማ ብሓፈሻ ዘስንቕ እዩ። እምበኣር እዛ ዕለት ካብ ኩለን መዓልታት ፍልይቲ እያ። ሎሚ ናይ ሓጎስዕለት እያ። ሎሚ ናይ ፍስሓ ዕለት እያ። ሎሚ ናይ ምስጋና መዓልቲ እያ። ሎሚ ናይ ዕርቂ ዕለት እያ። ሎሚ ናይ ብሥራት መዓልቲ እያ። ከመይ እቲንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ፡ እቲ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘንጸባረቐ፡ ንሰማይ ብወርሕን ከዋኽብትን ዘድመቐ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ዝተወልደላ እያ። ሎሚእቲ ንኣዳምን ሄዋንን ብመልክዑ ዝገበሮም፡ ንህጻናት ኣብ ማኅጸን ወላዲቶም ዝፈጥሮም ህጻን ኰይኑ ካብ ድንግል ተወሊዱ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብዝተረኽበላ እያ። እዛ ዕለት እቲ ዘይረአ ረቂቕ ኣምላኽ ግዙፍ ሥጋ ተዋሂዱ ዝተወልደላ እያ። ሎሚ ንሱ እቲ ዘይውሰን ኣምላ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብደረት ዝተገልጸላ ኢያ። እዛ ዕለት እቲ ዝባላዕ ሓዊ ሥጋ ተዋሂዱ ዝተዳህሰሰላ ኢያ። ሎሚ እቲ ኪሩቤልን ሱራፌልን ክርእይዎ ዘይክእሉ ካብ ሰማይከይጎደለ ካብ ምድሪ ከይተወሰኾ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃን ዝተጋህደላ ኢያ። እዛ ዕለት ፍልይቲ እያ።  ሎሚ ኣምላኽ ሰብ ፡ሰብ ኣምላኽ ዝዀነላ ፍልይቲ ዕለት እያ። እዛ ዕለት ሰማይን ምድርን ሰብን መላእክትን ዝተዓረቑላ ኢያ። ሰማያውያንንምድራውያንን ናይ ሓባር ቅዳሴ፡ ናይ ሓባር ምስጋና፡ ናይ ሓባር መሥዋእቲ ናብ ኣምላኾም ዘቕረቡላ እያ። ሓድሽ መዝሙር “እወ ሓድሽ መዝሙርቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዐ!  ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ዝብል ፍሉይ መዝሙርዝተሰምዓላ እያ። እዛ ዕለት ኣጋንንቲ ዝረዓዱላ፡ ፍርኃት ደቂ ኣዳም ተቐንጢጡ ትብዓት ዝረኸቡላ ዕለት እያ። ሎሚ ዝተቖጽረ ሱባኤ ዝተነግረ ትንቢትፍጻሜ ዝረኸበላ እያ። እዛ ዕለት መዝገብ ዓመተ ኩነኔ ዝተዓጽወላ፡ መዝገብ ዓመተ ምሕረት ዝተራሕወላ እያ። እዛ ዕለት ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተገልጸላ እያ። እዛ ዕለት መዓልቲ ሓጎስ እያ። ናይ ኩሉ ህዝቢ ሓጎስ ዝዀነ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላናይ ሓጎስ መዓልቲ እያ። ሕቡእ ምሥጢር ዝተገልጸላ ብምዃና መዓልቲ ሓጎስ እያ። እቲ ምንታይ ቀዳማይ ልደቱ ብዳሕረዋይ ልደቱ ክፍለጥ ስለዝገበረ።እዛ ዕለት ንዓና ንደቂ ኣዳም ሰማያዊ ዜግነት ክኅበና ንሱ እቲ ሰማያዊ ናብ ምድሪ ወሪዱ። ንዓና ንትሑታት ከልዕል፣ ኣምላኽና ትሕት ብምባል ኣብመብልዕ ማል ተወሊዱ። ንዓና መንፈሳዊ ልደት ክኅበና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋዊ ልደት ተወሊዱ። ኣየ ፍቕሪ!  ደቂ ኣዳም ብግብርናን ብኃጢኣትናን ንልደት ናይ ክብሪ ጐይታ ንምርኣይ ዘይምብቃዕና፡ ኃጢኣትና ካብቲ መብልዕ ማል ዝኸፍአ ኰይኑ ስለዝረኸቦእዩ። “ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይ’ውን ኣየስተውዕልን እዩ።ኢሳ.1:3። ኢየኡስ ሓጎስ ሰብን መላእኽትን። ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጎስ ህዝብን ኣህዛብን። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላክ ኣማልክት ናይ ጐይቶት ጐይታ፣ ናይ ነገስታት ንጉሥ። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣልፋን ኦሜጋን! ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒ ዓለም። ናብቶም ናቱ መጺኡ ንሳቶም ግን ኣይፈለጥዎን። ሎሚ'ኸ ኣነንንስኹም ኣብ ቤትና'ዶ ተቐቢልናዮ ኣለና ንኸውን? ወይስ ማዕጾ ቤትና ዓጺና ዕለተ ልደቱ ነኽብር ኣለና! ናትና ህያብ ናይዞም ኣብ 40ን ኣብ 80 ተጠሚቕና ስመ ክርስትና ዝተቐበልና ንህቦ እንታይ እዩ? እወ ጐይታ ዝደሊ ሕይወትና እዩ። ናትና ህያብ እምበኣር ፍቕሪ። ፍቕሪ ንኣምላክ ፍቕሪንኣሕዋት። ንጐይታ እንህቦ ህያብ ነቶም ዝበደሉና ይቕሬታ ምግባር ኢዩ። እዛ ዕለት መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ ምስ ዝበደልናዮምን ዝበደሉናን ንተዓረቕ።መስፍን ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና እንተልዩ፡ ገበርቲ ሰላም ንኹን።ኢሳ.9፡6። ሽዑ እቲ ኣብዛ ዕለት ዝተዘመረ መዝሙር ኣብ ሕይወትናትርጉም ክረክብ እዩ።   እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታና ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጸሓና! ላእከማርያም - ዘደብረብርሃን ታሕሳስ ፳፰ ፳፻፰

Continue reading

በዐለ ልደቱ ለእግዚእነ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።     በዐለ ልደቱ ለእግዚእነ መዝሙር ዘልደት ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ። ሰላም በ፪ ዮም ተወልደ እግዚእ ወመድኅን […]

Continue reading

ታሪኽ ናይ   ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት    ኣቡነ ተክለሃይማኖት ጻድቅ ትውልዲ ዓዶም  ኣብ ኣውራጃ ሽዋ ዝርከብ ኮይኑ  ዞረሬ ይበሃል።  ስም ወላዲኦም ጸጋዘአብ ስምወላዲቶም ከኣ እግዚእ-ኃረያ ይበሃሉ። ጸጋዘኣብ ካብ እቶም ንቤተክርስትያን ብሃይማነቶም ብርሃን ዝኾኑዋ ወገን ካህናት እዩ። እዞምቅዱሳን ስድራ ውላድ  ስለ ዝደንጎዮም ብዙኅ ይኃዝኑን ይትክዙን ነይሮም፡ ኣማላኽ  ውላድ ክህቦም ከኣ ብዘይ ቀቢጸ ተስፋ  ይጽልዩነይሮም።  ኣብ ከምዚ ትካዘ እንከለዉ ሰይጣን ንመተሎሜ ናይ ዳሞት ንጉሥ ንክፉእ ኣለዓኣሎ ንኣብያተ ክርስቲያናት ከፍርስ፡ ንዝረኸቦ ከኣናብ ጣዖት ክሰግድ ከገድዶም ጀሚሩ። ኵሎም ሰብ ሥልጣን እታ ሃገር ኣንስቶም በብታራ ይህብዎ ነይሮም፡ ካብተን ዝማረኸንምልክዕቲ ሰበይቲ ኣንተረኺቡ ምስኡ የቐምጠን ነይሩ። በቲ ጊዜ ኣብ ምድረ ጽላልሽን ዞረሬን በጽሐ፤ ንኹሎም ክርስቲያናት ከኣቀተለ፡ ጸጋዘኣብ ካብቲ ዝነበረ መዓት ክኽውል  ናብ ቀላይ ኣተወ፡ እቲ ቀላይ  ከም ቤት  መዕቆቢ  ኮኖ፡ ንእግዚእ-ኃረያ ግናወተረሃደራቱ ማረኽዋ እሞ ናብ ንጉሥ ድማ ኣብጽሕዋ።  ንጉሥ ምስ ረኣያ ብመልክኣ ተደነቀ ብልቡ ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ ኣዝዩ ዘጌጸ ክዳውንቲ ኣልቢስዋ ድማ  ናብ ዓዱ ተመልሰ። ነቶምኣዘዝቱ  ከብካብ ክገብሩላ ኣዘዘ እዚ ምስ ሰምዐት እግዚእ ኃረያ  ምስ ኣረሚን ካብ ምውሳብ  መታን ከድኅና  ናብ እግዚአብሔርጸለየት ብኡንብኡ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት መጺኡ ካብ ማእከል እኩባት ሕዝቢ ኣውጽኣ፡ ብብርሃን ክንፉ ተሰኪሙ ድማካብ ምድረ ዳሞት ናብ ምድረ ዞረሬ ኣብጸሓ። ኣብ ናይ ጊዜ ጸሎተ ዕጣን ከኣ ናብ ቤተ ክርስቲያን  ኣእተዋ፡ ጸጋዘኣብ ማዕጠንት ኂዙካብ ውሽጢ  መቕደስ ምስ ወጸ ብምልኩዕ ኣልባስ ዝተሠርገወት ሰበይቲ ደው ኢላ ምስ ረኣየ ተደነቀ  ብልቡ ከኣ  ከምዚ በለእንታይ ደኣላ  እዛ ሰበይቲ፧ ናብዚ’ኸ መን  ኣምጸኣ፧ ጸሎት ወዲኡ ምስ ሓተታ ከኣ ሰበይቱ ምዃና ፈለጠ ኵሉ  ዘጋጠማንእግዚኣብሔር ዝገበርላን ከኣ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ነገረቶ ብድሕር'ዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብለይቲ  ተራእዩ ምስክርነትጽድቁ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝበጽሕ ውላድ ከም ዝወልዱ ነገሮም ። ድኅሪ ሒደት መዓልታት ከኣ  ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተጸንሰ፡ብ24 ታሕሳስ ከኣ ተወልደ ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ኵሎም ኣዝማዱን ከኣ ዓቢይ ሓጎስ ኮነ ፡ ጥምቀተ ክርስትና ክህብዎከለዉ  ፍስሓ ጽዮን ኢሎም ሰመይዎ።  ምስ ተወልደ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ከኣ ከምዚ በለ አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ። እቲ ሕፃን  ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኃይልን ጥበብን ዓበየ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ከኣ ይገብር ነበረ።  ወለዱ ቀለብ ኣብ ዘወድእሉ ጊዜ ብኣጻብዕቱ  ናይ ሓሩጭ መቐመጢ ምስ ተንከፈ ቤቶም ኵሉ ብበረኸት እኽልን ዘይትን መልአ፡  እቶም ነዚ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ኣዚዮም ተደነቑ። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ መዝሙረ ዳዊትን መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንመሃሮ ። ኣቡኡ ማዕረገ ዲቁና  መታን ክቐብኦ ናብ ጳጳስ ኣባ ቄርሎስ ወሰዶ በቲ ጊዜ ኣባ ብንያሚን (ብንያም) ሊቀ ጳጳሳት ናይእስክንድርያ ብመንግሥቲ ዛጔ ብ1090 ናብ ጳጳስ ምስ ኣብጽሕዎ  እዚ ቆልዓ ኅሩይ ኣቕሓ ናይ እግዚአብሔር ክኸውን ኢሉ ተነበየሉ።ሢመተ ዲቁና ተቐቢሉ ከኣ ናብ ዓዱ ተመልሰ ዓቕሚ ኣዳም  ምስ ኣኸለ እንስሳታት ክሃድን ናብ በረኻ ወፈረ እግዚአብሔር ከኣብኣምሳል መንእሰይ ብጽቡቕ ኣምሳል ተራእዮ ከምዚ ከኣ በሎ ኦ ፍቁረይ ኣይትፍራሕ ካብ ሕጂ ሃዳናይ ኣራዊት ኣይኮንካንእትኸውን ናይ ብዙኃት ሰብ ነፍሳት ክትሃድን ኢኻ ስምካ ኸኣ ተክለሃይማኖት ይኹን ኣነ ኣብ ከርሢ ኣዴካ ከሎኻ ከም ኤርምያስነቢይን ዮሐንስ መጥምቅን ኃርየካየ። ዝሓመሙ  ክትፍውስን ኣጋንንቲ ከተውጽእን ሥልጣን ሂበካ ኣሎኹ ኢልዎ ካብኡ ተሰወረ ናብቤቱ ከኣ ኣተወ። ድኅሪ ቅሩብ ጊዜ ከኣ ኣብኡን ኣዲኡን ዓረፉ።ድኅሪ ሞት ወልዱ ኵሉ ሃብቱ  ንድኻታት ሃቦም፡ ገዝኡ ኸፊቱ ገዲፉድማ ብለይቲ ከምዚ እናበለ ወጸ “ ምንተ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኃጕለ’’። ብድኅር'ዚ ሢመተ ክህነትተቀበለ ወንጌል ክሰብኽ  ወሰነ ፡ ብሓደ መዓልቲ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃት ኣጥመቀ፡  ንመምለኽቲ ጣዖታት ኵሎም ሠዓሮም፡ ዘምልኽዎዝነበሩ ኣእዋም ቆራረጾ ኣብኡ ኃዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሃዲሞም ከዱ። ብድሕሪ ሠለስተ ዓመት ካብ ሰማይ  ከምዚ ዝብል ድምጺሰምዐ “ኦ ተክለሃይማኖት ተንሢእኻ ናብ ምድረ ዳሞት ኪድ" ከም ዝተንገሮ ተንሢኡ ከደ፡ ኣብ መንገዲ ጠንቆልቲ መሰርያን ረኸብዎምስ ተኸራከሮም ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአ ብጽኑዕ ሃረምዎ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሕዎ ፡ ምሳጋና ይኩኖ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ከኣ ጉድኣት ዘይብሉ ብጥዕዩ ኣተንሥኦ ፡ ብከምዚ ከኣ 40 ዓመታት ዝኣክል ጸንሐ ስለ ዘይተመልሱ ናብ ኣምላኹ ጸለየብሕይወቶም ከለዉ  ከኣ ምድሪ ወሓጠቶም ናብ ብሔረ ዳሞት ከይዱ ነቶም መሠርያን  ኣጥፈኦም ንጉሥ መተሎሜ እዚ ምስ ሰምዐብጽኑዕ ኣሲሮም ናብኡ ከምጽእዎ ከኣ ኣዘዘ። ንምንታይ ሃገረይ ተናዕባ ኣለኻ ኢሉ ናብ ጸድፊ ኣጽዲፎም ክቀትልዎ ኣዘዘ። ብዙኅ ጊዜኣጽደፍዎ እግዚአብሔር ከኣ ብጥዕዩ ካይተጎድአ ኣተንሥኦ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣዚ ተኣምራት ምስ ገበረ ነቶም መሠርያኑ ኣጥፍኦምበቲ እጹብ ተኣምራት ከኣ ንጉሥ መተሎሜ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ቅድሜኡ ከኣ ምውታት ኣተንሥአ፡ በታ ዕለትእቲኣ ከኣ ብዙኃት ተጠምቁ ንኩሎም ክቐብኦም ሜሮን ምስ ተወድኦ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ኣውረደሉ። ኣብዚ ታቦት ነዞምሕዝቢ ቅዱስ ምሥጢራት እናሃብካ ኣገልግሎም ኢኻ በሎ። ከምቲ ዝበሎ እናገበረ ንንጉሥ መጻሕፍቲ ናይ ነቢያትን ሓዋርያትንእናመሃሮ ጸንሐ። ኣብ ዳሞት ን12 ዓመታት ምስ ጸንሐ ብዕለተ ፋሲካ ናይ ጐይታ፤ ናብ ኣባ በጸሎተ ሚካኤል ኪድ ዝብል ካብ ሰማይመጾ ምስቶም ኣርድእት እናተራድአ ን10 ዓመታት ጸንሐ፡ ብመዓልትን ብለይትን መንፈሳዊ ሓገዝ ይፍጽም ነበረ፡ ከም ግብረ ማህረጽማይ ምቕዳሕ ዕንፀይቲ ምውፋር ዝኣመሰሉ። ምውታት ብምትንሣእን ዝሓመሙ ብምፍዋስን ከኣ ብዙኃ ተኣምራት ይገብር ነይሩ።ጐይታ ከኣ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ናብ ናይ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማእት ሥፍራ ሓይቅ እትበሃል ኪድ ናብ ቅዱስኢየሱስ ሞዓ ንሱ ኣርዑት ሙንኲስና ክህበካ’ዩ" በሎ ተንሢኡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ከም መሬት እናረገጾ ሓለፈ። ኣባ ኢየሱስ ሞዓ ከኣ ልብሰምንኲስና ሃቦ ኣብኡ ከኣ ን10 ዓመት ብዙኅ ተኣምራት ኣናገበረን በብ6000 ሽሕ እናሰገደ ጸንሐ ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣግዚአብሔር ከምዚበሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ተንሢእካ ናብ ደብረ ዳሞ ኪድ ኣብኡ ከኣ ዮሃኒ ዝበሃል ቅዱስ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ካብኡ ከኣቆብዕ ኣስኬማ ውሰድ  ክሳብ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ በሎ።" ቆብዕ ኣስኬማ ወሲዱ ብዙኅ እናተጋደለ ን12 ዓመት ጸንሐ ። ጐይታኣንደገና ተራእዮ ካብ’ዚ ደብሪ  ውጻእ ንኲሎም ኣበምኔታት ናይ ትግራይ ብጻሕ በሎ ካብ ደብረ ዳሞ ብገመድ እናወረደ ከሎ ኣቲገመድ ተበትከ ከም ንስሪ ከኣ ብኣክናፍ ንላዕሊ ወጸ ኵሉ ኣድባራት ምስ በጽሐ ብመልኣኽ ተመሪሑ ብእግሩ  ናብ ኢየሩሳሌምወረደ። ብቅዱሳት መካናት ተባሪኹ  ናብ ገዳማት ትግራይ ተመልሰ። ምስ ኲሎም ቅዱሳን ከኣ ተራኸበ፡ ካልኣይ ጊዜ ሣልሳይ ጊዜ‘ውን ናብ ኢየሩሳሌም ወረደ ኣብኡ ክነብር ‘ውን ደለየ መንፈስ ቅዱስ ግና ናብ ዝተወለድካሉ መሬት ተመለስ ክፍልኻ ኣብኡ እዩ" በሎ ። ምስ ተመልሰ ምስ ኣባ ዮሓኒ ኣብ ደብረ ዳሞ ተራኸበ፡ ናብ ምድረ ቡር ከይዱ ከኣ ምስ ኣባ መድኃኒነ እግዚእ ምንኲስና ዝሃቦጒናጒና ኣብ ዝበሃል ቦታ ተራኸቡ ኣቦ ብዙኃት ክትከዉን ኢኻ ኢሉ  ከኣ ተነበየሉ። ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ሓደ ካባኣቶም  ናይምንኲስና ውልዱ እዩ። ካብኡ ወጺኡ ናብ መካነ ሓይቅ ከደ ካብኡ ድማ ኵሉ ገዳማት እናበጽሐ ምድረ ሸዋ ከደ 16 ዝኣኽሉኣርድእት ምስኡ ተጸምበርዎ ልብሰ ምንኲስና ከኣ ኣልበሶም።  ብድኅርዚ ናብ ግራርያ ከደ ብብዙኅ ገድሊ  ጸንሐ ብመዓልትንለይትን ካብ ገዳሙ ካይወጸ ንጸሎት ይነቅሕ ነበረ፡ ብዘይ ቆጽሊ ከኣ ካልእ ኣይበልዕን ፡ ማይ ጥራሕ ይሰቲ  ነበረ፡ ብዙኃት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብኡ መጺኦም ይምንኲሱ ነይሮም ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ገዛ ብሓደ ይሓድሩነይሮም ሰይጣን ብኃይሊ ጸሎት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ስለ ዝተኣሥረ  ብንጽሕና ብዘይ ገለ ነገር  ይነብሩ ነይሮም።  ኣብ ግዜ ጸሎተቊርባን ብሓደ ይቆሙ ነይሮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብቲ ዝጽልይሉ ቦታ ብየማን ብጸጋም ንሥጋኦም ዝወግእ በላሕቲ ሓፂንውንተኸሉ ደው ኢሎም ጸሎት ስለ ዘንወሑ ሓንቲ እግሮም ተሰብረት ፡ ብሓንቲ እግሮም ቆይሞም ከኣ ን7ተ ዓመታት ጸለዩ ብድኅር’ዚጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹኖ'ሞ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ምስ 12 ሓዋርያትን ጻድቃንንሰማዕታትን ቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ናብኡ መጺኡ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ብሕማመይ ንኣይ መሲልካ ኢኻ‘ሞ ኣብ መንግሥተይክቀምጠካ እየ ካብ ሕጂ ኩሉ ናይ’ዚ ዓለም  ድኻምካ ተወዲኡ እዩ ገድልኻ ተቕቢለዮ እየ ፡ ካብ ሕጂ ናይ ዘልዓለም ሕይወትክትወርስ ነዓ" ኢሉ ኪዳን ኣተወሉ። ስሙ ንዝጽውዕ ተዝካሩ ዝገበረ ብስሙ ምጽዋት ዝሃበ መጽሓፍ ገድሉ ዝጸሐፈ ብጸለቱንዝተኣመነ ኣነ ኣብ ኩሉ መከራኡ ክረድኦ እየ ኃጢኣቱ ከኣ ክሠርየሉ እየ ኢሉ ሰላምታ ሂቡ ናብ ሰማይ ዓረገ ። ኣቡነ ተክለሃይማኖትንቕሩብ ጊዜ ሕማም ውጽኣት ምስ ሓመሙ ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልትን ብሰላም ዓረፉ ብክብርን ብምስጋናን ከኣ  ቀበርዎም።  ጸሎት ልመንኦም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን በረኸቶም ኣይፈለየና።                                                                                    ወስብሐት ለእግዚአብሔር።       […]

Continue reading

ኣዳም ብዝፈጾም በደል ካብ ገነት ኤዶም ምስ ተሰጎገ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን እግዚአብሔር ኣምላኽን ጋግ ተፈጥረ። ኣዳም  ትእዛዝ ብምጥሓሱ ዝጥረዮ ልሕሉሕ ርክብ ብምዉላድ ክርስቶስ  ኣብ ቤተሌሔም ናብ ናቡር ተመልሰ። ምዉላድ ክርስቶስ ኣብ ቤተሌሔም ደቂቀ ሔዋን ምስ  ፈጣሪኣም ከም ዝዕረቁ ገበሮም ፡ እቲ ዘነበረ ርክብ ምስ ኣምላኾም  ዳግማይ ትንሣኤ ክተክል ክኢሉ። ብልደት ዳግማዊ  ኣዳም  ተስፋ ቀዳማዊ […]

Continue reading

ይቅረ ምባልና ረብሓ’ዶ ወይ ክሳራ፧ “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ኤፌ 4፡32 v  ይቕሬታ እንታይ ኢዩ?              ይቕሬታ ሕድገት ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ብነብሱ፡ ብሃብቱ፡ ብቤተሰቡ፡ ብኽብረቱ ኮነ ብኹሉ ንዋዩ ንዝተበደሎ ነገራት ገዲፉ ቂም ካይሓዘ ክነብር ምስ ዝኽእል ይቕረ ኢሉ ወይ ይቅሬታ ገይሩ ይበሃል። ይቕሬታ ቃሉ ናይ ትግርኛ ክከውን ከሎ […]

Continue reading

“ ኣምላኽ ሰማይ ክቅንዓልና ኢዩ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዩ ኢና “ ነህ2፡20           ድሕሪ ምርኮ ናይ ናይ ባቢሎን እስራኤል ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ጽቡቕ ነገር ኣይገጠሞምን ነበረ። ሓደ ነህምያ ዝተባህለ ብእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ሰብ  ብዛዕባ ደቂ እስራኤል ንሓደ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ኣብ ዝሓተተሉ ጊዜ ዝተዋህቦ መልሲ ከምዚ ዝብል ነበረ “እቶምዝደሐኑንእቶምካብምርኮዝተረፉን፡ኣብኡኣብታሃገር ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡መከባብ ኤዮርሳሌምከ አፍሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ ” ነህ 1:3 ዝብል ነበረ እዚ ልቢ ንዘለዎ ኣዚዩ ዘሕዝን መልሲ እዩ፥ ብፍላይ […]

Continue reading

መንፈሳዊ ደብዳቤ ካብ ድያቆን ናብ ሔዋኑ “ ንእግዚአብሔር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና ክትነኣድ ይግብኣ። ፍረ ጻማኣ ሃብዋ፡ ኣብ ባይቶ ድማ ኵሉ ኺንእዳ ግቡእ እዩ “ ምሳ31፡31 መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ብቃል ጥባሮ ንደቂ ኣንስትዮ ኣደናጊሮም  ድሌታቶም ንኽርዉዮ ዝጥቀምዎ  ናይ ሓሶት ናእዳ መሊኡ እዩ። ናይ ገሊኦም እኳ ሕሉፍ እዩ ብደብዳቤ ወይ ኤመይል(Email) ወይ ቴክስት(text) ምሩጻት ቃላት ሓርዮም ዘረብኦም ኣዉቂቦም ንንጹሃት ኣሕዋትና […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።   ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል። ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወልደ፤ እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ) መዝ ፹፮፥፭ (87፥5) ብምባል ብዘይናወጽ […]

Continue reading

ጾመ ነብያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።   ነብያት ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣  ናብ ግብጺ ስደቱ፣ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ምጥማቁ፣ ብትምህርተ ወንጌል ስብከቱ ንጸልማት ዓለም ምብርኁ ፣ናብ ደቒ ሰባት ጸዋእት መከራ ተቐቢሉ ኣብ መልዕለት መስቀል ምስቓሉ ፣ ብዛዕባ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ልደቱን ዳግመ ምጽኣቱን ትንቢት ተዛሪቦም። ብምቅጻል’ውን ንኣዳም ዝተዋኅቦ ተስፋ ተገሊጽሎም ዝተዛረብዎ […]

Continue reading

እዛ እዝኒ ሰመዓት(ወረ)

እዛ እዝኒ ሰመዓት(ወረ) “ ዘረባ ሓማዪ ከም ጥዑም ኵልሶ እዩ፡ ሰብ ከአ ተሓጕሱ ይዉሕጦ” ምሳ18፡8 ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ንፍዕቲ  ሰበይቲ ነበረት። እዛ ሰበይቲ ንደቃ ብስነ-ስርዓት ትኣሊ፡ ንበዓል ቤታ  ደማ ኣዝያ ተፍቅሮ ። ዓመታዊ  ክብረ በዓል  ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንነዳያን ኣብ ቤታ ኣኪባ ብስም ቅዱሳን ጸበል ትገብር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር መንፈሳዊ ንጥፈታት ቀጻሊ […]

Continue reading