ጾመ ነብያት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

 

ነብያት ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣  ናብ ግብጺ ስደቱ፣ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ምጥማቁ፣ ብትምህርተ ወንጌል ስብከቱ ንጸልማት ዓለም ምብርኁ ፣ናብ ደቒ ሰባት ጸዋእት መከራ ተቐቢሉ ኣብ መልዕለት መስቀል ምስቓሉ ፣ ብዛዕባ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ልደቱን ዳግመ ምጽኣቱን ትንቢት ተዛሪቦም። ብምቅጻል’ውን ንኣዳም ዝተዋኅቦ ተስፋ ተገሊጽሎም ዝተዛረብዎ ትንቢት ፍጻሜ ክበጽሓሎም ንፈጣሪኦም ተማኅፂኖም ። በበዘመኖም << አንሥእ ኃይልከ ፈኑ እዴከ ፣ሓይልኻ ኣልዕል ምሕረት ኣእዳውካ ለኣኸልና።>> እንዳበሉ ተማኅጺኖም ።

ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ጊዜ መዓልታት፣ ብሳምንቲ ብኣዋርሕ ዓመታትን ቆጾሩ። ንኣብነት ነብዩ ኤርሚያስ ብዛዕባ ሥጋዌ ትንቢቱ ኣብ ዝተዛረበሉ ኣብ መበል 446 ዓመት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ።

ነብያት ተስፋኦም ኣብ ዘመኖም ተፈጺሙ ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ እንተዘይከኣሉ እግዚአብሔር በቲ ድንቂ ዝኾነ ሥርሑ ብትንቢት መንጽር ርእዮም ብዓይነ ሥጋ ከምዝረኣዩ ኣዝዮም ተሓጎሱ።

ነዚ እዮም ከኣ ንዘመነ ሥጋዌ ቐረባ ዝነበረ ነብየ እግዚአብሔር ኢሣይያስ ጾሙና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከመይ ዓይነት ጾም ክኸውን ከምዘልዎ ዝነግረና። ኢሳ.58-1።

ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ትንቢተ ነብያት ብምፍጻሙ እዚ ጾም << ጾመ ነብያት >> ተባኂሉ። ናይ ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ምዃን፣ ናብ ደቂ ሰባት ተስፋ ዝተመስከረሉ ብሥራት ዝተነግረሉ ስብከት ስለዝኾነ << ጾመ ስብከት >> እውን ይብኃል።

ሰብ ብሓጥያት ዋላ እንተወደቀ፣ ብጥፍኣቱ ደስ ዘይብሉ ፈጣሪኡ፣ ካብ ጥፍኣቱ ክመልሶ፣ ካብ ውድቀቱ ከተንሥኦ። እንተጠፍአ ክደልዮ ከምዝመጽእ፣ ብተስፋ ተጸብይዎ፣ ብመዓልቲ ቆጸራኡ ከኣ ወልደ አምላኽ ሰብ ብምዃኑ ናይ ትንቢት ፍጻሜ ክውን ኮይኑ። ስለዚ ኣዳም ነገረ ልደቱ ናይ እግዚእነ ኢየሱስ ትንቢተ መንጽር ተመልኪቱ (ብናይ ነብያት ትምህርቲን ስብከትን ) ኣብቲ ዝነብረሉ ዓመተ ፍዳ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ብርሃን ካብ ርሑቅ የማዕዱ ነበረ። ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ነገር ብትንቢት መንጽር ምርኣዩ ንመከራኡ ምእንቲ ክኽእሎ ዓቢ ስንቒ ዝኾኖ ተስፋ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ነዚ እዩ ከኣ ብሱባኤ ጸሎትን ነታ መዓልቲ እንዳቆጸረ  ብተስፋ ኣብ ግዞት ዝነብር ዝነበረ።

ክርስቲያን ካብ እግዚአብሔር ብጸጋ ከምዝተወልዱ ብምእማን ንእግዚአብሔር ዘለዎም ፍቕሪ ካብ ዝገልጽሉ ነገራት ሓንቲ ጾም እያ። ጾም ህያብ ፍቕሪ ካብ ምዃን ተወሳኺ ንተኣዛዝነትካ ቃልኪዳን ምሕላውካ ተመስክረሉ እዩ። ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ። ሓጥያት ሠሪሑ ኣምሳል ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ ዋላ እንተኣጥፍኦ እግዚአብሔር ግን ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ክፈጥሮ ማዕረ ክንደይ ከምዝፈትዎ ክገልጽ ዋላ ብሓጥያት እንተወደቐ ብዝወጾ ይትረፍ ከይበለ ክደልዮ መጺኡ። እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ክደሊ ምምጽኡ ተስፋ ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቆጽረሉ ዕለት ንምርኣይ ብምንፋቕ ካብ ዝቀረበ መሥዋእቲ ሓደ ጾም እዩ ኔሩ።

ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ካብ ዘለዎ ፍቕርን ተኣዛዝነት መግለጽን መረጋገጽን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ክንወድቅ ከለና መተሥኢ። ካብ ብልየት መሐደሲ። ካብ ርስሓት ሓጥያት መንጽሂ ( ሓቢሩ ምስ ንስሓ ምስ ዝፍጸም) መጽረዩ ሳሙና እዩ። ሊቐነብያት ሙሴ ኣብ እምባ ሲና እግዚአብሔር ኣብ ዝነብረሉ ድምጸ ቃለ ኣቕርንት ወጽልመት ዘፍርሕ መብረቅን ነጎድጋድን ተጻዊሩ ። ጸልማት ሓሊፉ ኢድ ሰብ ዘይሰርሖ ሰማያዊ መቅደስ ዝረኣየ ናብ ከውሒ ዝቀረበ ንገዛእ ንገዛእ ርእሱ ብጾም ብምቅዳስን ። ፍቕሪ ወገናቱን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተኣዛዝነትን ከምዝለዎ ብተግባር ብምርኣይ እዩ።

ጾም ኣዝዮ ዓበይቲ መንፈሳዊ በረኸት ስለዘውኅብ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ንእዋን ጾም ኣዝዮም እዮም ዝናፍቕዎ።  ካብዞም ኣጽዋማት ሓደ ከኣ ጾመ ነብያት እዩ። ጾመ ነብያት ብተወሳኺ’ውን ጾመ ልደት ፣ጾመ ማርያም ፣ጾመ ፊሊጶስ ተባኂሉ  ከም ዝጽዋዕ አበው ይነጉሩና።

ጾመ ፍትወተ ሥጋ ምስ ኩሉ ድሌታቱ ቆሪጻ ትድርቢ። ንመንፈሳዊ ልዕልና ዘብቅብ ናውቲ ዘዕጥቕ እዩ። ክርስቲያን ነዚ ዝመሰለ መንፈሳዊ ዕጥቒ ከይፍለዮ ኣዝዩ ይልምን። ስልቲ ኵናት ከምዘይብሉ ሠራዊት ኣብ ዓውደ ኩናት ብዘይ ዕጥቂ ዝኣቱ ኣይከውንን። መንፈሳዊ ኵናት ብሥጋዊ ጥበብ ምስዓር ስለዘይከኣል እዩ አበው ፍቅረ ኣጽዋማት ኣብ ኣስተምህርኦምን ኣብ ሕይወቶምን ዝሰበኹልና።  ጾም እዚኦም ብዘኣመሰሉ መንፈሳዊ በረከት ስለዘውኅበና ኩሉ ግዜ ንናፍቖ።
ጾመ ነብያት ንኣዳም ዝተነግሮ ትንቢት፣ ዝጽበዮ ዝነበረ ሱባኤ ከምዝበጽሐ ዘበሥር ብምዃኑ ጾመ ኣዳም ተባኂሉ። ኣዳም ንስሓ ኣትዩ፣ ብምልቅሱ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ ኢሉ ዝተነግረ ተስፋ ምብጽሑ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ ክውን ክኸወን ከምዝቀረበ ዘረድእ እዩ።

ነብያት ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ  ነገር ተገሊጹ ስለዝተረኣዮም ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዝኸፍሎ ናይ ፍቕሪ ዋጋ ብትንቢት ተመልኪቶም ስለዝጾምዎ ጾመ ነብያት ተባኂሉ። እዚ ጾም ዝረሓቐ ኣቅሪቡ፣ ዝረቀቐ ኣጊሊሑ ስለዘርኣዮም ስጋብ ሞት ዋላ እንተተቀጥቐጡ ካብ መከራ ጽንዓት ዝተላዕለ ፍቀዶ በረኻን ኣጻምእን ስንጭሮን ዋላ ከርተት እንተብሉ፣ ማቅ ለቢሶም ሓመድ ነስኒሶም ብጾምን ብጾሎትን ኮይኖም ነቲ ተስፋ ቃል እንዳተጸብዩ ምስ ኣምላኾም ብመንፈስ ተዋኂዶም ሓሊፎሞ እዮም።

ካብዚ ተወሳኺ ሓዋርያት እንታይ ሠሪሕና ናይ ክርስቶስ ልደት ክንቅበሎ ኢሎም ዝጸሙዎ ስለዝኾነ ጾመ ሓዋርያት’ውን ይበኃል እዩ።

ጾመ ነብያት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወልደአብ ጸኒሰ እንታይ ሰርሔ ክወልዶ እየ ብምባል ጾይማ እያ ፣ በዚ ኸኣ ጾመ ማርያም ይበሃል። እዚ ዝበለት ብምድናቅ ሓደ ብትሕትና ሓደ ከኣ ቀደምት ኣቦታት ነብያት ክጾሙ ርእያ እያ ዝጾመት ። ከመይ ጌረ ክወልዶ ምባል ተጠራጢራ ዘይኮነትስ ብምድናቅ ብምግራም ናይ ነገረ ልደቱ ለእግዚእነ ማዕረ ክንደይ ዘደንቅን ክምርመር ከዘይክኣል ምዃኑ እዩ። ። ብኻልእ መገዲ ድማ ትሕትና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድስንኣ ርእዩ ብብሥራተ ገብርኤል መልኣኽ ጌሩ ንክርስቶስ ከምእትወልድ ዋላ እንተነገራ ናይ ትሕትና ኣደ ስለዝኾነት እንታይ ሰሪሐ እየ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ክኽእሎ ክትብል ጾይማ ።

እዚ ጾም ጾመ ፊሊጶስ ይበኃል እዩ። ሓዋርያት ፊሊጶስ ኣብ መንጎ ኣረማውያን ኣትዩ ከምህር ብሰማእትነት ክመውት ሥጋኡ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ስለዝተሠወሮም ንእግዚአብሔር ዝተሠወረ ናይ መምህሮም ሥጋ ክገልጸሎም ካብ ሕዳር ዓሰርተ ሽዱሽተ ጀሚሮም ምስ ጾሙ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ናይ መምህሮም ሥጋ ዋላ እንተተገልጸሎም ምጻሞም ግና ስጋብ ልደት ቀጺሉ እዩ።

ጾም ትእዛዝ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ፍቕርን ናይ በረከትን ምንጭ ምዃኑ ተረዲእና ደስ ኢልና ብፍስሓ ብንስሓ ተሓጺብና ክንጸሞ ይግባእ። ምስ እንጾም ከኣ ናይ ቅዱሳን በረከት ይሓድረና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር  ጾመ ሥርየት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከትን ረደኤትን ኣማላድነትን ኣይፈለየና።

 

 

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ዘተወልደብርሃን

Comments are closed.