በዐለ ልደቱ ለእግዚእነ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

 lidet

 

በዐለ ልደቱ ለእግዚእነ

መዝሙር ዘልደት

ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ።

ሰላም በ፪ ዮም ተወልደ እግዚእ ወመድኅን በፍሥሐ ወበሰላም።

 

ምስባክ ዘነግህ።

 ነገሥተ ተርሴስ ወደሰያት አምኃ ያበውኡ

ነገሥተ ሳባ ወዐረብ ጋዳ ያመጽኡ

ወይሰግዱ ሎቱ ኩሎሙ ነገሥተ ምድር።  መዝ.71-10።

 ወንጌል ማቴ. 1-18- ፍጻሜ።

ምስባክ ዘቅዳሴ።

የሐዮ ወይሁብዎ እምወርቀ ዓረብ።

ወዘልፈ ይጼልዮ በእንቲአሁ።

ወኩሎ አሚረ ይድኅርዎ። መዝ.71፣15።

 ገላትያ. 4፣1-12። 1ይዮሓ. 4፣9-ፍጻሜ። ግ.ሓዋ. 13፣16-22።

ወንጌል፣ ሉቃስ. 2፣1-21።

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ካልእ።

በዐለ ልደቱ ለእግዚእነ 

 << እስመ ናሁ እዜንወክሙ ዐቢየ ዜና ዘይከውን ፍሥሐ ለክሙ ወለኵሉ ሕዝብ። እስመ ናሁ ተወልደ ለክሙ ዮም መድኅን ዘውእቱ ክርስቶስ እግዚእ ቡሩክ በሀገረ ዳዊት። >> << እንሆ ሎሚ መድኃኒኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፣ ንኹሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ የበስረኩም ኣለኹ። >> ሉቃ.2፣11።

 እዚ ዓቢ ብስራት ብመልኣኽ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል  ንኽሉ ፍጥረት ኣዳም ተሰቢኹ።  ኣብ ዓለም ብርሃን ኮይኑ መድኃኒ ዓለም ኣብ ቤተልሄም ተወሊዱ። 

 ቤተልሄም ማለት ቤተ እንጀራ ማለት እዩ። ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ብነብዩ ሳሙኤል ንግሥና ዝተቐብኣላ ቦታ እያ። 1ይሳሙ.16፣3። ኣብ ዘመነ ያዕቆብ ኤፍራታ ብዝብል ስም ትጽዋዕ ኔራ  ቤተልሄም ዘይሁዳ ናይ እሰይን ዳዊትን ከተማ ተባሂላ ተጸውዔት፣ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ስለተወለደላ እያ። 
ኣቦና ኣዳም ትእዛዘ እግዚአብሔር ጥሒሱ ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባኅለ ዕጸ በለስ ምስ በልዐ ካብ ጸጋ እግዚአብሔር ዓረቐ። << አዳም ኮነ አሐዱ እምኔነ። ኣዳም  ከም ሓደ ኻባና ኰነ ።>>  ዘፍ.3፣22። ካብ ሠለስቱ ቅዱስ ሓደ ቅዱስ ወልደ እግዚአብሔር ብዝተፈለየ ኣካሉ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ከምዝኸውን ተዛሪቡ። በዚ ቃል መሠረት ቅዱሳን መላእኽቲ ትንቢት ተገሊጺሎም። እሶም ከኣ ነቲ ዝተገልጸሎም ትንቢት ኃላፍያትን መጻእያትን ንዝዛረቡ ነብያት ነጊሮሞም። ቅዱሳት ነብያት’ውን ካብ እግዚአብሔር ዝረኸብዎ ካብ መላእኽት ዝሰምዕዎ መበገሲ ጌሮም ኣብ ዝተፈላለየ  ዘመናትን ጊዜያትን ብዝተፈላየ ምሳሌያት ወልደ እግዚአብሔር ሥጋዌ ሰቢኾም እዮም። እብ.1፣1።

 ልደት  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትንቢተ ነብያት።

ካብ ዓበይቲ ነብያት ነብየ እግዚብሔር ኢሳይያስ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ። ኢሳ.7፣14። << እንሆ ድንግል ብድንግልና ክትጸንስ እያ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ። ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ። >> ሕዝ.44፣1።

ካብ ደቂቀ ነብያት ከኣ ። ሚኪ.5፣2። ማቴ.2፣6። 

ቅዱስ ዳዊት። መዝ.131 (132)፣6።

ነብየ እምባቆም። ዕን.3፣1።

ድሕሪኡ ምልእተ ዘመን በጽሐ እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኹ፣  ቅዱስ ገብርኤል ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሊኢኹ ብስራት ኣበሲርዋ። ሉቃ.1፣32።

 ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብብዙኅ ኅብረ ኣምሳል ብትንቢት ዝንገረሉ ዝነበረ፣ ሱባኤ ዝተቆጽረሉ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሄም ወሊዳቶ። እዚ ብሥራት ኣብሣረ ትስብእት ዝኾነ ቅዱስ ገብርኤል ነቶም ጓሶት ዘበሰሮም። መድኃኒት ብሩክ መርገም ሥጋ መርገመ ነፍሲ ዘርሕቅ፣ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍሲ ዝዕድል ንጉሠ ነገሥት ወዲ ዳዊት መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱ ኢሉ፣ ኣበሲርዎም። መዝ.131(132)7።

ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ክንዝክር ከለና ክልተ ልደታት ንኣምን። ቀዳማዊን ደኃራዊ ልደት እዮም። እሶም ከኣ፣-

ልደት ቀዳማዊ። ቅድመ ዓለም ካብ አብ < አካል ዘእም ኣካል ባሕርይ ዘእም ባሕርይ።> ካብ እግዚአብሔር አብ ብዘይ አደ ዝተወልዶ ልደት እዩ። << ወለድኩከ እምከርሥ እምቅድመ ኮከበ ጽባህ ። ከምዚብል መዝ.109(110)፣3። መዝ.2፣7። 

ልደት ዳኃራዊ። ድሕሪ (5500) ሓሙሽተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ምፍጻሙ << በሀሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ ።>> ከምዚብል። ካብ ኣዴና ቅድስተ ድንግል ማርያም እምበለ ዘርአ ብእሲ ። ብዘይ አቦ ኣምላኽና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሄም ዝተወልዶ ልደት እዩ።

ወልደ አብ፣ ወልደ ማርያም። ከም እንብሎ ማለት እዩ።

 
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ 
ልደት ሸዱሽተ መስተጻርራን (ተቓረንቲ) ሓደ ኰይኖም እዮም።

ህዝብን ኣህዛብን ። ብጽልእን ክርክርን ይደላለዩ ዝነብሩ ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ተዓሪቆም እዮም። እዚ ከኣ ክፍለጥ ኣቀዲሞም ቤተመቅድስ ብምፍራስ፣ ንዋያተ ቅዱሳት ብምዝራፍ፣ ህዝቢ ብምምራኽ ዝፍለጡ ዝነብሩ ሰብኣ ፋርስ ብናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ምኽንያት አምኃ ወርቒ ፣ዕጣን ፣ ከርቤ < አይቴ ሀሎ ንጉሠ ኣይሁድ>> ብምባል ኣቕሪቦምሉ። ማቴ.2፣4።

ነፍስን ሥጋን። ኣብ ሲዖልን ኣብ መቓብርን ተፈላልዮም ዝንበሩ ነፍስን ሥጋን ፣ ካብ ቅዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋን ሥጋ ፣ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ኰይኑ ነፍስን ሥጋን ኣተዓሪቑ።

ሰብን እግዚአብሔርን። ኣቦና ኣዳም ኣይትብላዕ ዝተባሃሎ ዕፀ በለስ በሊዑ፣ ናይ ሰብን እግዚ አብሔር ናይ ፍቕሪ ርክብ ን5500 ዘመን ተቃሪጹ ዝነበረ ጎይታና መድኃኒና ሥጋ ሰብ ለቢሱ ምስ ተወልደ ሰላምን ዕርቅን ኰይኑ።

 ሰብን መላእኽትን። ኣቦና ኣዳም ምስ እግዚአብሔር ምስ ተባእሰ ቅዱሳን መልእኽቲ’ውን ስለዝተባእስዎ ፣እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ ኣፈራሪሖም ካብ ነገት ኣውጺኦሞ፣ ዳሕራይ’ውን ናብ ገነት ንኸይኣቱ ንገነት ይሕልውዋ ኔሮም። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ግና ብሓንሳብ ኰይኖም ዝማሬ ኣስሚዖም። << ዮም አሐደ መርኤተ ኮኑ መላእክት ወሰብእ ከም ይሰብህዎ ለክርስቶስ።>> ሰብን መልእኽትን ንክርስቶስ ንምምስጋን ሓደ ኮይኖም ከምዝበለ ሊቕ።

 ቤተ ክርስቲያን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደላ ፣ሽዱሽተ መስተጸርራን ሓደ ዝዀኑላ፣ ሰብን መላእኽትን ዝዘመሩላ፣ ብርሃን ዝወረደላ፣ እንስሳት ትንፋሶም ዝገብሩላ ቤተልሄም ብቤተክርስቲያን ትምሰል።

ቤተልሄም። ተፈላልዮም ዝነበሩ ህዝብን ኣህዛብን፣ ሰብ መላእኽትን፣ ነፍስን ሥጋን፣ ሰብን መላእክትን ሓደ ኰይኖም ከምዝዘምሩ ሎሚ’ውን ናይ ፍቕሪ ተምሳል ኣደ ኩሉ ምእምናን ምእመናት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኰይና  ይዝምረላ።   

 ካብዞም ጓሶት እንታይ ንመሃር ?

 ሀ. ትሓትና ተኣዛዝነት። ብትሕትና ማሎም ብለይቲ እንዳሓልዉ እዩ መልኣኽ እግዚብሔር ተገሊጹ ብስራት ዘበሰሮም፣ በቲ ለይቲ ሓደራ ተቐቢሎም፣ ብትሕትና ተኣዛዝነትን ይሕልዉ ስለዝነብሩ ፣ እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ዝተሓቱን ዝተዋረደኡን መጀመርያ ብርሃነ ልደቱ ገሊጹሎም።  

ለ. እምነት ምስ ግብሪ፣ እቲ ብስራት ምስ ሰምዑ ከይደንጎዮ እዮም ንመድኃኒና ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክርእዩ ናብ ቤተልሄም ዝኸዱ። ሎሚ’ውን ንንስሓ ዝኸውን ልቢ ሒዝካ ንብርሃኑ ልደቱ እንተተቀቢልናዮ ዝሰመረ ይኸነልና። 

ሐ. ምስጋና ። እቶም ጓሶት ብዝማሬ ምሰ መልኣኽቲ ብንቅሓት እንዳዘምሩ እዮም ኣመስጊኖም። 

 ንሕና’ኸ ምእመናን ምእመናትን ኩልና  በዓለ ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ኢና ከነብዕሎ ተዳሊና ዘለና ? ናይ ትሕትና ልቢ፣ ተኣዚዝና ቃለ እግዚአብሔር ክንሕሉ፣ ንሕጋጋቱ ክንትግበር።  ካብ ሓጥያት ዓለም ብቆራጽነት ሪሒቕና ብንስሓ ተሓጺብና ናብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ወሲድና፣ ብእምነትን ግብርን ንምንባር።   ካብ ናይ ዓለም ፍትወትን ዳንኬራን ዘይኰነ ብዝማሬ ፣ ቅዳሴ ፣ ስብሓታት ብሰቂለ ህሊና ምስ መላእኽቲ እንዳዘመርና ዲና ክንቅበሎ ተዳሊና ዘለና። ናይ ድኅነት መዓልቲ ሎሚ እያ’ሞ፣ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደስ ዘብል ስራሕ እንዳሰራሕና ካብ ሕጂ ክንዳሎ ይግበኣና።

  ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕጂ’ውን ብርሃነይ ክኅበኩም ይብለና ኣሎ እሞ፣ ልብና ክዓርፍ ሰላም ኅድኣትን ክንረክብ ብንስሓ ተሓጺብና፣ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ተቐቢልና። ድሉዋት ኰይና ክንጸንሕ ኣብ ኩሉ ድኻምና ክድግፈና፣  ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ  በረከቱን ረዲኣቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።     

 

 

                                                                                             ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                              ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                              ወለመስቀሉ ክቡር።

ዘተወልደብርሃን

Comments are closed.