በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን። እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሐንስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን!! ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ቅዱሳት […]

Continue reading

ንስሐ

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ኃጢያትና ንመን ክንንሳሕ ይእዝዘና ᎒  ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ከም ትምህርና ኃጢያትና በሠለስተ ዓይነት መንገዲ ክንናሳሕ ትእዝዘና። ቀዳማይ ምስ ነብስና ብምዝርራብ ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ካህን ብዝርዝር ንንሳሕ ፡ ሣልሳይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላክ ብጸሎትን ብስግዳንን እናተኣሰነና ንንሳሕ።  ቀዳማይ ምስ ነብስና ምንሳሕ ከም ዝግብኣና ዝምህረና እቲ ናይ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ንመልከት። እቲ ናይ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።  2ይ ክፋል ቅዱስ ጳውሎስ በዚ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ናይ መለኰታዊ ምሥጢር ሰባኺ ኮይኑ። ሃናንያ ከምዚ”ሉ ከምዝነግሮ ። “ እቲ ክትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ ዝተራእየካ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን ናባኻ ልኡኹኒ በሎ ።” ግ.ሓዋ.9፣17። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከርግጽ ከሎ “ ከም ሓሳበይ ግና ከምቲ […]

Continue reading

በዓለ ጰራቅሊጦስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67-18 ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22። በዓለ ጰራቅሊጦስ ሎሚ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ትንሣኤ ኣኽቢርና መበል ፦ ኃምሳ መዓልቲ በጺሕና ኣለና።እዚ መዓልቲ ፣ በዓለ መንፈስቅዱስ፣ በዓለ ጰራቅሊጦስ ፣ በዓለ ኃምሳ ተባኂሉ […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን። ምስባክ ዐርገ ውስተ ዓርያም ፄዊወከ ፄዋ ወወሀብከ ጸጋከ ለእ¶ለ እምሕያው እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67፣18 (68፣18) ወንጌል ዮሓ.14፣1-22 ግ.ሓ.2፣1-14 ኤፌ.4፣1-17 1ይዮሓ.2፣1-18 ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ መንፈሳዊ ጸጋኡ ኣብዚ ዕለት ብምልኣት ኣባና ወሪዱ እዩ’ሞ ንመንፈስ ቅዱስ ጣዕመ ዝማሬ ልዕል ልዕል ነብሎ። ዋላ እካ ዝረኸብናዮ ጸጋ ልዕልንኡንምግላጽ ናትና ቃላት ድኹም […]

Continue reading

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን፡፡ ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-በዓቢይ ኀይል ወሥልጣን፤  ኣሰሮ ለሰይጣን-ኣግዐዞ ለአዳም፤ ሰላም- እምይእዜሰ፤ ኮነ-ፍሥሐ ወሰላም፡፡   ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበምድር ወለዘበሰማያት። ቈላ.፩፡፳።   ብእኡ ብደመ መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዐሪቕዎ እዩ። ቈላስ.1፣20።እግዚአብሔር ኣምላኽና ነታ “ሰሙነ ፍሥሐ” እተሰምየት ሰሙነ ሕማማት “ያፈጽመነ ዛተ ሰሙነ በዳኅናወበሰላም፡ ወያርእየነ ብርሃነ ትንሣኤሁ በፍሥሐ ወበሐሴት” ኢልና ከም ዝለመንናዮ፡ ነዛ ሰሙን ብሰላምኣፈጺሙ፡ ናብዚ ዓቢይን ክቡርን በዓል ትንሣኤኡ ስለ ዘብጽሓና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን፡፡ ጐይታናንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንኣዳምን ንደቁን ከም ዜድኅኖም ዚሃቦ ተስፋ ድኅነት ንኽፍጽም፡ፍቕርና ስሒብዎ ሥጋ ድሕሪ ምልባሱ፡ እተን ኣብ መወዳእታ ዝፈጸመን ናይ ድኅነት ሥራሓት፡ ስቕለቱንትንሣኤኡን እየን፡፡ ብስቕለቱ ንጹህ ዝኾነ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ንዓና ካብ ኩሉ ኃጢኣትና ኣንጽሃና፡፡ በቲ ካብ ጎኑ ዝፈሰሰማይ ከኣ ዳግማይ ወለደና፡፡ ብመስቀሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ርደተ መቃብር ርደተ ሲኦል ዘስዕብ ዝነበረ፡ ብጌጋ ናይቲቀዳማይ ሰብ አዳም ዝመጸና ናይ ሞት መርገም ስዒሩ፡ ንሞት ኃይሉን መውግኢኡን መንዚዑ፡ ናብ ገነት (መንግሥተሰማያት) መእተዊ፡ ብእኡ ኣቢልና’ውን ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንኸደሉ መንገዲ ገበሮ፡፡ ብኣካለሥጋ ናብ መቓብር ምስ ኣውረድዎ’ውን፡ ነቶም ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዘመናት ኣብ ትሕቲ ባርነትዲያብሎስ፡ ኣብ ሲኦል ብእግሪ ኣጋንንቲ ይርገጹ ንዝነበሩ ነፍሳት፡ መለኮት ብዘይተፈለያ ነፍሱ ናብ ሲኦል ወሪዱግእዛን (ሓርነት) ሰበኸሎም፡፡ 1ይጴጥ 3፡19። ካብ ሲኦል ናብ ገነት ኣሳገሮም፡፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ንሓዋርያትነጊርዎም ዝነበረ ድማ፡ መግነዝ ፍትሑለይ፡ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ንሞት ስዒሩ ተንሥአ፡፡ እዚ በዓል እቲ ክሰዓርዝነበሮ ኃያልን ናይ መወዳእታን ጸላኢና ሞት ዝተሳዕረሉ በዓል እዩ፡፡ ዕብ 2፡14-16።  ሕጂ ግና እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ ሞት፡ ከምቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝበሎ “ክርስቲያናት ዝረግጽዎ፡ ስኑ ዝረገፈ፡ኃይሉ ዝደኸመ ኣንበሳ” ኮይኑ እዩ፡፡ ስለዚ ሞት፡ ሰማእታት ምእንቲ ስሙ እናመስከሩ ብጥብዓት ዝቕበልዎ፡ ጻድቃንከኣ ብወለንታኦም ናብ ኣምላኾም ኪኸዱሉ ዝምነይዎ መሕለፊ (ፋሲካ) ኮነ፡፡ ብእብራይስጥ ‘ፋሲካ’ ማለት- ‘ምሕላፍ’ ማለት እዩ፡፡ ብግእዙ’ውን፡ “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት ብሂል፡ በዘቦቱ ዓዶነ እሞት ውስተ ሕይወት-ፋሲካማለት ምስጋር፡ ምሕላፍ ማለት እዩ፡ ብኡኡ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገርና ” እዩ ዝብል፡፡ ኣብ ብሉይ ኪዳንእስራኤላውያን፡ ሞተ በኵርን መግዛእቲ ግብጽን ካብ ነፍሶም ንኽሓልፈሎም፡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ዘብዓልዎበዓል እዩ፡፡ ኣምላኽ ብብርቱዕ ቅልጽምን ብኃያል ኢድን፡ ካብ መግዛእቲ ግብጺ ኬናግፎም ምስ ፈተወ፡ አብ ምድሪግብጺ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ተኣምር፡ ንበዅሪ ግብጻውያን ምውቃዕ ነበረ፡፡ እዚ ንበዅሪ ኩሉ ፍጥረት ዚቐትልናይ ሞት መንፈስ ከይትንከፎም ምእንቲ ኪሓልፍ፡ ሓደ ገንሸል ወሲዶም ኪሓርዱን ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ልዳትቤቶምን ክልቲኡ ቀዋምን ኪለኽይዎ፡ ነቲ ሥጋ እቲ ገንሸል ከኣ ብማይ ዝበሰለ ወይ ዝሕላ ዘይኮነ ጠቢሶምኪበልዕዎ፡ ሕቖኦም ተዓጢቖም፡ ክዳኖም ተኸዲኖም፡ ሳእኖም መሊሶም፡ ኣባትሮም ሒዞም እናተሃወኹንኺበልዕዎ ድማ ሥርዓት ተዋሂብዎም ነበረ፡፡ ነዚ ምስ ገበሩ ኸኣ እቲ ናይ ሞት መንፈስ ነቲ ደም እናረኣየ ሓሊፉኸደ፡ ፋሲካ ኰነ፡፡ እዚ ሥርዓት እዚ ንግዚኡ እስራኤላውያን ካብ ምድረ ግብጽ ብኸመይ ከም ዝወጹ ምእንቲክዝክርዎን፡ ደቆምን ደቂ ደቆምን ‹ንምንታይ ኢና ብኸምዚ ዝበለ ሥርዓት እነብዕሎ› ኢሎም ምስ ሓተትዎም በቲሥርዓት ጌሮም ነቲ ዝነበረ ኩነታትን ዜደንቕ ግብሪ ኣምላኽን ምእንቲ ኬዘንትዉሎምን እዩ፡፡ ዘጸ. 12፡1-ፍ.ም። እዚኩሉ ግና ነቲ ኣማናዊ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ ዝነበረ፡፡ ገለ ካብኡ እንተረኣና እኳ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸልናይቲ ብዛዕባ ኃጢኣት መኽሰሲ ዘይተረኽቦ፡ ንጹሃ ባህርይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ፡፡ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ ተታሒዙ ኣብመበል አሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሕራዱ፡ ናይ ጐይታ ምኽሪ ሞቱ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ(ሰኑይ) ጀሚሩ ዓርቢ ከምዝተፈጸመ ምሳሌ እዩ፡፡ ኪመሲ ከሎ ይሕረድዎ ዝበለ፡ ጐይታ ኣብ ጊዜ ሠርክ ከም ዝሞተ ኬረድእ ከሎ እዩ፡፡ ነቲልዳት ምልካዮም ንግዚኡ፡ ንእኡ እናረኣየ መቅሰፍት ምእንቲ ኪርሕቀሎም እዩ፡፡ ፍጻሜኡ ግና ሎሚ ሥግኡንደሙን ንዝቕበሉ ምእመናን ኣጋንንቲ ከም ዘይቀርብዎም ምሳሌ እዩ፡፡ ሳእንኹም ኣብ እግርኹም ጌርኩም ማለትግብሪ ወንጌል እናሠራሕኩም፡ ሕቖኹም ተዓጢቕኩም ማለት ንጽህናኹም ሓሊኹም፡ ኣባትርኩም ሒዝኩምማለት ነገረ መስቀሉ እናሓሰብኩም፡ እናተሃወኽኩም ብልዕዎ ማለት ከኣ ንግዚኡ መንገደኛታት ስለዝኾኑንፍጻሜኡ ግና ዕለተ ሞት፡ መቓብር ኣሎ እናበልኩም ንበሩ ክብል ከሎ እዩ፡፡ “አብድ ውእቱ ዘይሔሊ ዘእንበለመቃብሩ ዘውእቱ ርስቱ፣ ካብታ ርስቱ ዝኾነት መቓብሩ ካልእ ዝሓስብ ዓሻ እዩ።” ከም ዝበለ ኣረጋዊ መንፈሳዊ፡፡ዐጽሙ ኣይትስበሩ ማለቱ ብዕለት ዓርቢ ናይቶም ክልተ ፈያት መሓዅልቶም ክስበር ከሎ፡ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ግና ‹ ኢሰበሩ ቍይጾ › ከም ዝበለ ዓጽሙ ከም ዘይተሰብረ ምሳሌ እዩ፡፡ ዮሓ. 19፡33። ደራሲ ናይ መልክአኢየሱስ ከም ዝበሎ “በዓለ ትንሣኤ ፋሲካነ ዝንቱ፡ እስመ ሥርዓቱ ለእስራኤል ውእቱ።”  እቲ ናይ እስራኤላውያንፋሲካ፡ ናትና ናይ ትንሣኤ በዓልና እዩ፡፡ ብትንሣኤ መርገምን ሞትን፡ ኃጢኣትን ሲኦልን ስለ ዝሓለፈልና ትንሣኤፋሲካና እዩ፡፡ ፋሲካ ብትርጉሙን ብምሳሌኡን ንትንሣኤ ስለ ዜርኢ ኸኣ፡ ንትንሣኤ ፋሲካ እናበልና ነብዕሎ ኣሎና፡፡ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ባህረ ሓሳብ ዝሠርዕ ድማ፡ (ከባቢ 280 ዓ.ም.) ኩሎምክርስቲያናት ንበዓለ ትንሣኤ ኣብ ዕለት ፋሲካ ኣይሁድ፡ ወይ ከኣ ኣብታ ድሕሪኣ እትውዕል ሰንበተ ክርስቲያን (እሁድ) የብዕልዎ ነበሩ፡፡ ብድሕሪኡ ግና ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት እተሰማምዓሉ፡ ኣብ መንበረ ዲሜጥሮስ ዝተሰየመ ናይእስክንድርያ ፓትርያርክ፡ ናይ በዓል ደብዳበ (Festal Letter) ናብ ኩሉ ኪሰድድ እሞ ብሓደ ኬብዕላኦ ናይ ነዊሕ ዘመንልምዲ ነበረ፡፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ካብ መስቀል ኣውሪዶም፡ኣብ ሓዲሽ መቓብር ምስ ቀበርዎ፡ ኣይሁድ “ ክትንሥእ እየ ብል ነይሩ እዩ እሞ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲመጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ዝገደደ ስሕተት ከይኸውን፡ እቲ መቓብር ንሠለስተ መዓልቲ ብጽኑዕ ይተሓሎ።” ኢሎምንጲላጦስ ነጊሮም፡ ነቲ መቓብር ማኅተም ገበሩሉ፡ ብብዙሕ ሠራዊት’ውን ከም ዝሕሎ ገበሩ፡፡ ጐይታ ግና ካብመስቀሉ፡ ብኣካለ ነፍስ ናብ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብ ሲኦል ብሃረርታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ነፍሳት “ሰላምለኩልክሙ” ኢሉ ናይ ሓርነት ብሥራት ኣወጀሎም፡፡ “እመስቀሉ ወሪዶ ውስተ ሲኦል ሙቁሓነ ፈትሐ፡ ሰበከ ሎሙግዕዛነ” ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ፡፡ “ዐረገ ውስተ ኣርያም ጼዊወከ ጼዋ ። ነቶም ምሩኻት ማሪኽካ ናብኣርያም ደየብካ። ” ንዝብል ትንቢት ዝፈጸመ ጐይታ፡ ንሲኦል ጥራሓ ኣትሪፉ፡ ነቶም ነፍሳት ናብ ገነት ኣእተዎም፡፡ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ናይ ትንሣኤ ትምህርቱ (Paschal Sermon) “ሲኦል ተሳዒራ እያ እሞ ብርቱዕ ሓዘንሓዘነት፡ ሲኦል ተዋሪዳ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ጥራሓ ተሪፋ እያ እሞ ሓዘነት፡ ሲኦል ተደርቢያ እያ እሞ ሓዘነት፡ሲኦል ብመቝሕ ተኣሲራ እያ እሞ ሓዘነት፡፡ ንሳ ንሥጋ ዝወሰደት መሲልዋ ምስ ኣምላኽ ፊት ንፊት ተራኸበት፡ምድራዊ ናብኣ ዝኣተወ መሰላ ንሱ ግና ሰማያዊ ኮይኑ ጸንሓ፡ ነቲ ዝረአ ወሲዳ ኣብ ኢድ እቲ ዘይርአ ወደቐት፡፡” በለ፡፡ጐይታ ነዚ ዕዮኡ ምስ ወድአ፡ ከምቲ ብትንቢትን ብምሳሌን ዝተነግረሉ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ብኃይሊ ሥልጣኑተንሥአ፡፡ ነዚ’ውን ኣቐዲሙ “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ከሕልፋ፡ መሊሰ’ውን ክወስዳ እየ… ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋእምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን፡፡ በጃ ከሕልፋ ሥልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ክወስዳ’ውን ሥልጣን ኣሎኒ፡፡” ኢሉ ከምዝተዛረበ፡ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ዝጸቐጥዎ እምንን ዝሓተምዎ ማሕተምን ከይሓዞ፡ ከምቲስኻር ዝሓደጎ ኃያል ሰብን፡ ከም ካብ ድቃስ ምብርባርን ተንሥአ፡፡  ዮሓ. 10፡17-18። መዝ,77-65 ) ሞት ከምቶምቀዳሞት ሰባት ንዕኡ’ውን ኪሕዞ ሓሰበ፡፡ ንሱ ግና ብፍቓዱ ደኣ እምበር፡ ሞት ኪሕዞ ዘይክእል ኃያል ኣምላኽስለዝኾነ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ፡ ንሞት ቀቲሉ ተንሥአ፡፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው “ወበከመከይሲ ዘኮነ ያመልክዎ ሰብአ ባቢሎን ሶበ ውህጠ መብልዐ ዘመጠዎ ነቢይ ተሠጥቀ እማእከሉ፡ ከማሁ ተሰጥቀሞት ሶበ ውህጠ ሥጋሁ ለእግዚእ፥ ወሶበ ውህጠ ውእተ ሥጋ ቅዱሰ ሠጠቀ ከርሶ ወተንሥአ እሙታን ሕያወ።” “ከምቲ ሰብ ባቢሎን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ኣራዊት፡ ነቲ እቲ ነቢይ (ዳንኤል) ዝሃቦ መብልዕ ምስ ወሓጦ ካብ ማእከሉዝተጨደ፤ ከምኡ ሞት’ውን ናይ ጐይታ ሥጋ ምስ ወሓጠ፡ ነቲ ቅዱስ ሥጋ ምስ ወሓጦ፡ ከብዱ ጨደዶ፡ ካብ ሙታንድማ ህያው ኮይኑ ተንሥአ” ብምባል ጐይታ ንሞት ከመይ ከምዝሰዓሮ ይገልጽ፡፡ (ሃ.አ. ፷፯፡፲፰)  ምትንሥኡ ኸኣ ከምቲ ኣብ መልክአ ኢየሱስ “ዐቀብተ መቃብር ኣዕላፍ እንበለ ይስምዑ ቀርነ ጽዋዔ” ዝተባህለ፡ብሕቱም ደንግልና ከም ዝተወልደ ካብ ሕቱም መቓብር እዩ፡፡ እቲ ነቶም ሓለውቲ ከም ምውታት ዘውደቖምንራዕራዕ ዘበሎምን “ዐቢይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ግና፡ እቲ መልኣኽ ኪወርድ ከሎ ደኣ እምበር ጐይታ ኪትንሥእ ከሎምዃኑ ኣይንረክብን ኢና፡፡ እቲ ብዛዕባኡ እተነግረ “ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር፡ እሬሲ መድኅኒተ ወአግህድቦቱ።”፡ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ጸሩ።” ወዘተ ዝብል ትንቢታት ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ተፈጸመ፡፡ እቲሰማያትን ምድርን ኪጾርዎ ዘይከኣሎም ኣምላኽ፡ ኣብ ከርሠ መቃብር ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ሓዲሩተንሥአ፡፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከም ዚትንሥእ ብትንቢት፡ “ወበሠሉስ መዋዕል ይሤርየነ ወያሐይወነ-ብሳልሰይቲመዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና እዩ፡፡ ኣብ ቅድሚኡ’ውን ብሕይወት ክንነብር ኢና።” ሆሴ. 6፡1-2። ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ፡፡ምሳሌኡ ኸኣ፡ አብርሃም ንይስሓቅ ብሕሊናኡ ምስ ሠውኦ፡ ኣብ ሣልቲይ መዓልቲ ሕያው ኮይኑ እዩ፡፡ ከምቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝተዛረቦ’ውን “ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓቢይ ዓሳ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትንከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን” ገይሩ እዩ፡፡ ዘፍ.22፡2.4.12። ት.ዮና.2፡1 ማቴ. 12፡40።  ሠለስተ መዓልቲ ናይ ምዃኑ ምሥጢር ከኣ፡ ጐይታና […]

Continue reading

መቅደሰይ ፍርሑ ዘሌ 26:2

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ ንዕኡ ዝኣምኑ ምእመናን ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን በረከትን ንደቁ ዝዕደለሉ ቤት እዩ። ደቂ ሰብ ቤተመቅደስ ሰሪሖም ሥርዓት ብዘለዎ መንገዲ ንፈጣሪኦም ንኸመስግኑ ዝኣዘዘ ዝመሃረ ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር እዩ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ ከአ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ኣብ ኩሉ ዝርከብ እግዚአብሔር  ነቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ምእንቲ ክሕልዎምን ክባርኾምን ስለዝፈቀደ "ኣብ ሞንጎኹም ምእንቲ ክሓድር መቅደስ […]

Continue reading

ጾመ ነነዌ

በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11። ካብ ሰኑይ የካቲት 15 ስጋብ የካቲት 17 (Monday, February 22- February 24) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።  ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና።  ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽውን ኣብ ዘመነ ሓዲስኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ […]

Continue reading

ገጸ በረኸት

ይዝከረኒ እቲ እዋን ቅድሚ ክልተ ዓመት ድሮ በዓል ልደት እዩ ዝነበረ፡ነታ ብልቢ ዝፈትዋ ራሄል መሓዛይ ህያብ ክዕድግ ኢለ እየ ብኣግኡ ካብ ስራሐይ ወጺአ፡ንዓኣ ዝኸውን ኪቡር ህያብ ንምድላይ ድማ ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን ኪናጠር ጀመርኩ ። እታ ዝነበረት ምውቅቲ ጸሓይ ግዜኣ ኣኺሉ ቦታኣ ንጸልማት ኣረኪባ ኪትእለ ጀመረት፣፡ ምስቲ ጸላም ዝመጸ ዒፍዒፍታ ድማ መሬት ናብ በረድ ተለወጠ፡ሳላ […]

Continue reading

ንኣፍልጦ

እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምንታይ ብሥጋ ተገልጸ፧ ግብሪ ሰይጣን ከፍርስ። /1ይዮሓ. 3፣8/ ንዝጠፍአ ክደሊ ንዝተጎድዐ ክፍውስ። /ሉቃ .19፣10/ ንዲያብሎስ ካብ ስልጣኑ ክስዕር። /እብራ 2፣14-18/ ሓጢያተኛታት ከድኅን /1ይዮሓ. 1፣15/ ስለ ሓቂ ክምስክር።  /ዮሓ. 18፣37/ ትንቢት ነብያት ክፍጽም።  /ሉቃ. 24፣48/ ድኅነት ክሰብኽ።  /ሉቃ. 4፣17/ ናይ ዘለዓለም ህይወት ክህበና። /ዮሓ.3፣16/ እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ በኸመይ መንገዲ ተገልጸ፧ ሰብ […]

Continue reading