በዓለ ጰራቅሊጦስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

ዐረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ

ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው

እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ። መዝ.67-18
ኤፌ.4፣1-17። 1ይዮሓ.2፣1-18። ግ,ሓዋ.2;-1-14: ዮሓ.14፣1-22።

በዓለ ጰራቅሊጦስ

ሎሚ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ትንሣኤ ኣኽቢርና መበል ፦ ኃምሳ መዓልቲ በጺሕና ኣለና።እዚ መዓልቲ ፣ በዓለ መንፈስቅዱስ፣ በዓለ ጰራቅሊጦስ ፣ በዓለ ኃምሳ ተባኂሉ ይጽዋዕ።

ጲራቅሊጦስ ማለት በልሳነ ጽርዕ “ መጸናንዒ” ማለት እዩ። ካብ ሰለስቱ ኣካላተ ሥላሴ ሓደ ዝኾነ ንመንፈስ ቅዱስ ዝወኃብ ስያሜ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ በዓለ ኃምሳ ንቤተ ክርስቲያን ብኣሚነ ሥላሴ ኣጽኒዑ ንኹሉ ዓለም ናብ ሓቒ ንኽመርሓ ምውራድ ዘመልክት እዩ።

ብተወሳኺ ሊቓውንቲ ቤተክርስቲያና ከምዝትርጉምዎ ጰራቅሊጦስ ማለት መንጽሒ ፣ ዘንጽኅ። መጽንዒ ፣ ዘጽንዕ፣ መስተፈሥሒ (ደስታ ዝኅብ) ፣ መስተሥርይ ( ንኃጢያትና ይቕረ ዝብል) ፣ ናዛዚ ( ዘረጋግእ) ፣ ከሣቲ፣ ምሥጢር ዝገልጽ ዝብል ትርጉም ይኅብ። (መጻሕፍተ ሠለስቱ ሐዲሳት፣ ገጽ ፪፻፹፫)። እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጭቃ ሓጥያት ዝወደቁ ከምዘንጽሆም፣ ኣብ መንፈሳዊ ተጋደሎ ዘለዉ ኩሎም ኣብ ኩሉ መከራኦም ከምዘበርትዖምን ዘጽንዖምን፣ ንዘይተረጋግኡ ዘረጋግእ፣ ዝሓዘኑ ከምዘጸናንዖም፣ ዝደኹሙ ከምዘበርትዖም፣ ዝተከዙ ሐሴት ከምዝኅብ ዘረድእ እዩ። ሰማእታት ናብ ደም ፣ መንኮሳት ናብ ገዳም፣ ማኅበር ክርስቶስ ናብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ልቦናኦም ኣበጋጊሱ ዝመርሕ እሱ እዩ። መንፈስ ቅዱስ። ዮሓ፣16፣12። ፲፮፥፲፪።

ናይዚ ዕለት ስያሜ ብሓደ ወገን ካብታ ኣማናዊት ዕለት ትንሣኤ ጀሚርና ስጋብ ሕጂ ዘሎ ዘሕለፍናዮ መዓልታ ከመልክት ከሎ፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ኣብዚ ዕለት ዝተፈጸመ ሓደ ዓቢ ነገር ከም ዘሎ የመልክተና።

ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግ.ሓዋ. ምዕ .2። ኣብዚ ዕለት ዝተፈጸመ ነገር ብዝርዝር ጺሒፍዎ፣ ታሪኹ ከኣ ። ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዛሙርቱ ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ቤተ ማርያም ኣደ ማርቆስ ኣብ ጽርሐ ጽዮን ተኣኪቦም ከለዉ ብዘፍርሕ ድምጺ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ብዝተመቃቐለ ልሳን ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተመልኡ፣ በዚ ኃይል'ውን ኣብቲ እዋን ካብ ዝተፍላለየ ማእዘን ክፍለ ዓለም በዓለ ሰዊት ንምኽባር ተኣኪቦም ዝነብሩ ሰባት ንኹሎም ብቋንቃኦም ከምዝተዛርረብዎም ንርዳእ። ኣብዚ እዋን ዝነብሩ ሰባት ገሊኦም ዝብልዎ ስጋብ ዝጠፍኦም በቲ ዝተገብረ ተኣምር ክግረሙ ከለዉ፣ እቶም ካልኦት ድማ ብጒዕ ሜስ ሰኺሮም እዮም ዝዛረቡ ዘለዉ መሲልዎም ምግጋዮም። ዳሕራይ ግና ሊቐ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ናይ ነብዩ ዮኤል ትንቢት ብምጅማር ከምዘስተምኃረ ብትምህርቲ'ውን ስጋብ ሰለስተ ሺሕ ዝኣኽሉ ሰባት ኣሚኖም ከምዝተጠምቁ ናብ ማኅበር ሓዋርያት'ውን ከምዝኣተዉ ንርዳእ። ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ ደቂ መዛሙርቱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልኡ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ከለዉ እዮም። እዚ ዝዀነ ሃንደበት ወይ ኣጋጣሚ ዘይኮነ ቅድሚ እዛ ዕለት ዓሰርተ መዓልቲ ኣቀዲሙ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ከይዓረገ ከሎ። << እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኣርያም ኃይሊ ኽሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢዮርሳሌም ጽንሑ በሎም። >> ሉቃ.24-49። ኢሉ ኣዚዝዎም ስለዝነበረ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ ምፍጻም ብሓድነት ኮይኖም ዝጸበዩ ነበሩ። ንፈተውቱ ዝኃቦም ተስፋ ዘየትርፍ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ዓስራይ መዓልቱ ድሕሪ ዕርገቱ ካብ ሰማይ ኃይሊ ሊኢኽሎም።

ወንጌላዊ ሉቃስ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልእሉ ክገልጽ ከሎ << እተመቓቀለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ ኩሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም >> ግ,ሓዋ.2፣2-3። ብምባል ገሊጽዎ እዩ። ንምዃኑ ንደቀ መዛሙርቱ ንምንታይ መንፈስ ቅዱስ ብዝስማዕ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ድምጺን ብዝረኣይ ናይ እሳት ኣምሳልተመሊኦም ? ብጸጥታ ኣይተመልኡን። ኢልና ንሓትት ንኸውን። እዚ ዝዀነ ብእዋኑ ኣብ ቦታ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ጥቕሚ እዩ። ኣብ ላዕሊ ብውስኑ ከም ዘረኣናዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላተ ዓለማት ዝነብሩ ኣይሁድ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቓዱ ሞይቱ ንሞቱ ሲዒሩ ዝተንሥኣሉ ዕለት። ኣብቲ እዋን ናቶም ዘኽብርዎ ካብ ዝነብረ በዓለ ፋሲካ (ሰዊት) ጀሚሮም ንኃምሳ (50) መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ኢዮርሳሌም ይእከቡ እዮም። በዓለ ፋሲካ ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ነጻ ዝወጹላ ዕለት መዘከርታ ክትከውን ከላ ንተኸታታሊ ኃምሳ (50) መዓልቲ ኣብኡ ጸኒሖም ኣብ መበል 50 (ኃምሳ) መዓልቲ ንበዓለ ሰዊት ኣኽቢሮም ይፈላለዩ። በዓለ ሰዊት ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብ ምድረ ከንኣን ንመጀመርታ ግዜ ሰዊት ዝበልዕሉ ወቅቲ (እዋን ) ብምዃኑ ነዚ ዝዝክርሉ፣ ብበዓመቱ'ውን ካብቲ ዝዘርእዎ እኽሊ ሰዊት እንዳበልዑ፣ ስለዝኃቦም እቶት ንእግዚአብሔር ዘመስግንሉ በዓል እዩ። ኣይሁድ ናይ ደቂ መዛሙርቱ ኣስተምህሮ ብሰማያዊ ኃይሊ እምበር ብሰብኣዊ (ምድራዊ) ከምዘይኮነ ተረዲኦም ንትምህርቲ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣቓልቦ ክኅቡ ደቂ መዛሙርቱ ሰማያዊ ኃይሊ ክቕበሉ ከለዉ ንዕዖም ብዝረኣይን ብዝስምዓን መገዲ ተኣምራታዊ ምልክት ጌርሎም። ዓቢ ናይ ቤተክርስቲያና ኣቦ ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ኣይሁድ ድሕሪ እዚ ኩሉ ተኣምር እንኳን ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ቋንቋ እንዳተዛረቡ ኮይኑ ግና ንሶም በብናይ ሃገሮም ቋንቋ ምስምዖም ንደቂ መዛሙርቱ ስኽራን እዩ ካብ በሉ። ዝተገብረ ተኣምር (ናይ መንፈስ ቅዱስ ብዝስማዕን ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ድምጺን መልክዕ ምውኃቡ) እንተዘይርእዮ እሞ እንታይ ምስ በሉ ብምባል ናይ ኣይሁድ ትሪ ልቢ ይገልጽ።

ርደተ መንፈስ ቅዱስ
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሚእትን ዕስራን ቤተ ሰብእ ብዝነገሮም መሠረት ፣ ኣብ ቤተ ማርያም ኣደ ማርቆስ ሓይሊ ካብ ኣርያም ክሳብ ዝለብሱ ተኣኪቦም ነበሩ። ብትዕግሥቲ ካብ ምጽባይ ወጻኢ፣ መንፈስ ቅዱስ መዓስ ከምዝወርድ ኣይፈልጡም ኔሮም። ከምቲ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ዝበሎ “ ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ድሃይ መጸ፣ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንዝብላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፣ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ።” ግ.ሓዋ.2፣2-3፣፪፡፪-፫። ዝበለና ነዚ እዩ።ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ መበል ዓስራይ መዓልቲ ንሕና ብዝሰምዖ ዓይነት ዘይኮነ፣ ካብ ሰማይ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ሰማይ ድሃይ መጸ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፣ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ብበደልና ምኽንያት ካባና ሪሑቑ ዝነበረ ሕጂ ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ስለዝተዓረቐና ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተቐመጠ። መጥምቑ ዮሓንስ “… ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። ” ዝበሎ ተፈጸመ። ማቴ.6፣11። ማቴ.፫፡፲፩። ኃይሊ ዝኾኖም ሃብቲ፣ ሃብቲ ዝኾኖም ፍልጠት ናቶም ገበሩ።

ኩሎም ድማ ብሰብዓን ክልተን ቃንቃታት ክዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ዘመነ ዔበር ዝነበሩ ደቂ ሰባት ብዝገበርዎ ግብሪ ፣ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ካብ ልሳኖም ደባሊቆምሎም። ደቒ ሰባት ድማ ድሕሪኡ ሓድነቶም ኣጥፊኦም ፋሕፋሕ በሉ። ዘፍ.11፣6-9፣፮-፱።

ሕጂ ከኣ እቶም ዝተበተኑን ፋሕፋሕ ዝበሉን ሓደ መጓሰ ክገብሮም ምእንቲ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብሰብዓ ክልኤ ቋንቋ ክዛረቡ ወንጌለ መንግሥቲ ከምዘምኅሩ ጌርዎም።

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ድሕሪ መንፈስ ቅዱስ ምውራዱ

1. ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምፍጻምቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎታ ኩሉ ትፍጽሞ ብምሥጢረ መንፈስ ቅዱስ ፈጻምንት እዩ። እዚ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናትና ሥጋ ተዋሂዱ ብመከራ ዝተቀበሎ ሞቱ ናትና ናይ ምድኃንና ተስፋ እዩ። እዚ ተስፋ ንረኽቦ ድማ ብምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ንብሎም ካብ ምሥጢራተ ጥምቀት ስጋብ ምሥጢረ ቀንዲል ዘለዉ ሸውዓተ ክዀኑ ከለዉ ፣ ካብዚኦም ማእከል ሓደ ህጻን ወይ ሓደ ካብ ኢኣማኒ ናብ ኣማኒ ዝተመልሰ ሰብ ክፍጽሞም ዝግብኦ ሠለስተ ድኅነተ ጸጋ ንረኽበሎም ምሥጢራት እዮም። እዚኦም ከኣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ሜሮን ፣ምሥጢረ ቁርባን እዮም። ብዘይ እዚኦም ምሥጢራት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድኅነተ ጸጋ ንዋላ ሓደ ኣይበጽሖን እዩ። እዚኦም ምሥጢራት ንናይ ዘልዓለም ሕይወት ዳግማይ ንሕደሰሎም እዮም፣ ቲቶ.3፣3-5። ብምሥጢራት ዝርከብ ምሕዳስ ድማ ዝፍጽሞ መንፈስ ቅዱስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ከመይ ከምዝፍጽሞ ብኣና ኣእምሮ ክምርመር ኣይከኣልን እዩ። ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ክንምርምር ንሕና ፍጡራቱ ዓቅሚ ስለዘይብልና። ካህን ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ነዚ ዝቐረበ ኅብስትን ወይንን ሓቐኛ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክስርቶስ ሥጋን ደምን ዝቅይሮ ብመንፈስ ቅዱስ ፈጻሚኒት ብምዃኑ ኣብ ቅዳሴ መጀመርታ << እዚኣ ሰዓት ኣዝያ ተፍርሕ እያ መንፈስቅዱስ ካብ ሰማይ ሰማያት ወሪዱ ንመሥዋእቱ ዘኽብረላ እያ…።>> ብምባል ዘረድኣና።

2. መንፈሳዊ ተጋድሎ ንምፍጻም ዘብቅዓን ኃይሊ ንኣማንያን ምኃብ።

ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ሓጋዚ መንፈሳዊ ተጋድሎ ስጋብ መፈጸምታ ክትበጽሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሰብኣዊ ዓቅምና ንፈተና ተጻዊሩ ስጋብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዘይኽክእል ድኹም እዩ። ስለዚ ካብ ዕለተ ጥምቀትና ጀሚሩ ብጸጋኡ ዘይተፈለያና ኩሉ ግዜ ምሳና ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ዘመና ኩሉ ኃይልን ብርታዐን ብምኅብ ክንጸንዕ ብምግባር ብሰብኣዊ ዓቅምና ክንበጽሖም ዘይንኽእል መንፈሳዊ ዕቤትን ዓወታትን ክንረኽቦም ይገብረና።

ኣብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ደቂ መዛሙርቱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ንርእዮ ነገር እዚ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ቅድሚ በዓለ ሓምሳ ጰራቅሊጦስን ድሕሪኡን ዝተፈለዩ ፍጡራት እዮም ኮይኖም። ቅድሚ ጰራቅሊጦስ ፈርሓት፣ ጎደሎ እምነት ፣ ዝነበሩ ክዀኑ ከለዉ፣ ድሕሪ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምቅባሎም ግና እዞም ዝተጠቅሱ ድኽመታት ኩሎም ጠፊኦም ፣ትቡዓትን ሙሉእ እምነት ሓደሽቲ ፍጡራት እዮም ኮይኖም። እዚ ኩሉ ዝዀነ ብዝተቐበልዎ ጸጋ እዩ።

ሎሚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራዳኢነት ምስ ኩልና ኣሎ። ብጸጋኡ ኩሉ ግዜ ይበጽሓና እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝፈልየና ነገር እንተሎ ዋላ ካብ ቅድም እንተሪኢና ናብ ሰብ በደል እዩ ብሓጥያትና ካብ መንፈስ ቅዱስ ንፍለ። ሎሚ'ውን በድልናን ሓጥያትናን ቅዱስ መንፈስ ካባና ክርሕቅ ይገብሮ። ንሕና ብንነብረሉ መገዲ መንፈስ ቅዱስ ይቐርበና ወይ ይርሕቐና። ብንጽሕና ንገዛእ ርእስና ሓሊና ፣ካብ ሓጥያት ብምርሓቅ ናይ ጸጋኡ ተኻፈልቲ ንምዃን የብቅዓና ።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ጸጋኡን የብዝሓልና። ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለወስቀሉ ክቡር።
ዘተወልደብርሃን

Comments are closed.