ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11።)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሐንስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን!!

ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ቅዱሳት በዓላት ምኽባርን ምብዓልን ካብ እትጅምር ብዙሕ ዘመናት ኣቑጺራ ኣላ። ናይ  በዓል  ኣበዓዕልኡ  ድማ  ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ኣብ ናይ  ቅዱሳን ኣበዉ  ትውፊት ብሰፊሑ ተነጊሩ ኣሎ። በዓላት ምኽባር ፥ንኣጀማምርኦም ጥንቲ፡ ንኣከባብርኦም ድማ ምኽንያትን ሥርዓትን ኣለዎም። ነዚ ከኣ  ብናይቲ በዓል ብዓል ቤትን ኣፈጻጽምኡን ምርዳእ ይከኣል።   ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ምኽባር በዓላት ዝተጀመረ በቶም መጀመርታ ጐይታ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓረዮም ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት እዩ። ንሳቶም መጀመርታ በታ ጐይታ ዝተንሥኣላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ማለት ብዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት እናተኣኻኸቡ ቅዱስ ቃሉ ብምምሃር፡ ቅዱስ ምሥጢሩ (ሥጋ ወደሙ) ብምስታፍ፡ ንሽጉርን ድኹምን ብምርዳእን………ወዘተረፈ መንፈሳዊ ምግባራት እናሰርሑ ብምቑራስ እንጌራን ሓቢሮም በዓሎም የኽብሩን ብደስታን ሓጎስን የሕልፍዎን ነበሩ። (1ይ ቆሮ16፥1። 1ይ.ቆሮ11፥17-26, ። ግ.ሓዋ.2-43-47 ። ካብዚ ናይ በዓል ኣጀማምራን ኣገባብ ኣበዓዕልኡን ኣከባብሩን ብመጠኑ ምርዳእ ይካኣል። መንፈስ ኣምላኽ ዝሓደሮ ሓዋርያ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳዉሎስ ደጊሙ፥ “ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊኡ እዩ፥ ስለዚ በቲ ኣረጊት መባዂዕቲ ወይ ብመባኹዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበኹዐ እንጌራ፥ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር ።” ኢሉ ኣሎ 1ይቆሮ.5፥7-8።

ናይ ብሉይ ኪዳን በዓላት ንሓድሽ ኪዳን በዓላት ጽላሎት ወይ’ዉን ተምሳል እዩ ዝነበረ እምበር ባዕሉ ኣካል ኣይነበረን ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ፥ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳዉሎስ÷ “ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ስርቂ ወርሕን፥ ሰናብትን ዝመጸ፡ ሓደ እካ ኣይፍረድኩም፥ ድሕሪ ምባሉ÷ እዚ ኹሉ ናይቲ ኪመጽእ ዘለዎ ጽላሎት እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ክርስቶስ ማለት እቲ ኣካል ግና እቲ ብክርስቶስ ኣብ ክርስቶስ ኮይና እነብዕሎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን በዓላትን ንህቦ ኣገልግሎትን እዩ።” ዚበለ ቆላ2.፥16-17። እዚ ቃል ከምቲ ገሊኣቶም ኃይሊ ኣምላኽ ኮነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ፥ ከይፈለጡን ከይተረዱእን ክብረ በዓል ምግባር ኣየድልን ብማለት ከም መከራኸሪ ዝጠቕስዎ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ባኣንጻሩ በዓል ከነብዕል ከምዚግባእ ዘነጽር ጥቅሲ እዩ። ክብረ በዓል ምኽባር  ግቡእ ከም ዝኾነ ዚመኃረ ቅዱስ ጳዉሎስ 1ይቆሮ.5፥7-8። ኣብ ምብዓል  በዓል እዉን ዚተረኽበ ግ.ሓዋ.18፥20-21። ባዕሉ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳዉሎስ እዩ። ዔላዶ ካብ ሓንቲ ዓይኒ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ? ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኦም በለስ ፍረ ኣውሊዕ፥ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ፥ ከተፍሪዶ ይከኣል እዩ? ከምኡ ኸኣ እታ ማይ ጨው እትፍልፍል ዔላ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ። ያዕ.3፥11-12። ከም ዝተባህለ፥ እዚ ቅዱስ ኣቦ ክልተ ኣንጻር ዝኾኑ ትምህርቲ ካብ ሓደ ልሳኑ ዚመኃረ ኣይኮነን። በዓልና ከነብዕል ከሎና ካብ ናይ ኣይሁድ በዓልን ኣገባብ ኣባዓዕላኡን ዚተፈልየ ምዃኑን ከም ናይ ኣይሁድ ኣብዓዕላን በዓሎምን እንተዘይ ኣብዓልኩም ኢሉ ዚወቅሰና ኣካል’ዉን ከምዘየለን ንምርዳእ ግን ከምዚ በለ። ነቲ ውርድ ኢሉ ካብ ፍቅዲ 17-18 ጠቂስዎ ዘሎ ብዚግባእ እንተዘስተውዕልዎ፥ እቲ ብዓል ናይ ብሉይ ኪዳን ንኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝኸውን ጽላሎት ምንባሩ፥ ነብዓዕላኡ ዝምልከት ድማ ብክርስቶስ ኮይንካ ከም ክርስቲያን ምኽባር እምበር ከም ኣይሁድ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ እግርኻ ዓጺፍካ ብዘይምዝርጋሕ ዘርጊሕካ ድማ ብዘይምዕጻፍ ዝኽበር በዓል ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ በዓልኩም ብኸምዚ እንዘየብዓልኩም ኢሉ ዝፈርደኩም ሓደ እኳ ኣይሃሉ ዚብል ምህላዉ ግልጺ እዩ።

ኣይሁድን ፈሪሳውያንን ነቶም እግሪ ክርስቶስ ተኸቲሎም ዝኸዱ ዝነበሩ ቅዱሳን ሓዋርያት ብዕለተ ሰንበት ሸዊት እናቀጠፉ ክበልዑ ምስ ራኣዩ፥ ንክርስቶስ  “ርአ ” ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ኪግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ ኢሎምዎ ኔሮም። ኣብዚ ሰንበት ትኸበር ዚብሉ ምህላዎም ግልጺ እዩ። እንተኾነ ንሳቶም ነቲ ትኽክል ዝኾነ ትርጉም ኣከባብራ ናይ ሰንበት ዘይተረድኡን ካብ መጠን ዚሓለፈ ግጉይ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ስለዝነበሮምን ግን፥ ክሶም በቲ  ጐይታ ሰንበት ዝኾነ ክርስቶስ ቅቡል ኣይነበረን።እኳ ድኣ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይትፍረድዎም ክብሎም እንከሎ ኢና እንርእን ንሰምዕን። ማቴ.12፥1-8 ተመልከት። ቅዱስ ጳዉሎስ እውን ካብዚ ወጻኢ ዚኾነ ቃል ኣይምሃረን። ኣብዚ ክርስቶስ ሰንበት ኣይትከበር ዘይምባሉ ግን ብልቢ ከነስተውዕል ይግባእ። በዚ ሂብዎ ዘሎ ኣብነት ናይ ሰንበት ክብርን ኣከባብርኡ ከም ናይ ኣይሁድ ዘይኮነ ከም ክርስቲያን ከነብዕሎ እቲ ትኽክል ትርጉሙ ከመይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ጐይታ ሰንበት ዝኾነ ክርስቶስ ብርዱእ መገዲ ገለጸልና። እቶም 318 ርቱዐነ ሃይማኖት ዝኾኑ ኣቦታትና እውን “ወኢትደመር ምስለ ኣሕዛብ በባዓላቲሆሙ፡ ወኢትትዐቀብ ዕለተ ሰንበት ከመ ኣይሁድ። ” ኢሎም እዮም። ሃይ.ኣበው ዘሠለስቱ ምእት ምዕ.20፥13። ምስ ኣሕዛብ ኣብ በዓሎም ኣይትሕበር፥ ነታ ቀዳመይቲ ሰንበት ድማ ከም ክርስቲያን እምበር ከም ናይ ኣይሁድ ካብ ልክዑ ብዝሓለፈ ከብዕሎን ከኽብሮን’የ  ኣይትበል ማለት እዩ። ስለዚ በዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን ማለት ካብ ግብዝና  ርእስን ጌጋ ትምህርቶምን ተሓለዉ ዝበሎ፥ ከምኡ’ን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ ከመይ ገንሽል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊኡ እዩ። ስለዚ በቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ወይ ብመባኹኦቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበኹዐ እንጌራ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር። " ስለዚ በዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና  ትምርህቲ  መሠረት ከም ክርስቲያን ኣብ ክርስቶስ ኮይና በዓልና ነኽብር።

ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዓመታዊ ዝዉዕል በዓለ ፋሲካ ንምኽባር ምስ ፍቑር ወዳ  ናብ ኢየሩሳሌም ደይባ እያ። ሉቃ.2፥41-42። እዚ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተግባር ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ እምነት ክርስቶስ ጸኒዕካ በዓላት ምኽባር ዓቢይ መርኣያን መገድን ጽድቂ ምዃኑ ይገልጸልና እዩ።   ኣቦታትና ሓዋርያት መጀመርታ በታ ጐይታ ዝተንሥኣላ ዕለት እናተኣኻኸቡ መንፈሳዊ በዓሎም የኽብሩ ከም ዝነበሩ ኣብ ላዕሊ ርኢና ኣሎና። ድሕሪኡ  ድማ ቀስ ብቀስ ትንሣኤኡ፥ ፅንሰቱ፥ ልደቱ ዝኣመሰሉ ናይ ጐይታ በዓላት ምኽባር ናይ በዓላት ቁጽሪ እናወሰኸ መጸ። ቀጺሉ’ውን በዓል ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፥ ናይ ሰማእታት፥ ቅዱሳን መልኣኽቲ ዝኽሪ እናገብርካ ካብ በረኽቶምን ረዲኦቶምን ፀጋ ንምርካባ በዓላቶም ክብዓለ ተጀመረ።

ናይ ሓዱሽ ኪዳን በዓላት ኣብ ሠለስተ ምድብ ከፋፊልካ ምርኣይ ይከኣል። ንሱ ድማ ሰሙናዊ በዓላት፡ ወርሓዊ በዓላት፡ ዓመታዊ  በዓላት ተባሂሎም  ይስመዩ እዩ።  ሀ.ሰሙናዊ በዓላት÷         ሰሙናዊ በዓላት ኣብ ዉሽጢ እተን ዓዉደ ዕለት ዝርከባ መዓልታት ኮይነን ሰሙናዊ ዚኽበራ በዓላት እየን። ዓዉደ ዕለት ኣብ ሸዉዓተ መዓልታት ዝከናወን ወይ’ዉን ሸዉዓተ መዓልታት ኮይኑ ካብ እሑድ (ሰንበተ ክርስቲያን) ናብ ቀዳም ዘሎ እዩ።ካብዘን ሸዉዓተ እተን ክልተ መዓልታት ብፍሉይ ዝበዓላን መሥዋዕቲ ምስጋና ዚቀርበለን ናይ ደስታን ዕረፍትን ዕለታት ክኾናን ብኣዋጅ ሕጊ ኮነ ቀኖና ዝተነግረለንን ዝተደንገጋ እየን። ንሳተን ከኣ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣስተምህሮን ሥርዓትን÷ ቀዳመይቲ ሰንበትን እሑድ ሰንበትን (ሰንበተ ክርስትያን) እየን። ነዚ መሠረቱ ናይ ሓዋርያት ቀኖና እዩ።ናይ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ (ኣንዳዴ ባሕር) እውን ህያው ናይ ቀረባ ምስክር እዩ።

ለ.ወርሓዊ በዓላት÷     ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወርሒ መጸ እተኽብሮም በዓላት፥ በዓለ እግዚእ ዕለት 29, በዓለ እግዚእትነ ማርያም ዕለት 21, ከምኡ ድማ ዕለት 12 በዓለ ቅዱስ ሚካኤል እዮም። ኣብዚ ሓደ ነገር ክነስትዉዕሎ ዘለና ብዘይካ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ ዉሽጢ ዓዉደ ዕለት ኮነ ዓዉደ ኣዋርሕ ዘይዝከር ወይ’ዉን ዘይከብር ኣሎ ኣይኮናን ንብል ዘሎና።ኣብ ኩሉን ብኹሎም ኣመንቲን ሓደ ክበዓሉን ክኽበሩን ብናይ እታ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሕግን ቀኖናን ዚተደንገጉ እዚኣቶም እዮም ማለትና እዩ።    ብናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ትዉፊት መሠረት ኣብ ሓደ ከባቢ ንዝነብሩ ምእምናን ብናይ  ቅዱሳን ስም መዘከርታ ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ክስርሓሎም ይግበር። ንምሳሌ ናይቲ ሓደ ከባቢ ብናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ስም መዘከርታ ዝጽዋዕ ታቦት ይኸዉን፥ናይ’ቲ ሓደ ድማ ብናይ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ስም መዘከርታ ዝጽዋዕ ታቦት ንበሎ። ከምዚ ኾይኑ ምስ ተዳለወ፥ ኣብቲ ወርሓዊ ኮነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይቲ ቅዱስ ክኸዉን ከሎ ዕለት፥ እቶም ምእመናን ምናልባት ነንኣብከባቢኦም ዘሎ ጥራይ ከኽብሩ ይኽእሉ ይኾኑ፥ ማለት እቶም ኣብ ከባቢ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘለዉ ንናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ጥራይ፥ እቶም ኣብ ከባቢ ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ዘለዉ ድማ ከምኡ ንናይ ቅዱስ ሩፋኤል ጥራይ። እዞም ኣቀዲምና ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮም ዘሎና ግና ብክልቲኦም ብፍሉይ ክበዓሉን ክኽበሩን ዝተወሰነ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ናይ ጥበብን ጸጋን ማዕከን እያ እሞ፥ ነቶም ዘይተጠቕሱ ድማ መዓልታዊ ስንክሳር እናኣንበበት ንኹሎም ትዝክሮም እያ። ሕራይ እዚስ ካብ ሰብ ወገን እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ካብ መላእኽቲ ወገን ድማ ቅዱስ ሚካኤል ወርሒ መጸ ብፍሉይ ብኹሉ ክኽበሩ ዝተመርጸሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ እንተተባህለ፥ ማዓርጎም እዩ። ከመይሲ ድንግል ማርያም መትሕተ ፈጣሪ፡መልዕልተ ፍጡራን ዝኾነት ኣደ ኣምላኽ እያ። ቅዱስ ሚካኤል ድማ ሊቀ መላእኽቲ እዩ።

ሐ. ዓመታዊ በዓላት÷

ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ  ብፍሉይ ዝበዓሉን ዝኽበሩን ዕለታት እዮም። ነዚኣቶም ዓዋድያንን ዓዋድያን ዘይኮኑን ኢልና ኣብ ክልተ ክንከፍሎም ንኽእል÷   በዓላት ዓዋድያን ማለት ንድሕሪት ወይ ንቕድሚት ብምባል ኣብ ዓመት መጸ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልትን ወርሕን ዝዉዕሉ እዮም።ሳቶም ከኣ ሥቕለት፡ ሕማማት፡ ትንሣኤ፡ ደብረዘይቲ ሆሳእና፡ ዕርገትን በዓለ ሓሙሳን ዝኣመሰሉ እዮም። * ዓዋድያን ዘይኮኑ እንብሎም ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ዘሎ ዝተፈልጠ መዓልቲ ጥራይ ዝዉዕሉ ቀወምቲ ዕለታት እዮም። እዚኣቶም ድማ ትስብእት፡ ልደት፡ ጥምቀት፡ ደብረ ታቦር፡ ቃና ዘገሊላ፡ አዉደ ዓመት፡ መስቀል፡ በዓለ እግዝእትነ ማርያም፡ በዓለ ሰማእታት፡ በዓለ ቅዱሳንን በዓለ መላእኽትን እዮም።       ክሳዕ ሕጂ ብመጠኑ ናይ በዓላት ቅርጺ ተመልኪትና፥ካብዞም ክንርእዮም ዝጸናሕና፥ ካብቶም ዓዋድያን ዘይኮኑ ዓመታዊ ዝዉዕሉ በዓላት ሓደ እዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት (አዉደ ዓመት) እዩ። ዓዉደ፥ ዞረ ፥ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ዞይሩ ዝመጽእ ማለት እዩ። ነዚ፥ ጉዳዩ ምስ ዝምልከቶ ወሲድና እንተድኣ ርኢናዮ።

ኣብ ሓደ ዓመት ብናይ ጽሓይ ቀመር 365, 1/4 (15 ኬክሮስን) መዓልታት ኣሎ። ብወርሒ ድማ 354 (22 ኬክሮስን) እዩ። እዚ እምበኣር፥ ፀሓይ ንናይ ኣብ ሓደ ዓመት ዘሎ 365 መዓልታት ዞይራ፥ ዙርያኣ ብምፍጻም ከም እንደገና ሓዱሽ ሓደ ኢላ እትጅምረሉ ብምዃኑ፥ ነዚ ንምግላጽ ዝንገር ቃል እዩ። ነዚ፥ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ ናይ ሓደ ዓመት መዓልታት ዝከናወን ኮይኑ እሞ ድማ ብኸምዚ ቀጻልነት ዘለዎ ሥርዓት ብምዃኑ ዓዉደ ዓመት ይብሎ። ስለዚ ዓውደ ዓመት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንሰጋገረሉ፥ ዘመን ኣሕሊፍና ዘመን እንትካኣሉ፥ ሓዲሽ ምዕራፍ እንጅምረሉ ፍሉይ ዕለት ማለት እዩ። ሓዲሽ ምባሉ ከኣ ንወቕቱ፥ ንመንፈሳዊ ምሥጢር መልእኽቱ ንምግላጽ፥ ከምኡ’ውን ንልደት ጥንቱ ፅንሰት እዩ ከም ዝብል ንሒዝካዮ ዘለኻ ዓመት፣ ጥንቱ ድማ እቲ ዝሓለፍካዮ ዓመታት ብምዃኑ ነቲ ዓመት እውን ዘመልክት እዩ። እዚ ከኣ ብሉይ ኪዳን ሓድሽ ኪዳን ከም እንብሎ እዩ።

ንወቅቱ ማለት እዚ ዘመና እንቕይረሉ ወርሒ፥ ሰማያት ብደመና ተጎልቢቦም፥ምድሪ ጭቃን ዓዘቕትን መሊኣ፥ ምስኡ’ውን ቁሪ ኣሳሒታ…ወዘተረፈ ንሕይወት ዘይምቹእ ከም ጸልማት ከቢድ ዝኾነ ወቕቲ ጸኒሕካ ብርሃን ፀሓይ እትርእየላ፥ ጥዑም ንፋስ እተስተማቕረላ፥ ፍረ ጻማኻ እትርእየላን እትበልዓላን፥ ምድሪ ከም ሓዳስ መርዓት ብጸጋታታ ማዕሪጋ እትርእየላ፥ እንስሳታት እውን ብሃብታት ምድሪ ጸጉረን ቀይረን ዝሕደሳላ…ወዘተረፈ ናይ ደስታ ወቕቲ  ብምዃና እዩ። መንፈሳዊ ምሥጢር መልእኽቱ ድማ ምስ ነገረ ድኅነትን ንስሓ ሕይወትን ምትእስሳር ስለዘለዎ እዩ።    ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገርና ዓመተ ምሕረታን መላእ ዘመናን እትልውጠሉ፥ ናብ ሓዲሽ ዓመት እትሳጋገረሉን ሓደ ኢላ ሓዲሽ ዘመን እትቖጽረሉን ወርሒ መስከረም ዕለት ሓደ እዩ። ንዘመን በቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን ቀደም ተኸተል ዘመነ ማቴዎስ፡ ዘመነ ማርቆስ፡ ዘመነ ሉቃስ፡ ዘመነ ዮሐንስ ኢላ ምድብ ኣትሒዛ፥ ንዕለቱ ድማ ቅዱስ ዮሐንስ ብማለት ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ስም፥ ስያመ ሂባቶ ኣላ።ብኸምዚ ከኣ ነቲ ብኣምላኻዊ መግቦቱ፥ ብዘልዓለማዊ ምሕረቱ፥ ብኣባታዊ ፍቕሩ፥ ካብ ዕለት፥ ናብ ሰሙን፥ ካብ ሰሙን ናብ ወርሒ፥ ካብ ወርሒ ናብ ዓመት ዓቂቡ ዕድመን ጥዕናን ኂቡ ብሰላም ዘብጽሐ፥ካብ ዓመት’ውን ናብ ዓመት ዘሰጋገረ ስለኹሉ ነገር ንልዑል ፈጣሪኣ ከተመስግን ትነብር።   ዘመኑ በቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን ምድብ ክኸውን ዝተገብረሉ ምኽንያት÷ ንሳቶም ብቦታ፥ ብግዜ ኮነ ብቋንቋ ከይተራኸቡ ብዝተፈላለየ ዘመን፡ ብዝተፈላለየ ብቋንቋ ፡ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ኮይኖም ንኹሉ ዓለም ደስታ ዝኾነ ናይ ጐይታ ቃል ወንጌል ሓደ  ስለዝጽሓፉን ዘበርከቱን ምእንቲ’ዚ ዓቢይ ውዕለቶም ተባኂሉ   እዩ።

ነቲ ዕለት ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ስም ክጽዋዕ ዝተገብረ ድማ ስለ ሰለስተ ነገር እዩ÷ 1. ዮሐንስ ጐይታ ባዕሉ “ ካብ ኣንስቲ ዝውለድ ዘበለ ካብ ዮሐንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ከምዘይትንሥእ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ኢሉ።” ዝመስከረሉ ንሱ፥ ክቡር ርእሲ ጻድቃን በኹሪ ሰማእታት ከም ዝኾነ ዓውደ ዓመት እውን ናይ በዓላት ኩሉ በኹሪ እዩ። 2. ዮሐንስ መጥምቕ ዘመነ ብሉይ ኣብቂዑ ዘመነ ሓድሽ ክኽውን፥ ንነብያት ፈጻሚ ንሓዋርያት ድማ ጀማሪ  ኮይኑ ዝመጸ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ከምቲ ነብያት ካብ ሰማያት ክወርድ ካብ ድንግል ክውለድ እዩ ምባል ሓዲጉ “ እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ኢሉ ብሥራት ዝሰበኸ ኣቦ እዩ። ዓውደ ዓመት እውን ዘመን ኣሕሊፍና ዘመን እንትካሉ፥ ናብ ዝመጽእ ሓዱሽ ዓመት ድማ እንሰጋገረሉ ዕለት ብምዃኑ በዚ ስም ክጽዋዕ ክኢሉ። ንምዃኑ ህዝብና እምነቱ ኮነ ባህሉ ኩሉ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዝገበረ ብምዃኑ በቲ ኣብቲ ዕለት ዝካየድ ኣገባብ ናይቲ ክብረ በዓል ምርዳእ ይከኣል እዩ። በዓለ ዮሐንስ ኩላትና ከም እንፈልጦ ዓብይ ምስ ንእሽቶ ኵሉ ገና ኣቐዲሙ ብሃንቀውታ ዝጽብያ ክብርትን ፍልይትን ዕለት እያ። አረ ደቂ ኣንስትዮስ ምግላጽ ሓጎሰንን ባህላዊ ጸወተኣንን ገና ካብ ነሓሰ እየን ዝጅምራ። እወ ዓመት ምሉእ ግቡእ ምድላዋት ዝገበሩ መናእሰይ ዓዲ በዚ ዕለት ሽጎም ሒዞም ኣብ ማእከል ባይቶ ይእከቡ ወለዲ’ውን ከምኡ ኩሉ ዓቢይ ምስ ንእሽቶ። ኣብዚ ሰዓት ከምዚ ኢሎም ምስ ተኣኻኸቡ በቦታት ጸሎትን ቡራኬን ተጌይሩ ፥እንቋዕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብጽሓና ይበኃሃሉ እሞ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ”ዓመት ዝዓቖርኩዋ ሽገየ እስከ ኣብርሁለይ። ” ብማለት ባህላዊ ጸወታአን ይፍልማ። ቀጺሎም ደቂ ተባዕትዮ ሽግ  ወሊዖም “ ሆዬ …ሆዬ …ሆዬ ዮሓንሰ መስቀለ ሆዬ ብርሃን ተቐልቀለ………” ወዘተረፈ እናበሉ ሓጎሶም ይገልጹ። እዚ ዓይነት ባህሊ ካበይ መጺኡ እንተተባህለ፡ ምናልባት ከምቲ ኣቐዲምና ክንጠቕሶ ዝጸናሕና እዚ ነገር ንወቕቱ ማለት ክረምቲ ሓሊፉ፥ጸሓይ እትበርቀሉ፡ ሓረስታይ ፍረ ጻማኡ ዝበልዓሉን፥ ኣፍላጋት ክሳዕ ወሰኖም ማይ ዝመልእሉ፥ ምድሪ ድማ ብለምዒ እትጉልበበሉ፥ እንስሳታት እውን ካብ ፍርያታ ተመጊበን መልኪዐን ዝርኣያሉ……ናይ ደስታ ናይ ሓጎስ ወርሓት ስለዝኾነን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ምስ ነገረ ድኅነት ዘለዎ ምሥጢራዊ ምትእስሳር እዩ።

ንሕና ኩላትና ብርሃን ዓለም ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከድኅነና ናብዛ ዓለም ቅድሚ ምምጽኡ ብተስፋ ዓመታት ምድኅና ንጸበ ነበርና። ከድኅነና ምስ ፈተወ ብርሃን ድኅነቱ ዝእውጅ ባርያኡ ንዮሓንስ መጥምቕ ለኣኸ። ነዚ ድማ ኣቐዲሙ ብነብያት ተነጊሩናን ሰሚዕናዮን ኢና። ኢሳ.40፥3። ቅድሚ'ዚ ግን ኣብ ጸልማት ንነብር ነበርና። ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ፡ዮሐንስ ብሥራት ናይ ድኅነት ብርሃን ሽግ ወሊዑ ብበረኻ እናኣወጀ መጸ። ማቴ.3፥1-3። ዮሐንስ ወንጌላዊ ብዛዕባ ዮሐንስ መጥምቕ ኣመልኪቱ “ብኣምላኽ ዝተላእኸ ሓደ ዮሐንስ ዝስሙ ሰብ ነበረ። ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኩሎም ብእኡ ምእንቲ ኺኣምኑ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር መጸ። ”። ኢሉ እዩ። ዮሓ.1፥6-7። ዮሓንስ መጥምቕ ብዛዕባ ብርሃን ዝእውጅ ብርሃን ምንባሩ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ባዕሉ’ውን መስኪርሉ እዩ። ዮሓ.5፥33-35። ተመልከት። “ ኣብ ጸልማት ዝነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ኮነሉ። ” ከም ዝተባህለ ማቴ.4፥16። ዮሐንስ መጥምቕ፥ እቶም ኣብ ጸልማት እትነብሩ ዝነበርኩም እንሆ ዓቢይ ብርሃን ወጺእልኩም፡ እናበለ ወሊዕዎ ዝመጸ ናይ ድኅነት ኣዋጅ (ሽግ) ኣዋጅናን ደስታናን ስለ ዝኾነ  እንሆ ብተግባር  ንፍጽሞ ኣሎና። ናይ ዮሐንስ ምምጻእ ቀጺሉ ናይቲ ኣማናዊ ብርሃን ሕይወትና ዝኾነ ክርስቶስ ምምጻእ ብምንባሩ’ውን፥ ሆዬ…ሆዬ……ሆዬ ዮሐንሰ መስቀለ ብርሃን ተቐልቀለ… ሆዬ  … ሆዬ…እናበልና በዚ ዕለት ደስታናን ሓጎስናን ንገልጽ። እቲ ዝገርም ብዛዕባ’ዚ ኣቐዲሙ ድማ በቶም ኣምላኽ ዝሓደሮም መንፈሱ ዝገለጸሎም ቅዱሳን ነብያት “ ንዓኻትኩም ነዞም እተኽብሩኒ ግና፥ ምድኃን ኃይለይ ከም ፀሓይ ጽድቂ ኺበርቀልኩም እዩ፥ ከም ጩራ ፀሓይ ከኣ ፈውሲ ኼምጽኣልኩም እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ኸም ፍታሕ ብተይ ክትወጹን ክትዕንድሩን ኢኹም። ተባኂሉ ብዘየጋጊ ርዱእ ብዝኾነ መገዲ ምንጋሩ እዩ። ሚል.4፥2። ብዛዕባ እቲ ኣማንዊ ፀሓየ ጽድቅ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ትንቢታዊ ቃል እዩ።

እዚ ቅዱስ ኣቦ ካብዚ ምዕራፍ ከይወጸ፥ ውርድ ኢሉ ኣብ ፍቕዲ 5 ድማ፥ “ እንሆ እታ ዓባይን እተፍርህን ማለት እታ ስለ ድኅነትኩም ስቓይን መከራን ዝቕበለላ፡ ፍርዲ ዝህበላ መዓልቲ ከይመጸት ንነቢይ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።……ንሱ ነቦታት ምስ ደቆም፥ንደቂ ከኣ ምስ ኣቦታቶም ኬሰማምዖም እዩ።” ኢሉ እዩ ። ኣብዚ ብነቢይ ኤልያስ ስም ብዛዕባ ዮሐንስ መጥምቕ ዝዛረብ ምህላዉ ግልጺ እዩ። ከመይሲ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቕ ብናይ ኤልያስ መንፈስ ዝመጸ ስለዝኾነ። እዚ ድማ ኣብ ወንጌል ተተርጉሙ እንረኽቦ ሓቂ እዩ። ማቴ17.፥10-13።ተመልከት። ንሱ ነቦታት ምስ ደቆም፥ ንደቂ ከኣ ምስ ኣቦታቶም ኬሰማምዖም እዩ ዝተባኅለ ድማ፥ ነቲ ዮሓንስ ዝሃቦ ትምህርታዊ ተግሳጽን ምኽርን ዘመልክት እዩ። ማቴ.3፥7-11 ።

ምእንቲ’ዚ እምበኣር ንማሕበራዊ ናብራና ዝምልከት ብናይ ጸልማት ወቕቲ ወርሓት ክረምትን ብናይ ጸሓይ ብራቕ ወርሐ መስከረምን ኣነጻጺርና በዓልና ከም እነኽብር መንፈሳዊ መልእኽቱ ድማ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ነዚ ይመስል። ብስፊሑ ግን ኣብ ቤት ክርስቲያን ካብ ሊቃዉንት ኣቦታት ንመሃሮ።

  1. እቲ ሳልሳይ ብናይ ዮሓንስ መጥምቕ ስም ስያመ ክኸውን ዝተገብረሉ ምኽንያት ከኣ፥ ናይ እስክንድርያ ሊቀጳጳሳት ዝነበረ ቅዱስ ድሜጥሮስ ፥እግዚአብሔር ገሊጽሉ ንባሕረ ሐሳብ ክደርስ እንከሎ ብዮሓንስ ጀሚሩ እዩ ደሪስዎ። “ ርእሰ ዓውደ ዓመት ዮሓንስ ወላዴ መጥቅዕ ወኣበቅቴ ። ” ምባሉ’ውን ምእንቲ’ዚ እዩ።

* ኣብ ላዕሊ መላእ ዘመናን ዓመተ ምሕረትናን እንልውጥ ሓደ መስከረም (ዕለተ ቀመር) ከም ዝኾነ ተመልኪትና÷ ግን ዓመተ ምሕረት ደኣ ካብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ንደሓር’ዶ ኣይኮነን ዝጅምር? ወርሐ መስከረም ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ግዲ እዩ። ነዚ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎ። ብርግጽ እዩ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጸንሰሉ ሰንበት ብ29 መጋቢት ዘመነ ዮሓንስ ኣብ 5500 ዓመተ ዓለም፥ ዝተወልደሉ ከኣ ሓሙስ ብ29 ታሕሳስ ዘመነ ማቴዎስ ኣብ 1 (5501) ዓመተ ምሕረት ብምዃኑ ዓመተ ምሕረት ዝጅምር ወይ’ውን ክጅምር ዘለዎ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተወልደሉ ካብ 29 ታሕሳስ ዘሎ እዩ። ኮይኑ ግን ዘመና ኣብ መስከረም ምቕያርና ድማ ፈጺሙ ኣገባብ ኣይኮነን ኣይበኃልን እዩ። ከመይ’ሲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሃገርና ኤርትራ ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዱሽ ኪዳን ዝተሰጋገረ ሕዝቢ እትውንን ጥንታዊት እምነት ብምዃና፥ ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ካብ ዘመነ ኖህ ጀሚሩ እናተወራረደ ( ክተሓሓዝ) ዝመጸን ዝተቐበለቶን፥ መስከረም ናይ ዓመት ናይ መጀመርታ ወርሕን ናይ ዘመን መቐየሪ ዕለትን ምዃኑ እዩ። ንምሳሌ÷ ኖህን ቤተ ሰቡን ካብ ማይ ኣይሂ ድኂኖም፥ ምድሪ ደሪቓስ ዕንባባን ፍረን ምሃባ ዝርኣይሉ በዚ ወርሒ እዩ። ዘፍ8፥8። ነዚ ከኣ ኣብ መጽሓፈ ክፋሌ÷ “ ኣብታ መእተዊት ናይታ መጀመርታ ወርሒ ንእኡ ምእንቲ እትኸዉን መርከብ ክሰርሕ ታኣዘዘ፥ ምድሪ ዝደረቐት እዉን ብወርሐ መስከረም  እዩ። “ 7፥24። ዝበሎ ዓቢይ መረዳእታ እዩ። ኖህ ድሕሪ’ዚ ነዛ ወርሒ ዓመታዊ ዘኽብራ ዕለትን መላእ ዘመኑ ዝልውጠላ ዓውደ ዓመትን ጌሩ ዘብዕላ ኮነ።

ነቦና ሊቀ ነብያት ሙሴ እንተኾነ’ውን ዘመኑ ዝልውጠሉ ወርሒ መስከረም ክኸውን ከም ዘለዎ ብልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ተነጊርዎ እዩ። ዘሌ23፥35። እዚ ነቦና ሙሴ ተነጊርዎ ዘሎ ወርሕን መዓልትን ብናይ ወርሒ ኣቆጻጽራ ኮይኑ፥ ብእብራውያን ወርሐ ጥቅምቲ ዝውዕል እዩ። ነዚ ብናይ ባሕረ ሓሳብ ስለት ናብ ናይ ጸሓይ ኣቆጻጽራ እንተቐየርካዮ ወርሐ መስከረም እዩ ዝኸዉን። ዘመነ ሓዲሽ ዓመትና እንልውጠሉ ወርሐ መስከረም ክኸውን ኣቦታት ምውሳኖም እምበኣር በዚ ሃይማኖታዊን ትውፊታውን መሠረት ጌሮም እዮም። በዚን ካልእን ምኽንያት፥ ህዝቢ ንነዊሕ ዘመናት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ዓውደ ዓመት ኣቦታት ንወርሐ መስከረም ኣግዲፎም ታሕሳስ ይኹን ክብልዎ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምኻኑውን ንምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን።ድሓር ከኣ ወርሐ መስከረም ዓመተ ምሕረትና ጥራይ ዘይኮነ፥መላእ ዘመና እንልውጠሉ ወርሕን ዕለትን ምዃኑ ርዱኣት ክንከውን ይግባእ እዩ። ዘመን ምቑጻር ዝተጀመረ ድማ ኣቐዲሙ ገና ካብ ሕገ ልቡና ዘሎ ጀሚሩ እምበር ድሓር ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ካብ ዓመተ ምሕረት ዝተጀመረ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እምበኣር መላእ ዘመና ብወርሐ መስከረም ለዊጥና፥ ንልደት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ብምግባር ኣብ 29 ታሕሳስ ብዓቢይ ደስታን ሓጎስን ቅዱስ በዓልና ነኽብር።

* ካልእ ዘመና ሓዲሽ ዓመትና እንልውጠሉ ኣብ ወርሐ መስከረም (ዕለተ ቀመር) ክኸውን ዝገበሮ ምኽንያት÷

ሀ. በዚ ወርሒ መዓልትን ለይትን ሓደ ዝኾነሉ እዋን ስለዝኾነ፥ መዓልቲ ምሉእ12 ሰዓት፡ ለይቲውን ከምኡ ምሉእ 12 ሰዓት ይኸውን። ከመይሲ ጸሓይ ብሕጊ ተፈጥሮኣዊ ሥርዓት በዚ ወቕቲ ኣብ ማእከል ቅናት ምድሪ ስለእትኸውን ናይ መዓልትን ለይትን ንውሓት ሓደ እዩ።

ለ. ወርሐ መስከረም፥ ጸሓይ ንናይ 365 መዓልትን 6 ሰዓትን ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ዕለታት ዙርያኣ ፈጺማ፥ሓደ ኢላ ሓዲሽ እትጅምረሉ ወርሒ ብምዃኑ፥  ሐ. በዚ ወርሒ፥ብምኽንያት ጭቃን ዓዘቕትን፥ ቁሪ ኣሳሒታን፥ንግርማ ለይቲ፥ደመናታት ናይቲ ወቕቲ ተወሲኽዎን ጻዕቒ ዝናማትን ………ወዘተረፈ ከም ጸልማት ከቢድን ኣሸጋርን ዝኾነ ናይ ወርሓት ክረምቲ ኣብቒዑ፥ብርሃን ጸሓይ እትርየሉ፥ ወርሐ ጽጌ ዝጅምረሉ፥ ከምኡ ድማ ኣቦና ኣዳም ብዝፈጸሞ በደል ምኽንያት፥ ናብዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ድሕሪ ምውጽኡ፥ እግዚአብሔር ኩሉ ዘመን ሕይወትካ ካብዛ ምድሪ  እንጌራኻ ብጻዕርኻ፡ብርሃጽካ ብላዕ ኢሉ ዝነገሮ ቃል፥ ሕጊ ተፈጥሮኣዊ ኮይኑ ወዲ ሰብ ላዕልን ታሕትን ኢሉ እንጌራኡ ብጻዕረ ርሃጹ ዝበልዕ ኮነ። በዚ መሠረት እምበኣር፥ ዘራእቲ ዘሪኦም፥ ኣትክልቲ ተኺሎም ዝነብሩ ሓረስቶት፥ ብወርሐ ክረምቲ ዝዘርእዎ ሸዊቱ፥ ዝተኸልዎ ኣብ ፍረ በጺሕሎም ዝሕጎሰሉ፥ ገጻት ምድሪ ኹሉ ለምዒ ተጎልቢቡ፥ እንስሳታት እኳ ከይተረፋ ብደስታ ካብ ጸጋታት ምድሪ እናተመገባ፥ ጽሩይ ማዩ እናሰተያ ጸጊበንን መልኪዐን ዝርኣያሉ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ልምላሜን ናይ ፍረን ወርሒ ስለዝኾነን፥ ካልእ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሃማኖታዊን ትውፊታውን ዝኾነ ምኽንያታት መሠረት ዝገበረን ብምዃኑ ዘመና እንልዉጠሉ በዚ ወርሒ ክኸውን ተጌሩ። በዚ ኹሉ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ምስ ናይ ባህሪያዊ ሕጊ ተፈጥሮ  ሥርዓት ዝተተሓሓዘ ቅዱስ ሥርዓት ዘለዋ ቅድስቲ እምነት ምዃና ክንርዳእ ንኽእል።

ሕራይ ናይ ሓዱሽ ዓመት ነገርስ ብመጠኑ ርኢና፥ንሕናኸ ምስ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ይግባእ?

ሓዲሽ ዓመት ሓረስቶት ኮነ ካልኦት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ንሕይወቶም ዝመርሑን ዘምሓድሩን ብዝሓለፈ ነገራቶም እናተማኃሩ ንዝመጽእ ውጥን መደባቶም ሠሪዖም ኣሐዱ ኢሎም ዝፍልምሉ ዕለትውን እዩ። በዚ እዋን ኩላትና ከም እንፈልጦ ገለ ገለ ሰባት ኣብ ሓዲሽ ዓመት፥ ንዝነበሮም ወልፍታትን ሕማቕ ልምዲታትን ኩሉ ሓዲጎም ሓዲሽ ሕይወትን ምዕራፍን ክጅምሩ ቃል ክኣትዉ ይስምዑ እዮም። እዚ ነገር ኣዝዩ ሠናይን ቅዱስ ሓሳብን እዩ። ብተግባር ከኣ እንተተግቢሩ እውን ዝንኣድን ዋጋ ዘለዎን እዩ። ገለ ድማ ሓዲሽ ዓመት ስለዝመጽአ በዚ በዓልቲ ብብልዕን መስተን ሰኺሮም ንሥጋኦም ባህ እናኣበሉ ብተድላ ሥጋ ከሕልፍዎ መደብ ይገብሩ።ቆጸሮውን ይሕዙ። ኮይኑ ግን እዚ ነገር ንፍቓድ ሥጋኻ ንምሕጋስ ጥራይ ኢልካ እትገብሮን ኣብ ጌጋ ርድኢት ዝተመርኮሰ ብምዃኑን ውጽኢቱ ከምቲ ጠቢብ ሰሎሞን ዝበሎ ከንቱ እዩ። መክ2፥1። “ ሥጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ሥጋ እዮም ዝሓስቡ፥ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። ናይ ሥጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፥ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን የምጽእ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፥ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፥ ክግዝኦውን ኣይክእልን እዩ።  እቶም ብሥጋ ዝምርሑ’ውን ንኣምላኽ ኬሕጉስዎ ኣይካኣሎምን እዩ። ዝብል’ውን ጽሑፍ እዩ ። ሮሜ8፥5-8። -ንኹሉ ተዓዘብዎን መርምርዎን፥ነቲ ሠናይ ሓዝዎ ከም ዝተባኅለ፣ 2ይተሰ.5፥21። ንሕናኸ ውጥን መደባትናን ሓሳባትናን እንታይ እዩ?

ማዕዳን ትምህርትን ቅዱሳን ኣቦታትና

*     “ እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፥ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መሥዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፥ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ መንፈሳዊ ኣግልግሎትኩም እዩ። እቲ ሠናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰሉዋ”። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ሮሜ12፥1-2። ተምልከት።

ደጊሙ ከኣ÷ “ እቶም ብሥጋ ዝምርሑ ንኣምላኽ ከሕጉስዎ ኣይከኣሎምን እዩ።ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲርኩም እንተድኣ ኣልዩስ ብመንፈስ እምበር ብሥጋ ኣይኮንክሙን ዘለኹም።…………እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ከም ፍቓድ ሥጋ ኽንነብር ነቲ ሥጋስ ሰብ ዕድኡ ኣይኮናን። ከም ፍቓድ ሥጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም።ነቲ ተግባራት ሥጋ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም። ምኽንያቱ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ዘበሉ፥ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ሮሜ8፥8-14።

እዚ ዘመን ኣሕሊፍና ዘመን እንትካኣሉ፥ናብቲ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ድማ እንሰጋገረሉ አውደ ዓመት፥ንናይ ክርስቶስ ዳግም ምጽኣት ማለት እዛ እንነብረላ ዘሎና ሓላፊት ዓለም ሓሊፋስ ነታ ንእኣ ተኪኣ እትመጽእ ሕልፈት ዘይብላ ዘለኣለማዊት ዝኾነት ሓዳስ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ተምሳል ምኻኑ እውን ብቅዱሳን መጻሕፍቲ ይነግሩና እዩም። ብዛዕባ’ዚ ነገር ዝምልከት እዩ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ “ መዓልቲ ጐይታ ግና ኸም ሰራቒ ኾይና ክትመጽእ እያ፥ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ክሓልፍ እዩ፥ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፥ ምድርን ኩሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። ” ድሕሪ ምባሉ ቀጺሉ÷ እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብኣኩም? ኢሉ ይሓትት እሞ ባዕሉ ክምልሶ እንከሎ፥  “ ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቅዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግባኩም።………ስለዚ ኸኣ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ኮይንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።” ብማለት በዚ እዋን እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ክንርከብ ከም ዝግባእ ብግልጺ የረድኣናን  ይመኽረናን። 2ይጴጥ3፥10-15። ነዚ ክንገረና ዝጸንሐ ናይ ቅድስና ሕይወት ኩሉ፥ኣእምሮና ብምሕዳስ ብንስሓ ከም እንረኽቦ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሰፊሑ ተነጊሩ ኣሎ። ስለዚ  ንስሓ ክንኣቱ ይግባእ። ከመይሲ ንስሓ ንዘማዊ ድንግልና ነፍስ፥ ብዝተፈላለየ ክፉእ ተግባር ንዝረኸሰት ሕይወት ድማ ቅድስና እትዕድል፥ ንሰራቒ’ውን መጽዋቲ እትገብር ምስ እግዚአብሔር እንነብረላ ምሥጢር እያ። እዚ እንተ ድኣ ጌርና፥  “ ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ዚሳተፉ ብጹዓኣንን ቅዱሳንን እዮም።” ተባሂሉ እዩ እሞ፣ ራእ.20፥6። ብሓቂ ንኡዳትን ዕውታትን ኢና።

እምበኣር ውሉደ ጥምቀት በዚ ናይ ኣቦታትና ትምህርትን ቃል መጽሓፍ ቅዱስን መሠረት ሰብነትና ብንስሓ ሕይወት ሓጺብና ነውርን መንቅብን ዘይብሎም ንጹሃን ኮይና ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ (ትንሣኤ ዘልቡና) ተሳተፍቲ ንምዃን ንንቃሕን ንጋደልን።

ምሕረት እግዚአብሔር ዓቢይ እዩ። ንፍቕሩ ጫፍን ወሰንን የብሉን። ንሱ ብባህሪኡ መሓሪ፥ ፍጹም ዘይቅየም ለዋህ ወላዲ፥ ሕያዋይ ጓሳ፥ ንሓና ብኃጢኣት ዝወድቅና ደቁ ካብቲ መግለጺ ቃላት ኣልቦ ልዑል ፍቕሩ  ዝተላዕለ ንዕሽነትና ከይተመልከተ፥ በቲ ለዋህ ባህሪኡ ብሙሉእ ፍቕሩ እንዳረኣየ፣ ጠፊእና ከይንተርፍ ናብ ንስሓ በጺሕና  ክንድኅን እምበር ሓደ እኳ ክጠፍእ ባህ ዘይብሎ ኣምላኽ ስለዝኾነ ምእንታና ይዕገስ ኣሎ። 2ይ ጴጥ3፥9።ከመይ’ሲ ንጸልማት ጸልማት እንተተወሰኾ ምጽልማቱ ዝኸፈአ እዩ ዝኸውን። ጸልማት መቓብር ዝኾነ ሕይወትና ከይተንሳሕና ጸሓይ ዓሪቡናስ ጸልማት እንተተወሰኾ ምጽልማቱ ክንደይ ዝኸፈአ ከም ዝኽዉን ርዱእ እዩ። ካብዚ ነገር ምእንቲ ከነምልጥ እምበኣር ንንስሓ ይዕገሰና ኣሎ። እምበኣር ከምዚ ምዃኑ ፈሊጥና፥ ከምቲ ጥፉእ ወዲ፥ናብ ልብና ተመሊስና ብእግረ ንስሓ ተንሢእና፥ በቶም ኣምላኽ ዝሓረዮም ጓሶት ነፍሳትና ክኾኑ እውን ዝሸሞም ክቡራት ኣቦታትና ካህናት መገዲ ኣቢልና፥ “ ኦ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኻ ኃጢኣት ብምግባር ንዓኻ በደልኩ።” እናበልና ብጣዕሳ ናብኡ ክንቐርብ ይግባእ። ንሱ ድማ ይቕረ ባሃላይ፥ ዘይቅየም ዘለኣለማዊ ኣቦ እዩ እሞ፥ክድንግጸልና እዩ፥ ናይ ምሕረት ኣእዳዉ ሰዲዱ እዉን ክሓቑፈና እዩ። ሉቃ.15፥1-24።

ስለዚ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኤርምያስ’ውን፥ “ ብልበይ ምሕረት እግዚአብሔር ክሓስብ ከለኹ ተስፋ እገብር። ዘለኣለማዊ ምሕረቱ ኣይውዳእን እዩ እሞ፥ ፈጺምና ዘይጠፋእናስ ሳላ ፍቕሪ እግዚአብሔር እዩ ።” ከም ዝበሎ፥ ምሕረቱ ተስፋ ጌርና፥ ብንስሓ ሕይወት ሰብነትና ሓጺብና ብንጽህና ቅዱስ በዓልና ነኽብር ይግበኣና። ኣብ ክንዲ ዘስክር መስተን ዕብዳንን እውን ቅዱስ ሥጋኡ ክቡር ደሙን ተቐቢልና ንክርስቶስ ንልበሶ። ኣብኡን ምስኡን ንንበር፥ ንሱ’ውን ምሳና ክነብር እዩ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ እንተኾነ’ውን ኣብ ላዕሊ ከም ዝርኣናዮ በዓልኩም ኣብዕሉ ጥራይ ዘይኮነ፥ “ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊኡ እዩ። ስለዚ በቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ወይ ብመባኹዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነስ፡ ብዘይበኹዐ እንጌራ፥ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።” ኢሉ። እንታይ ዝዓነቶም ሰባት ኮይና በዓልና ምኽባር ከምዝግባእ ብንጹር እዩ ኣቐሚጡልና 1ይቆሮ.5፥8።

ካልእ ኣብ ላዕሊ ከም ዘሎ ኣቦታትና ሓዋርያት መላእ ዘመኖም ንድኻታትን ሽጉራትን ብምርዳእን ምሕጋዝን ኣርኣያ ኾይኖምና እዮም እሞ፥ ኣሰሮም ንስዓብን ንምሰሎምን ብዘለና ኹሉ እውን ንሠናይ ተግባር ንጸመድ።ጦብያ ንጦቢት ወዱ ዝኃቦ ምዕዶ÷ “ ወደየ ብመጠን ዘለካ ሃብቲ ንድኻታት ብልግሲ ኃብ። ካብ ምምጽዋት ግና ዓዲ ኣይትዉዓል። ንድኻታት ምጽዋት ምኃብ፥ ካብቲ ጸልማት ዝኾነ ዓዲ ምዎታት የድሕነካ፥ እቶም ምጽዋት ዚህቡ፥ ንልዑል እግዚአብሔር ዘሕጉስ ብቑዕ መባእ የቕርቡ” መ.ጦቢት.4፥1-11። ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት እውን÷ “ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ብመዓልቲ መከራ ኸናግፎ እዩ። እግዚአብሔር ክሕልዎን ብሕይወት ከንብሮን እዩ። ንሱ ኣብ ምድሪ ሕጉስ ከም ዝኸዉን ኪገብሮ እዩ፥ ናብ ኢድ ጸላእቱ’ዉን ኣሕሊፉ ኣይክህቦን እዩ። ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ ካብ ሕማሙ ድማ የሕዉዮ። ” ኢሉና መዝ.41፥1፥-3።

“ ከምቲ ንጉሁር ሓዊ ማይ ዘጥፍኦ፥ ንድኻ ምምጽዋት ከኣ ንኃጢኣት የጥፍኦ። ” ዝብል እዉን ተነጊሩና እዩ። ሲራ 3፥30። በዚ ዓይነት አውደ ዓመትና መንፈሳዊ ምህርትና እንሓፍሰሉ ናይ በረኸትን መንፈሳዊ ፍረን ዕለት ብምዃኑ ፍሉይ እዩ። ስለዚ ንጸጋታትና ንፍለጦን ንጠቐምሉን ብሸለልትነትዉን ኣይንሕለፎ።

ኣምላከ ቅዱሳን ቅዱስ እግዚኣብሔር ሰላሙ የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ክንፈሪ ፥ኣብ ሠናይተግባር ክንጽመድ፥ ብኃይለ ጸጋኡ ይሓግዘና። ዘመና ዘመነ ሰላም፡ ዘመነ ራህዋ፡ ዘመነ ፍቕርን ቅሳነትን ይግበረልና። ሃይማኖትናን ሃገርናን ይዕቀበልናንይሓወልናን ። ኣሜን።

      ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                            ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር!!! ኣሜን!!!                                                               ዲ/ ዓምደማርያም

Comments are closed.