ርደተ መንፈስ ቅዱስ ፣ ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ 2ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 2 ክፋል

ቅዱስ ጳውሎስ በዚ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ናይ መለኰታዊ ምሥጢር ሰባኺ ኮይኑ። ሃናንያ ከምዚ”ሉ ከምዝነግሮ ። “ እቲ ክትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ ዝተራእየካ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣካን ናባኻ ልኡኹኒ በሎ ።” ግ.ሓዋ.9፣17።
ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከርግጽ ከሎ “ ከም ሓሳበይ ግና ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ ።” 1ይቆረ. 7፣40።

እዚ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ናብ ቆርኔሌዎስን፣ ናብቶም ምስኡ ክጥመቑ ምስ ዝደለዩ ሰባትን መጺኡ። ንነፍሲወከፎም ብናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቋንቋ ብምዝራብ ንእግዚአብሔር ገሊጾሞ። ግ.ሓዋ. 10፣44 48።

እዚ መንፈስ ቅዱስ ክጥመቅ ምእንቲ ናብ ማይ ናብ ዝወረደ ስሉብ ሰሜናዊ መጸ። እዚ ስሉብ ሰሜናዊ እዚ መንፈስ ምስ ተመልአ ተሓጊሱ፣ ባህ ኢልዎ’ውን መገዱ ኸደ። ግ.ሓዋ.8፣26-31።

ብነብያት ኣንደበት ዝተዛረበ፣ ንሓዋርያት ምስትውዓል ዝሃቦም፣ ንኹሉ ሥጋ ለበስቲ ዝተዛረቦም እዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ መንፈስ ቅዱስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ሂብዎም። ተቃወምቲ ግና ነዚ መንፈስ ቅዱስ ምቅባል ኮነ ምቅዋም ኣይተኸእሎምን። “ መንፈስ ኣቦኹም እዩ፣ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፣ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። ” ማቴ.10፣20።

እዚ መንፈስ ቅድስ ንቀሳውስት ይሸይም፣ ንኣብያተ ክርስቲያናት ይቅድስ፣ መናብርት ነንጽህ፣ ንምሥዋእ ፍጹም ይገብሮ። ሓጥያት ናይ ኩሉ ሰብ የስተሥርይ። እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ይሓድር፣ ንጻድቃን የበርትዕ፣ ንነግሥታት ይመርሕ።

እዚ መንፈስ ቅዱስ ንጻድቁ ስምኦን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ከይርኣየ ከምዘይመውት፣ ሕገ ሞት ሲዒሩ ፣ ንዕድሜኡ ኣንዊሑ ፣ ናይ ሕይወትን ሞትን ቤዛ ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓይኑ ክሳብ ዚርእዮ  ኣጽንሒዎ። ሉቃ.2፣25-26።

ንነብየ ኤልያስ ብርትዐ ዝሃበ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንኤልሳእ’ውን ክወሃቦ ምእንቲ  ንኤልያስ ዝሓተቶ ነዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ።  “ በጃኻ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን በለ።” 2, ነገ.2፣9።

እዚ መንፈስ ቅዱስ ዓይነ ልቦናና የብርህ፣ ንኹለንተናና ከኣ ይቅድስ።

ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝወረደ ብመሎኰታዊ ጥበብ ዝመልኦም እዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ድሕሪ’ዚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ምስተቀበሉ ኩላቶም ብፍልጠት እግዚአብሔር ተመልኡ። ዝተዋህቦም መለኰታዊ ፍልጠት ጥራሕ ኣይነበረን። መንፈሳዊ ውህበት’ውን እዩ ተዋሂብዎም።

ስምኦም መሰሪ ነዚ ቅዱስ መንፈስ ብግጉይ መገዲ ክረኽቦ ስለዝፈተነ ናብ ሲኦል ተደርብዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ከም ዝበለ “ጴጥሮስ ግና ነዚ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ ወርቕኻ ምሳኻ ይጥፋእ።” ግ.ሓዋ.8፣20።

ስለዚ ክቡራት ምእመናን፣ ሓዲሽ ሰብነት ዝረኸብ ሰብ፣ ናይዚ መንፈስ ቅዱስ ቤተ መቅደስ ዝኾነ ኩሉ ብሓቒ ንዲያብሎስ ሲዒርዎ እዩ እሞ ኩለንተናና ንቐደስ። ነዚ ዝተገባእና ኮይንና እንድሕር ዘይተረኺብና ንስምኦን መሰሪ ዝረኸበቶ ዕጫ ኣባና’ውን ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ውልድነተና ከየርከስና ንቅድስት ሥላሴ እንዳመስገና ንጽናዕ።

ምስጋና ይኹን ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘልዓለም ዓለም አሜን።

ብትግኃ መንፈሳዊ ፣ ብጽቡቅ ሥነ ምግባር   ፣ ናብ ንስሓ በጺሕና ፣  ንእግዚአብሔር ከነስምሮ  ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣይፈለየና።

ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትጋደፈና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለወስቀሉ ክቡር።

ዘሚካኤል

Comments are closed.