ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክትፈልጦም ዝግበኣካ ሠለስተ ነገራት

“ ኣምላኽ ሰማይ ክቅንዓልና ኢዩ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዩ ኢና “ ነህ2፡20

pic1

          ድሕሪ ምርኮ ናይ ናይ ባቢሎን እስራኤል ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ጽቡቕ ነገር ኣይገጠሞምን ነበረ። ሓደ ነህምያ ዝተባህለ ብእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ሰብ  ብዛዕባ ደቂ እስራኤል ንሓደ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ኣብ ዝሓተተሉ ጊዜ ዝተዋህቦ መልሲ ከምዚ ዝብል ነበረ እቶምዝደሐኑንእቶምካብምርኮዝተረፉን፡ኣብኡኣብታሃገር ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡መከባብ ዮርሳሌምከ ሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ  ነህ 1:3 ዝብል ነበረ እዚ ልቢ ንዘለዎ ኣዚዩ ዘሕዝን መልሲ እዩ፥ ብፍላይ ኣብ ስደት ንዘሎ ካብ ዓዱን ከባቢኡን ርሒቁ ንዝቕመጥ ሰብ ኩሉ ነገር ኣሰንባዳይ እዩ። ንነህሚያ ዝተነግሮ መርድእ ምስ ዝንገረና ብመጀመርያ ንገብሮ ነገር እንታይ ኮን ምኾነ፧ እዚ እቲ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ነዚ መልሲ እዚ ዝሰምዐ ነህምያ ሓደ ፈጣን ረዳኢ ብቐረባ ስለዝነበሮ ናብኡ እዩ ጎዪዩ : ናብ እግዚአብሔር፡ ነህምያ ከምዚ እዩ ዝበለ ኮነ ድማ፡እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኸኹ ተቐመጥኩ።ኣብ ድሚ ኣምልኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ ነህ 14።  ናይ ጉያናን ድሌትናን ፍጻሜ ናብ እግዚአብሔር ምስ ዘይከውን ክንጎዪ እንበር ክንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና፡ ክንጅምር እንበር ክንውድእ ኣይንኽእልን ኢና፡ ገና ኣብ ምብጋስና ብናይ ሰባት ዘረባ ተዓንቂፍና ክንወድቕ ከምኡ እውን ኣብ መጻወድያ ዲያብሎስ ክንወድቕ ዘሎ ተክእሎ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ምናልባት ብዙሓት ሰባት ሎሚ ካብ ቤተክርስቲያን ዝርሕቁሉን ካብ ኣገልግሎት ዝሃድሙሉን መንገዲ ገና ክንሰምዖ ኮለና ዘሰንብድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብርግጽ እውን ከም ውልቀ ሰብ ክትጾሮ ኣዚዩ ከቢድ ዝኾነ ነገር ክበጽሓካ ይኽእል እዩ፡ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ግን ብዛዕባ እዚ ፈተና ዝወሰድካዮ ቀዳማይ ስጉምቲ እንታይ እዩ ዝብል እዩ።ዘማራይ ዳዊት ዝዘመሮ ኣዚዩ መሳጢ ዝኾነ ቃል ኣሎ ኣብዚ ኦ እግዚአብሔር ሓይለይ፣ኤፍቅረካ እየ እግዚአብሔር ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ ፣አምላኸይ፣ዝሀድመሉጸግይ፣ዋልታይ፣ቀርኒ ምድሓነይ፣ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ። ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚአብሔር ተማህለልኩ እሞ፣ካብ ጸላእተይደሐንኩ መዝ 18፡1 ከመይ ዝበለ ሓይሉን ተስፍኡን እግዚአብሔር ሰለ ዝኾነ እዩ።  እግዚአብሔር ኣምላኽ ን ቅዱስ ዳዊት ዘፈርሖ ዘርዕዶ አምላኹ ጥራይ ኣይነበረን፡ እወ እግዚአብሔር ንዳዊት ፦ ሓይሉ፡ ከውሑ፡ ዕርዱ፡ ኮታስ ኩሉ ነገሩ እዩ እዚ እግዚአብሔር ሞሳ ዝግብኦ አምላኩ እዩ፡ እዚ ዘማራይ ቅድሚ ኩሉ ነገራት ብምስጋናን ብፍቕሪ ብእምነትን እዩ ጸዊዕዎ ነዚ ስለዝገበረ ድማ እዩ ካብ ጸገሙ ክናገፍ ዝኸኣለ ፡ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ደጊሙ  ከምዚ ክብል ዘሚሩ ኣሎ ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ኣብጽላል እቲ ኩሉ ዝኽእል ይነብር መዝ 91ነዚ ኢዩ ነቢዩ ናሆም ኣብ ትንቢቱ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲእዩ፡ነቶም ኣብኡ እተማዕቆቡ ድማ ይፈልጦም እዩ ናሆ 1፡7 ዝበለ፡ ነህምያ እውን ነዚ ሪእዩ  ኢዩ ኩላቶም ኣብኡ ዝተማዕቆቡ ከም ዘይወደቑ ብምስትውዓል ናብኡ ዝጸለየ።

          እዚ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ መጀመርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ እዚ'ዩ ስለዝረድኦ ኩሉ ነገር ብሰናይ እዩ ተዛዚሙሉ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሞገስ ስለዝረኸበ ድማ ኩሉ ዘድልዮ ነገራት ተፈቕደሉ ብዛዕባ እዚ ነህምያ ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ዝብል ቃል ጽሒፉ ንረክብ እቲ ሕያዋ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረ ከኣ ዝሓተትኩዎ ሃበኒ ነህ 29 እዛ ቃል እዚኣ ክልተ ነገር ኢያ ኣነጺራ እተርኢ ዘላ ቀዳማይ አምላኹ ምስኡ ምንባሩ ካልኣይ ድማ እቲ ምስኡ ዝነበረ አምላኽ ሕያዋይ ምኑ ኢዩ፡ እቲ እተምልኾ እግዚኣብሔር እንታይ ዓይነት አምላኽ እዩ፧ እወ እቲ ንግሆ ንግሆ እትጽዎዖ፡ ስሙ እና ኣልዓልካ እተመስግኖ፡ ልዕሊ ገዚፍ እንባ ጌርካ ትእመኖ፡ አምላኽ እንታይ ዓይነት አምላኽ እዩ፧ አምላኽ ንኹልና ሓደ ዓይነት ኣይኮነን ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ምስቲ ቕኑዕ ውን ቅኑዕኢኻ፣ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻመዝ 1826 ብምባል ዝገለጾ፡ እግዚኣብሔር አምላኽ ምንም እኳ ብመጠን ሓጢኣትና ኣይቕጽዓና ማዕረ እቲ ዝተኣመንናዮ እዩ ዝእመነና ነህምያ ድማ ብፍጹም ልቡ ስለዝተኣመነ እዩ እቲ ሕያዋይ እግዚአብሔር ክድግፎ ዝኸኣለ፡ ስለዚ እንበኣር ንሕና እውን ንአምላኽ መጠን እቲ እነምልኾ ክንፈልጦን ክንእመኖን ይግብኣና እዩ ብዛዕባ ንአምላኽ ምፍላጥ ቃል አምላኽ ከምዚ እዩ ዝብል “ ንእግዚአብሔር ንፍለጦ፡ክንፈልጦ ድማን ስዓቦ ሆሴ 63 ። ነህምያ ንእግዚአብሔር አምላኹን ንህዝቡን ከገልግል ይትንስእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን ናይ መጀመርያ ፈተና ዝገጠሞ ካብቶም ሕማም ደቂ ዓዶምን ምፍራስ ቤት መቕደሶምን  ዘይተረድኦም ደቂ ዓዱ ኢዩ ዝነቐለ፡ ነህምያ እንበኣር ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝመለሶ መልሲ ሎሚ ንኹላትና ዕንቅፋት ከጋጥመና ከሎ እንምልሶ ናይ መጀመርያ መልሲ፡ ንውሽጥና እንነግሮ ናይ ብድሆ ኣርማ፡ ብሰባት ንልለየሉ ሕላገትና፡ ኣብ ቅድሜና ብዘንጊ ጌርና እንሰቕሎ ኣርማና ክኸውን ዝግባእ ቃል ኢዩ፡ እዚ ቃል ንናይ ሎሚ ትምህርትና መሪሕ ጌርናዮ ዘሎና  ኣምላኽ ሰማይ ክቅንዓልና ኢዩ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዩ ኢና “ ነህ2፡20።

     ኣገልግሎት  ናይ ፈትና  መድረኽ እዩ ጥበበኛ ሲራክ ኣብ መጽሐፉኣታወደይንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ፥ንገዛእርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ።ቅኑዕን ዘይነቓነቕንኩን።ብጊዜ ጸገም ከኣ ኣይትተሃወኽ።ኣብ እግዚአብሔር ተጸጋዕ፥ካብኡ እውን ከቶኣይትፈለ፥ኣብ መወዳእታ ዕድሜኻ ድማ ከኽብረካ ኢዩ ሲራክ 21-3 ከመይ ዝበለ ሰናይ ምኽሪ ኢዩ! እንታይ ዝበሉዎ ዘደንቕ ጥበብከ ኢዩ! ገና ናብ ናይ አምላኽ ኣገልግሎት ክንስለፍ እንኮለና እንበኣር ፈተና ከም ዘሎ ከነስተውዕል ይግብኣና ኢዩ ዲያብሎስ ናይ ትማሊ ታሪኽና እንዳ ኣልዓለ ብሰባት ክወቕሰና፡ ከምኡ እውን ንሕና ጥራይ እንፈልጦም ክንገድፎም ዘይከኣልና ሕማቕ ጠባያትና እና ኣልዓለ ኣገልግሎትና ከም ዘይሰምር፡ ናብ ቤት አምላኽ ምምጻእና ትርጉም ከም ዘይብሉ፡ ንዘይከውን ነገር ንደክም ከም ዘሎና እና ኣመልከተ  ከታርፈናን ኣብ ሕልናና ድማ ድኻም ክፈጥረልናን ኢዩ፡ እንበኣር ኣብዚ ጊዜ እዚ ኢዩ ካብኡ እውን ከቶ ኣይትፈለ ዝብል ሰናይ ቃል ናይ ጥበበኛ ሲራክ ኣብ ኣእምሮና ክመጽእ ዘለዎ። ምንም እኳ ምስ ሓጢኣትና እንተሃሎና አምላኽ ንኽቅበለና  ኩሉ ጊዜ ድልዊ ኢዪ። ጥራይ ከምቲ ናይ አምላኽ ሰብ ዝኾነ ነህምያ ቀዳማይ ስጉምትና ናብ አምላኽ ምምዕቛብን ብስሙ ምእማንን ይኹን። ፈተና እግዚአብሔር ንደቁ ዝጸርበሉ ነቲ ላዕለዋይ መንግስቲ ዘዳልወሉን በሊሕ ምሳር እዩ፡ ሓደ ሓረስታይ ናውቲ ማሕረስ ከዳሉ ከሎ ነቲ ይኾነኒ እዩ ዝበሎ ገረብ ቆሪጹ ድሕሪ ምውሳድ ከምቲ ዘድልዮ ገይሩ ከም ዝጸርቦን ዘዳልዎን ንዑዑን ነቲ ብዕራይን ብዝጥዕም መንገዲ ድማ ከም ዝሰርሖን ፈተና ድማ እግዚአብሔር ነቶም ንመንግስቲ አምላኽ ዝተሰለፉ ሰባት ዝመምየሉ መሳርሒ እዩ። ሓደ ንእግዚአብሔር ከገልግል ኢሉ ዝተበገሰ ሰብ ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ፈተናታት ክሓልፍ ሰናይ እዩ ከመይሲ ኣብኡ ነቲ ዘገልግሎ ዘሎ እግዚአብሔር ብዝያዳ ኣርቂቑ ክሪኦን ከለልዮን ስለዝኽእል። እንበኣር ንሕና ንመንግቱ ዝተሓረና ውሉድ ካብ ኮንና ንኣገልግሎቱ ድማ ዝተሰለፍና ሰባት  ኣብ ናይ ኣገልግሎት ሕይወትና ከም ነህምያ ኣጽኒዖም ከቑሙናን ብእምነት ኮይንና ድማ ክንዓዪ ኢና ከብሉና ዝኽእሉ መሰረታውያን ነገራት ክንርኢ ኢና። ሓደ ኣገልጋሊ ኣብ ሕይወቱ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ቅድስና ነገራት ክህልዉዎ  ሰናይ እኳ እንተኾነ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ግን እቶም ኣገልገልቲ ብፍሉይ ክፍልጥዎ ዘለዎም  ዓበይቲ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

 

፩ይ፦ኣገልጋሊ ናይ ፍቕሪ ሕይወት ክህልዎ ይግባእ፦ ንሕና ናይ ክርስቶስ ደቂ መዛሙር ኢና። ናይ ክርስቶስ ደቂ መዛሙር ከኣ ንክርስቶስን ንትእዛዛቱን ከፍቅሩ ምስ ዝኽእሉ ጥራይ ኢዮም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ። ከመይሲ ፍቅሪ ጽባቐ ናይ ክርስትና ስለዝኾነ። ክርስቶስ ኢየሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ዝኣዘዞም ሓንቲ ዓባይ ትእዛዝ ኣላ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ፡ነንሓድሕድኩምፍቕሪ እንተላትኩም፡በዚ ደቀመዛሙርተይ ምዃንኩም ኲሉኺፈልጥእዩ  1334-35 ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ኣገልገልቲ ልዕሊ ኩሉ ነገር ፍቕሪ ክህልዎም ይግደዱ። ኣብዚ ዘሎናዮ ሃገራት ኣብ መብዛሕትኡ ቤት ጽሕፈት እትሕተቶ ነገር ኣሎ መንነት ወረቐት ( identity card (ID) & social security ) እዚ ነገር እዚ ምስ ዘይህልወካ ጉዳይካ ከተሰልጠካ ኣክእልን ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት መድረኽ ድማ ከምኡ ኢዩ፡ ምናልባት ንጊዜኡ ብኣወናዝፋ ነጸላና(ኣከዳድናና)፣ ብስብከትና፣ ብቅዳሴና፣ ብዝማሬና፣ ብጽሑፋትና፣ኮታስ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታትና ክንሽፍኖም  ንኽእል ንኸውን ኢና እንተኾነ ግና ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ከውሒ እክሊ ከም ምዝራእ እዩ። ኣገልግሎትና ፍቕሪ ምስ ዘይህልዎ ብኽልተ ነገራት ኢና ንጉዳእ፦ ቀዳማይ ንርእስና በረኸት ዘይብሉ ሕይወት ክህልወና ከሎ ካልኣይ ድማ ነቶም ናብ ቤት አምላኽ ፍቕሪ አምላኽን በረኸት አምላኽን ደልዮም ዝመጹ ሰባት ስለንዕንቅጾም ዕንቅፋት ብምዃንና ንሕተቶ ዋጋ እዩ። ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ልዕሊ ምንም ነገር ንነፍሱን ነፍሲ ናይ ሰባትን ክጎዪ ክኽእል ኣለዎ። ኣገልግሎት ዋጋ የኽፍል እዩ፡ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ ኢሉዎም ንደቂ መዛሙርቱ ንሓድሕድኩምክትፋቐሩ፡ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ  1334 ኣብዚ ክፍሊ ይታ ከምቲ ኣነ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ እንተ ኢልና ኣዚዩ ብዙሕ ነገራት ክንጠቅስ ይከኣል ኢዩ፡ እታ ንኹላተን ትጥቕልለን ፍቕሩ ግና ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ክሳዕ ክንድዚን ዓለምኣፍቀራ 316  ትብል እያ። ከምቲ ቅዱስ ቃል አምላኽ እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየስስ ዝነበር ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ ፊሊ 2ዝበለና ኣብ ናይ እግዚአብሔር ናይ ኣገልግሎት መስመር ዝተሰለፈ ዘበለ ኩሉ ብፍቕሪ ክኸውን ይግብኦ።

፪ይ ኣገልግሎት ብቅንዕና ክኸውን ይግባእናይ መብዛሕትና ኣገልገልቲ ሽግር እዚ ኢዩ፡ ልዕሌና ዘለዉ እሞ ዝተጋገዩ ሰባት እናጠመትና ካብ ምስራሕ ንቑጠብ። ሓደ ኣገልጋሊ ቅኑዕ ምስ ዝኸውን በረኸት አምላኽ ኣብ ልዕሊኡ ስለዘሎ ዝሪኦም ነገራት ቅድስናን ንጽህናን እንበር ናይ ሰባት ኣበር ኣይከውንን። ኣብ ሕይወትና ቅንዕና ምስ ዘይህልወና ግና ኣገልግሎትና መቐረት የብሉን፡ ከምዚ ብተመሳሳሊ ንንውሕ ዝበለ ጊዜያት ሓደ ዓይነት መግቢ ምብላዕ ይኸውን፡ ሓደ ሰብ ተመሳሳሊ ጊዜያት ሓደ ዓይነት መግቢ ጥራይ ምስ ዝበልዕ ነቲ መግቢ  ኣይብህጎን ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብዘይ ቅያር ስለዝበልዖ እሞ ስለዘሰላቸዎ እዩ። ኣብ ናይ ኣገልግሎት ሕይወትና ብቅንዕና ክንመኻኸርን ክንገሳሰጽን ከምኡ ድማ ንነገራት በቲ ቅኑዕ ዝኾዕነ መንገዲ ክንርእዮምን እንተዘይክኢልና ጽባሕ ኣብ ኣገልግሎት ምጽናሕናን ዘይምጽናሕናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ እዩ፡ ምኽንያቱ ተመሳሳሊ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ኣገልግሎት እውን ስለዘሰላችወና። ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ነቶም ቅኑዓት ዘበሉ ድማ ከም ዘገልግሉኒ ክገብርኢየ መዝ1016 ከምዝበሎ ከገልግሉ ዝኽእሉ ቅኑዓት ጥራይ እዮም። ሰባት ብተፈጥሮና ቅኑዓት ኢና እዚ ድማ ናይ እግዚአብሔር ዕላማ እዩ። ከመይሲ ቅንዕና ናይ ኩሉ ነገር መጉልሒ ስለዝኾነ። አምላኽ ክፈጥረና እንከሎ ቅኑዓት ገይሩ ከም ዝፈጠረና መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ቅኑዓት ገይሩ ፈጠረና መክ 729 ስለዚ ቅንዕና ብሕጂ ክንኮኖ እንደልዮ ባዕልና እንፈጥሮ ሓዲሽ መስመር ዘይኮነስ ኮይንና ዝተፈጠርናዮ ሕይወት እዩ። ቅንዕና ንእግዚኣብሔር ዝተቐደሱ ሰባት ዝመላለሱሉ መንገዲ ኢዩ፡ ነቢይ ኢሳይያስ ንስኻ  እግዚአብሔርን ጻድቃን መንገዲ ተዳልወሎም፥እታ ንሳቶም ዝኸዱዋ ድማ ቅንዕቲኢያ ኢሳ 26ንሕና እውን ንእግዚአብሔር ዝተቐደስና ብደም ኢየሱስ እውን ዝኸብረና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዘለና ሰባት ክሳብ ዝኾንና  ብቅንዕና ከነገልግል ይግባእ።

፫ይ ኣገልግሎትና መንፈሳዊ ቅንኣት ክህልዎ ይግባእመንፈሳዊ ቅንእት ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ታቓኒኻ ንስለ ድሕነት ነብሳት ዝግበር መንፈሳዊ ጉያ እዩ። መንፈሳዊ ቅንኣት ብዘይ መንፈሳዊ ፍልጠት ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ስለዝበዝሕ ዝኾነ ይኹን መንፈሳዊ ቅንኣት ዘለዎ ሰብ መጀመርያ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምፍላጥ ክቐንእ ይግባእ። ምኽንያቱ ብቅንኣት ጥራይ ዘይኮነስ ብፍልጠት እውን ክነገልግል ስለዘድሊ። ኣብ ቤተክርስቲያን ዘሎ ኩሉ ናይ ኣገልግሎታን ስርዓተ ኣምልኾኣን ምስጢራ ብዕምቆት ክንፈልጦ እንተዘይክኢልና ብዛዕባ እቲ ዝተሓተትናዮ ተስፋና ዝኾነ ክርስቶስ ክንምልስ ኣይንኽእልን እዚ ምስ ዝኸውን ድማ ንሕይወትና ኣብ ናይ ዲያብሎስ መፈንጠርያ ነእትዋ ማለት እዩ። ኣብ ግብረ ሃዋርያት  18፡24-28 እንተ ተመልኪትና ሓደ ኣጵሎስ ዝተበሃለ ሰብ ንረክብ ኢና፡ እዚ ኣገልጋሊ እዚ ክምህር እንከሎ ብተረኽበ ዘይኮነስ ብኣፍልጦ ነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል ብመንፈስ ተቓጺሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣዝዪ ይሰብኽን ይምህር ነበረይብል እንተኾነ ኣጵሎስ ቅንኣት ጥራይ ዘይኮነስ ኣፍልጦ እውን ነይሩዎ እዩ ከመይሲ ንኣይሁድ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እና ኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑይረትዖም ነበረግብ 1824-28እንበኣር ኣብዚ እንተ ኣስተውዒልና  ንኣምላኽን ሓሳባቱን ምስ ንርዳእ ከም ዘማራይ ዳዊት ንቤትካዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ መዝ 699 ክንብል መንፈሳዊ ዓቕምን ብቕዓትን ክህልወና ይኽእል ማለት እዩ።

 ሓሳብና ንምዝዛም ዝኣክል   ከም ነህምያ  አምላኽ ሰማይ  ክቕንዓልና ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዪ ክንብል እቲ ምስኡ ዝነበረ ሕያዋይ አምላኽና ድማ ኣብ ሕይወትና ክነብር ምእንቲ ቀዳማይ እግዚአብሔር ቀዳማይ ምርጫና ክኸውን ይግባእ። ንኣገልግሎትና  ኩሉ ክባርኽን ብፍቕሩን ብቅንኣት መንፈሱ ኣበርቲዑ ብሓይሉ ቅኑዓት ኣገልገልቲ ክገብረና ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን !!!

ብሐት  ለእግዚኣብሔር            

ዲ. ዮንስ ዘደብረ ቁስቋም!!!

Comments are closed.