ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን

ሓደ እዋን ሰይጣን ንኣባ መቃርስ ጸላእትኻ ኣመና በዚሖም ምስበሎ፡ ኣባ መቃርስ “ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን” ኢሉ ንሰይጣን ኣሕፈሮ። ዲያቢሎስ’ውን መሊሱ እሞ ንሰብ ጸላኢኡ መን’ዩ? ኢሉ ንኣባ መቃርስ ሓተቶ፤ ኣባ መቃርስ’ውን፣ ጸላኢ ሰብ ደኣ ንፍጡር ዕለተ ዓርቢ ዝዀነ ሰብ ኣዳም ዝፈተነ፡ ንኢዮብ፡ ንዳዊት ነቶም ዝበቅዑ ኣቦታት ዝፈተነ ሓደ ፍጥረት ኔሩ ንሱ ኢዩ ጸላኢኡ!” ንስኻ ነዚ ፍጥረት ኣይትፈልጦን ዲኻ?”ኢልዎ። ዲያቢሎስ ከኣ ብፍጹም ሰሚዐሉ’ውን ኣይፈልጥን፡ ዋላ ሓደ ዝፈልጦ የብለይን። ዝገርም’ዩ ከመይ ዝበለ ጨካን ፍጥረት’ዩ በለ ርእሱ እናነቕነቐ። እወ ከምዝበልካዮ ጨካን’ዩ። ነዚ ፍጥረት ዘይምፍላጥካ ግን ገሪሙኒ፡ ይገርመካ ንሱ ጨካን ጥራይ ኣይኮነን ነቲ ዝፈጠሮ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ዝፈተነ ደፋር’ውን እዩ። ጨካንን ደፋርን ዋላ እንተኾነ ግን ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ እዩ’ሞ ንሕና’ውን ነዛ ጾም ለንቅነ ንጾሟ እኮ ኢና ዘለና፡ ኢልዎ። ኣብዚ እዋን ዲያቢሎስ ተሳዒሩ ዝብል ቃል ክሰምዕ ከሎ ስዕረቱ ተዘኪርዎ ኣዕለበጠ። ከይፍለጥ ግና “ኣይ እዚ ደፋር! ጉድ እናበለ ምምሳሉ ቀጸለ፡ ኣባ መቃርስ ከኣ እሞ ንስኻ ነዚ እንተዘይፈሊጥካዮ ኣይትጸውምን ኢኻ ማለት’ዩ? ኢልዎ ፍሽክ እናበለ፣

ዲያቢሎስ ከኣ ጾ……ጾ…..ም ጾም ስለዘሕምመኒ እናበለ ሃተፍተፍ ክብል ከሎ፡ ኣባ መቃርስ፡ ሕጂውን ፍሽክ እናበለ፡ ኣይ ንስኻ ስጋብ መዓስ ኢኻ ጸላኢ ሰብ ትኸውን? ከም ዝሓመምኩ ፈሊጥካ ከይጸውም ነዚ ኩሉ ሃተውተው ኢልካ፡ ገና ክትመጽእ ከለኻ መን ከም ዝዀንካ ፈሊጠካ ኔረ። ገና ንዓይ ክትፍትን ክትሓስብ ከለኻ ይፈልጥ ኔረ! ኣይ ዲያቢሎስ ጸላኢ ሰብ ንስኻ ጥራይ ኢኻ! በል ሕጂ እዋን ጾም’ዩ እሞ ኣልግስ ኢሉ ገሰጾ። ዲያቢሎስ ከኣ ካብኡ ኣልገሰ። ነዚ ታሪኽ ኣባ መቃርስ ከንብብ ከለኹ ሓደ ነገር ተዘኪሩኒ፡ <<ዲያቢሎስ እቲ መጻርርትኩም ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቁ ንቕሑ ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቃወምዎ>> ዝብል ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ እዩ። 1ይ ጴጥ.5፣8።

ነዚ ጽቡቅ ጌርና ንረዳኣዮ፡ ንሰብ ጸላኢ ሰብ የብሉን። ጸላኢኡ መን’ዩ? ዲያቢሎስ እዩ። በዚ እንተተሰማሚዕና ንኣገልግሎትና ከመይ ጌርና ካብ ጸላኢና ዲያቢሎስ ክንሕልዎ ከምእንኽእል ብሓባር ንርአ።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላክ አበዊነ።

ዘኬዎስ

Comments are closed.