መስቀል

 “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቅስት”
“ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድኅኑ ነቶም ዝፈርሑኻ ሰደቕ ዕላማ ሃብካዮም” መዝ 60፡
4

            መስቀል ዝብል ቃል ክለዓል ከሎ ዝተመሳቀለ ዕንጸይቲ ጥራይ ዝመስሎ ሰብ ስቅለተ ክርስቶስ  ዝርስዕናጽነቱዝዝንግዕ ጥራይ ኢዩ። ምናልባት መዝገበ ቃላት ገንጺልና ኣብ ነንብበሉ ጊዜ መስቀል ዝብል ቃል “ዝተመሳቐለ ነገር” ከምኡውን ናጽነት ዝብል ቃል “ካብ ባርነት ሓራ ምዃን” ብምባል ካብቲ ነቲ ካልእ ቃላት ዝትርጉሞ ብዘይበልጽ ክጽሕፎ ይኽእል ይኸውን ኢዩ። ንዓና ግን መስቀል መንነትናሰንድቅ ዕላማ  ካብ ኣምላኽ ዝተወሃብናዮ  ናጽነትና ዝተኣወጀሉ ሰማያዊ ባንዴራና ኢዩ። ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ፍላጻ ናይ ጸላኢ” እንድሕነሉ ሰንደቕ ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ። መስቀል ወይ ኣመሳቒልካ ምብራኽ ኣብ ኦሪት ዝጸንሐ ነገር ኢዩ “ያእቆብ ግና ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ” ዘፍ 48፡14 ንደቂ ዮሴፍ ወዱ ከም ዝባረኾም ተጻሒፉልና ኣሎ። እዚ ምናልባት ንጊዜኡ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ፍጻሜ እኳ እንተነበሮ ፍጻሜኡ ግና ብክርስቶስ ኣብ ዝተመሳቐለ ዕንጸይቲ ምስቃል ከም እንድሕንን እንባረኽን ምሳሌ ኢዩ ዝነበረ። ብተመሳሳሊ እውን ኣቦና ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ምስ ኣማሌቃውያን ይዋጋእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ክልተ ኣእዳዉ ሓፍ ኣብ ዘበለሉ ግዜ ህዝቡ ይስዕሩ ፡  ኣእዳዉ ረብሪቡኣብ ዝዓጸፈሉ ጊዜ ድማ ይሰዓሩ ከም ዝነበሩ ብሰፊሕ ተጻሒፉ ኣሎ ዘጸ (17፡8-16 )።ነቢሙሴ ንኣማሌቃዉያን ምስ ሰዓረ  ከምዚ ዝበለ፡ ምናልባት ኣነ ብኢድ ሰራዊተይ ይስዕር ይኸውን ኢለ ሓሲበ ነይረ፡ሓሳብ መንፈስ ቅዱስ ስለዝብርትዕ ግን ኣእዳወይ ኣልዓልኩ በዚ ድማ ሰዓርኩ ነቶም ሓያላት ኣማሌቃውያን ዝኽሮም ደምሰስኩ ስለዚ ነዚ ዝገበረ ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ በለ። መሰውኢ ሰርሐ ነቲ ብምዝርጋሕ ኣእዳዉ ጌይሩ ዓወት ዝሃቦ እግዚአብሔር ድማ “እግዚአብሔር ሰንደቕ ዕላማይ ኢዩ”ዘጸ 17፡16እናበለ ኣመስገነ። መስቀል ግን ንኣማሌቃዉያን ጥራይ ዘይኮነስ ነዞም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኣጋንንቲ ንስዕረሉ ኲናትና ካብ ፍላጻኦም ንሃድመሉ ዋልታና ኢዩ።
          መስቀለ ኣብ ግዜ ኦሪት ናይ መርገም ምልከት ነበረ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ግና ዋልታ ኮነ ፡፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ዘዳግም 21፡23 ዘሎ ቃል ብምስትንታን ኣብ ገላትያ “ኣብ ዕንጨይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን” (ገላ 3፡13) ብምባል ይገልጾ። ንመስቀል ክንርኢ ከልለና ዓበይቲ ፍጻሜታት ንዝክር። ኣብ መስቀል ብዙሕ ነገራት ረኺብና ኢና፡ ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ከም ዘፍቅረና ተመልኪትና፡ናይ ዕዳ ዋጋ ኽክፈል ከሎ ተዓዚብና፡ ዲያብሎስ ብንፋስ ኣውታር ክውጠር ፡  ክርስቶስ ነቶም ኣብ መዓሙቕ ዝነበሩ ነፍሳት  ድሕነት ክሰብከሎም ከሎ ተዓዚብና። ክሳብ መወዳእታ ምዕጋስ ማለት እንታይ ምዃኑ ርኢና፡ ኣመሃ ኣምላኽ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ስንግል ማርያም ድማ ተዋሂባትና ። እዚ ኵሉ ዝተፈጸመ  ኣብ መስቀል ኢዩ። ነዚ መስቀል እዚ ከነኽብር ከለና ብዙኃት ኣጽረረ ክርስቶስ  ጐይታ  ዝተሰቐለሉ ንብረት ከመይ ኣቢልኩም ተኽብሩዎ  ክብሉ ይረኣዩ ኢዮም። እንትኾነ ግን ንሕልቅነትን ስልጣናትን ዘሕፈረሉ ናይ ክርስትና ዕርዲ ምዃኑ ዘይምግንዛቦም ምዃኑክበርህ ይግብኦ። ኣብ ጊዜ ስቕለት ናይ ጐይታዉዕለት  ብዙሕ ምዃኑ  ተመልኪትና ኢና፡ ካብቶም ዝተመልከትናዮም ነገራት ክልተ ነጥቢ ክንርኢ ክንፍትን ኢና። ዘይንፈልጦ ነገራት ሃሰስ ክንብል ኢና ማለት ኣይኮነን ናይ  መስቀልን በረኸት ገና ብዕሸላትና ዘስነቑና ኣቦታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ገሊጾሙልና ኢዮም።  ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ  ንኵሉ ዘዓባ መስቀለ ክርስቶስ  ኣሕጺርካ ክትጽሕፎ ኣይከኣልን። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ “ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት እንተዝጸሓፍ ናይዚ ዓለም መጻሕፍቲ ኩሉ ዝኣኽሎ እኳ ኣይመስለኒን ፡ እዚ ግን ኢየሱስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣሚንኩም ብስሙ ህይወት ክትረኽቡ ተጻሕፈ” ከም ዝበሎ ብቅድስና ናይ መስቀል ተኣሚንና ብበረኸቱ ተማእኪልና ክንነብር ደኣ እንበር ነገረ መስቀል ኣብዚ ክንዛዝሞ ስለዝከኣል ኣይኮነን እ ዝጸጸሓፍ ዘሎ ስለዚ ኢና ድማ ክንፍትን ዝበልና።
“ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ”
ቅዱስ መስቀል ክንርኢ ከለና ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ኢና ንምልከት። “ኣምላክ ንሓደ ወዱ በጃ ክሳብ ምሃብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” (ዮሐ3፡16)  ዝብል ቃል ዘንበበ ሰብ በልሳን ደቂ ኣዳም ተመዚኑ ክስፈር ዘይከኣለ  ፍቅሪ ምዃኑ ይግንዘብ ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ  “ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም” ኤፌ 2፡1 እንበኣር ኣምላክ ወዱ በጃ ዝሃበስ ንምዉታን ኢዩ ዝነበረ። ነቶም ብስጋ ህያዋን ግናኸ ብመንፈስ  ካብ ኣነባብራ ናይ ሰባት ዝወጻእና ንኣምላኽን ንሰብን ዘይጥዕም ኣነባብራ ዝነበረና ሰባት ኢዩ ዝነበረ። እዚ ሓዋርያደጊሙ  ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣምላክ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዘርኣየና “ግናከ ንሕና ገና ሓጥኣን እንኮለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ኢዩ እሞ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ” ሮሜ5፡8 ብምባል ኣምላኽኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ከመይ ዝበለት ምዃና ኣጸቢቑ የብርህ ኣሎ። ፍቕሪ ሓያል ኢያ ብነገራት ትስወር ኣይኮነትን ፍቕሪ ውዕለታታት ኣይትጸባጸውን ኢያ ፡ፍቕሪ ብነገራት ትሕዛእ ወይ ድማ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ትለዋወጥ ነገር ኣይኮነትን። ሰባት ንኽልተ ነገራት ኣፍቂሮም መስዋዕትነት ክኸፍሉ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ሓደ ኣዚዩ ንዝፈትዎ ሰብ ፍጹም እምነት ዘንበሩሉ ምስ ዝኸውን ንሶም እውን ኣብ ከምዚ ዓይነት መስገደል ምስ ዝኣትዉ ከም ዝራድኦም ብምእማን፡ ወይ ውን ሎሚ ከምዚ ገይረ እንተሓጊዘዮ ጽባሕ ኣየግድዓንን ግዲ ይከውን ዝብል እምነት ምስ ዝሕዙ ኢዩ። ናይ ክርስቶስ ግና ከምዚ ኣይነበረን ንዋግኡ ከቃልሉ ዝክእሉ ውዕለታታት ኣይነበሩዎን። ምናልባት ነቶም ዘፍቀሩዎ እሞ ዝተገዝኡዎ መዓልታዊ እውን ዝልምኑዎ ሰባት እንተዝከውን ከምዚ ስለዝኾኑ ኢዩ ከምዚ ገይሩሎም ምስተበሃለ ነይሩ። የግዳ ንሕና ጸላእቱ ኢና ነይርና። ብኣበሳና ምዉታት ነበርና ኣብ ቅድሚኡ ደው ክንብል ንኽእል ሰባት ኣይነበርናን ኣብ ኦሪት “ንዓኻትኩምን ንኣምላኽን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዝፈላልየኩም ዘሎ ኣበሳኹም ኢዩ፡ ካይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቅድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚአብሔር ዝሃብኣልኩም ዘሎ ሓጢኣትኩም ኢዩ” ኢሳ 59፡2 ተባሂሉ ተጻሒፉልና ነበረ። እዚ ኣበሳና ኣብ ቅድሚኡ ደው ክንብል ኮነ ገጹ ክንርኢ ኣየብቅዓናን ። ክርስቶስ ግን ነዚ ኩሉ ነመንደቅ ሓጥያትና ዘፍርስ ኣምላኽ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ልደቱ ምስ መላእኽቲ ዘመርና ኣብ ሞቱ ምስ ኣምላኽ ዓረቐና ነዚ ኢዩ “ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብምሟት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፡ንክልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ዓረቆም” ኤፌ 2፡16 ነዚ ክገብር ከሎ መጀመርያ ነቲ መርገምና ኣብ ዝባኑ ጸሮ ገላ 3፡13። ኣበሳና ድሕሪ ምጿሩ እውን ነቲ መንደቕ ኣፍረሶ “ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ከልካሊ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና ኢዩ” ኤፌ 2፡14 እንበኣር መስቀል ክርስቶስ ክንርኢ ኮለና ነዚ መወዳድርቲ ኣልቦ ዝኾነ ፍቕሩ ኢና ንምልከት።
 “ናይ ኣምላኽ ይቅሬታ”
          ኣምላኽና ንይቕሬታኡ ወሰን እንተዝገብረሉ እሞ ከምዚ ናይ ዓድና ባኒ ብኩቦን ንስድራ ዝወሃብ እንተዝህበና እንታይ ምወሓጠና ኢልኩም ሓሲብኩም ዶ ትፈልጡ፧ እወ በቃ በዲልና ክንከዶ ኮለና ኣይ በቐዳማይ ናይ መወዳእታኻ ኢያ ነይራ ተጠቂምካላ ኢኻ እንተዝብለና፧ ወይ ውን ዝወደይ ሓንቲ ጥራይ ኢያ ተሪፋትካ ዘላሞ ሕጂ እንተመጺካ ናብታ መዓሙቕ ክትድርበ ኢኻ ተዝብለና፧ ምናልባት ምተጠንቀቕና ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና ግን ኣይመስለኒን ምንባርና ንኣምላኽ ክሳብ ዘይኮነ ብኣነባብራና ክነስምሮ ኣይንኽእልን ኢና። ሰብ ከምዚ ከማካ ምናልባት ኣሕሪቕካኒ ኢየ በዲለካ፡ ወይውን ንስኻ እንተ ዘይትደፍአኒ ኣነ እኮ ከምዚ ዓይነት ሰብ ኣይኮንኩን ክንብል ንኽእል ኢና። በዲልና ክንስናውን ብሰንኪ ክስቶ ኢየ ወይ ከምዚ ጌርካ ሰሚዐ እየ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ኢና ምኽንያታት ኣይሰኣኑን ኢዮም።
          ኣምላኽ ከምዚ ስለዝገበርካ ፡ ካይንብሎ ፍጹም ኢዮ እሞ ኣበር የብሉን ፡ ምሳይ ስለ ስለዘይነበርካ ከይንበል ኣባ ጥቓይ ዝነበረ ኣማራጺ ተተቂመ ከይንብል ንሱ ዘይብሉ ኣጽናፍ የለንምሉእ ብኵሉሄ እዩ ። ንስኻ ክትገብሮ ስለዘይትኽእል ናብ ካልኦት ከይደ ከይንብል  ንሱ ገባሪ ኵሉ ዓለም እዩ። ክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ኣብሰና ከለና ኣፍቀረና  መስቀሉ ዙፋን ገይሩ ንሱ እውን ከምቲ ቃሉ ልዕል ምስበልኩ ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ ኢየ ዝበሎ ናብኡ ምስ ኣቕረበና ንዝበደልናዮ በደላት “ኦ ኣቦ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም” ዝበለ ሉቃ 23፡34 ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መስቀል ኮይኑ ይቕሬታኡ ዝለመነ ፈያታዊ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ዝበሎ ሉቃ 23፡43 መስቀል ክርስቶስ ኣምላኽ ንኹሉ ኣበሳና ይቕረ ክብል ዝተሰቐሎ ካይኣክል ነቶም ኣብቲ ህሞት ዝበደሉዎ ኣይሁድ እኳ ምሕረት ዝለመነሉ ድንቂ ስፍራ ኢዩ ብምባል ናይ ይቕሬታ ዙፋን ኢልና ንጽውዖ። መስቀል ክርስቶስ ክንርኢ ከለና  ናይ ኣምላኽ ምሕረት ንዝክር።
“ንመስቀል ንምንታይ ነኽብሮ”
          ብዙሕ ጊዜ ኣጽረረ መስቀል ዘዓባ መስቀል ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ትምህርቲ ክህቡ ይስምዑ እዮም እቲ  ሽግር ንነገራት በቲ ንሳቶም ዝተረድእዎ ነገራት ክንርድኦ ስለዝደልዩና ኢዩ። ኣፎም መሊኦም ድማ መስቀል ክርስቶስ ዘተሰቀለሉ ክንሱ   ስለምንታይ  ትኽብርዎ  ይብሉና። ካብዚ ብዘይፍለ ምኽባርሲ ደሓን ዋላ ኣኽብሩዎ እቲ ምስላም ብኡኡ ምብራኽ እንታይ ኣምጾ ክብሉ ይስምዑ። ብሕጽር ዝበለ ክንምልሶ እንተኾይኑ ክርስቶስ ኣብ መስቀል “ነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዝበኣሰናን ብኢድ ዝተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ኣብ መስቀሉ ሸንኪሩ ካብ ማእከል ኣርሓቖ። ነቶም ሕልቕነትን ሥልጣናትን ኣጽዋራት ገፊፉ ብመስቀሉ ምስ ሰዓሮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣሕፈሮም” ቆላስዩስ 2፡14-15 ብምባል ኣብ መስቀል ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ኣጋንንቲ ዝሰዓረሉ ደኣ እንበር ክርስቶስ ዝተሳዕረሉ ኣይኮነን። መዓልቲ ድሕነትናን ናጽነትናናክንዝክር ከለና ድማ ነቲ ንናጽነትና ክብል ሕይወቱ ዘወፈየ ኣምላኽ ክንዝክር ነቲ ከም ዙፋን ብምጥቃም ይቕሬታና ዝኣወጀሉ ዙፋን ምቅላል ኣግባብ ኣይኮነን።
          ካልእ ንምንታይ ተኽብሩዎ ዝብል ሕቶ እውንይለዓል እዩ። እቲ መስቀል ደም ናይ ክርስቶስ ዝፈሰሶ ናይ ቅድስና ዙፋን ኢዩ። ነዚ ምኽባር ነውሪ ኢዩ ዝብሉ ሰባት ካብ ኣምላኽ ከም ዘይኮኑ ክንርዳእ ኣየጸግመናን ኢዩ። ምልስ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስና ምስ እንፍትሽ ግን “ኣምላኽበቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ” ቆላ 1፡20 ስለዚ እዚ መስቀል ደም ናይ ክርስቶስ ዝፈሰሶ ቅዱስ ንብረት ኢዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ንዋየ ቅዱሳት ክዛረብ ከሎ “ነዚ ኵሉ ቐድሶ እሞ ፍጹም ቅዱስ ክኸውን ኢዩ። ዝተንከዮ ዘበለ ከኣ ቅዱስ ክኸውን ኢዩ” ዘጸ 30፡29 ዝብል ቃል ኣሎ ብተመሳሳሊ ኣብ ዘጸ 40፡9 ተመሳሳሊ ትእዛዝ ኣሎ እዚ ድማ ፍጻሜኡ ከም ዝረከበ ኣብ ዘኁልቅ 7፡1 ንረኽቦ። እሞኸ ደኣ እዚ ንዋይ እዚ ብቕዱስ ቅብኢ ስለዝተቐብአ ጥራይ ቅዱስ ካብ ኮነ ነቲ ዝተንከፎ ዘበለ ድማ ካብ ቀደሶ ንዓና ንክርስቲያን ደም ክርስቶስ ዝፈሰሶ መስቀል ከመይ ዘይቅድሰና? ስለዚ ኢና እንበኣር ብመስቀል ክርስቶስ ንቕደስን ንባረኽን ብኡኡ መጠን ድማ ነኽብሮን ኣቦታትና እውን “እስመ ተቀደሰ በደመ ክርስቶስ መድኅን/ በቲ ህያው ዝኾነ ደም ክርስቶስ ተቐዲሱ ኢዩ እሞ ንመስቀል ነኽብሮ ዝበሉና።
          ንምንታይከ ኣብ ቅድሚ መስቀል ጐይታ ትሰግዱ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን። ኣብ ቅድሚ መስቀል ክርስቶስ ከም ንሰግድ ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ኣቐዲሙ “ናብ ማሕደሩ ንእቶ ናብ መርገጽ እግሩ ኸኣ ንስገድ” መዝ 132፡7 ዝበሎ ቃል ምዝካር የድሊ። ክርስቶስ ኢየሱስ ድማ ኣብ ወንጌሉ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ ኢየ ዝበሎ ማቴ 12፡32 ከም ዝበሎ ነቶም ዝሩዋት ዝነበርና ናብኡ ክስሕበና ምእንቲ ደው ዝበለሉ ዙፋን ንሱ ኢዩ እሞ ናብ መስቀል ክርስቶስ ንሰግድ።
“መስቀል ማለት ንዓና ንኦርቶዶክስ”
v ድሕነትና ዝተፈጸመሉ ኢዩ ዮሐ 19፡30
v ናይ ስጋን ነፍስን መርገም ዝተወገደሉ ኢዩ (ዘዳ 21፡23)(ገላ3፡13)
v ዲያብሎስ ዝተሳዕረሉ ኢዩ ኤፌ 2፡16
v ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰባትን ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ዝፈረሰሉ ዓውዲ ኢዩ ኤፌ 2፡15
v እግዚአብሔር ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዝገለጸሉ ኢዩ ዮሐ 3፡16 1ይ ዮሐ 4፡9
v ኣብ መንጎ ሰባትን እግዚአብሔርን ዕርቒ ዝተፈጸመሉ (ኢዩ ሮሜ 5፡10)ኤፌ 2፡16
v ናይ ገነት ኣፍደገ ዝተራሕወሉ ኢዩ ሉቃ 23፡43
v ናይ ይቕሬታ ዙፋን ኢዩ ሉቃ 23፡34
v ናይ ሰላም ኣደባባይ ኢዩ ኤፌ 2፡17
v ትምክሕትና ኢዩ ገላ 6፡16
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ዲ ዮሐንስ ዘደብረ ቁስቋም

Comments are closed.